Print this page

ፍቕሪ ሃገር ይሃልወና ኤርትራውያን

2018-06-10 21:28:45 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2113 times
Rate this item
(0 votes)

ስለምንታይ ንሃገርና ነፍቅር ኢልና ንዝኾነ ሰብ ምስ እንሓትት፡ ዝተፈላለየ መልስታት ምተረኽበ። ገሊኡ ፍቕሪ ሃገር ማለት ሃገርካ ምፍታው ክብል ከሎ፡ ገሊኡ ከኣ መዳሕንተይ ኣብኣ ስለ ዝተቐብረ ወይ ኣብኣ ስለ ዝተወለድኩ፥ ወይ ብዘይክኣ ካልእ ሃገር ስለ ዘየብልይ ዝብሉ መልስታት ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ክዝከር ዝግበኦ፡ ፍቕሪ ሃገር ብፖለቲካዊ ጽልኢ ይኹን ብቑጠባዊ ድኽነት ዘቋርጽ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ፍቕሪ ሃገር ንምሕደራ ይኹን ንስርዓት ጸሊእካ ወይ ፈቲኻ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት እናጸላእካ ነታ ሃገርካ ተፍቅራ እንተዀንካ ነቲ ስርዓት ኣብ ምቕያርን ካብኡ ዝሓሸ ስርዓት ንምትካልን ምጽዓር እዩ። ምኽንያቱ ነታ ተፍቅራ ከተድሕን እምበር ንረብሓኻን ግዙእ ንክትከውን ኣይኮነን።

ልክዕ እዩ፥ ሓንቲ ሃገር ነቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ሕብረተ ሰብ ናቶም ስለ ዝኾነት ሓደ ነቲ ሓደ ከይተነፋፈጉ ተሰማሚዖምን ተኸባቢሮምን ክነብሩ ናይ ግድን እዩ። ዋላእ’ኳ ብዝሑነት ቋንቋታትን ሃይማኖታትን እንተሃለዎም ናይ ሓንቲ ሃገር ስድራ ቤት ምዃኖም ኣይተርፍን እዩ። ብዝኾነ ግን ኣኽብሮትን ፍቕሪ ሃገርን ምስ ዝህሉ ደቂ ሰባት ተሰዓዒሮም ወይ ተነጻጺጎም ዘይኮነስ ተደጋጊፎም ህይወት ብሓብር ክሕልፉ እዩ ዝግባእ። ነታ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ድማ ከዕቅብዋ፡ ክከናኸንዋን ክከላኸሉላን ይኽእሉ። ፍቕሪ ሃገር ማለት ግን ንካልኦት ሃገራት ዘነኣእስ ወይ ንሃገርካ ልዕሊ ካልኦት ኣተዓባቢኻ ምርኣይ ዘይኮነ ስም ኣህዛብ ካለኦት ሃገራት እውን ተፋቒርካን ተሳኒኻን ናይ ምንባር ኣምር እውን ዝሓቘፈ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ እምበኣር፡ ብደምን ሓቢርካ ብምቅላስን ዝተረኽበት፡ ወናኒኣ ከኣ ንዕቤታ፡ ብልጽግንኣን ምዕባሌኣን ዝሓስብ ኩሉ ዜገኣ እዩ። እዚ ከኣ ካብ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተላዕለ ንኹሉ እቲ ብዙሕነት ከም ኣካላት ናይ ሓደ ሰብነት ኮይኖም ስለ ዝተበጀውላ እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ጓሳ ንጥሪቱ ካብ ተጻባእቲ ኣራዊት ዝከላኸለላን፥ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ዜጋ ከኣ ካብ ኣፍ ሓራግጽ መግዛእቲ ክከላኸለላ ናይ ግድን እዩ።

