Print this page

ወይከ፡ ምምልካት ዶብን ልኡላውነት ሃገርን!

2018-07-10 19:56:22 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2094 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብቲ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሐ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መርገጽ መንግስቲ ኤርትራ ከመይ ከም ዝጸንሐ ኩልና እንዝክሮ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ናይ ንዛተ መጸዋዕታ፡ “ቅድም ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ከይተመልከተ ዘተ ዝበሃል የለን” ዝብል መልሲ ክህብ’ዩ ጸኒሑ። ነዚ መርገጹ ዝያዳ ንምትራር ከኣ ኣምበሳድር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ነፍስሄር ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ሓደ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት “ናይ ንግሆ ዶብ እንተተመልኪቱ ድሕሪ ቀትሪ ክንዛተ ድልዋት ኢና” ዝበሎ ቃል ከም ብሉጽ መግለጺ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ስርዓትን መዳኸርቱን ዝንየትሉ ዝነበሩ እዩ።

ገለ ኤርትራውያን ነዚ ዘይቅየር ዝመስል መርገጽ እቲ መንግስቲ፡ ከምዘለዎ ክግድፍሉ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ፡ ንዘተ ክትዕደም እንከለኻ እምቢ ምባል ኣብያ እዩ ዝገብረካ። ኣብያ ከኣ ኣብ መስርሕ ዲፕሎማሲ ሕማቕ እዩ። ኣብ ክንድኡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ እቲ ዘተ ትግባረ እቲ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ዝጓሲ እንተኮይኑ ዕቃበኡ ኣመዝጊቡ ክወጽእ ዝኸልኦ ስለ ዘየብሉ ምስ ዘተ ምርጻሙ ግጉይ እዩ ይብሉ ነይሮም። ገሊኦም ሕሉፋት ደገፍቲ እቲ መንግስቲ ከኣ ንምዝታይ ከም ምንብርካኽን ንኣብያ ድማ ከም ጅግንነት ይቖጽርዎ ነይሮም እዮም። በዚ መሰረት ህግደፍ ኣብ ኣደባባይ ሓላይ ልኡላውነትን ተሓላቒ ሃገርነትን መሲሉ ብምቕራብ ሓያሎ ግዝያውያን ሸመቲ ረኺቡ እዩ።

ዘይኮንካ ክንስኻ መሲልካ ምቕራብ ግዜኡ ምስ ኣኸለን ተጽዕኖ እቶም ዝጻረፎም ዝነበረ ጐይተቱ እናዛየደ ምስ መጸን ግና ሓቀኛ መርገጽ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን እነሆ ብግቡእ ተቐሊዑ። ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኤርትራ ጉዳይ ምምልካት ዶብን ምዕቃብ ልኡላውነትን ዋኒኑ ከም ዘይነበረ ጋህ ኢሉ ተጋሂዱ እዩ። ወየን ምምልካት ዶብ፡ ልኡላውነት ሃገር፡ መሬትና ተጐቢጡ ዝብላ ቃላት ካብ መደረ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ንድሕሪት ፈጺመን ሃሚጠን። ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ 2ተ ኣባላት ዝነበርዎ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ምእዙዝ መራሒ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ረኺብና ዝብሉ ሓረጋት ፈይ ምባሉ ከኣ ነቲ ስግኣትና ስግኣት ወሲኽሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብግልጺ ዝተራእየ፡ እቲ ቀደማይ ምዕራፍ ሒዙ መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፈ ዝያዳ 16 ዓመታት ክግዕረሉን ንህዝቢ ጅሆ ሒዙሉን ዝጸንሐ ናይ “ቅድም ዶብ ይመልከት” መጎት ሃሲሱ ጥራሕ ዘይኮነ ተረሲዑ። እቲ ድሕሪ ምምልካት ዶብ ክስዕብ እዩ ክበሃል ዝጸንሐ 2ይ ምዕራፍ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ (normalization) ቀዳማይ ምዕራፍ ኮይኑ ብኣዝዩ ክቱር ዳንኬራ ክስነ ተዓዚብና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኣንገድዎ ድራር “ጉዳይ ዶብ ብናይ ፍቕሪ ድንድል ተሰጊሩ እዩ” ዝበልዎ ከኣ ዓሚቕ ኣሻቓሊ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተቀበለሉ፡ “ተደሚርናን፡ ፍቅሪ ይስዕርን” ዝብሉ ናይ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ቃላት ገኒኖም ምውዓሎም ከኣ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ።

