Print this page

ናይቲ ነባር ብልሃትን፣ ናይቲ መንእሰይ ውዑይ ዓቕምን

2018-10-05 08:24:48 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1961 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ካብ ዘለዉ ብደሆታት ሓደ መስርሕ ምትኽኻእ ወይ ምውርራስ ሓላፍነት እዩ። እዚ ዛዕባ ብፍላይ ኣብቶም ብጐነጻዊ ኣገባ መግዛእትን ወጽዓን ስዒሮም ስልጣን ዝሓዙ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እዚ ኣብቶም ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርግ ኣወጊዶም ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ቅድሚ 27 ዓመታት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ንሕና ተቓወ’ቲ እውን ዋላ’ኳ መንግስታዊ ስልጣን እንተዘይሓዝና ቃልስና ንምቕጻል እዚ በዳሂ ዛዕባ ዝጓስየና ኣይኮነን። ካብ’ዚ ከባቢና ርሒቕና እንተደህሰስና እውን እዚ ዛዕባ ጐሊሁ ዝረአ ናይ ምስሕሓብ ጠንቂ እዩ።

ኣብቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ እንተመጺእና ምትኽኻእ እናተቐባበልካ ሓላፍነት ምቕጻል እምበር ምጥፍፋእ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ኣካል ነዚ ክርዕም ግና ዓቕሙ ዝፈልጥን ሓላፍነታውን ክኸውን የድሊ። ከምዚ ናይ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰለ ብናይ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ኣምር ዝምርሑ ኣካላት ግና ንምትኽኻእ ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ፈርሕዎ ኣይቅበልዎን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣንጻሩ እዮም ዝሰርሑ። ብመሰረት እቲ “ተካኢኡ ዘይፈጥር መሪሕነት ብቑዕ መሪሕነት ክበሃል ኣይክእልን” ዝብል ዘረባ ለባማት፣ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ መራሕቲ ንክበሃሉ ዘኽእሎም መዕቀኒ ኣየማልኡን።

ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እዚ ዛዕባዚ ከም ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብብዙሕ ዕንቅፋታት እንዳሓለፈ ሕጂ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጉባአአን ዘካየዳ ነቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ዝቖማ ውድባት ንኣገዳስነት ምትኽኻእ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ ሓደስቲ መሪሕነታተን ክልተ ሲሶ ሓደስቲ መዚዘን ኣለዋ። ብርግጽ እቲ ናይ ሓድሽነት መምዘኒ ጉዳይ ዕድመ ጥራይ እንተኾይኑ ፋይዳ የብሉን። ነቲ ዕድመ ዝምጥን ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዘሰነዮ እንተኮይኑ ግና ሃናጺ እዩ። ኣብዚ ኣብቲ ንኡስ ዕድመ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ኣብቲ ነባር ዕድመ ድማ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሓድሽ መሪሕነት ክንብል እንከለና ኣብ ናይ ዕድመ መምዘኒ ጥራይ ከይንድረት ጥንቃቐ ከድልየና እዩ።

ገለ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየደኦ ጉባአታት፣ ኣብ ሜዳ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ባእታታተን ምሉእ ብምሉእ ብኽብሪ ኣፋንየን፣ ብሓድሽ ክትከኣ በቒዐን ኣለዋ። ኩነታት መራሕቲ ኤርትራ ብመንጽርዚ ንምርዳእ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ክዝረበሉ ዝግበኦ ዛዕባታት እንዳሃለወ፣ ብፍርቂ መዓልቲ ኣኼባኡ ናይ ዝዛዘመ ካቢነ ሚኒኢስትራት ስእሊ ምዕዛብ ጥራይ እኹል እዩ። እዚ እንተዘይኣኺሉ ከኣ ንዕድመ ዲክታቶር ኢሳይያስን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ምውድዳር ይከኣል።

