Print this page

ኤርትራውያን ኣንጻር ጨካን ውሳነ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ በርን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

2018-05-22 06:48:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1991 times
Rate this item
(0 votes)

 

ትርጉም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Demo Bern Suisse 21.05.2018

ዝሓለፈ ዓርቢ 18 ጉንበት 2018 ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኤርትራውያን፡ ነቲ 3,200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብታ ኣፍሪቃዊት ናይ ግፍዒ ሃገር ንክምለሱ ዝወጸ ዘየናሕሲ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ድሕሪቲ ብስዊዘርላንዳዊት፡ ኣባል ህዝባዊ ሰልፊ ናታሊ ሪከሊ ዝተሳእለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዱ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ናይ 12 ሺሕ ሰባት ክታም ዘለዎ መዘክር ናብ ናይታ ሃገር ሚኒስተር ፍትሒ ሲሞነታ ሶማሩጋ ኣቕሪቦም። እቲ መዘክር ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ጨካን ውሳነ ብዝምልከት መጸዋዕታ ዘቕረብ እዩ።

እዚ ናይ ዓርቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ነቲ በርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ፡ ካብቶም 9,400 ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ስዊዘርላንድ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይቶም 3,200 ጉዳይ ዳግማይ ክረኣይ መደብ ከምዘሎ ምግላጹ ተኸቲሉ እዩ። እቲ ናይ ዳግማይ ምርኣይ ሓሳብ ነቲ ናይታ ሃገር ፈደራላዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ዳግማይ ናብ ውትህድርና ምምላስ ኣየጋጥሞምን እዩ ኢሉ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ እዩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስዊዘርላንድ ኣብቲ ናይ ወርሒ ማዝያ ውሳነኦም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ክምጉት መሰል ከም ዝህልዎ ጠቒሱ፡ እንተኾነ እቲ ኣቀራርባ በብውልቂ ከም ዝኸውን ሓቢሮም ነይሮም። ብኣንጻርዚ ተሳተፍቲ ናይ 18 ጉንበት 2018 ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ “ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ እያ”፡ “ምስ ዲክታቶር ምዝታይ ጠጠው ይበል”ን “ንምዝንጋዕ ኣይኮናን ካብ ሃገርና ወጺእና”ን ዝብሉ ጭረሖታት ኣስሚዖም።

ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰልፊ ሓንቲ ዝኾና፡ ኣነሊየስ ድጀላል ሙለር፡ እቲ ንስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምምላስ ሓደገኛ ምዃኑ ገሊጸን። ንሰን “ደር ቡንድ” ንዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ እዞም ሰባት ካብ ሃገሮም ክወጹ ዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተጠቕሙ፡ ነቲ ተኲስካ ቅተል ዝብል ሕጊ ዝጠሓሱን ናብ ኤውሮጳ ንክመጹ ምድረበዳ ሳህራ ዝጠሓሱን እዮም ኢለን።.

ሰባት ብድሌቶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ክውስኑ እንከለዉ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ዝርዝር ኣስማት ቤተሰቦምን ኣዕርኽቶምን እዩ ዝሓትት። ድሕሪዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ምስ ተመለሱ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገር ወጺእኩም ብዝብል ዝጽበዮም ዘይተርፍ መቕጻዕቲ ኣሎ ክብላ ከኣ ነቲ ኩነታት ገሊጸንኦ። እተን ሓንቲ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣነሊየስ ድጀላል ሙለር ኣተሓሒዘን “ነዚ ዘይውሑስ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ነብስኹምን ፈተውትኹምንከ መወሰድኩምዎዶ?” ዝብል ሕቶ ናብቶም ዝምልከቶም ኣቕሪበን።

ስዊዘርላንድ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ዝምልከት ውዕል የብላን። እንተኾነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ስዊዘርላንዳዊ ሓላፊ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣመላልሳ ዘይከኣል ኣይኮነን ዝብል ርኢቶ ሂቦም ነይሮም።

Last modified on Tuesday, 22 May 2018 08:53