Print this page

ስለምንታይ እዩ “ስለምንታይ?” ዘይበሃል

2018-08-10 06:35:44 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2061 times
Rate this item
(0 votes)

ሎሚ ኣብ ኤርትራ መልሲ ዝህብ እዩ ዘየለ እምበር፡ ስለምንታይ?” ኢልካ ክትሓትት ዘገድዱ ተርእዮታትሲ መሊኦም እዮም፡ ንኹሉ ንኤርትራ ዝምልከት ናይ ስለምንታይ ሕቶታት ምዝርዝዛር ከም ዘጸግም ርዱእ ኮይኑ፡ ዝተወሰኑ ምዝርዛር ግና ዘጸገም ኣይኮነን፡

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ዝሕብሮ ህዝቢ ኤርትራ ብመጽንርቲ እዚ ይጎድሎ ዘይበሃል ምእንቲ ነጻነት ሃገሩ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዋጋን ብኹሉ መለክዒ ተጠቃሚ ኣይኮነን; እኳ ደኣ ቅድም ዝነበሮ መሰላት ኣብ ዝተቕንጠጠሉ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ። እዚስ ስለምንታይ?

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ብሕገመንግስቲ ናይ ዘይምረሓ ሃገራት ኣብነት ምጥቃስ ከድሊ እንከሎ ቅድሚት እትስራዕ ኮይና ኣላ። ብመንጽርቲ ህዝባ ኣዝዩ ሕጊ ዘኽብር ምስ ምዃኑ እዚ ህልዊ ኩነታት ንኤርትራ ውርደት እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ክረአ እንከሎ ህግደፍ ህዝቢ ዝመርሓሉ ምስቲ ዝምራሕ ህዝቢ ዝኣተዎ ውዕል የብሉን። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ እቲ ዲክታቶር መቆጻጸሪ ዘየብሉ ፊን ከም ዘበሎ ንክኸይድ ዕድል ከፊትሉ ከም ድላዩ ይዕንድር እነሆ። ግን ስለምንታይ?

ኣብ ኤርትራ ንሓደ መንግስቲ፡ መንግስቲ ካብ ዘብልዎ ኣካላት፥ ሓጋጊ፥ ፈጻምን ፈራንድን የለዉን። ዋላ ብደረጃ’ቲ በይናዊ ገዛኢ ውድብ ህግደፍ ናይ ባይቶ ናይ ፈጻሚ ዝበሃል ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣወሳስናን የለን። ክንዲ ኩሎም ሓደ ዝዓወነ ሰብኣይ ከም ድላዩ ይገብር፡ እዚኸ ስለምንታይ?

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ የለን፡ ዜጋታት ብዝኾነ ገበን ተኸሲሶም ምስተኣስሩ ካብቲ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝበዝሕ ግሉጽን ሚስጢራውን ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣበይ ቦታ ከም ዝተኣስሩ ኣይፍለጡን። ብቤተሰቦምን ሃይማኖታዊ መራሕቶምን ኣይብጽሑን፡ ሓበሬታ ንቤተሰቦም ኣይወሃብን። ጉዳዮም ተጻርዩ ተኸሲሶም ዋላ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን። ሳሕቲ ዝቐርቡ ኣካላት ከኣ ወይ ባዕላቶም ወይ ጠበቓ ኣቒ`ሞም ኣይከላኸሉን። ስለዚ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ተኣሲርካ ማለት ተፈሪዱካ ማለት እዩ። እዚው ንስለምንታይ?

ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብዝኾነ መልክዕ ናይ ምግላጽ መሰል የለን፡ ካብቲ መንግስቲ ክበሃለሉን ክዕለለሉን ዝደልዮን ተሰሪሑ ዝዝርጋሕን ወጻኢ ሓሳብ ምቕራብ ገበን እዩ፡ ሓሓሊፉ “ከምዚ ክትብል ትሓስብ ኣለኻ” ተባሂልካ ምእሳርውን ዝውቱር እዩ። እሞ ስለምንታይ?

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሚድያ ዝርካቡ ኩሉ ናይ መንግስቲ እዩ፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ከኣ ዘይሩዘይሩ ንዋንኡ ምግልጋልን ምሕላውን እዩ። ናይ መንግስቲ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዘንጸባርቑ ናይ ብሕቲ ሚድያ ክልኩል እዩ፡ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ’ውን ኣይፍቀድን። ስለምንታይ?

ኤርትራውያን ስለምንታይ ጉዳይ ምርጫታት ዝተፈላለዩ ብተለቪዥናት ኣብ ምርኣይ ጥራይ ይውሰኑ። ንሳቶምከ ከምቶም ብሚድያ ናይ ምምራጽ መሰሎም ክጥቀሙ እንከለዉ ዝዕዘብዎም ዝመርሕዎም ናይ ምምራጽ መሰል ዘይህልዎም። ከምኡ ንክኾነሎምከ ዘይሓቱን ንምትግባሩ ዘይቃለሱን፡ እዚውን ካልእ ስለምንታይ።

ኩልና ከምእንፈልጦ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተዓጽያ ናብ ኣብ ሕድሕደን ዘይራኸባ ናእሽቱ ኮለጃት ከም ዝተጎዘየት ፍሉጥ እዩ። ንሱ ከይኣክል ተመሃሮ መላእ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ ሓንቲ ካለኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ኣብ ትሕቲ ውተሃደራዊ ምምሕዳር ክመሃሩ ግዱዳት እዮም። እተን ብዙሓት ምሁራት ዘፍረያ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ሃገርና ዝርከባ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን እየን። እዚኸ ስለምንታይ?