ምትኽኻእ ስሙ ከም ዝሕብሮ ናይ ስልጣን ዘይኮነ ናይ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምውርራርስ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ምውርራስ ክልተ ማዕረ ሓላፍነት ዘለዎም ተዋሳእቲ ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣረካቢ እቲ ካልእ ከኣ ተረካቢ። ናይዚኣቶም ማዕረ ቅሩብነትን ምክብባርን ኣብ ዘይሃለወሉ እቲ ምርኽኻብ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። ካብ ናትና ተመኩሮ ጥራይ እንተነቒልና ኣብ መንጎ ኣረከብትን ተረከብትን ክንድቲ ክኽዕኖ ዝግበኦ ምንባብ ኣይረአን። እዚ ምርኽኻብ ሓላፍነት ግብራዊ ኣብ ዘይኮነሉ፣ ክልቲኦም ወገናት ተሓተቲ እዮም። እቲ ነባር ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነቱ ብዘይምፍጻሙ። እቲ ተረካቢ ድማ ንኡስ ትውልዳዊ ሓላፍነት ክፍጽም ድልውነት ብዘይምርኣዩ። እቲ ኣረካቢ እቲ ዝርከቦ ካብ ናቱ ዓቕሚ ዝሓሸ ምስ ኩነታት ዝኸይድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ክኣምን ይግበኦ። እቲ ተረካቢ ድማ ንተመኩሮ ናይቲ ዘረክቦ እንዳ እነኣኣሰን እንዳነጸገን ዘይኮነ ከም መንጸፍን መንቀልን ንቐጻሊ ጉዕዞ እንዳኽበረ ክርከብ ከም ዝግበኦ ብሓላፍነት ክግንዘብ ይግበኦ። እዚ እንተዘይኮይኑ ናይቲ ነባር ተመኩሮን ናይቲ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ውዑይ ዓቕምን ኣብ መዓላ ክውዕል ኣይክእልን እዩ።

እዚ መስርሕ ምትኽኻእ ኩርኳሕ ዘየብሉ ልሙጽ መንገዲ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ቃልሲ ዝሓትት እዩ። ዕምቆት ናይቲ ቃልሲ ከኣ ብናይቶም ኣረከብትን ተረክብቲ ሕድርን ቅሩብነትን ሓላፍነታውነትን ዝውሰን እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ መንግስቲ ኮነ ኣብ ደንበ ተቓውሞና፣ ነቲ ቃልሲ ተረኪብካን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ቀሊስካ ናይ ምቕጻል ዜግነታውን ትውልዳውን ሓላፍነት ዘለኩም መንእሰያት፣ ኣረካቢ ማዕጾ እንተተዓጽዩኩም፣ ኣጸቢቕኩም ብቐጻሊ ኳሕኩሕዎ እምበር ተንኪፍኩምዎ ምኽፋት ምስ ኣበየኩም በጨው ኣይትበሉ። “ነባራት ምቅላስ ከሊኦምና” ዝብል ምስምስ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን። እቲ መቃለሲ ባይታ ሰቲ ተነስኒስዎ ዝጽበየካ ዘይኮነ፣ ብቓልሲ ዝፍጠር ምዃኑ ሓደራ ከይትርስዑ። ብውሽጥኻ ንቃልሲ ከይተዳለኻ ትንክፍ ኣቢልካ ምርሓቕን ምምራርን ፈጺሙ መፍትሒ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ተወዲብካ ዝካየድ ቃልሲ በቲ ዝተጸበኻዮ ፍጥነት ምኻድ ምስ ኣበየካ፣ ኣቋራጭን ዘይውዱብን ናይ እንጽርጽሮት ዝመስል መንገዲ ንምንዳይ ዓቕለጽበታዊ ምርጫ ናይ ምውሳድ ምልክታት ሓሓሊፍና ንዕዘብ ኣለና። እዚ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል ክስገር ዘይግበኦ ፍቱን ኣምር ዝጓሲ ስለ ዝኾነ፣ መፍምቶ ህግደፍ ዝገብር እምበር ዘዕውት ከምዘይኮነ ብምርዳእ ናይዚ ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣሳሰይቲ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ውዱብ ኣገባብ ቃልሲ ክጸዓዱ ነዘኻኽሮም። ናይቲ መንእሰይ ተመኩሮን ናይቲ መንእሰይ ዓቕምን ከነወሃህድ እንተበቒዕና ኢና ከኣ ከም እንዕወት ዘይንጠራጠር።

Last modified on Friday, 05 October 2018 10:28