Print this page

መግለጺ ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ بيان ائتلاف المرأة الارترية

2019-06-27 08:37:08 Written by  `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1515 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ዕለት 14-16 ሰነ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ካብ ዝተፈላለያ ድሕረ-ባይታን ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጻ ወከልትን ውልቀ-ሰባት ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያንን በርጌሳውያን ውድባትን ተጣበቅታ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ዘሳተፈ ብዝክሪ ስማእታትት ተክፊቱ  ከምእውን እታ ቀዳመይቲ ማዕጺ ዝከፈተትልና ንድሑር ባህላዊ ማሕለካ ዝስዓረት ኣነ ንህዝበይን ንሃገረይ ዝበለት ናይ መጀመርያ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዝተሳተፈት ኣርእያ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኮነት ወዘሮ ጀምዓ ዑመር  ብመንፈስን ምስልን ብክብሪ ናይዚ መዓልትታት  ኣሰናይት ኮይና  ዕዉት ዝኮነ  ጉባኤ ተኻይዱ።  

STATEMENT 1

ኣብዚ ንምዝካር ዝኣክል፡ እዚ ጉባኤ`ዚ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ናይ ሓደ ዓመት ዕቱብ ጻዕርታት ዝተገበረሉ፡ ብመሰረት ድሕሪ`ቲ ዓሚ ብተበግሶ ደቂኣንስትዮ ኣብ ከተማ ዴንሃክ-ሆላንድ ኣብ ቅድሚ መደበረ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ኣውሮጳ ዝገብርኦ ኮንፍረንስ ዝወሰኖ መደባትን መምረሒታት ዝተጋበአ`ዩ።

STATEMENT 2

ስለዚ ጐባኤና ንኩሉ`ቲ ንሃገርና ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብሓፈሽኡ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ ብዝምልከት ሰፊሕን ዕቱብን ክትዓት ድሕሪ ምክያድ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ንዕድመ እቲ ኣብ ሕቆ ህዝብና ተጻዒኑ ዝርከብ ሕጊ-ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻርን፡ ዲምክራስያውን ፍትሕውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ንምርግጋጽን ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ዘውሕስ ለውጢ ንምምትእታትው ሓድነትን ኣድማዕንትን ደንበ ፍትሒ ንምድንፋዕን ከቀላጥፍ ዝኽእል ወሳኒ እስትራተጂካዊ መዳባትን ዕማማትን ኣጽዲቁ።  ብተወሳኺ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ብፍላይ ዘፍጽሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣስካሕካሒ ናይ ወጽዓን ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምቅላሕን ንምቅላዕን፡ ደቂኣንስትዮ ኣድማዒ ኣካል ናይ`ቲ ሓርነትን ማዕርነትን ፍትሕን ኣግዕዞን ሰብእዊ መሰላትን ዝጣበቅ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ንምዃንን ዕዙዝ ምሕዝነት ንምፍጣር ወሲኑ።

STATEMENT 3

ጐባኤና ኣብ ክሊ ምስልሳል ኣጀንደታቱ፡  ኣብ መጻኢ ምእንቲ ዓቅምታትና ጠርኒፍና ኣድማዒ ቃልሲ ንምክያድ `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንምምስራት ሓባርዊ ስምምዕ ክንበጽሕ ምኽኣልና፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ሃገራዊ ቃልስ ህዝብና ዘጥረየኦ ሃብታም ተመክሮን ንቅሓትን ዘንጸባርቕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዑና ምልካዊ ስርዓት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓርነታዊ ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላት ምርግጋጽ ጽኑዕ እምነት ሱር ዝሰደደን ኣብ ርእሰ-ምትእምማን ተሳተፍቲ መሰረት ዝገበረ ኣብ መስርሕ ጥርናፈን ሕድነትን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣወንታዊ ባይታ ዝፈጠረ ስጉምቲ እዩ።  ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ ኩሉ`ቲ ኣብ መስርሕ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ናይ ምድላው ተመክሮን ዝተዋህለለ ናይ ጽንዓትን ባህሊ ሓባራዊ ስራሕ፡ ብርግጽ ኣብ መጻኢ ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ፡ ንሰላማውን ፍትሓውን ዲምክራስያውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ብሓፈሽኡ ንምርጋግጽ ኣብ ኣፈጻጽማ ግብራዊ ኣሰራርሓና ዝጽበየና ተጻብኦታት ብንቅሓትን ብቅዓትን ንምምካት ዘብቀዕና ዓቢ ትምህርቲ ነይሩ።

ወይዘሮ ፋጥና ሙሳ ንድለታት ባህግታትን ደቂኣንስትዮ ዝያዳ ዘዔሙቅን ንብዙሕነትና ዘስተማቅር ዘቅረበቶ ኣስተምህሮ ተወሳኪ ንረብሕን ማዕርነት ብከመይ ነስንዮ ዝኣመተ ኮይኑ ንጉባኤና ድምቀት ዝሃበ ነበረ ።  

ኣብ መደመደምታ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንኩሉን እተን ብኣካል ይኹን ብሞራል ንመስርሕ ምስንዳእ ጐባኤና ክውን ዝገበራ ኣሓት ብሓባር፡ ብፍላይ ከኣ ብውህደትን ምጽውዋርን ደኺምና ከይበላ ክሳብ ኣኼባና ዝጋባእ መድረኽ ክጸንሓ ዝጸነሓ ኣባላት ኣዋሃሃዲት ሽማገለን ኣባላት ማሕበር ደቂኣንስትዮ ጀርመንን ከይተሓለላ  ብስእልን ቪዲዮ ዝስነደቶ ከምኡውን ምትርጛምን  ብዝገበርኦ ዝነኣድ ኣብነታዊ ተወፈይነት ከይተዘከረ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣድማዒ ኣስተዋጽኦ`ዩ። ከምኡ`ውን ኣብ መጻኢ ንዕማምት ውህደት ድቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ተግባር እተሰላስል ብክልተ ኣባላት ወከልቲ ነፍስ-ውከፍ ኣባላት ማሕበራት ዝቆመት ኣካያዲት ኣካል ንምምስራት ተወሲኑ።  ብተወሳኺ ጐባኤና ኣባልነት `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ውልቀ-ስባት ክፉት ምዃኑ ከምዝወሰነ ክንሕብር ንፈቱ።

ቃልስና ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ`ዩ!!

