Print this page

ካልእ ፍልሰት ደኣ ከየኸትል!

2018-09-21 08:33:36 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2016 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ጐረባብትና ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ድማ ብፍልይ፣ ምስ ትግራይ ከኣ ብዝያዳ ብፍላይ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኩልና ዘይንዝገዖ እዩ። እዚ ምትእስሳር ንሓንሳብ ብሰላም ንሓንሳብ ድማ ብህውከት ከም ዝግለጽ ከኣ ተመኩሮና ይምስክሮ። ክንጻላእ እንከለና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይሰጎ፣ ክንፋቶ እንከለና ከኣ ኣብ ሕድሕድ መገሻ ይጽዕቕ። እቲ ህዝቢ ወትሩ ሰላምን ፍቕርን እዩ ዝመርጽ። እቲ ምቅይያራት ዝመጽእ በቶም ዝመርሑ ኣካላት እዩ።

ኣተሓሕዛኡ፥ ሕቶ ሕጋውነቱ፥ እሞ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ግሉጽነት ዘየብሉ ምዃኑ፣ ኣቐሚጥካ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንክንደይ መዓልቲ ምዃኑ ዘይፍለጥ፣ መንግስታት ኣብ ዘጽቀጥሉ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወገን ትግራይ ብዘይቪዛ ካብን ናብን ይስገር ኣሎ። ህዝቢ በዚ ኩነታት ተሓጒሱ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ብሰንኪ ጸቢብ ኣተሓሕዛን ቅድመ ኩነታትን መንግስቲ ሓርቢትዎ፣ ብናይ ቀረባ ቤተሰቡ ናፍቖት ክሕመስ ምስ ጸንሐ፣ ከምዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ደንበ ተዘሪዐን ዝጸንሓ እንስሳ ክትከፍተለን እንከለኻ ብሓንሳብ ዝነጉዳ ኤርትራዊ ንትግራይ ኣዕለቕሊቕዋ ኣሎ። ኣብቲ መንግስትኻ እየ ዝብሎ ህግድርፍ እምነት ስለ ዘየብሉን፣ እቲ መንግስቲ ሎሚ ንዝበሎ ጽባሕ ንከይቅይሮ ዝቆጻጸረሉ ሕጊ ስለ ዘየብሉን ዶብ ተመሊሳ ከይትዕጸዎ እሞ ከይቅደም እምበር መዓስ ይገይሽ፥ ክሳብ መዓስከ ይጸንሕ ካብተን ኣብ ወርሒ ዝወሃባ 5 ሺሕ ናቕፋኸ ክንደይ ሒዙ ይገሽ ምውሳን ከም ዝጽገሞ ካብ ኩነታቱ ምርዳእ ይከኣል።

እቲ ኩነታት ህግደፍ ፈትዩ ዝተቐበሎ ዘይኮነ ህዝቢ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ደፊኡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ህግደፍ ብመሰረቱ ምቁጽጻር ከም ሕዱር ሕማም ስለ ዝወስዶ ኣይኮነንዶ ናብ ትግራይ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ እውን ከመይ ከም ዝቆጻጸር ንፈልጦ ኢና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ንሱ ኣጺቂጡ፣ ኣጋፈርቱ ዝኾኑ ማሕበራዊ ሚድያታት እዮም ነቲ ጉዳያት ከም ድላዮም ዝጻወትሉ ዘለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ደፊኡ ንህግደፍ ምግዳዱ ጽቡቕ ኮይኑ፣ እቲ ደፊእካ ምግዳድ ግና ናብ ትግራይ ንምፍላስ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ተዓጽዩ ዘሎ ናይ ሰላም፣ ዲሞክራስን መሰልን ዕርድታት ንምስባር እንተዝኸውን ከኣ ዝያዳ መምሓረሉን መሰታዊ ፍታሕ መምጸኣሉን። እንተኾነ ሎሚ’ኳ እንተዘይገበሮ ጽባሕ ከም ዝገብሮ ግና እቲ ምልክታት ትስፉው እዩ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ ናይቲ ህዝቢ ኣጋይሻ ክቱር ምፍልላይን ናፍቖትን ዝደረኾ ኮይኑ፣ ብዝሑ የሰንብድ፣ ደሓርከ ክምለስ ድዩ ኣይምለስን የስግእ፣ እንተዘይተመሊሱኸ ናበይ እዩ ክኸይድ የሰክፍ፣ በዚ ኣገባብ ናብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝበጸሐኸ ደሓር ዜግነታዊ ደረጃኡን መጻኢ ዕድሉን እንታይ እዩ ክኸውን ዝብል ሕቶታት ኣይተመለሰን። ነዚ ከብርህዎ ዝነበሮም ከኣ እቶም ዘፍቅዱ ዘለዉ ወገናት እዮም። ግና ኣይገብርዎን። ኤርትራዊ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ንህግደፍ ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኮይኑ እውን ስለ ዘያመኖ፣ ካብኡ ኣርሒቑ ንምህዳም ካብ መቐለን ዓዲ ግራትን ብጻዕቂ ለይትን መዓልትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጓረት ኣሎ። ከምቲ ናይ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ዝጽበዮ ኣይፈልጥን እዩ። ገለ ኢሳይያስ ምስ ኣዲስ ኣበባ ፈጢርዎ ዘሎ ሓድሽ ዕርክነት ባህ ዘይበሎም ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ እኹል ኮይኑ ዘይተራእዮም፣ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደጋታት ብዘይምስትብሃል ብመስመር ሞያለ ኬንያን ዩጋንዳን ከም ዝበጽሑ ሓበሬታ ኣሎ። ድሕሪኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ሃገራት ናይ ምቕጻል ትልሚ ክህልዎም እዩ። ብኽንዱ ደርጃ ዝጽበዮም ሓደጋ ከኣ ህያው እዩ።