እዚ ፍቕሪ ሃገር እዚ ብመሰረቱ ካብ ሓርበኝነታዊ ስምዒት ዝነቅል እዩ። ንሃገርና ነፍቅራ ወይ ንፈትዋ ክንብል ከሎና ልዕሊ ነፍስና፥ ወለድና፥ ሃይማኖትና፥ ብሄርና ወይ ኣውራጃና ነፍቅራ ማለት እዩ። ስለዚ ሃገርና ሕማቕ ከጋጥማን፥ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ መጥቃዕቲ ከጓንፋን፥ ህዝቢ ፍትሒ ስኢኑ ክሳቐን ክጋፋዕን ክጭቆንን፥ ሰብ ሓሚሙ ፈውሲ ክስእንን፥ ተኣሲሩ ብሕጊ ዘይፍረድን፥ ብገንዘቡ ድላዩ ከይሽምት ከይጥቀምን፥ ቅኑዕ መሕደራ ስኢኑ መሰሉ እናተገፈ እንከሎ፥ ንሱ ስለ ዝጠዓሞ፥ ወይ ንውልቃዊ ረብሓኡ ክብል፥ ህዝብናን ሃገርናን ጽቡቕ ኣለዉ እናበለ ዘዳኽር ዜጋ፡ ንሃገረይ የፍቅራ እየ እንተበለ ካብ ክሳድ ንላዕሊ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ፍቕሪ ሃገርን ተወፋይነትን ክህልዎ ብገዛእ ሕልንኡ ዘይብገስ ዜጋ፥ ንሃገርን ህዝብን ክከላኸል ይኹን ከድሕን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንድኡ በብኣውራጃኻ፥ ብሄርካ፥ ሃይማኖትካ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ንፍቕሪ ሃገር ዝሕግዝ ኣይመስለንን። ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣድልዎ እዩ ዘንግስ። እቲ “ቅድም ንኣውራጃይ ምስ ኣኽበርኩ እየ ንሃገረይ ዘኽብር” ዝብል ፍቕሪ ሃገር ክሓድሮ ኣይኽእልን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓን ጭቆናን ክሳብ ናብ ኣውራጅኡ ዝመጾ ናይቲ ካልእ ኣውራጃ ወጽዓን ቁስልን ኣይንታዩን ስለ ዝኾነ።

ስለዚ ካበየናይ ኣውራጃ፥ ሃይማኖት፥ ዓሌት፥ ብሄር ብዘየገድስ ንዝተጨቆነ ኣካል ደው ዘይብል እንተኾይኑ ሓደ ዜጋ፥ ናባይ ጥራሕ ኣይምጻእ ዝብል እዩ። ኣብ ናተይ ናትካ ዝተመርኮሰን ልዕሊ ሃገር ንኣውራጃይ ወይ ንሃይማኖተይ ወይ ንብሄረይ ዝብል ብምቕዳም ፍቕሪ ሃገር ክተጥሪ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ግጉይ መገድን ግጉይ ሓሳብን ልምዓት ይኹን ብልጽግና ወይ ሓድሕዳዊ ስኒት ይኹን ፍቕሪ ኣይርከብን እዩ። መን ኣሎ ልዕሊ ወለዱ ንኣውራጅኡ ወይ ንብሄሩ ኣብሊጹ ዘፍቅር? ንሃገር ግና ንኹሉ ዝፈትዎ ዘበለ እንተላይ ንኣዝዩ ዝፈትዎም ወለዱ ራሕሪሑ ነታ ዝፈትዋ ህይወቱ እውን ከይበቐቐ በጃ ክሓልፍ ምውሳን ምልክት ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን እዩ።

“ንህዝቢ ኢና እንቃለስ ትብሉስ ኣበይ ትፈልጥዎ ነቲ ህዝቢ” ዝብሉ ገለ ስንኩፋት ኣይሳኣኑን ኢዮም። ኣብዚ ከኣ እዩ ዘሎ እቲ ግጉይ ተረድኦ። ማለት እቲ ህዝቢ ብኣውራጃታት፥ ብሄራት ዝፍለጥ እንተኾነ፥ኣብ ሓንቲ ሃገር ክም ምህላው መጠን ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ብዘይካእቲ ካልእ ምልኣት ክህልዎ ከምዘይክእል እዩ ዝእምት። ስለዚ ነቲ ህዝቢ መላእ እታ ሃገር ከም ደቂ ሓንቲ ስድራቤት ምዃና ብምእማን ምእንቲ ራህዋ ህዝብን በጅኡ ምሕላፍን ኢና ንቃለስ ዘለና። እዚ ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ሓርበኛዊ ስምዒት ዝፍለ ኣይኮነን እሞ ብዘይካ ፍቕሪ ሃገር፥ ንሃገርን ህዝብን ዘድሕን የለን።

Last modified on Sunday, 10 June 2018 23:32