ውህደትና ውሕስነት ዓወትና`ዩ!!

ዕለት 16 ሰነ 2019

بيان ائتلاف المرأة الارترية

 

                                                                              عقدت فى مدنية فرانكوفرت من الفترة 14-16 يونيو 2019م مؤتمراً ناجحاً شاركت فيه مناديب الجمعيات النسائية الارترية والنسوة الافراد ومنظمات مدنية وحقوق الانسان من مختلف الخلفيات فى اوروبا.

وفى هذا السياق لا بد لنا من ذكر بان هذا مؤتمرنا لم يكن وليد الصدفة بل انما هو اجتماعا جاء تحصيل حاصل لاعداد مكثفة اخذ سنة كاملة وتنفيذا لبرامج وقرارات الكنفرنس الذى عقد قبل عام عقب المظاهرة التى قامت بمبادرة من منظمات نسائية فى اوروبا فى مدينة لاهاى     –هولندا مقر المحكمة الدولية.

STATEMENT 4

ولذا توقف مؤتمرنا طويلا امام الاوضاع الراهنة وتدعياتها الخطيرة المحدقة بوطننا عامة وانعكاستها السلبية على كافة نضالات المرأة من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة حيث وبعد مناقشات تفاصيلية تتصل بعادها تبنى برامج وقرارات استراتيجية هام مفادها تعجيل اسقاط نظام هقدف الدكتاتورى الغير شرعى الرابد على صدور شعبنا المثابر التى بالنتجية نستطيع تجسيد سياسات التغيييرات بهدف تحقيق تطلعات وطموحات شعبنا فى الديمقراطية والعدالة هذا بالاضافة الى تبنى مفاهيم تشكل ضمانات فى تأمين الحرية والمساواة والانعتاق للمرأة الارترية الامر الذى يتطلب معه بالضرورة توحيد وتفعيل قوى التغيير والعدالة للاصضلاع بمهمتها التاريخية.  كما قرر مؤتمرنا  من اجل كشف وتعريت الممارسات القمعية الاستبدادية وانتهاكات الصارخة لحقوق الانسان التى يتركبتها النظام الدكتاتورى بحق شعبنا بوجه عام والمرأة المرأة على وجه الخصوص ان نكون جزء فعالا وخلق علاقات وطيدة مع الحركة العالمية المدافعة للحرية والمساواة والانعتاق والعدالة وحقوق الانسان.  

STATEMENT 5

وفى خضم سير اعمال مؤتمرنا لن يعود الفضل الى التجارب الغنية والوعى الذى اكتسبته المرأة الارترية طيلة فترة مسيرة نضال شعبنا فحسب بل ايماننا القوى المتجذر فى قناعاتنا الراسخة فى حتمية تحقيق الديمقراطية والعدالة على انقاض النظام الدكتاتورى كانت تشكل الدوافع التى شحذت هممنا نحو تفعيل دورنا وتوحيد صفوفنا من اجل التوصل الى اتفاق لاقامة "ائتلاف المرأة الارترية" الذى لا رييب فيه سيشكل ارضية ايجابية فى المستقبل نحو مزيد من التعاضد وتوحيد صفوف الجمعيات النسائية المختلفة.  

وانظلاقا من هذه الحقيقة اخذين فى الاعتبار تجارب ثقافة العمل المشتركة الذى اكتسبناه خلال سنة كاملة فى عملية التحضير لمؤتمرنا هذا باعتبارها دروس مستفادة سيكون لها بالتأكيد فى المستقبل تأثير ملحوظ للقيام على وجه الاكمل على الصعيد التطبيق العملى بوعى واقتدار عاليين فى تسريع وتيرة نضالات المرأة الارترية من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة ونضال شعبنا فى تحقيق تطلعاته وطموحاته فى الديمقراطية والعدالة والسلام. 

                  STATEMENT 6

هذا  فى الختام  نشيد بجميع الاخوات المشاركات على العصيدين العملى والمعنوى فى انجاز عملية التحضير وجعل انعقاد مؤتمرنا ممكناً ولا سيما  اعضاء لجنة التنسيق على المثابرة والصبر والتفانى والدور الذى بكل المقياس يعتبر المثال الاعلى الذى يحتزى به فضلا عن الاخوات عضوية الجمعية النسائية الارترية فى المانية .  واخير وليس أخراً فى الوقت الذى نؤكد فيه قرر المؤتمر تكليف هيئة تنسيقية تتألف من عضوين لكل الجمعيات التى شاركت فى المؤتمر كما بهذه المناسبة نود التنوية بان باب االعضوية مفتوح امام جميع الجمعيات النسائية والنسوة الافراد للانتماء الى ائتلاف المرأة الارترية .                                                    

                                                                                         نضالنا هو من اجل التحرير والمساواة والانعتاق

                                                                   ائتلافنا هو ضمان انتصارنا

                                                                 16 يونيو 2019

 

Last modified on Thursday, 27 June 2019 11:11