Print this page

ኢሳይያስ፣ ይሃጥር ድዩ ዘሎ ይዓብር?

2018-10-26 07:48:16 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1957 times
Rate this item
(0 votes)

ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዞባና ሓድሽ ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋ ምዕባለ ይረአ ኣሎ። ኤርትራን ህዝባን ከኣ በዚ ሓድሽ ምዕባለ ካብ ዝጽለዉ ወገናት ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ኩነታት እዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ፣ ኣመጻጽኣኡ ዘይብርሁ መጻኢኡ ክትግምቶ ዘጸገም ጉጅለ ህገፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስን ዝተጠላቐይሉ ደረጃ ምብጽሑ፣ ኣካል ናይቲ ከባብያዊ ምዕባለ መርኣያታት እዩ። ኣብ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኩነታት የመን ሓዊስካ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ቀይሕ ባሕርን ዝረአ ዘሎ ናይ ብዙሓት ወገናት ሕሳብ ዝተሓወሶ ምዕባለታት እውን ምስዚ ንብሎ ዘለና ሓድሽ ምዕባለ ደሚርካ ዝረአ እዩ።

እቲ ኣብ ወጥሪ ዝጸንሐ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝመርሖ ንኤርትራ ሓመድ ድፋጨኣ ዘስትያ ዘሎ ጉጅለ፣ ካብቲ ኣትይዎ ዝጸንሐ መጻብቦ ንምውጻእን ናይዚ ሓድሽ ምዕባለ ተጠቃሚ ንክኸውንን ላዕልን ታሕትን ክብል ንዕዘቦ ኣለና። ንገዛእ ርእሱ ክዕረቕ ዝግበኦ ናይ ካለኦት ዓራቒ ኮይኑ ንምቕራብ ዘርእዮ ዘሎ ቀልባዕባዕ ከኣ ካብቶም ኣብ ትዕዝብቲ ዘውደቕዎ ተረኽቦታት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ጸገሙ እንታይ ከም ዝጸንሐን እዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ከኣ ናብቲ ቀንዲ ጸገሙ ዘይኮነስ ናብቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳይ የመዓዱ ከም ዘሎን ይፈልጥ እዩ። ነቲ መሰረታውን ቀንድን ውሽጣዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ፣ በቲ ክፍታሕ ዘለዎ ግና ቀንድን መሰረታውን ዘይኮነ ግዳማዊ ዛዕባ ረጊጽዎ ክሓልፍ ይህቅን ከም ዘሎ ከኣ ንዕዘቦ ኣለና። እንተኾነ ናብቲ ዝሓስቦ ከምዘየብጽሖ እቲ ጉጅለ’ውን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ እንተዘይኮይኑ ይረደኦ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ጸገማቱ ናብ ውሽጥን ናብ ደገን ዘመዓዱ እዩ። ብውሽጢ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብደገ ከኣ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ክተፋነን ዝጸንሐን ዘሎን ጉጅለ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ገፊፉ ይድህኮ ስለ ዘሎ መተካእታ ስኢኑ እንተዘይኮይኑ፣ ብመሰረቱ ሓይሊ ገዛኢኡ ህግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ኣብ ሓንቲ ሃገር ግና ድማ ብናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ተወጻዒ ካብ ወጽዓ ናጻ ክወጽእ ክቃለስ፣ እቲ ወጻዒ ከኣ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ወጽዓኡ ከስጥም ኣብ ኣዝዩ ሓያል ምውጣጥ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። ጉጀለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ክምልስ ዝኽእል ባህሪ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ መሰረታዊ ሕቶኡ ክሳብ ዝምለሰሉ ቃልሱ ክቕጽል ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ጥምጥም ህግደፍ ከም ዝሰዓር ከኣ ትስፉው ምልክታት ንርኢ ኣለና። ቅድሚ ሕጂ ብዘይትግበር ቀጻሊ ናይ ብደዐ መብጸዓታት ብምኹማር ዘመኻኒ ዝነበረ ዲክታቶር ኢሳይያስ ሎሚ ኩሉ ዘይጭበጥ መደረታት ተወዲእዎ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ደገደገ ምውዓል መሪጹ ኣሎ።

