Print this page

ሚኒስተር ጉ/ወጻኢን ስደተኛታትን ሉክዘንበርግ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ'ዩ

2019-02-11 13:39:15 Written by  Radio Erena Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1949 times
Rate this item
(0 votes)

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዦን ኣሰልቦርን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሉክዘንበርግ፣ ካብ 11 ክሳብ 14 ለካቲት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ'ዩ።

ዑደቱ ብኣዲስ ኣበባ ዝጅምር ልኡኽ ሉክዘንበርግ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነይ ገበየሁን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ብዝምልከት ክመያየጥ'ዩ።

ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳይ ምግታእ ስደተኛታት በቲ ሕብረት ንዘሎ መደባት ክመያየጥሉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሐሉ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ክበጽሕ ትጽቢት ኣሎ።

14 ለካቲት ናብ ኣስመራ ዘምርሕ እቲ ሚኒስተር፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክዝቲ'ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ሉግዘንበር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፣ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝዓበዩ ኣርእስታታ'ዮም ኮይኖም ጸኒሖም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚረንኦ ዘለዋ ርክብ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክገትእ፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ተስፋ ኣንቢረናሉ ኣለዋ።

ካብዚ ተስፋ'ዚ ዝነቐለ፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ወኪላተን ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምልኣኽ ይርከባ።

===================

Source=https://erena.org/index.php/zena/4707-ሚኒስተር-ጉ-ወጻኢን-ስደተኛታትን-ሉክዘንበርግ-ናብ-ኤርትራን-ኢትዮጵያን-ክበጽሕ-ዩ

Last modified on Monday, 11 February 2019 14:41