እቲሃገራዊ ኣገልግሎትዝብል ስም ዝተዋህቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ከምቲ ክጅመር እንከሎ ዝተሓስቦ 18 ኣዋርሕ ዝኸውን ናብ ደረት ዘየብሉ ግዜ ተቐይሩ። ብሰንኪዚ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ኣይካብ ትምህርቲ ኣይካብ ሓዳር ዘርሞዘርሞ ከም ዝተረፉ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ብሰንክዚ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ኣብ ስደተን ኣደዳ ዘይተኣደነ ጸገማት ይኾኑ ኣለዉ። ግና እዚ እውን ስለምንታይ ኣይተባህለን፡

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ክንቀሳቐሱ ወይ ኣይክእሉን እዮም ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ምቁጽጻር ዝወሃብ መሰል ኮይኑ ኣሎ። እዚ መሰልዚኸ ስለምንታይ ይንፈግ?

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተባርዐ ውግእ እቲ ነቲ ውግእ ከም ዝጀመረ ብዓለምለኻዊ ናይ ምጽራይ ኣካል ዝተመስከሮን ክኽሕስ ዝተገደደን ጉጅለ ህግደፍ ብዝኣመኖኳ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሰዊኦም። ነዚ ሓቢኡ እዩ ከኣ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክቕበል እንከሎ “በቲ ውግእ ኣይከሰርናን” ዝበለ። እሞ ድማ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ክግበር ዝኽእል ዝነበረ ከምስል ዝነጸጎ ዝርርብን ወደኽደኽን ተመሊሱ። እዚ’ውን ሰለምንታይ ክበሃል ዝግበኦ’ዩ።

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ምስ ሃበ፡ ዶብ ኣብ ባይታ ንከይምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥይጥይ ምስተራእየ፡ ኢሳይያስ ከምስል ብናይ ሓሶት ብነድሪ “ዶብ ከይተጠረረ ዘተ ዝበሃል ኣሽካዕላል እዩ” ክብል ጸኒሑ። በዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ን17 ዓመታት ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ሕጂ ግና በዚ መጸ ከይተባህለ ዘተ ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምምልካት ዶብ እውን ጠንጢንዎ ኣዲስ ኣበባ ከይኣኸሎ ክሳብ ሃዋሳ ከይዱ ጋብን ፈረስን ተሰሊሙ። ፍቕሪ ሰማእታት ኤርትራን ሕግን ዘይኮነስ፡ ፍቕሪ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ስዒርዎ ክቆጻጸ እንከሎ ንዝተዓዘቦ ገሪምዎ። ሕጂ’ውን ስለምንታይ?

ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ካብ ዝፈርሖ ጉዳያት ሓደ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ እዩ። እዚ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ናብ ተቓውሞ ኣብ ዝምዕብለሉ ድማ የዕበድብዶ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ነቲ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ዓለም እትፈልጦ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ብዝዓይነቱ ኣይቅበሎን እዩ። ሓሓሊፉ ክጸቦ እንከሎ ከኣ ብወያነነት ይኸሶ። ከምቲ ደርጊ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ብናይ ኣዕራብ ፔትሮ ዶላር ዝተገዘ ገይሩ ዝኸሶ ዝነበረ። በቲ ሓድሽ ዓርኩ ዲና መራሒኡ ክንብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንተቓወምቱ ተቓወምቱ ዘይኮኑስ መወዳድርቱ ገይሩ ዝገልጾም ቋንቋ’ውን ናብ ልቡ ኣይምለስን። ናይ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መልእኽቲ ናብኡ’ውን ዝጥምት ምዃኑ ንዝተረድኦ ኣይመስልን። እቲ ዘገርም ከኣ ናቱ ጽዕነት ኣቐሚጡ ንዳውድ ኢብሳ ሓደ ካብ ነባራት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንለማ መገርሳን ኣብ ኣስመራ ክሽምግል ዘይምሕናኹ እዩ። ስለምንታይ?

እምበኣር እቲ ናይ ኤርትራ ስለምንታያት ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ “ዘረባን መዓንጣን ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ኣይውዳእን” ዝበሃል ስለምንታያትና ኣብዚ ከነቋርጽ። እዚ ስለምንታያት’ዚ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምቲ “ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓራሚ ነይንቕንቖ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ሓሲብሉ ኮነ ኢሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት፡ ገበናትን ጥሕሰታትን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ሓተትናዮ’ውን ከምዘይምልሰልና ስለ እንፈልጥ “ስለምንታይ?” ኢልና ኣይንሓቶን ኢና፡

ስለዚ እዚ ለስምንታይ ናብቲ ናይዚ ግህሰታት ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝቐርብ ዘሎ። ምኽንያቱ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ተሰካሚ ንሱ እቲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ። ካብዚ በደልዚ ሓራ ክወጽእ ዘለዎ ከኣ ባዕሉ ብቓልሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ። እቲ ናይ ካልኦት ኣበርክቶ መመላእታ እዩ።

Last modified on Friday, 10 August 2018 08:38