Print this page

ቅልዕቲ መልእኽቲ ንክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ

2018-10-18 07:31:12 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1805 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩም ዶር. ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ 

ኣቐዲመ በቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባአ ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ ብምሉእ ድምጺ ጉባኤኛታት ክትምረጹ ምብቃዕኩም እንቋዕ ደስ በለኩም ክብል ኣፍቅዱለይ።

እዚ ዝረኸብኩሞ ልዑል እምነት መረጽቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ስልጣን ካብ እትመጹ 4 ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ዝወሰድኩሙዎ ፍትሓውን ሰላማውን ተበግሶ፣ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ፡ ናይ ሰላምን ራህዋን ተስፋ ዝህብ ስራሕ ምዃኑ ኩሉ ዝርድኦ ሓቂ'ዩ።

ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ነዚ ተረዲኦም ብከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ እምነት ዝመረጹኹም ወከልቲ ህዝቢ ጉባአኛታት፡ ነቲ ተበጊስኩሙሉ ዘለኹም ቅኑዕ ህዝባውን ሃገራውን ዞናውንዕላማ፡ ዝለዓለን ነባርን ዘይዕጸፍ ሰላምን ራህዋን፡ ኣብ ምዕራፍ ከተብጽሑዎ ብምእማን ስለ ዝኾነ፡ ንዓኹም ፍጹም ዓወትን ኣሳልጦን ንመረጽትኹም ድማ ክብርን መጎስን ከቕርብ ሓጐስ እስምዓኒ።

ዝኸበርኩም ዶክ. ኣብይ

ኣብ ስልጣን ምስ መጻእኩም ብኡንብኡ ግዜ ከይወሰድኩም፡ ነቲ ክልቲኦም ቅርሕንተኛታት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘካየድዎ ትርጉም ኣልቦን ክቡር ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዝበልዐን ኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ'ውን ንከየብቅዕ ስልጣኖም ንምንዋሕን ስቓይን መከራን ክልቲኡ ህዝብታት ክነውሕ ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ዕርዲ ብምስባርኩም ዓብዪ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ኣህዛብ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ሰርቢ ዝቐንጠጠን፡ ሓድሽ ናይ ተስፋ ህይወት ዝሰዅዐን ስለ ዝኾነ፡ ምሉእ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ብፍላይ፡ ህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ዝተቐበሎን ዘድነቖን ስለ ዝኾነ፡ ክብርን መጐስን ንዓኹም ይኹን።

ዝኸበርኩም ዶር. ኣብይ

መስርሕ ሰላም ንዓና ንግዳያት ሕሰም ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት፡ መተካእታ ዘየብሉ መድሃኒት'ዩ ምባል ንኣድላይነቱ ዝገልጽ እመስለኒ። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋን፡ ነዚ ኣብ ምፍራይ ክሰርሕን ክሃንጽን ዝኽእል ዓቕሚ እናሃለወና፡ ሰላም ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብ ዘይምኽኑይ ዶባት ምሕላው 20 ዓመታትን ኣሽሓት ኣፍረይቲ መንእሰያትን ከሲርና። ሎሚ እዚ ዝነፍስ ዘሎ ድምጺ ሰላም ብግቡእ እንተተተግቢሩ፡ ነቲ ዝሓለፈ ክንጸባጸብን ክንከሓሓስን ስለ ዘኽእለና፡ ንዓመታት ዝተጸበናዮ ውጽኢት ተጻዋርነት ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኾነ፡ ንዓና ሕልፍን ትርፍን'ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ'ዩ ከኣ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጺ ሰላም ምስ ሰምዐን ዶባት ምስ ተኸፍተን ወሰን ዘየብሉ ሓጎስን ዕልልታን ከስምዕ ዝቐነየን ዘሎን። ይኹን'ምበር ሰላም ክትነግስን ደላይ ሰላም ክሳፍሓላን ነባሪት ክትከውን፡ ጠንቂ ዘይሰላም ነቒስካ ምውጻእ እጽንሓለይ ዘይብሃሎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ብክልቲኡ ወገናት ዝግበር መስርሕ ሰላም፡ ሕጋዊ ውክልና ህዝብን ተሳትፍኡን፡ ተሓታትነት ዘለዎም ስርዓታትን፡ ዝተጸንዐን ግሉጽነት ዘለዎን ኣካይዳ ክኸውን ምስ ዝኽእል ጥራሕ'ዩ። እዚ ገደብ ዘይብሉ፡ መጽናዕቲ ዝጐደሎ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይግሉጽን፡ ምስ ገበነኛ ኢሳያስ ኣፈወቂ ዝግበር ዘሎ በይናዊ ውዕላትን ፌርማታትን ክልተ መራሕቲ ግን፡ ነዊሕ ከይከደ ዝዅርመሽ እምበር፡ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ዶክ. ኣብይ

ህዝቢ ኤርትራ ብከመይ ዝኣመሰለ ጨቋኒ ስርዓት ይደሃኽን ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ ይሳቐ ምህላዉን ከም እትፈልጡ ኣይጠራጠርን'የ። ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዘየብላን ውልቀ-መላኺ ከም ድላዩ ዝጠላዓላን ዝነብር ህዝቢ፡ ንሱ ብዘይወከሎን ብገበን ዝኽሰስን ኣካል፡ ንህዝብን ሃገርን ቀጻሊ ሰላም ዘውሕስ ምእንቲ ክኸውን፡-

-       ከምቲ ንስኹም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርኩሙዎ ምፍታሕእሱራት፤

-       ሰላማውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ዝጻወር ዲሞክራስያዊ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፤

