Print this page

ካብ “ርኣዩኒ፡ ርኣዩኒ ናብ ሕብኡኒ ሕብኡኒ”

2019-06-29 21:01:12 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1995 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዙሕ ዘይቅዱስ ባህርያት ከም ዘለዎ ንሕና ንርዳእ ዝያዳ ከኣ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይፈልጥዎ። ኣዝዩ ቀናእ፡ ኣዝዩ ፈራሕን ተጠራጣርን ምዃኑ ብግብሪ ዘርኣየ እዩ። ካብኡ ዝሓሸ ዓቕሚ ናይ ዘለዎ ኣካል ሓሳብ ዝጸውር እንግደዓ የብሉን። እዚ ኩሉ ካብ ናይ ቃልሲ እግሪ ተኽሉ ዝፈልጥዎ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። እቲ ብናይ ብዙሓት ንጹሃት ደም ክሕጸብን ፈቐዳኡ ሓዊ ክኣጉድን ዘገደዶ ከኣ እዚ  ዝተጠቐሰ ዘይዕጉስን ርቡጽን ባህርያቱ እዩ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ መሕደሲ እዩ። እዚ ካብ እግረተኽሉ ጀሚሩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ እዩ። ካብ  ሱዳን ጀሚርካ ክሳብ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ደሓር ከኣ ምስቲ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከርእዮ ካብ ዝጸንሐ ናይ በለጽን ሕዝግድፍን ክምስምስ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። ናይ ኩሉ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝምድናኡ መዛዘሚ ግና ዝመንጠልካ መንጢልካ ህድማን ምግዳዕን እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዝነበረ ወዛሕዛሕ ዓለም ዘገረመ ነይሩ። ብዙሓት ኣብዚ ዝምድና ገንዘቦምን ሓሳቦምን ዘውፈሩ ኣካላት ከኣ ገለን ንኢሳይያስ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ገለን ድማ ዋላ እንተፈላጥዎ ኮንደኾን እቲ ጥመትን በለጽን በልይሉ ይኸውን ብዝብል እቲ ናይ ወዲ ኣፎም/ኢሱ  ብኣጸዋውዓ መራሒ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዕርክነት ሓቂ መሲልዎም፡ ነቲ ብደም ንጹሃት ዝሃጠረን መሰል ህዝቢ ዝጨወየን ሕሉፍ ሓሊፉ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ብ “ኣይከሰርናን” ዘነኣእስ፡  ኢሳይያስ ክሳብ “ናይ ሰላም መርኣያ” መዳልያ ምሃብ ዝበጽሑ ወገናት ነይሮም። እዞም ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወሰዱ ብዛዕባ ልኡኾም ኢሳይያስ እምበር፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡ ወይ ዘይግደሱ ወገናት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ውጹእ ጌጋ’ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓኦም ከቐድሙ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ኣይፍረዶምን እዩ።  ካብ ተመኩረኦም ኣብ ክንዲ ምምሃር እንተደጋጊመሞ ግና ፈተውቲ ዲክታቶር ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ዝኸፍልዎ ዕዳ ከም ዝህልዎም  ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

ንኢሳይያስ ኣብዚ ዘለዎ ከቐጽልዎን ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከድሕንዎ ዝደልዩ፡ ሎሚ ግና መመሊሶም ዝዳኸሙ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ንናይ  ውሱናት መንገድታት ምጽጋንን ውሱናት ከም ዕዲ ሃሎ ዝኣመሰላ፡ ናብ ህዝባዊ ተጠቃምነት ዘይተቐየራ ሓጽብታት ምስራሕን ኣጸጊዖም ከም “ኩሉ ዝከኣሎ ፍቱን” መራሒ ከቕርብዎ ዝደናደኑ የጋጥሙ እዮም። እዚ እቲ ስርዓት ካብ  ዝዝርግሖ መኸወሊ ሜላታት ሓደ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ዝተደርዐ ወጽዓን ሃገርና ሒዛቶ ዘላ ናይ ብርሰት ቁልቁለትን በዚ ዝኽወል ኣይኮነን።

