Print this page

ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን: መሰረት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ይግባእ

2018-09-14 20:18:51 Written by  ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1847 times
Rate this item
(0 votes)

humanright commission 09.2018        Abdur Rahman Alfa Shaban

ሓዳስ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ሚቸለ ባቸለት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተስፋ ከም ዝሕደረለን ብምጥቃስ፡ እቲ ሰላም መሰረት ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ክኸውን ይግበኦ ኢለን፡ ንሰን ዝመርሐኦ ኣካል ኣብ መጻኢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቋርጽን ኢትዮጵያ ጀሚራቶ ዘላ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝያዳ ክትቅጽሎን ከም ዝጽበያ ገሊጸን

ንሰን ንዝኾነ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ዘዕዝዝ ኣካል ክሕግዛ ቅርብቲ ምህላወን ኣነጺረን። ነዚ ብዝምልከት ከኣ “ቤት ጽሕፈትና ክልቲአን ሃገራት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኣብ ዝወስድኦ ስጉምትታት ክሕግዞም ድልዊ እዩ። ብዝያዳ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየደ ዘሎ ገደብ ዘየብሉ መንእሰያት ናብ ውትህድርና ናይ ምምልማል ተግባር ክቋረጽ ትጽቢትና እዩ” ብዝብል ኣስፊረን።

ናይዘን ኮሚሽነር ርኢቶ ኣካል ናይቲ መበል 39 ጉባአ ክኸፍታ እከለዋ ብ10 መስከረም 2018 ዘስመዐኦ ቃል እዩ። ቅድሚ ባቸለት ዝነበሩ ኮሚሽነር ዛይድ ራኣዳል ሁሴኒ ብወገኖም በቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ከማርሩን መፍትሒ ክግበር ክጽውዑን እዮም ጸኒሖም።

ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ጀሚራ ኣብ ቅልጡፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ለውጢ ማዕበል እያ እትርከብ። እሱራት ብብዝሒ ክፈትሕ ጸኒሓ። ሕግታት ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ንምስፋሕ ብፍላይ ከኣ ንመጻኢ ምርጫ ብዝምልከት ይመሓየሹ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ንኤርትራ ብዝምልከት እቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንክመሓየሽ መንግስቲ ምልክት ኣርእዩ ኣሎ። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከቶ ኣካል ብዙሓት ካብቶም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመልመሉ ኣብ ባርነት ከም ዝዋፈሩን ኣብ ልዕሊኦም ገበን ኣብ ሰብኣውነት ከም ዝፍጸምን ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ እዩ።
ናይ ኤርትራ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፡ ምእሳር ፖለቲካዊ ተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ዝርከቦ ኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ከኣ ኣመንቲ ብብዝሒ ዝተኣስርሉ ኩነታት’ውን ክረአ ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ብ9 ሓምለ 2018 ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ምብጸሖም፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን ተዓዘብቲ፡ ኤርትራ መዓስን ብኸመይ ፍጥነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም እተተኣታቱ ይጽበዩ ከም ዘለዉ እተን ኮሚሽነር ጠቒሰን።

Last modified on Friday, 14 September 2018 22:29