Print this page

እቲ ለውጢ ንክዕወት፡ ንሕና’ውን ንለወጥ

2019-03-24 09:57:52 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1866 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ “ለውጢ” ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱር ኣሎ። “ይኣክል” እውን ከምኡ። ክልቲኡ እዋናዊ ቃላት ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ “ወጽዓ ይኣክል፡ ለውጢ ይረጋገጽ” ዝብል መሰረታዊ ቁምነገር የንጸባርቕ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓን፡ ሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድንዕምንዑን፡ ንሕና እንዕዘቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሒ ህግዲፍ ባዕሉ ተጠሊዑ ብዘነውር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝብሎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ኢሳይያስ ዝሓስቦን ዝብሎን፡ ባዕሉ እንከለዎ፡ እንዳመሓየሹ ጽቡቕ ምስሊ ንከትሕዝዎ ናቶም ምህዞ ወሲኾም “ከምዚ ክብል እንከሎኮ፡ ከምዚ ማለቱ  እዩ” እንዳበሉ ከመላኽዕዎ ዝጸንሑ ግሩሃት ወይ ጐረሓት ወገናት እውን፡ ሎምስ ሕሩጮም ወዲኦም ከም ሰቦም ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሰብኣይዚ ከይተወገደኮ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚኣቶም ሎሚ ኢሳይያስ ደጋጊፍካ’ውን ጽቡቕ ክወጾ ከምዘይክእል ዝተኣመኑ ይመስሉ። ኣብዚ ክዉን ነገር ናይ ምቕባል ደረጃ ዘይበጽሑ ኤርትራውያን እንተልዮም ግና፡ ካብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ወጻኢ ዝነብሩ እዮም ክኾኑ።

ትርጉም ናይዚ “ለውጢ” ዝብል ቃል ካብ ምውጋድ ህልዊ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ዝምለስ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብትሕዝቶኡን መንፈሱን ዝተፈልየ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝማእከሉ ስርዓት ምትካእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብ”ይኣክል” ተሰንዮም ዝቐርቡ ዘለዉ ናይ “ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት በቲ ዝተኣወጆ መሰረት ይተግበር ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ይጣየሱ፡ ዶብና ምስ ኢትዮጵያ ብመሰረቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ይመልከት፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ጉልቡብ ዝምድና ንህዝቢ ይተሓበር፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝብና ይከበር” ዝብሉ  ህጹጽ መልሲ ዘድልዮም ኣፈናዊ ጠለባት እዮም። ናይዞም ጠለባት መልሲ ካብ ህግደፍ እንጽበዮ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሓይልታት ለውጢ፡  ባዕልና ተግበርቲ ክንከውን ይግበኣና።

እዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ህጹጻት ኮይኖም፡  ብመሰረቱ ናይ ለውጥና መሰረታዊ ጠለብ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራ፡ ብዙሕነት ብግቡእ ዘመሓደረ፡ ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዝዕቅብ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምትካል እዩ። እምበኣር ውድቀት ህግዲፍ በዚኦም ክስነ እንከሎ እዩ፡ እዚ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ሓቀኛ ለውጢ ዝኸውን። ኪኖ ውድቀት ህግዲፍ ኣንዊሑ ዘይርእን ግቡእ ምድላው ዘይገበረ ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሒቑ ዘይርእን ለውጢ ግና እዚ ንረግሞን ንቃለሶን ዘለና ህግደፋዊ ህይወት መልክዑ ቀይሩ ከይመጽእ ውሕስነት የብሉን። ስለዚ እቶም ንቃለስ ዘለና፡ ናይ  ኣብ መቓብር ህግደፍ ዘተኣማምን ለውጢ ከነምጽእ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ክንልወጥ ከድልየና እዩ። ነቲ ህግዲፍ ከውሕሶ ዘይበቐዖ፡ ብምውሓስ፡ ብመሰረታዊ ረብሓ ህዝብናን ክብሪ ልኡላዊ ሃገርናን ዝቃነ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ክንውንን ዘብቀዓና ካባና ዝጅምር ለውጥን ቅሩብነትን ከነርኢ ናይ ግድን እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህግደፍ እነውግደሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ እንዳለወሉ ብዓል ድርብ ዕማም እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣንዊሕና እንተዘይሓሲብና ኣብ ናይ ምፍራስ እምበር፡ ኣብ ናይ መሊስካ ዝሓሸ መተካእታ ምህናጽ መሰረታዊ ሓላፍነት የለናን  እዩ ከስምዕ። ናብ ዝሓሸ ንኸይድ ኣለና እንዳበልና፡ ናብ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ኣተሓሳስባ ከይንኣቱ ውሕስነት ክህልወና ይግበኦ። እዚ ከኣ ቅርቡነ እንተልዩ ዝከኣልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ።  ነዚ ንጠልቦን ንቃለሰሉን ዘለና ውሑስ ለውጢ እነዕውት፡ ንሕና ባዕልና እምበር ህግድፍ ክተግብረልና እንምሕጸነሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህግዲፍ ኣግሂዱ ለውጥን ወረ ለውጥን ከይሰምዕ እዝኑ ከም ዝጸመመን ልቦናኡ ከም ዝተደፍነን ደጋጊሙ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ኣብ ጀነቭ፡ ተጠሊዑ ዓይኑ ከይሓሰየ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ሰብእውን ዲሞክራስያውን ተዓዘብቲ “ፖለቲካዊ እሱራት የብለይን፣ 11 ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ እየን ዘለዋኒ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸም ጥሕሰት የለን፡ ኣብያተ ፍርዲ ናጻ እየን፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ይፈልሱ ኣለዉ ዝበሃል ናይ ጸላእቲ ጸብጻብ እዩ” ዝብል ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ዘይገልጽ መስልስታት ክህብ  ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኮነ ደረቐኛ ሓሳዊ’ውን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ግዜዚ መመሊሱ ዝዕምር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን፡ እቲ ዘሰማምዓና ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ “ብውሑዳት ዝዝወር ጭቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊዱ፡ ወሳኒ ልዕልና መላእ ህዝቢ ኤርትራ በሪኹ ዝረኣየሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ዝብል ንኹልና ዝውክል ሚዛን እዩ። ኣብዚ ናይ ሓባር ተረድኦና ንምድማዕ፡ ነባር ሓድሽ፡ መንእሰይ ዓብይ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ጓለንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኣብ ዲያስፖራ፡ ገጠርን ከተመኛን ምሁር ዘይተማህረን፡ ፖለቲካዊ ውድብ ሲቪላዊ ማሕበር፡ እናተበሃልና ክንውደብ ወይ ክንንቀሳቐስ እንከለና ዘባእሰናን ዘድክመናን ኣይኮነን። እቲ ናይ ለውጢ ኣበርክቶና ግና ከበየናይ ወገን ይምንጩ ብዘየገድስ  ናብቲ ናይ ሓባር ናይ ለውጢ ማዕበልና ክውሕዝ ይግበኦ። ነዚ እንተበቒዕናዮ ሓደ ካብ ውሕሉል ኣመሓድራ ፍልልያትን ስምምዓትን ኮይኑ፡ ናይ ለውጢ ሓይልና ዘዕንትር ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ መወዳደሪና ፍትሓዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ሜዳ’ውን ዝምድምደልና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር፡ ማዕረ ንናይ ለውጢ ባህግና ንገዛእ ርእስና እውን ክንልውጥ ግዜ ዘይህብ ሓላፍነትና እዩ።

Last modified on Sunday, 24 March 2019 11:00