እቲ ዋሕዚ 10 መዓልታት ገይሩ ቀጻሊ ከኣ ኣሎ። ድሮ ከኣ ኣብ ከተማታት ትግራይ፣ ናይ መግብን መደቀስን ጸገም ገጢምዎም ካብኡ ከይቅጽሉ ገንዘብ ሓጺርዎም ኣብ ገበላታት ቀንፈዘው ዝብሉ ኤርትራውያን ይበዝሑ ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ከተማታት ትግራይ ሓላፍ መንገዲ “እዚኦምከ ወዮም መገሽ ዝይጓስዮም ኤርትራውያን ድዮም” ክብሎም ጀሚሩ ኣሎ። ገሊኡ ድማ ኮንደኾን ዝቀርቀርዎ ይህልዎም ብዝብል “ናቕፋዶ ኣለኩም?” ኢሉ ይሓቶም። ትግራዋይ ናቕፋ ዝሓቶም ናብ ኣስመራ ከይዱ ኣብ ኤርትራ ሕሱር ዝበሃላ፣ ናይ ወጻኢ ኮበርታ፣ ረሲቨር፣ ተልቪዥንን ጂኤል ሞባይልን ንምግዛእን እዩ፡

ካብን ናብን ጉዕዞ መካይን ጽዑቕ እዩ። ናይ ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ገዛ መካይን ይመላለሰ እየን። ውሑዳት ናብ ህግደፍ ቅርበት ስለ ዘለዎም ከም ድላዮም ናቕፋ ዝጸዓኑ ኤርትራውያን ዘድልዮም ኣስቤዛ ካብ ትግራይ ይጽዕኑ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝለመድዎ ስኽራን ከኣ ኣብ ትግራይ ብዝሓሰረ ዋጋን ዝሰፈሐ ናይ ኣልኮል ምርጫን የዘውትርዎ ኣለዉ። ገሊኦም ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፣ ኣብ ሓደ ደቒቕ ካሳብ 20 መካይን ኣብቲ ዶብ ይመሓላለፋ። ከምቲ ዘይንዝንገዖ ንብረት ጥራይ ኣይኮነን ካብን ናብን ዝሰጋገር ዘሎ። ኣንተላይ ትዕዝብትን ኣትሓሳስባን እዩ። ኤርትራውያን ብብዝሒ ዘመናዊ ህንጻታት፣ ጽዑቕ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፣ ብዝሒ መንእሰይ ኣብ ጐደናታትን ዘመናውነት መንገድን ይድነቑ፣ ትጋሩ ከኣ ብናይ ኣስመራ ዘይምቕያር፣ ጽምዋ ጐደናታትን ናብ ሓመድ ብዝተቐየረ መንገድታትን ይሕዝኑ። እቲ ዝያዳ ንህግደፍ ኣቃሊዕዎ ዘሎ ከኣ ጉዳይ መካይን እዩ። ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ ካብተን መካይን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይ ኤርትራ መለልዪ/ታርጋ ዝለጠፋ እየን። ኣብ ከተማ ኣስመራ እውን ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ታርጋ ዘለወን መካይን ይንቀሳቐሳ። እቲ ዘገርም ካብ ኤርትራ ዝመጻ መካይን መለዋወጢ ስኢነን ለቓቒምካ ክኸዳ ዝጸንሐ ኣዝየን ዝኣረጋ እየን፡ ከምኡ ስለ ዝኾና ከኣ ኣብ መንጎ መቐለን ዓዲ ግራትን ተጸጊዐን ዝደቀሳ ኣለዋ።

ብሳላዚ ኣብ ኤርትራ ዕዳጋ ሃዲኡ ኣሎ። ወዮ 7000 ናቕፋ ዝበል ዝነበረ ጣፍ 2500 በጺሑ ይበሃል። ካልእ ሃላኺ እውን በብደረጃኡ ኣዝዩ ነኪዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ሸውሃቱ ባዶ እንከሎ ብሕሱር ኣስቤዛ ከብዱ እንተመለአ ክጸግብ ኣይኮነን።

እዚ ኩነታት ብመንጽር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ብፖለቲካዊ ምውጣጥ እንተርኢናዮ እቲ “ቅድም መሬት ይጠረር” ዝብል ዝነበረ ናይ ህግደፍ ጃጃዊ መርገጽ ተሳዒሩ፣ እቲ በመንገዲ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንስገሮ” ኮይኑ ዝጸንሐ መርገጽ ኢትዮጵያ ከም ዝሰዓረ ብንጹር እዩ ተራእዩ። እሞ ንሕናን ህዝብናንከ እንታይ ንግበር? ከኣ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ሕቶ እዩ።

Last modified on Friday, 21 September 2018 10:37