ዲክታተር ኢሳይያስን ጉጅኡን፡ ነቲ ሱር ዝሰደደ ዜቤታዊ ሕመቖም ብናይ ደገደገ ተዋሰኦታት ክኽውልዎ ወርትግ ምስ ጸዓቱ እዮም። ብፍላይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ካብቲ ተሓቢአምሉ ዝነበሩ በዓትን ከመሳምስሉ ዝጸንሑ ናይ ኣይውግእ ኣይሰላምን ዓለም ነጺላትናን ኣጊዳትናን፡ ምስ ወጹ ብሃንደበት ዶባት ከፊትካ፡ ኣብ ዞባብውን ከባብያውን መድረኽ ናይ “ርኣዩና ርኣዩና” ገልታዕታዕ ጀሚሮም። ኢሳይያስ ነታ ደሓር ዝተመልሳ ዓዲ ሃሎ “ደሓን ወዓሊ“ ዝበላ ከምስል፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ጐንደር፡ ኣዋሳ፡ ጅማ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ናይሮቢ ክሳብ ጁባ ተጠውዩ ናብ ሱዕድያን ኤመረትን ኮለል ክብል ተዓዚቦም፡ ኣብዚ ካብ በጸሐስ ግዲ ኣብ ኤርትራውን ለውጢ ክህሉ እዩ ዝበሉ ደለይቲ ጽቡቕ ግና ግሩሃት ወገናት  ነይሮም እዮም። እንተኾነ እቲ መገሻታት፡ ካብ ብሱል ኤርትራዊ ክውንነት ዘይነቐለን ብናይ ካለኦት ከባብያዊ ሕሳብን ረብሓን ዝተቓነየን ስለ ዝነበረ፡ እነሆ ቁሩብ ከይሰጐመ ወዮ ዶብ ከፊትካ “ርኣዩኒ ርኣዩኒ” ናብ ዶባት ረጊጥካ “ሕብኡኒ ሕብኡኒ” ተቐይሩ። ወዮ ገያሻይን ዓራቓይን ሰብኣይ ናብታ ጉድጓዱ ተመሊሱ ኣጽቂጡ። ወዮም ነዚ ሰብኣይ ከጸባብቕዎ፡ ዘይምጥኖ መመላኽዒ ክቐባብእዎ ዝፈተኑ ወገናት እውን፡ ሓቂ እንተተዛረቡ ዝተሳዕሩ ስለ ዝመስሎም’ኳ፡ ዓው ኢሎም እንተዘይተዛረቡ “እዚ ሰብኣይ ሎምስ ኣብዚሕዎ፡ ህዝቢ ካብዚ ንላዕሊ ዝዕገሶ ኣይመስለናን” ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። እዚ እግሪ ዝተክል ዘሎ ዕግበትዚ ናብቲ ሰፊሕ ናይ “ይኣክል” ባሕሪ ዝሕወስ እምበር  ጠጠው ከምዘይብል ከኣ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ክመሓየሽ እዩ ክበሃል ዝጸንሐ ኩነታት ዘይምምሕያሹ ጥራይ ዘይኮነ፡ መሊሱ ከም ዝገደደ ኣብነታት ምዝርዛር ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ኣስጋኢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ፍልሰት ህዝቢ እንተተዓዘብና’ኳ፡ እቲ ካልእ ኣቕጣጫ ገዲፍካ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ኤርትራዊ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ተረጋጊጹ ኣሎ።  ብውልቂ ምዃኑ ተሪፉ ስድራቤታዊ መልክዕ ምሓዙ ከኣ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ይውስኽ። እዚ ከኣ ኤርትራ ከም ሃገር ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ምጽጋን ሓጽብን መንገድን ከነልዕል እንከለና፡ ብመንጽር ህልውና ሃገር ልዕሊ ህዝቢ ዝግለጽ ኣጀንዳ የለን። ህዝቢ እንተዘየልዩ ኩሉ የለን ማለት ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ኩሉ ድሕሪ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ህዝባ መሪርዎ ይርሕርሓ ንዘሎ ኤርትራ ብዛዕባ ካልእ ጽቡቕ እንተውረናላ ትርጉም የብሉን። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ከይመለሰን ከም ብርሰት ንዝኣመሰሉ ዓበይትን ወሰንትን ኣጀንዳታት እንዳሓበአ፡ ብናይ ደገደገ ኮለል ምስሉ ከዕሪ ዝፍትን መንግስቲ ይኹን መራሒ መወዳእታኡ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ከም ዝኸውን ከኣ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ኩነታቱ ነዓናውን ዘሰክመና ሓላፍነትን ተሓታትነት ከም ዘለዎ ግና ከቶ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።

Last modified on Saturday, 29 June 2019 23:04