Print this page

ዕድመ ህግደፍ ዘሕጽር ድርብ ዕማም

2018-06-13 07:28:55 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1850 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ብዙሕ መልከዓትን ብደሆታትን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ድርብ እንተበልናዮ ዝገልጾ ይመስለና። በቲ ሓደ ወገን ከም ኤርትራውያን ናይ ሃገርና ልኡላውነትን ክብርን ምሕላውን ምውሓስን ሓላፍነት ኣለና። ገለ ወገናት ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ንመስዋእትን ዘይሕለል ቃልስን ህዝብና ጨውዩ በይኑ ይዕንድረላ ስለ ዘሎ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ክብርን ምሕላው ከም ንዓኡ ጥራይ ዝምልከት ገይሮም ክወስድዎ ንዕዘብ ኢና። እቲ ጉጅለ’ውን ከምኡ ዓይነት ስሱዕ ተረድኦ እዩ ዘለዎ። እቲ ቅኑዕ ኣረዳደኣ ግና ኤርትራ ናትና’ውን ስለ ዝኾነት ናይ ምዕቃባ ጉዳይ ይምልከተና እዩ። ክትሻቐል እንከላ ሓቢርናያ ክንሻቐል፡ ክትቀስን እንከላ ከኣ ምስኣ ክንቀስን ባህርያዊ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ፡ ዘተኣማምን ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝዓሰላ ሃገር ክትከውን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ከም ተቓወምቲ ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ኢና። ተቓውሞና ከኣ ኣንጻር ኤርትራን ክብራን ዘይኮነ ኣንጻርቲ ዝሕምሳ ዘሎ ዘይህዝባዊ ራእይ ዝውንን ጉጅለ ህግደፍ እዩ። እቲ ንኤርትራ ብዘይካ ጸጋታታ ህዝባን መሰላቱን ዘየድልዮን ዘየገድሶን ዓመጸኛ ስርዓት ከንበዓ እንከሎ ንብዓታ ናይ ምሕባር ሓላፍነት ኣለና። ኤርትራ ብሰንኪቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ልሳና ተዓጽዩ፡ “ኣብዚተይ የሕምመኒ ኣሎ፡ መድሃኒተይ ከኣ ከምዚ እዩ” ከይትብል ጐረሮኣ ኣብ ዝተዓጽወሉ ድምጻ ከነስመዓላ ናይ ግድነት እዩ። እዚ ኩሉ ክንገብር እምበኣር ኤርትራ ብዓባያ ክትህልው ናይ ግደን ስለ ዝኾነ ኢና ህልውነኣ ምዕቃብ ካብ ቀንዲ ዕማማትና እዩ ንብል ዘለና። ዝያዳ ንምብራህ ክብራን ልኡላውነታን ኣብ ዘየውሓሰት ኤርትራ፡ ብዛዕባ ሰላማ፡ ልምዓታ፡ ዲሞክራሲኣ፡ ዕቤታን ብዙሕነታን ምሕሳብ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን።

ናይ ኤርትራ ልኡላውነት በቲ ጉጅለ ህግደፍ ንጉጅላዊ ረብሓኡ ክብል ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ብዝኣጐዶ ሓዊ ክጽለው ከም ዝጸንሐን፡ ከም ዘይዕወቱ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ንልኡላውነት ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዱ፡ ዝሓልሙ ወገናት ኣፍደገ ንክረኽቡ ተናኻሲ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ኣፍደገ ኣይከፈተን ዝበሃል ኣይኮነን። ሎሚ ነቲ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ኣብ ድልዱል ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ንምፍትታን ዝተፈላለየ ኣስማት ሒዞም ዝትንስኡ ወገናት ብዙሓት እዮም። ኣግኣዝያን፡ ተጠቃምነት ዶባት፡ ኮንፈደረሽን/ፈደረሽን … ዝብሉ ቃናታት ናይቲ ሸታሕታሓት ኣብነታት እዮም።

