Print this page

መግለጺን ዝኽሪ ሐርበኛ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ማ. ም. ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

2018-03-30 18:06:32 Written by  ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1736 times
Rate this item
(0 votes)

መምህር ኢብራሂም መሓመድ  ብዝሓደሮ ሕማም ንገለ እዋን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 26-03-2018 ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሓ ሕክምና ዓሪፉ።

ዘይተጸበናዮ መስዋእቲ ናይ ክቡር መምህር ኢብራሂም መሓመድ አብ ዝሰማዕናሉ እዋን አዝዩ መሪር  ሐዘን ተሰሚዑና።
መምህር ኢብራሂም ካብቲ ዝልለየሉ አገደሲ ባህርያቱ፣ ምስ ኩሉ ሰብ ምቕሉል ጠባይ ዝውን፡ ጻዕረኛ  ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ሐድነት አዝዩ ዝሐምምን ዝግደስን፣ ንኤርትራ ብመላአ ምስ ኩሉ ብዙሕነታን ሕብርታታ ዝጥምት፣ ሐደ መዓልቲ ኤርትራ ናይ ጸላም መድረኻታ ተቐንጢጡ፣ አብ ነብሲወከፍ ዜጋ አብ ኩሉ ኩርናዕ ኤርትራ ወጋሕታ ብርሃንን ናይ ሐጎስ መቓልሕ ተጋሂዱ ክርኢ ዝሐልም ተቓላሳይ ኢዩ ኔሩ። 

Ibrahim Mohamed

ወዲ ሰብ ብስጋዊ ሂወት ካብዛ ዓለም’ዚአ ክፍለ ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፣ ጅግና መምህር ኢብራሂ መሓመድ ኰነ፣ ካልኦት ጀጋኑ ሐርበኛታትና ንህዝቦምን ንሃገሮምን ክብሉ ተቓሊሶም ፥ ንፍትሓዊት ኤርትራ ከይረኣይዋ ክሓልፉ ብሐቂ ዘስደምም ኢዩ።

ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሲ ብጻይና ንክቡር ሐርበኛ ሐውናን ዝኾነ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፣ ነቲ ንሱ ዝሐደጎ ሃጓፍ ናይ ቃልሲ ቦታ ቁሊሕ ብምባል፣ ንአበርክቶኡን ነቲ ልዙብ ጠባያቱ ተሰንዩ ነዊሕ ዝጠመተ ራእዩን ብምሕሳብ እንዳተደፋነቕና፣ ንዝውንኖ ዓቕምን፣ ልቦናን ከይጸገብናዮ ክሳብ ተራና ሒዝና እነርክቦ ድሐን ኩን ጅግና ኢልና ብኽብሪ ንሳናበቶ።
በዚ አጋጣሚ ንመላእ ቤተሰቡን ብጾቱን ረቢ (አምላኽ)ጽንዓት ክህቦም፣ ንዕኡ’ውን መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ብምባል፣ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ምስ ኩሎም አባላቱ ናይ ሐዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን

Last modified on Friday, 30 March 2018 20:10