Print this page

ባህርያት ሕሹኽሹኽን ሕብረተ ሰብኣዊ ግንዛበን

2018-03-11 22:41:18 Written by  ተስፋምርያም ክብራኣብ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2177 times
Rate this item
(1 Vote)

ሕሹኽሹኽ ብትሑት ድምጺ መልእኽቲ ካብ እዝኒ ናብ እዝኒ፡ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ብኣካል ይኹን ብዘመናዊ መራኸቢ ኣብ መንጎ ክልተ ተዋሳእቲ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ብስቱር ክተሓዝ ዝምረጽ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቐባልን ተቐባልን ኣብ ከራኽቦም ዝኽእል ዝተጠርየ ዝምድና ዝማኣከሉ ኮይኑ ናይ ነንሕድሕድ ምትእምማን ከምዘሎ ዘረድእ ባህሪ እዩ።

እቲ ሓሳብ ክነቅል ከሎ ናይ ምሕማይን ምትሕምማይን ወይ ብሕቡእ ብዛዕባ ካልኦት ከም ምዕላል እዩ ዘምስል።እቲ ዘድሊ መልእኽቲ እንታይ ዓይነቱ ብዘየገድስ ዋናኡ እቲ ኣቐባሊ ኣካል ንዕኡ ብዝጥዕሞን ዘገልግሎን ዓቒኑ ዘበግሶ ሕቡእ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃንቀውታ ዝሓዘ ሓሳብ ምዃኑ ርዱእ ክንሱ፡ ኣብ መንጎ ኣቐባልን ተቐባልን ውዑል ምትእትታው ዝዓይነቱ ኣብ ኣጀማምርኡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተርፍ እዩ እናተባህለ ናይ ዝርገሐ ጠባይ ይውንን። እቲ ተቐባሊ ኣካል ነቲ መልእኽቲ እንተስ ብገርሁ ፡ እንተስ ኣስተውዒሉ ብዘየገድስ ናብ ሳልሳይ ኣካል ከምታ ንሱ ውዑል ኣትዩ ዝተቐበላ መስርሕ ተኸቲሉ ወፍሪ ናይ ምትሕልላፍ ይቕጽሎ። ከምዚ እናበለ ድማ ይባዛሕ ። ብኣወንታውን ኣሉታውን ውጽኢቱ ድማ ይምዘን ።ብኣሉታ ጥራሕ ዝግለጽ ስነ ምግባር ኣይኮነን ናቱ ፍሉይ ዕላማን ንምንታይ ትግልገለሉን እዩ እቲ ቀንዲ ወሳኒ።ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓወተን ክሳብ ልዕላውነት ሃገር ምርግጋጽ ዘብጸሐ እተን ንዑሳን ትካላት ብጉጅለታት ዝፍለጣ ናይ ከተማ ስርርዓት ዝተጻወተኦ ግደ ንኡድ እዩ። ዕላምኡ ዝሰሓተ ሕሹኽሹኽ እንተኾይኑ ግን ካብ ዝሃንጾ ዘዕንዎ ስለ ዝበዝሕ ክሳብ ነብሳት ይወስድ ከም ዘሎ ክዝከር ይግባእ። ሕሹኽሹኽ ዝኣመላ ንዮው በላ ዝባሃለሉ መዋእል ምንባሩውን ናይዚ እዋን ዚ ትዝታ እዩ።

ሕሹኽሹኽ ሳልሳይ ኣካል ዘይብሉ ፡ ብሕጋዊ ሸነኽ ክትተሓሓዞ ወይ ክትማጻረየሉ ዝኸፍት ማዕጾ ዘይብሉ ፡ ምስክር ኣልቦ ወፍሪ፡ እቲ ብትሑት ድምጺ፡ ዝቃላሕ ዘይመስል፡ ተሰቲሩ ወይ ተቐቢሩ ክኸይድ ዝተሓስበ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ተጻይ ማዕበል ይብገስ እሞ ብግልጺ ንምቁጽጻሩ ኣብ ዘሸግር ህሞት ይሰጋገር። እዚ ኣብ መእተዊ ዝተገለጸ መካኒዝም ሕሹኽሹኽ ዝኽተሎ መስርሕ እዩ ።ብደረጃ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ክምዘን ከሎ፤ብባህርያቱ ንነዊሕ ይኹን ንሓጺር ዘማዕደወ ተልእኾ ዘለዎ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እንታይ ዓይነት ሕሹኽሹኽ ? ምኽንያት መንቀሊ ናይቲ ዛዕባን ናይቲ ውሕሉል ኣማቲ ኣካልን ነቲ ሓሳብ ጋሻ ዝኾነ ተቐባሊ ኣካልን ዘጣምር መወዋስኢ መድረኽ ይፍጠር። ንኣብነት፤

