Print this page

“ደምበ ተቓውሞ ኣበይ ከብል እዩ?” ኢሎም የሽካዕልሉ

2018-07-05 06:10:40 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2110 times
Rate this item
(0 votes)

ብሰንኪ ህልኽ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘየድሊ ውግእ ተኣትዩ ብዙሕ ህይወት ኣህሊቑ ንብረት’ውንኣባዲሙ። ስርዓት ኢሰያስ ካብ መጀመርያ ኣትሕዙ ብተንኮል ዝተጎብአ ምዃኑ ኩሉ ዝርደኦን ዝፈልጦን እዩ። ህልኸኛ ስለዝኾነ ድማ ነታ ንሱ ዝበላ እምበር ካብካልኦት ምኽሪ ይኹን ማዕዳ ኣይቅበልን ኣይደልን እዩ። ይኹን እምበር ንስልጣኑ ክብል ዘይምህዞ የለን። ነዚ ንኽገብር ከኣ ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ኣስራርሓ ናይ መለኽቲ ፈላሊኻ ምግዛእ፥ ምጭፍጫፍ፥ ቅሳነት ምኽላእ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሜላታት ይጥቀም። እዚ ኩሎም መለኽቲ ዝጠቀሙሉ ኮይኑ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ግን ተፈሪሆም እምበር ምቕሉላት ኮይኖም ተቐባልነት ክረኽቦ ኣይኮነሎምን እዩ።

ስርዓት ኢሰይያስ ነቲ ኩሉ ዝጽሕትሮ ዝነበረ ውግኣት ብኽሳራ እምበር፡ ከሲቡ ዘወጸሉ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን። ንኣብነት ምስ የመን ዘካየዶ ውግእ ገለ ካብ መሬት ኤርትራ ዝተኸስረ ኣሎ። ኣብ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ኩነታት’ውን ጌና መዕለቢ ዘይተገብረሉ ኮይኑ እምበር ከይከሰረ ኣይተርፍን እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ውግእ ድማ እነሆ 25 ኪሎሜተር ውሽጢ መሬት ኤርትራ ዘይሕረስ ኮይኑ ህዝብና ኣብ ብገዛእ መሬቱ ሓሪሱ ከይዕንገል ተሓሪሙ ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም ዝተበየነ እንተኾነ እውን እቶም ነቲ ዶብ ካብ ካርታ ወይ ወረቕት ኣብ ባይታ ሽኻል ክተኽሉ ዝሓሰቡ’ውን ነቲ ናይ ሰላም ዓቃቢ ሰራዊት ስለ ዝሰጐጎ ብወገን ኢትዮጵያ ቅሩብነት ስለ ዝጐደለ ንክትግበር ኣይተኻእለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እቲ ናይ ዶብ ምልክት ከይተተኽለ እንከሎ በቲ ናይ ካርታ ስእሊ ጥራሕ ገዛ፥ ቤተክርስትያንን ህዝብን ኣብ ክልተ ክምቀል እዩ ስለዚ ኣቐዲምና ክንዛተ ኣሎና ብማለት ስለ ዝኣበየ እቲ ናይ ዶብ ምምልካት ኣይተፈጸመን። ኢሰይያስ መፍትኡ ስለዝረኸበ ነቲ ቅድሚ ምምልካት ወይ ምሕንጻጽ ዶብ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ንቕድም ንዛተ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝተሓስሞ ኣይተተግበረን። ሎሚ ምስ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሓይሊ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽን ውዕል ኣልጀርስን ተቐቢልናዮን ኣብ ግብሪ እውን ክነውዕሎን ኢና ዝብል ኣዊጁ። ክሳብ ሕጂ እቲ ጉዳይ “ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮእዩ” ነገሩ። ቅድም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢልዎ ዶክተር ኣቢይ ከኣ ንዛተ እዩ ዝብል ሎ።

ሰላም ኣይጽላእን እዩ። እንተኾነ ግን ኢሰይያስ ቅድም ንህወሓት ስለ ዝጸልአ ኣብይዎ ሎሚ ከኣ ንናይ ዶክተር ኣብዪ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ተቐቢልዎ። ይኹን እምበር ኢሰይያስ ተመሊሱ ነቲ ውዕል ናይ ኣልጀርስ ዘፍርስ ዘረባታት ክፍኑ ይስማዕ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ዶብ ኣይድልን እዩ እናበለ ንሃገርና ኣብ ደልሃመት ከየእትዋ ዘስግእ እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ ብታሕቲታሕቲ ዘናፍሶ ዝነበረ ክሳብ ናብ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ገጹ ይኸይድ ከምዝነበረ ኣቶ ታምራት ላይነ ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ግርም ገይሩ ኣብሪህዎ እዩ። ነዚመላግቦ ብምስማዕ ተኸታተሉ። https://www.youtube.com/watch?v=PjgjiydQgAU

ስርዓት ኢሰይያስ ነዚ ናይ ዶብ ዘይምምልካት ተጠቒሙ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዘስግኦ ኣብ መጀመርያ መደርኡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንውድባት ዝነጽግን ብሕታዊ ስልጣኑ ከራጉድ ኢዩ ተራእዩ። ኣይፋልካን ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ንኹሉ ኣብ ሜዳ ኤርትራ እጃሙ ዘበርከተ ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ክዛተን ግዚያዊ መንግስቲ ክምስርትን ይኽኣል እንተተባህለ ዕጭ ሓንፈፍኩ ደኣ በለ። እዚ ምሕንጋድ ንበይኑ ኢሰይያስ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝምልከት እዩ። ንኣብነት ቅዋም ክሕንጸጽ እንከሎ ኢሰይያስ በይኑ ኣይኮነን ሓንጺጽዎ። ብሕርያ ኢሳይያስ ካብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝተዋጽኡ ክኢላታት እዮም ነይሮም። ንሳቶም’ውን ብወገኖም ኣንቱም ሰባት ነቲ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ እጃሙ ዘበርከተ ሃገራዊ ሓይሊ ገዲፍና ንበይንና ምኻድ ኣየጸብቐልናን እዩ ኣይበሉን። ኩሎም መሻርኽቲ ኢሰይያስ ስለ ዝነበሩ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ምንጻግ ይሰማምዑ ነይሮም ክንብል ንኽእል። ሎሚ ድማ እቲ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት እታ ሃገርናበይ ገጻ ትዛዙ ኣላ፥ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ምንታይ ደረጃ ክወድቕ እዩ፡ ንዝብል ፋዕራ ዘለዎ ኣይመስልን። ኣብ ክንድኡ በዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህው ዝሓለዩ ይመስል ተቓወምቲ ኣበይ ክኣትዋ እየን እናበለ ተሓጓሱ ይገልጽ ኣሎ፣ እዚ ማለት ደምበ ተቓውሞ ድሕሪ ደጊም መቃለሲ ባይታ ኣይረክብን ካብ ዝብል ኣሽካዕላል እዩ። ደምበ ተቓውሞ ግና እታ ሃገር ኣብ ደልሃመት እናኣተወት ኢዱንእግሩን ኣጣሚሩ ኮፍ ኣይክብልን እዩ። ኩነታት እንተተቐየረ እውን ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ቃልሲ ክቕጽል ባህርያዊ እዩ።

05.07.2018

Last modified on Thursday, 05 July 2018 08:17