Print this page

እቲ ወሳኒ፡ እንዋሰኣሉ ባይታ’ዩ

2019-05-05 09:25:10 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1984 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኤርትራ ሓያል ጭቆና ኣሎ። ነዚ ጭቆና ዘተግብርን ካብኡ እናተዓንገለ ዕድሜኡ ዘንውሕን ጨቋኒ ኣካል እውን ኣሎ። እዚ ጨቋኒ ኣካል ኣብ ኤርትራ ንዓኡ ዝጸውር ጨቋኒ ባይታ እንተዘይረክብ ኣይመሃለወን። እዚ ክበሃል እንከሎ  ጭቆናን ጨቋንን ፈላሊኻ ዘይረኣዩን እቲ ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ህልውና ዘየብሉን ምዃኑ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ዕማም ቃልስና ብመሰረቱ ጭቆና ኣወጊድካ ብራህዋ ምትካእ እዩ። ጭቆና ከነወግድ ክሳብ ዝኸኣልና ከም ውሁብ ጨቋኒ ዘሳፍሓሉ ባይታ ስለ ዘየብሉ ኣይህልውን እዩ። ስለዚ ኣስማት መራሕቲ ህልዊ ጨቋኒ ስርዓት ከነልዕል እንከለና ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ቀንዲ ተቓዋሚ ጠመተና ከም ሰባት ዘይኮነ ከም ተግበርቲ ናይቲ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንብዕ ዘሎ ስለ ዝኾነ ኢና ኩለንተናና እንቕስረሎም።

እዚ ኣገባብ ኣተሓሕዛን ኣናብባን ኣብቲ ኣንጻር ህግዲፍ እንገብሮ ኣገጣጥማ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ውዳበ ወይ መድረኻዊ ምልዕዓልን ጐስጓስን ክንመዝን እንከለና’ውን ክንርእየሉ ዝግበኣና መምዘኒ እዩ። ክንመዝን እንከለና ንተግባርን ኣተገባብራን ቆላሕታ ኣይንሃቦም ማለት እኳ እንተዘይኮነ፡ ነቲ እቲ ውዳበ ረጊጽሉ ዘሎ ባይታ ወይ ፖሊሲ ኢና ቀንዲ ቆላሕታ ክንገብረሉ ዝግበኣና። እቲ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝተታሕዘ፡ ምናልባት ናይ ግዜ ጉዳይ ይኸውን እምበር ብቑዕ ተግባሪ ወይ መራሒ ሓይሊ ናይ ምምጻእ ጉዳይ ናይ ግድን እዩ። እቲ ባይታ ዝተበላሸ እንተኮይኑ ግና፡ ዘምጻእካ መራሒ እንተምጻእካ እቲ እትብህጎ ውጽኢት ንምርካብ ዘጋጥም ዓቐብ ምድያብ  ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል እዩ ዝኸውን። ከምዚ “ናይ ጉልቻ ምቅይያር ጸብሒ ኣየመቅርን እዩ” ዝበሃል።

እዚ ጉዳይዚ ብፍላይ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ተገማጊሙስ፡ መተካእታኡ ምድላው ቀንዲ ቆላሕታ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ወጋሕታ ግዜ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኣብ ብዙሕ መድረኻት በሪኹ ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ “ካብ ኣየናይ ቦታ ክንደይ ሰባት ንውክል? በዓል መንከ ይወከሉ?” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ድምጽታት እምበር “ኣበየናይ ናይ ሓባር ባይታ ረጊጽና ኢና ተካኢ ናይ ምዃን ውዳበን ምድላዋትን እንገብር?” ናይ ዝብል መሰረታዊ ጉዳይ ድምጺ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ በሪኹ ኣይስማዕን። ናይዚ ድምጽዚ ዘይምብራኽ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ከኣ ዝርዝር ከየብዛሕና ህልዊ ኩነታት መቕርብና ሊብያን ሱዳንን ጥራይ ምዕዛብ እኹል እዩ።