  1. ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሓደ ሰብ፡ ጓል እገለ ጠኒሳ ኢሉ ወይ እገለ ኣጥኒሱ ኢሉ ናይ ሕሹኽሹክ መልእኽቲ ናብ ሓደ ተቐባሊ የሕልፍ ።ብትሒምትሒም ድማ ይዝርጋሕ። እቲ ነዚ ዘንቀለ ውልቀሰብ ካብ እንታይ ነቒሉ ኣንፊስዎ? ብሕታዊ ምኽንያት ይህልዎዶ? እዚ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ሓቂ ድዩ ሓሶት፡ ሳልሳይ ኣካል ዘየድልዮ ብተግባር ተፈጥራዊ መልሲ ስለዝረክብ ከም ዓቢ መተዓዛዘቢ ተረኽቦ እዩ ዝቑጸር።
  2. ኣብ ቁጠባዊ ጉዳይ፤ ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ጎረባብቲ ቤት መሸጣ ስጋ ዘጋጥም ሕሹኽሹኽ ፡ ስጋ እንዳ እገለ ናይ ከልቢ ስጋ ሕዋስ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ይዝራእ።እዚ ብባህልን ብእምነትን መዳይ ክረአ ከሎ ዓቢ ነውሪ ስለዝኾነ ነቲ ሽሙ ዝላዓል ዘሎ እንዳስጋ ዓቢ ክሳራ ከስዕበሉ ይኽእል። እቲ ነዚ ሕሹኽሹኽ እዚ ዘንቀለ ሰብ፡ ካብ እንታይ ተበጊሱ? ስለምንታይ ከ? መርተዖ ኣለዎዶ? ዝብል ሰማዓይን ሓታታይን ዝምስክርን ይርከብ ዶ? ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተረኽቦ ንምጽራይ ማለት ሓቂ ድዩ ሓሶት ንምልላይ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይምህረና።

ብዕድመ፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ብተምኩሮን ብዝናን ተነይቶም ንነብሶም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ኣሎና ኢሎም ዝዓገቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብኣንጻር እዚ ንነብሶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ትሑት ሚዛን ክህልወና ይኽእል እዩ ኢሎም ንምፍታሽ ብቕዓት ዝሓጽሮም ከምዘለዉ ዝሳሓት ኣይመስልን። ገለ ድማ ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ዝዋፈርሉ ኣለዉ ። ዝብእስ ክሳብ ዝሓልፈሉ ይሕንክስ ከምዝባሃል ምስላ ፍሉይ ባህሪ ናይ ሕሹኽሹኽ ምጉዳል ርእሰ ምትእምማን እዩ። ብኽልተ ጎድኒ ንጎድኒ ዝጓዓዙ ሕንጻጻት መጣበቒ ጫፍ ዘይብሎም ክምሰል ይካኣል። እዚ ማለት ንምፍልላይ ሪሒብ ማዕጾ ስለዝኸፍት፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተርእዮታት ተመሊሽካ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምሽምቃቕ ጻዕሪ ይሓትት።

ኣምር ናይቲ ብሕሹኽሹኽ ዝዋፈር ነጥቢ በዓል ቤቱ እቲ ኣቐባሊ ኮይኑ፡ ምስ ናይ ገዛኣ ርእሱ ባዕላዊ ክውንነትን ትምኒትን ህርፋንን ዝተጎልበበ ፡ ኣነ ከምዚ በልኩ፡ ኣነ ከምዚ ሰራሕኩ ወዘተ እናበለ ፊቶራሪ ኮይኑ ንቕድሚት ዝስራዓሉ መዋእል ዘናዲ ኣካል ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ዝላዓለ ደረጅኡ ምስ በጽሐ ድማ ደጋፊ መእመኒ ምእመኒ ዝመስል ጸሕይ ዝወቕዖ ኣብነታት እናወሰካ ምብታን ይስዕርር። ሰላሕታ ተበግስኡ ቀስ እናበለ ንጥዑይ ኣእምሮ ናይ ውልቀሰባት እናመረዘ ክሳብ ዘምልኽዎን ዘገልግልዎን ደቂ ገርሂ ልባ ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ምፍራይ ደረጃ ይበጽሕ። ምስ ተጠቐመሎም ድማ ካብኦም ንምርሓቕ ኮነ ንምጉሓፍ ስክፍታ የብሉን።

