Print this page

ስለምንታይ ድንድል ንምህናጽ መንደቕ ምፍራስ?

2018-08-05 20:18:26 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2054 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ጉዳያት ኣብ ዝለዓልሉ፡ ሓደስቲ ሓረጋት ክቀላቐሉ ንከታተል ኣለና። ካብቶም ሓደስቲ ሰብ ግዜ ሓረጋት፡ ምድማር፡ ፍቕሪ ይስዕር፡ መንደቕ ምፍራስ፡ ድንድል ምህናጽ ዝብሉ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ናይዞም ኣበሃህላታት ትርጉምን ተልእኮን ነናብ ዝሰሓብካዮ ዝሰሓብ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ግምታት ይህብዎም ኣለዉ። ንኣብነት ምድማር ክሳብ ሕጂ እንፈልጦን ዝተመሃርናዮን ሓደ ካብቲ ኣርባዕተ መባእታዊ መደባት ቁጽሪ ምዃኑ እዩ። ሕጂ ብበዓል ኢሱ ግና ናብ ካልእ ሸፈጥ ዝማዕበለ እዩ ዝመስል።

እዞም ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ሓድሽ ፍቕሪ ክለዓል እንከሎ ዝለዓሉ ዘለዉ ዘበን ኣምጸኦ ሓረጋት ዝያዳ ብናይ ኢትዮጵያ መራሕትን መራኸቢ ብዙሓንን ገኒኖም ክቃልሑ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ኣብ ገለገለ ቦታታት ከኣ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ዳርጋ ብስምዒታት ዝተነድቀን ኣሳታፊ ትካላዊ ባህሪ ዝጐድሎን ምዕባለ “ትድግፍ ዲኻ ትቓወም” ንምባል “ተደሚርካ ዲኻ ኣይተደመርካን?” ክብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብናተይ ርኢቶ ኩሉ ዝድመር ብዙሕ ውጽኢት ይህብ ማለት ኣይመስለንን። ንኣብነት ሓደ ሺሕ ኣውንታ (posetive) ምስ ሓደ ሺሕ ኣሉታ (negative) ክድመር እንከሎ ውጽኢቱ ክልተ ሺሕ ዘይኮነስ ዜሮ እዩ ዝኸውን። ብመንጽርዚ ዶ/ር ኣብይ ምስ ኢሱ እንተተደሚሮምስ ክልተ ናይ ምዃን ዕድሎም ጸቢብ እዩ። ብኣንጻሩ ውጽኢቶም ዜሮ ናይ ምዃን ዕድሎም ሰፊሕ እዩ። “መነኦም ኣውንታ መነኮምከ ኣሉታ ስለ ዝኾኑ?” ንዝብል ሕቶ ከኣ ምዃንኳ ምሉስ እዩ ብዝኾነ ብሓባር ክንምልሶ ዝበኣና እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ እዞም እንተላይ ንዓኡ ዝምልከቱ ሓረጋን ክዝረቡን ክጸሓፉን እንከለዉ ዘስመዖ ድምጺ የለን። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ብዛዕባ እዚታት ዝህቦ መብርሂ የለን። ህዝቢ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ኣጋይሽ ክቕበልን እንከሎ፡ ስለምንታይ እቲ ዝነበረ ዕጽዊ ኩነታት ናብዚ ዝረአ ዘሎ ፈዳሕዳሕ ከም ዝማዕበለ ዘብረሃሉ የለን። እዚ ኩሉ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ምጽቃጥን ስቕታን እምበኣር፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተላይ ንኤርትራ ዝምልከት ዝህቦ መግለጽታት ተቐቢልዎ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተዓርቁ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ ኦርተደኩስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶሳት ምትዕራቖም ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ርኢቶ ክህቡ እንክለዉ፡ ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ስለ ዘለዎ “ክንዓርቆም ኢና” ዝመንፈሱ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ነዚ መልእኽቶም ዝተኸታተለ ሓደ ኤርትራዊ “ኣንታ ወያ ኣብይ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹስ ጀሚራ ግዲ እያ” ኢሉ ዘስሓቐኒ መመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ይገርመኒ።

ብኣንጻርዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ ዝዝውተሩ ዝነበሩ ሃንደበት ህልም ኢሎም ዝጠፍኡ ሓረጋት ኣለዉ። ውዕል ኣልጀርስ፡ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን፡ መሬትና ተወሪሩ እንከሎ ዘተ ዝበሃል የለን፡ ምጥራር ዶብ ቅድመ-ኩነት ንዘተ እዩ፡ ናይ ንጉሆ እንተጠሪርና ድሕሪ ቀትሪ ክንዛተ ድልዋት ኢና … ዝብሉ ሓረጋት ካብቶም ደሃይ ዘጥፍኡ እዮም። ኣብ ክንዲ’ዞም ሓረጋት እዚኣቶም ፡ ኤምረትስ፡ ሱዕድያ፡ ኣሜሪካ እንዳበልካ ናይ ለጋስ ኢድ ዘለወን ሃገራት ኣስማት ከም ጾለተ-ዘወትር ምድጋም ከኣ ናይ በዓል ዲክታቶር ኢሱ ቀንዲ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ዘሄግን ባድመን ዝበሃላ ከተማታት እሞ ጉጅለ ኢሳይያስ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሐን ኮይነን ኣለዋ።

እቲ ምድማር ዝበሃል ቃል ኣብ ኢትዮጵያ ክጅመር እንከሎ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያ ዝሕጸር ይመስል ነይሩ ትርጉሙ ከኣ ኢትዮጵያዊ ሓድነትና ነደልድል ማለት ይመስለና ነይሩ። ሕጂ ግና ናብ ምስ ኤርትራ እውን ሰጊሩ ኣሎ። ብዙሓት ዝህብዎ ትርጉም ከኣ እቲ ኣብ ሓምሳታት ፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ፈረሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይደልዮን ዘይፈልጦ፡ ንክሳዳዊ ረብሓ ሰብ ገዚፍ በትሪ ኣብ ኣርዑት መስፍናዊ መንግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስተቖርነት ሳዕቤኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ገይሮም ዝትርጉምዎ ብዙሓት እዮም። ከምኡ ከምዘይኮነ ሓላፍነት ወሲዱ ዘብርህ ኤርትራዊ ኣካል እንተዘየልዩ ከኣ ትርጉሙ ከምኡ ከምቲ ዝበሃል እዩ ክውሰድ። መንግስቲ ህግደፍከ መብርሂ ዘይህበሉ ዘሎ፡ በዚ ትርጉምዚ ስለ ዝተሰማምዐ ድዩ? ዝብል ከኣ ካልእ ሓቢርና እንምልሶ ሕቶ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ብወገን ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሓን፡ “መንደቕ ኣፍሪስና ድንድል ክንሃንጽ ኢና” ዝብል ጥቕሲ ኣብ ኣፍልቢ ብዙሓት ዝልጠፍ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ብናይ ብዙሓት ርኢቶ እቲ ዝፈርስ መንደቕ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ድንድል ድማ መንገዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ ከም ዝውክል ገይሮም እዮም ዝርድእዎ። ከምኡ ከምዘይኮነ ዘብህር ኣካል ክሳብ ዘየለ ከኣ ትርጉሙ ከምኡ ኮይኑ እዩ ክቕጽል። ግን እቲ ድንድል ምህናጽስ ግርም ምህናጽ ዝመስልዎ ስለ ዘየለ። ወዮ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥረር ንጽበዮ ዝነበርና ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ መንደቕ ምፍራስከ እንታይ ኣምጸኦ። “እቲ ድንድል ንክህነጽ ናይ ግድን እቲ መንደቕ ክፈርስ ኣለዎ ዝበለኸ መን እዩ?

Last modified on Sunday, 05 August 2018 22:21