ኣብ ዝተወሰነ እዋን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ጥራይ እሞ ኸዓ እንዳሰግኡ ዝሳተፍሉ ዝነበሩ ብተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝጽዋዕ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ሎሚ ኤርትራውያን ብኣሸሓት እሞ ብዘይምሽቑራር  ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብቲ ኣብጻር ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፍሉ ምርኣይ ነቲ ምእንቲ ለውጢ ዝግበር ቃልሲ ሓይልን ተስፋን እዩ። ዘጋጥም ብዝነበረ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዋሕዲ ተሳትፎ ዝቖርር ዝነበረ ንህግዲፍ ዝቃወም ኣኼባታት፡ ሎሚ ብመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣዝዩ ዓሚሩ ይካየድ ምህላዉ ካልእ ፍናንካ ዝውስኽ ተርእዮ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ነባራትን መንእሰያትን ሰንሰለታዊ ቀጻልነቱ ከይብተኽ ዘስግእ ዝነበረ ምትኽኻእን ምርኽኻብን ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ምሉእ ብምሉእ ዘቕስን’ኳ እንተዘይኮነ ሳላ ንሁር ምንቅስቓስ መንእሰያትና ኣብ ኩሉ መዳያት ተስፋኻ ዘለምልም እዩ። እቲ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ክፍጠር ዝጸንሐ ሃጓፍን ምርሕሓቕን ኣዝዩ ተጻቢቡ። ናይ ክልቲኡ ውድባትና ድሕረ ባይታ ዘለዎም፡ ምስቲ ኣብ ኩሉ ዘይነበረ መንእሰይ ወለዶ ብሓባር ይስጉም ምህላዉ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ክፈላልየሉ ካብ ዝጸንሐ ተንኮሉት ብዙሕ ከም ዝሰኣነ ዘምልክት እዩ። ስለዚ በዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ተሳተፍቲ ኣብ ጸረ ህግድፋዊ ምንቅስቓስ ከይተነየትና፡ ካብ ኩሉ ተመኩሮታት፡ ዕድመን ጾታታትን ኣብ ሓደ መድረኽ ክንራኸብ ብምኽኣልና ከየራጠጥና፡ “ኣብ ኣየናይ ኤርትራዊ መጻኢ ናይ ሓባር ባይታ ንዓስል ከም ዘለና” ምንጻር ኣገዳስን እዋናውን ጠመተና ክኸውን ይግበኦ። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና እቲ ናይ ሎሚ ብዝሕና ተመሊሱ ከይውሕድ ውሕስነት የብልናን።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎን ኩልና ዘይንስሕቶን፡ እቲ ኣገዳስን መሰረታውን ጉዳይ ክንድቲ ኣገዳስነቱ ከቢድ ግና ናይ ግድን ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ዝሓትት እዩ። እቲ ወሳኒ ዝገብሮ ናይ ጽባሕ ናይ ቀጻሊ ሰላምን ህዱእ ምስግጋርን ውሕስነትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ከቢድ ዝገብሮ ከኣ ብዙሓት ዝንባለታትን ራእታትን ነቲ ኣወጊድካ ነቲ ኣግሊልካ ወይ ነቲ ነጺግካ ነቲ ተቐቢልካ ዘይኮነ፡ንኹሉ ከከም ገጹ ኣከኣኢልካ ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ናይ ምቕናይ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ እዩ። እቲ ይከኣል እዩ እንብሎ ከኣ፡ ብዘይካ ሓላፍነት ህዝብን ሃገር ወሲድካ፡ ፍትሒ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዓጢቕካ፡ ኣብ ክንዲ ምርሕሓቕ ምቅርራብ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ምቅብባል፡ ኮታ ብዘይካ ምጽውዋርን ምክእኣልን ካልእ ከቢድ ዋጋ ስለ ዘይሓትት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ዝትግበር እምበር ካብ ርሑቕ መሳርሕን ዘራይን እንሓተሉ ስለ ዘይኮነ።

Last modified on Sunday, 05 May 2019 11:29