-       ከምቲ ብሰንኪ ናይ ፖለቲካ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃገርኩም ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልይ ፈቲሕኩም ሰላምን መንፈሳዊ ሓድነትን ክረጋገጽ ዝገበርኩሙዎ፤

-       ከምቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝነብሩ ተቓወምቲ ውድባት ሃገርኩም ዘቲኹምን መኺርኩምን፡ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መገዲ ክወዳደሩ ዝገበርኩምዎ፤

መስርሕ ሰላም ኣብ ጥጡሕ ባይታ ምእንቲ ክስረት፡ ኣብ ኤርትራ'ውን ፡-

-       ህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ክህልዎን ብሕጊ ክመሓደርን፤

-       ኩሎም ዓይነት እሱራት እንተላይ መራሕቲ ሃይማኖት ክፍትሑ፤

-       ዲሞክራስያዊ ናይ ፖለቲካ ውድድር ክህሉ፤

-       ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣሰሩ ፓትርያርክ ሃገርና ክፍትሑን

-       ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝወሰዶ ወፍሪ ባርነት ተስፋ ቆሪጾም ዝዓርቡ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ከይጠፍኡ ፖሊሲኡ ክቕይር፤ ኣብ ዝብሉ ቅኑዕን ንጹርን ሓጋዚ ተበግሶ ክትወስዱ ይግባእ እዩ።

ነዚ ግቡእ ኣቓልቦ ከይሃብኩምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃገሩን ዕድሉን ናይ ምውሳን ዕድል ኣብ ዘይረኽበሉ እዋን፡ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓወሰ ልጓም ኣልቦ ዕንደራ፡ ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝህሉ ስምምዓት ዝፈርስ እምበር ንረብሓ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይኮነ ክገልጸልኩም እፈቱ። ኣብዚ ክንጸር ዘድልዮ ሓቂ እንተሎ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት እምበር ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቂምን ጽልእን ዝበሃል ከምዘየሎ ትርድእዎ እዩ። ባዕልኹም ኣብ ኣስመራ ዝራኣኹሞ ህያው ምስክር ምዃኑ'ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ነቲ ዝተኸስረ ናይ ርብዒ ዘመን መዋእል ንምምላስ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን መበቈላውን ሃይማኖታውን ቋንቋውን ባህላውን ሕውነቱ ዓቂቡ፡ ከም ሃገራት ልዑላውነተን ዘረጋገጻ ክልተ ጐረባብቲ ህዝቢ ኮይኖም፡ ወደባት ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብንጹርን ሕጋውን ስምምዕ ውዕል መሰረት ንህዝቢ ኤርትራውን ዝያዳ ተጠቃማይ ስለዝገብሮ እምቢ ዝብል ኣይመስለንን። እዚ ዝረጋገጽ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዋናን በዓልቤትን ልዑላዊት ሃገሩን ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ምሕደራ ኣውሒሱ ባዕሉ ብዝመረጾም ወከልቱ ምስ ዘጽድቖን ጥራሕ ድኣምበር፡ በዚ መንቀሊኡን መዕረፊኡን ዘይፍለጥ ፖለቲካዊ ዕጥራን ውልቀ ምልኪ ዝውዳእን ዝፍጸምን ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ዶ. ኣብይ

ነቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተኸተመ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ብይን ምቕባልኩም ንፍትሓውነትኩም ዘመልክት ኮይኑ፤ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ንዘተ ኮፍ ኣይብልን ብማለት ኣቕቢጹን ን16 ዓመታት ሓንጊዱን ዝነበረ ዲክታቶር ንዝገበርኩሙሉ መጸዋዕታ ብምቕባል፡ ነቲ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕንግድ ምኽንያቱ ጠንጢኑ፡ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ ዓስኪሮም እንከለዉ፡ ንኣዲስ ኣበባ ዘብዘብ ዘብል ከመይ ዝበለ መድሃኒት ከም ዝሃብኩሙዎ፡ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ንደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዘገረመ ፍጻሜ'ዩ። እዚ ዘመልክቶ እምበኣር ኢሳያስ ስልጣኑን ቀጻልነቱን እምበር፡ ኤርትራን ህዝባን ከም ዘየገድሶ በተን ባዕሉ ዝበለን ቃላት " ኣብዘን 25 ዓመታት ዝሓለፈ ህውከት ኣይከሰርናን ገንዘብና ተመሊሱና'ዩ " ብምባል፥ ኣብ ባድመ ዘሎ ሰራዊት ከይለቐቐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ክሳብ መኣዝኑ ዝሰሓተ ውቃበ መራሕ ሃገርን ፕሮቶኮልን ኣጥፊኡ ሸብዳዕዳዕ ምባሉን ጥራሕ እኹል መግለጺ እንታይነቱ'ዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ከም ሰብውን ክብሩ ዘጥፍኤ፡ ሃገራውን ህዝባውን ተሓታትነቱ ዘይብሉ ገበነኛ ስርዓት፡ ተሓታትን ተኸሳስን እምበር ወካልን ከታም ውዕልን ህዝቢ ጌርኩም ክትርድኡዎ ፍትሓዊ ባህሪኹም ክቕበሎ ኣይግድን። እዚ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ገበነኛ ስርዓት እትገብሩዎ ስምምዕ፡ ብደለይቲ ፍትሕን ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ኣባላትደምበ ተቓውሞን ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንተጋጠመኩም፡ ግቡእ መልሲ ምሃብ እምበር ምግራም ኣይግባእን።

ነባሪ ሰላምን ራህዋን ብፍላይ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንመላእ ዓለምና ድማ ብሓፈሻ!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን      

                        

Last modified on Thursday, 18 October 2018 09:41