ገለ ወገናት፣ ምናልባ ጸገም ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ጥራይ ምንባሩ ግዲ ዝመስሎም ነይሩ፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ህሞት ብስዕረት ህግደፍ እሞ ድማ ብዙሕ ሕጋዊ ኣገባብ ብዝጐደሎ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ምስ በጸሐ፣ ህግደፍ ጸገሙ ወዲኡ እንዳሃጠረን ስልጣኑ እንዳደልደለን ዝኸይድ ዘሎ መሲልዎ ክሳብ “ደጊም ደኣ ደልዲሉ እንድዩ መን ክንቕንቖ” ክብሉ ትሰምዕ ኢኻ። ርግጽ እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸገም ኣይጸንሐን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ጸገምዚ ግዳማዊ እምበር እቲ መሰረታዊ ጸገም ኣይነበረን። ናይዚ መፍትሒ ምርካብ ከኣ ኤርትራዊ መሰረታዊ ቅሳነት ዘምጽእ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ኤርትራዊ መሰረታዊ ጸገም፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዘሎ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና እዩ። እዚ ዝምድናዚ ሕጂ እውን መሊሱ ደኣ ገዲዱ እምበር ኣይተፈትሐን። እዚ መሰረታዊ ጉዳይ በቲ ህግደፍ ካብ በዓቲ ኣዲ ሃሎ ወጺኡ ምስ ኢትዮጵያ፣ ዓረብ ኢምሬትስ፣ ጁብቲ፣ ሱዕድያን ካለኦት ኣካላትን ዝፈጥሮ ዘሎ ምዕልባጥ ተሸፊኑ ዝስገር ዘይኮነ፣ ነብሱ ክኢሉ ክፍታሕ ዝግበኦ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ከኣ ኣብቲ ዝበሰለሉ መድረኽ ባዕሉ ፈንቂሉ ክወጽእ ናይ ግድን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታት ካልእ መልክዕ ሒዙ መህደሚ ምኽንያታት ህግደፍ ምስተጸንቀቐ፣ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መንፈስ ዝያዳ ካልእ ግዜ በሪኹ ዝወጽእ ዘሎ።

ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ዛዕባ ዘይቋመተሉ ምኽንያት ከቕርብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዝብለሉ ሞራልን ዓቕምን ስለ ዝተወደኦ እነሆ ንሱ ምሕባእ መሪጹ ህዝብና ከኣ ብዛዕባ ጉዳዩ ናይ ካለኦት ምዕከናት ዜና ክቋመት ይውዕል ኣሎ። እዚ ከኣ ናይ ህግደፍ ህጥራኑ ዘይኮነ ኣዝዩ ምዕባሩ ዘርኢ እዩ። ድሕሪ ዕብራን ዘሎ እታይ ምዃኑ ከኣ ኩልና ከም እንግምቶ እቲ ዘይተርፍ ሞት እዩ። እንተኾነ እዚ ዕብራን ብሞት እቲ ጉጅለ ክዛዘም እንከሎ፣ ንዓና ነቶም ህግደፍ ኣብዚ ወጥሪዚ ወዲቑ ንክቕርቀር ምስቲ ዘይሕለል ደላይ ፍትሒ ህዝብና ክንቃለስ ዝጸናሕና ናይ ለውጢ ኣካላት ተደራራቢ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዃኑ ከቶ ክንዝንግዕ ኣይግበኣና። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዕብራንን ሞትን ናብ ዝሓሸ ናይ ለውጢ ደረጃ ክንበጽሕ ዕድል ዝኸፍት እምበር፣ ንገዛእ ርእሱ እቲ ህዝብና ዝብህጎን ዝቃለሰሉ ዘሎን ዓወት ኣይኮነን። ዓውት ዝኸውንስ ኣብ መቓብር እቲ ዓቢሩ ዝመውት ወጽዓ ራህዋ ዘውሕስ ሕመንግስታውን ትካላውን ሓወልቲ ክንተክል እንከላን እዩ።

Last modified on Friday, 26 October 2018 09:50