ህዝቢ ከተማ ኣስመራ በቲ ዝተራእየ ብዝሕን ሙቐትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢቶጵዮጵያ ንምቕባል ኣብ ኣደባባያትን ጐደናታትን ኣስመራ ምውጽኡ ብዙሕ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ካብቲ ትርጉማት ናይ ህዝብና ምቕሉል ጋሻ ናይ ምቕባል ባህሊ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንዝጸንሖ ናይ ሰላም ጽምእን ዓው ኢልካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ስእነትን ዘርኢ እዩ። እቲ ዝተራእየ ናይ ህዝቢ ማዕበል ካብቲ ንፍቕሪቶም ጋሻ ዝያዳ ንክብደት’ቲ ትዓፊንዎ ዝጸንሐ ዝገልጽ እዩ። እቲ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘመጉስ ዝነበረ ነጐድጓድ ጽባሕ ንወጽዓ ዝኹንን ክኸውን ከም ዝኽእል ትስፉው ምልክት እዩ። መንእሰያት ተኣኪቦም ዘስምዕዎ ዝነበሩ መቓልሕ ከምቲ ኢሳይያስ ዝተጸበዮ “ወዲ ኣፎም፡ ወዲ ኣፎም” ዝብል ዘይኮነ “ኣብይ፡ ኣብይ” ይብል ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ምእዙዝ መራሒ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ረኺብና” ዝበሎ ደሚርካ ንቀናእ መንፈስ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዘዛይዶ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክልቲኦም ወገናት ዝኸተምዎ ስምምዕ ተዘርጊሑ እዩ። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ዝሰፈሩ 5 ነጥብታት እውን ብምሉኦም ናይ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ እምበር ናይ ምምልካት ዶብ ኮነ ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ቃናኦም ኣዝዩ ልኡም እዩ። ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ከም ዝጠቐስናዮ፡ ምልኪ፡ በቚሉ ዝፈርየሉ ባይቶ ይደሊ እዩ። ልሙዕ ባይታ እንተዘይረኺቡ ግና ስለ ተዘርአ ጥራይ ኣይፈርን እዩ። ምልክን ወጽዓን ኣቶ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ክሳብ ክንድዚ ዝሳዕረረ ከኣ ንሱ ስለ ዝደለዮ ጥይ ዘይኮነ ንምልኩ ዘሳሲ ባይታ ስለ ዝረኸበ እዩ። ሓደ ሓደ ዕዉራትን ሕልናኦም ንምልኪ ዘረከቡን ወገናት ኣብዚ እዋንዚ’ውን “ ኢሳይያስ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵይያን ካብታ መጀመርያ ዝሓዛ መርገጽ ፈልከት ኣይበለን” ክብሉ ክትሰምዕ እንከለኻ ከኣ “ኢሳይያስ ደኣ ሓቁ እንድዩ እዚኣቶም እንድዮም ዘስክርዎ ዘለዉ” ክትብል ትግደድ። ከምቲ ወለድና “ሳዕስዕ እሞ ሳዕስዕ ሓዳርካ ኣይትረስዕ” ዝበሃል ኣደታት ኣስመራ ወቂብክን ጋሻ ብምቕባልክን ኣዚና ንንእደክን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፍትሒ ስኢኖም ኣብ ጸልማት ጐዳጉዲ ይማስኑ ንዘለዉ፡ ሰብኡትክን፡ ወለድኽን፡ ደቅኽንን የሕዋትክንን ከይትዝንገዓ ሓደራ እብለክን። እቲ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ቅድሚ ወዲ ኣፎምክን ብዛዕባ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ ሰብ … ዝዛረቦ ዝነበረ ንመን ከም ዝምልከት ከኣ ኣስተብህላ።

ስለዚ ከምቲ ሰዲህኤ ብዛዕባ ምዕባለታት ከባቢና ብ2 ሓምለ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ንልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን ስግኣትና ልዑል ምዃኑ ንገልጽ” ዝበሎ የማነ-ጸጋምና ከነስተብህል ይግበኣና

10.07.2018

Last modified on Tuesday, 10 July 2018 22:00