ምኽንያት ናይቲ ዝላዓል ነጥቢ ሓቅነቱ ፡ ክብደቱ በቲ ሰማዓይ ብኸመይ ይምዘን? እቲ ተቐባላይ ኣካል ነቲ ኣብ እዝኑ ዝተዋህቦ መልእኽቲ ብጸቢብ ሞኽባዕቲ ክጸምቆ ዘኽእሎ ጥበብ ኣለዎዶ? ወይስ ኣብኣ ከላ ብጥሪኣ እዩ ዝቕበላን ዝኣምናን ዝምእዘዛን። ኩሉ እቲ ዝቕበል ኣካል ሓደ ዓይነት ናይ ምስትውዓልን ምስትባሃልን ምምርማርን ክእለት ኣለዎ ማለት ኣየስምዕን። እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ሓደ ካብቲ ዘለዎ ብሕታዊ ኩነታቱ ተበጊሱ፡ ንኣተሓሳስብኡ ይኹን ርእቶኡ ዓቂቡ ምስቲ ኣቐባሊ ኣካል ክላፈን ከም መጀመርያ ዕማሙ ዝወስዶ ኣካል ክህሉ ይኽእል ። እቲ ካላኣይ ድማ ካብቲ ዘለዎ ጸኒሐ ዝምድና ነቒሉ ነቲ ኣቐባሊ ከሐጉስ ብዘይዕጣይ ምጣጣይ ተሓንጊሩ ክጓዓዝ ቀዳማይ ምርጫኡ ዝወስዶ ክህሉ ይኽእል። እቲ ሳልሳይ ኣካል ድማ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ብልሓቱን ምስትውዓሉን ተጠቒሙ ነቲ ናብ እዝኑ ተቓንዩ ዝመጸ መልእኽቲ ቀራና ትርጉም ይህቦ እሞ ጥርጠራን ሕቶ ምልክትን የንብረሉን ንግዜ ድማ ይሓድጎን።

ኣብ መደምደምታ፤ እቶም ተቐበልቲ፡ ኣተግበርቲ ዘይረኸቡ ሕሹኽሹኻት ብልጭ ኢሎም ዝቕህሙ እዮም። እቶም ሓቅታት ዘለዎም ድማ እቲ ዝተጠንሰ ምስ ተወልደ ይጋሃዱ። ብመሰረቱ እቲ ንምዝራግ ዘቛምት ሕሹኽሹኽ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ሕብረተ ሰብኣዊ ጸጋታት ከረጋግጽ ስለዘይክእል ናብ ማኣዝኑ ዝጠሓሰ ህልኪት ይንቆት።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ኣቐባሊ ኣካል ንብሕታዊ ድልየታቱንኸርዊ ኢሉ ዝሃንደሶ፡ ብጀካ ናቱ ናይ ካላኦት ዘይቅበል ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ምዝራብ ኣድላይነት የብሉን። እንተ እቶም ተቐበልቲ ብደረጃ ትምህርቶም ዝምክሑ ኮነ ብገርሆም ብናይ ልቓሕ ኣእምሮ ዝምርሹን ግን ነቲ ነጥቢ ክምርምሩን ብኹሉ ሸነኻቱ ክመዝኑን፡ ከሐድሶም ዝኽእል ብልሓት ምምሃዝ የድልዮም። ስለዚ ሕሹኽሹኽ ንዓይ የድምዕ ኣየድምዕ ብዘየግድስ ሰላሕታ መጥቃዕቲ ናይ ዝሓልሙ ኣንቀዳዓውያን ውልቀ ሰባት ኣጉል ተስፋ ኮይኑ ዝመክን እዩ ።

Last modified on Sunday, 11 March 2018 23:51