Print this page

ናይ ድራር ምሸት: ንኣብ ከሰላ (ሱዳን ) ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውግኣት ንምሕጋዝ

2018-05-02 07:24:56 Written by  ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1768 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ድራር ምሸት ፣ ሓገዝ ንናጽነት ኤርትራ ክዉን ዝገበሩ ውጉኣት ሓርነት 

ንኣብ ከሰላ (ሱዳን ) ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውግኣት ንምሕጋዝ


ልዕላውነት ሃገርና ኤርትራ ብከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ከምዝተረጋገጸን ፥ ክንዕቅቦ ዘሎና ክቡር ታሪኽና ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ንክቡራት ስዉእትና ሞጐስ ፥ ነዞም ንናጽነት ሃገር ንምውሓስ ሕይወቶም ብስንክልና ዝኸፈሉ ጀጋኑ ድማ ኣለናልኩም ክንብሎም ኤርትራዊ ሕልና እዩ ። ምስዚ ልዕሊ 40 ዓመት ዕድመ ዝገበረ ናይ ኣካል ስንክልና ተደረብቲ ሕማማት ከም ሕማም ሽኮር ፣ ብዝሕን ጸቕጢ ደምን ካልኦት ናይ ውሽጣዊ ክፍለ ኣካላትን ሽግራትን እናሕለፉ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ስንኩላን ብጾት ከምዘለዉና ክንዝክር ናይ ነፍስ ወከፍ አርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ኣይትዝንግዕዎን ንብል።


ኣብ ሆላንድ እንነብር ጉዱሳት ኤርትራውያን ንጸገማቶም ብምርዳእ ብወግዒ ዝተመዝገበን ዝነጥፍን ማሕበር ካብ ዝቐውምን ዓመታት ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ በብእዋኑ ካብ ኣባላቱን ካብ ኤርትራውያን ሰብ ሕልናን ዝተዋጽኤ ሓገዝ ፣ ኣብ ናብራ ኣካለ ስንኩላን ዓቢ ተራ ዘለዎ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክሕግዝ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበር ኣሎና። ሽማግለ ማሕበር ንዕለት 27 ግንቦት 2018 ናይ ድራር እንግዶት ብምድላው ዓቕምናን ሕልናና ዝፈቕዶ ሓገዛት ንምግባር ብኽብሪ ንዕድመኩም ።


ብሂል ለባማት ኣቦታትና፥ “ ሓሙሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሸከሙ ፡ ንሓሙሳ ሰባት ድማ ጨነኦም “ ከምዝበሃል ኩልና ሰብ ሕልና ዓቕምና ብዘፍቅዶ፥ ኢደይ ኢድካ እንተዳኣ ኢልና ፥ መጀመርያ ቅዱስ ግብረ ሰናይ ስለዝኾነ ንሕልናና ነቕስን። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንኹልና ኤርትራውያን ሓደ ዝብጹሑና ንሃገርናን ህዝብናን ክብሉ ዝሰንከሉ ዜግነታዊ ግደታና እዩ ።
ብዝተፋላልየ ምኽንያት ኣብዚ መዓልትን ግዜን ክጥዕመኩም ዘይክእል ብሕሳብ ባንክ ክትልእኩ እንተደሊኹም፥ ናብዚ ሕሳብ ባንክ ክትሰዱ ትኽእሉ።

STG. ERITREAN DISABLED FOUNDATION IN THE NETHERLAND
BANK : NL20INGB 0005169954 ጌርኩም ክትሰዱ ትኽእሉ

ዕለት 27 ግንቦት 2018. (27-05-2018)
ጊዜ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ Derde Oosterparkstraat 159
1092 CW Amsterdam.

መጓዓዝያ Amsterdam CS Metro 53 ,51 , 54 ኣብ (Wibautstraat) ትወርዱ

ንኣድላይ ሓበሬታ ፥ 06 863 582 78 ተወከሱ

ብድሓን ምጽኡ !!!

ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ሆላንድ

Last modified on Wednesday, 02 May 2018 09:35