Print this page

ሎሚ ኣሎና: ጽባሕ ግን የሎናን

2018-04-17 06:09:52 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1808 times
Rate this item
(0 votes)

ኩልና ደቂ ኣዳም እዛ ዓለም ንዘልኣለም እንነብረላ ከምዘይኮነት ኩሉ ፍጡር ዝፈልጦን ዝርደኦን እዩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝገርም ድማ፥ ክንፍለያ እንከለና ካብቲ ዝነበረና ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን እኳ ተማሊእና ኣይንኸይድን። እንታይ ደኣ ኩሉ ድሕረና ገዲፍናዮ ኢና እንኸይድ። ወዲ ሰብ ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወይ’ውን ባህርያት ነፋጊ፡ ስሱዕን፥ ነዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ በሃላይን ስለዝኾነ ንነፍሱ ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ክረአ ክብል ኣብ ጸገማት ይኣቱ።

ወዲ ሰብ እምበኣር ብቃሉን ብግብሩን እዩ ዝፍረድ። ከመይሲ እቲ ተግባር ካብቲ ንሱ ሓሲቡ ዘውጽኦ እዩ ዘተግብር። እዚ ማለት ቃላት ወዲ ሰብ ከም ሴፍ በሊሕ ወይ ድማ ከም ርግቢት የዋህ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ዘወጽኦ ቃል ክሳብ ክንደየናይ ኣሉታን እወንታን፥ ኣዕናውን ሃናጽን፥ ሓቛፍን ነጸጋን፥ ኣሳታፍን ኣግላልን፥ እዩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ሓደ ወዲ ሰብ ንኣወንታ እናጸወዐ እንከሎ እቲ ሓሳቡ ዝድገፍ እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን። ግን ሓንቲ ከይፈለጥካ እዚ እወንታዊ ሓሳብ እዚ ጠምዚዝካ ዝምቡዕ ሓሳብ ብምቕራብ ከምዘይሰርሕ ምግባር ክፍኣት ናይ ምሕሳብ ምልክት እዩ።

ንኣብነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፥ ዓሌት ብሄር፥ ሃይማኖት ከይፈላለያ ንረብሓ ኩሉ ህዝቢ ዝቃለሳ እንተኾይነን ዝፈላልየን ነጥቢ የለን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ። እቲ ፍልልይ ግን እቲ ጥሙሓት ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካኛ ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ምቕዳምን ምድሓርን ይፈላለ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ንኤርትራዊ ሃገራውነት ንቕድሚት ብምስራዕ ንኹልና ዝጠምረና ቅዋም መስሪትና ካብ ኣውራጃዊ ብሄራውን ሃይማኖታውን ጸቢብ ስምዒታት ተላቒቕና ብሓደ ልቢ ንሃገረይን ንህዝበይን ክንብል ኣይበቓዕናን ዘሎና።

ምልክቱ ድማ እቲ ወግሐ ጸብሐ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ዝኾነ ንጥቀመሉ ቃላት ህያው ምስክር እዩ። እቲ ዝወጽእ ቃላት ድማ ፈላላዪ እምበር ጠርናፊ ኣይኮነን። ፖለቲካ ግን ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይኮነን፥ ወዮ ደኣ ምኽኣሉ ስለዝሰኣናዮ እምበር ፖለቲካስ ንገዛእ ርእሱ ጥበብ እዩ። ጥበብ ከኣ ብልህነትን ተመኩሮን ብተግባር ናይ ምምስርሑን የድሊ። ከመይሲ ፖለቲካ ጉዳይ ምሕደራ፥ ጉዳይ ሓቢርካ ምንባር፥ ጉዳይ መሰል ኮታ ንመዓልታዊ ህይወት ዝገልጽ እዩ።

ውልቀሰብ ይኹኑ እኩባት ሰባት ድሌታቶም እንተዘይተፈጸመ ምስ ካልኦት ክሰማምዑ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ እዞም ድሌታትና እንተዘይተፈጸመ ዝብል ሓሳብ ዘሕደሩ ናይ ግድን እዩ እቲ ድሌታቶም ክፍጸም ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ ክደርቁ። እቲ ድሌታቶም ምስ ናይቶም ካልኦት ሰባት ከወሃህዱን ኣብ ማእከላይ ቦታ ክመጹን ድማ ፈጺሞም ኣይሓስብዎን። ካብዚ ነቒሎም ካብቲ ሓባራዊ ረብሓ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ክወስዱ ስኽፍ ኣይብሎምን። እዚ ከኣ ከይዱ ከይዱ ካብቲ ነዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒት ዝነቅል እዩ።

ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ከኣ እቲ ዝወጽእ ቃላት ጉዳኢ እምበር ጠቓሚ ኣይከውንን። እወ! ደቂ ሰብ ኣብ ብኸመይ ከምዝመሓደሩ፥ ከመይ ከምዝናበሩ፥ ስልጣንን ጸጋታትን ከመይ ከምዝመቓርሑን ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ክፈላለዩ ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ኩሉ ነቲ ንስኻ እትደልዮን እቲ ካልእ ዝደልዮን ብክፉት ልቢ ኣብ ማእከል ዘምጽእ ድሌታት ክትውንን እንተዘይበቒዕካ ኣዕናዊ ቃላት እምበር ሃናጺ ቃላት ኣይተዘውትርን ኢኻ።

ናብዚ ንኹሉ ብማዕረ ዘጠምትን፥ ንረብሓ ኩሉ ዝብል ሓሳብን ክንበጽሕ ፖለቲካዊ ብስለትን ኣፍልጦን የድልየና። ስለዚ ፖለቲካ ኩሉ ግዜ ዘተ፥ ምርድዳእ፥ ምትሕብባርን ምስምማዕን እምበር ምንጽጻግን ምንፍፋግን ኣይድግፍን እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብዛ ምድሪ እንከለና እንደልዮ ዘበለ ንርከቦ ኣይንርከቦ ሒዝናዮ ወይ ተማሊእናዮ ንኸይድ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ንኹሉ እቲ ካብ ኣእምሮና ዝፍልፍል ሓሳብ ንቕንዕናን፥ ሓቢርካ ምንባርን፥ ዝእምት ክኸውን ይግባእ። ብመንጽርዚ ነቲ ዝትከኣና ወለዶ ገዲፍናሉ እንኸይድ ጽቡቕ ሓሳብን፥ ሰናይ ተግባርን ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ጽልኢ፡ ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ከነውርሶ ኣይግበኣናን።

 

Last modified on Tuesday, 17 April 2018 08:12