ስለዚ ከምቲ “ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ኣትሪርካ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ቅድመ-ኩነት ንምትካል ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ እዩ። ንልኡላውነት ኤርትራን ምእንታኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን እንዳስተነዓቕካ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዲሞክራስን ህዝባውነትን ኤርትራ ምሕሳብ እምበኣር ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ህንጻ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እቲ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝወሰደ ደስኪሉ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓድሽ እዋናዊ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ምስሓሓብ መንቀሊኡ ዶብ ከምዘይኮነ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ። ናትና ግምት’ውን ከምኡ እዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ጐሊሑ ዝመጸ መግለጺኡ ናይቲ ምስሕሓብ ስም “ጉዳይ ዶብ” ስለ ዝተባህለ ንሕና’ውን “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ኢልና ክንገልጾ ዝሓሸ እዩ። ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ፡ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወዲግ) ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዪጵያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልና ከነተግብሮ ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት ገለን እዚ ኣበሃህላ ሓድሽ ኣይኮነን፡ ክብሉ እንከለዉ ገሊኦም ከኣ የለን ካብቲ ነዚ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክበሃል ዝጸንሐ ዝማዕበለን ተስፋ ዘሕድርን እዩ ዝብል ግምት ብምሃብ ይከራኸርሉ ኣለዉ። እቲ ሚዛን ግና ናብቲ ከም ናይ ቀደም ዘይኮነስ ዝያዳ ናብ ምትግባር ዝዛዘወ ምዕቡል ኣበሃህላ እዩ ናብ ዝብል ግምት ዝዛዘወ እዩ።

ወዮ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይምውድኡ ከም ናይ ኩሉ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ጠለባት ዓንቃጺ መመኽነይታ ገይሩ ክወስድ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ድምጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ በሪኹ ክስማዕ ምስ ጀመረ ደሃዩ ኣጥፊኡ ኣሎ። ናይ ብዙሓት ወገናት ትጽቢት ነቲ ክቃልሖ ዝጸንሐ “ቅድም ጉዳይ ዶብ ይወዳእ” ጠለብ ዘተባብዕ ድምጺ ስለ ዝኾነ ህግደፍ ኣውንታዊ መልሲ ክህበሉ’ዩ ዝብል ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ብኣንጻሩ ክሳብ ሕጂ ብስቕታ መሊስዎ ኣሎ። ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ክንመጽእ እንከለና ጉጅለ ህግደፍ ምኽንያት ፈጢሩ ክኸንብ ስለ ዝደለየ እንተዘይኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ዶብን ካልእ ዲፕሎማሳዊ ተግባራት እንዳተኸታተልካ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ከም መስርሕ ምርጫን ምቕራጽ ሕግመንግስትን ዝኣመሰሉ ዘቤታዊ ተግባራት ማዕረማዕረ ምዕማም ዘይከኣል ኣይነበረን። ንኣብነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ኩነት እንዳሃለዋ ምርጫታቱ ብስሩዕ ካብ ምክያድ ኣየቋረጸን። ግብጽን ሱዳንን ናይ ዶብ ምስሕሓብ ስለ ዘለወን ውሽጣዊ ጉዳያተን ካብ ምርኣይን ምዕማምን ዓዲ ኣይወዓላን። ህግደፍ ምስዚ ሕጂ ምጽቃጡ ደሚርካ ክረኣይ እንከሎ እምበኣር፡ ዒራ ኢትዮጵያ ኣይትቕበሎን ትኸውን ኢሉ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ድምጺ ከስምዕ ዝጸንሐ እምበር ብውሽጡስ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ምርካብ ምስቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕሳቡ ከም ዘየሳንየሉ ዝተረደአ እዩ ዝመስል። ብሓቂ ከኣ ጉዳይ ዶብ እንተተወዲኡ ንምስምሳት ህግደፍ ኣድሪቑ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽር ምዃኑ ካብ ቀደም ዝገመትናዮ እዩ። ካብቶም ብዙሓት ናይዚ ስቕታ ትርጉማት ሓደ እምበኣር ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

Last modified on Wednesday, 13 June 2018 09:32