Print this page

ኣብ በዓለ ትንሳኤ መልእኽቶም: 4 ኤርትራውያን ጳጳሳት ንዕርቀ-ሰላምን ኣሳታፊ ለውጥን ጸዊዖም

2019-04-27 18:41:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2082 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ኣስመራ ካቶሊካዊ ሊቀ-ጳጳስ ኣባ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ዝርከብዎም ናይ ሰበኻታት ባረንቱን ከረንን ሰገነይትን ጳጳሳት ኤርትራ: ኣብ ናይ 2019 በዓለ ትንሳኤ መልእኽቶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኰይኑ ዕርቀ-ሰላም ብምግባር  “ቈራጽን ታሪኻውን ለውጢ” ክገብር ኣሎዎ ኢሎም። ኣስዒቦም’ውን፡ “ምስ ጐረቤት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጥና’ውን ናይ ሕንጸትን ሕውየትን ሓዲሽ እዋን’ዩ ኣርኪቡና ዘሎ…. ምእንቲ ከይንጠፍእ፡ ዕርቅን ምሕረትን ነምጽእ” ዝብል ተሪርን ሓያልን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

Caaaaaaaaaaaaaaaaaaaaa600x230

ሓዋርያዊ መልእኽቲ 4 ጳጳሳት ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ ዛዚምካ ናብ ዝመጽእ መደብ ንምስግጋር፡ መደብ ዕርቀ-ሰላም (national reconciliation) ክእወጅ ከም ዘድሊ፡ እሞ ነቲ “ናይ ሓቅን ዕርቅን መደባት” ዝመርሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣካል ክቐውም ከም ዝግባእ ድሕሪ ምጥቃስ፡  “ቀንዲ ስርሑ ነቲ ኣብ ወጥርን ስግኣትን ዘሎ ኲነታት ኣልጊሱ፣ናይ ምቅርራብን ምዝርራብን መንፈስት ከበጋግስ” ምዃኑ የብርህ። እዚ ግድነት ክብጻሕ ዘሎዎ ዕርቀ-ሰላም “ገለ ዝረብሓሉ ገለ ኸኣ ዚግለለሉ ዘይኮነስ፡ ብሓንሳብ ኰንካ ናይ ዝሓለፈን ዝመጽእን ሓላፍነት ተሰኪምካ” እተኣትዎ ምዃኑ ብብሩህ ሓረጋት ተገሊጹ።

ኣብ መእተዊ ናይዚ መልእኽቲ፡ ናይ ኣይረሳዕናኩምን ሰላምታ ናብ ኲሎም ዝሓለፉን ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡን ኤርትራውያን ድሕሪ ምቕራብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል፡ “እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተፈጸመ፣ ኹሉ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበርናዮን እተሳቐናዮን እናሓሰብና፡ ስቕ ክንብል ብርግጽ ዘይከኣልን፣ እቲ እተዋህበና መዝነት ዘየፍቅዶን ኢዩ። ነዚ ንኽንገብር ዚድርኸና ድማ ፍቕሪ ህዝብናን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎና ሓላፍነትን ደኣ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይኮነን።” 

መልእኽቶም ነቲ ብሰነ 2018 ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እተጀመረ ናይ ሰላም መስርሕ ድሕሪ ምጥቃስ፡- “ሰላምን ራህዋን ብዘምጽእ ኣገባብ፡ ኩሉ ዶባት ብዝቐልጠፈ ተሓንጺጹስ፡ ኽልቲኡ ወገን ዕለታዊ ሃለዋቱን ርክባቱን፡ ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዳግም ዝምለሰሉ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ዝሕደሰሉ መድረኽ ክመጽእ ንጽሊ፣ እዚ ንክኸውን እናተመነና ድማ፣ ነዚ ዘሰናኽል ዝኾነ ይኹን ስምዒታውን ወገናውን መዳይ ተወጊዱ፣ ብሰፊሕ ልቦናን ብናይ ረብሓ ህዝቢ ቅድምናን ኪርኤ ሓደራ ንብል።….ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ክንዕረቕን ሰላም ክንጭብጥን ዘይፈራሕና፡ ምስ ርእስና፡ ምስ ናትና ከፍርሓና የብሉን” ይብል።

እዚ 30 ገጻት ዝሓዘ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ኤርትራ (ማለት ኣቡነ መንግስተኣብን፡ ኣቡነ ቶማስ ዖስማንን፡ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮን፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስን)  ንዝነበረን ንዘሎን ቃንዛ ናይ ኲሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ “ዘይጽወርን ዘይንቡርን” ሃለዋት ዝነበሩን ዘሎዉን ደቂ ሃገርር ብዝርዝር  ድሕሪ ምስትንታን፡ ካብዚ ዘሎናዮኸ ብኸመይ ንወጽእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ዕምቈት ዘሎዎ ትርጉም ናይ ዕርቂ ሰለም፣ ህንጸት ሃገርን መደብ ዕርቅን፣ ፍትሕን ኣገባብ ምሕረትን፣ ትርጉም ሓቅን ሰላምን፣ መሰልን ናጽነትን ኣህዛብ ጠቒሱ ሰፊሕ መግለጺ ይህብ።

ከምቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” (2014)፣ ”ነዛ ሃገር እግዚኣብሄር የፍቅራ ኢዩ” (2001)፣ “ሰላምን ምዕብልናን” (1991) ወዘተ ዝኣመሰለ ዝቐደመ መድረኻዊ መልእኽትታኣቶም፡ እዚ ናይ ሎሚ ምልእኽቶም’ውን ብኹሉ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር ዜጋ ክንበብን ኣቓልቦ ክወሃቦን ዘሎዎ እዋናዊ ጻውዒት ኢዩ። (መርበባት ሓበሬታ ተወከስ።)    

Last modified on Saturday, 27 April 2019 20:55