(ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ፡ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)
ካብ ኤርትራ ጽቡቕ ወረ ካብ ዘይንሰምዕ ነዊሕ ገይሩ`ሎ። ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ናብ ኣሰና ቅርበት ዘለዎ ውሽጣዊ ምንጪ:ውፉይ ሃገራዊ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ ወይ ብዘጉሂ መጸውዒ "እሱር ዒራ ዔሮ ቁጽሪ 4" ሞይቱ፡ ለይቲ 25 ጥሪ 2018 ከም እተቐብረ ተገሊጹ።እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣስማት ናይቶም ንድሩዕ ዝቐበሩ ኣርባዕተ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ፡ማለት ሚኪኤል ወረደ: ትንሱእ ተወልደ: ዑስማን ዑመርን መድሃኔ መሓሪን ምንባሮም ዘርዚሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሳክቲዝም ዝፍለጥ ምንጪ ኣሰና ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ተወሳኺ ዝርዝር ክህብ ቃል ኣትዩ። እዚ እንተደኣተረጋጊጹ: ኣካላት ሃይለ ኣብ ዓሚቚ ጸልማት ካብ ፍጥረት ኩሉ ተነጺሉ 16 ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ሸውዓተ መዓልቲን ድሕሪ ምስቓይ፡ ካልእ መዓልቲ ንምርኣይ ዝነበሮ ናይ ህይወት ቃልሱ ኣብ መወዳእታ ተሸኒፉ።
ሒደት ሰሙናት ብ18 መስከረም 2001 ቅድሚምእሳሩ: ሃይለ ንዘይጽወር ኩነታት ኤርትራ ኣብ ምቕያር ዝግበር ቃልሲ ህይወቱ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ ጽሓፈ። እዚ ናይዚ ሰሙንዚ ዘጉሂ ዜና እንተደኣ ተረጋጊጹ: እቲ ዝበሎ ሓቂ ኮይኑ። ስለ`ዚ ድማ እታ እንኮ ክንብላ እንኽእል ”ደሓን ኩን ሓርበኛ ሃይለ!" ድሕሪ ምባል "ሕልምኻን ሕልሚ ኩሎም ሃገራዊያን ሓርበኛታትን ንምትግባር መብጽዓና ነሐድስ” ምባል ኢዩ።
ኣብዚ ዘጉሂ ኣጋጣሚ ክዝክሮ ዝደሊ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ እሱር ሃይለ ድሩዕ ካብ ዘቕንዐ ክልተ ”ክፉት መልእኽትታት” ኢዩ። ሓንቲ እታ ብ2010፡ ሓለዋ እሱራት ዒራ-ዒሮ ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተበገሰትን፡ ካልኣይቲ እታ ብመስከረም 2005 እተጻሕፈትን ክጥቀሳ እፈቱ። እታ ናይ 2010 ቅልዕቲ ደብዳቤ፡ "ንድፊ" ቃል ሓዘን መሳሊት ነይራ፤ ትሕዝቶኣ ከእ "እንተሎኻ ብድሓን የራኽበና፡ እንተሞትካ ከኣ ብኽብሪ ትዝከር" ትብል። እታ ኣብዚ ድሒራ እትጥቀስ ካልኣይቲ ደብዳቤ ከኣ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ”ብራቮ ድሩዕ ኣገናዕ ስዩም” ዘርእስቱ ጽሑፋተይ ኢዩ። ሎሚ ክልቲኡ ጽሑፋት ንክብሪን ዝኽርን ንናይ ቀደም ዓርከይ ድሩዕ ዝዳረግ ኢዩ።
ሰናይ ንባብ። ኣብ ምንባብን ዳግም ምንባብን (ማለት ነቶም ቀደም ንዘንበኩምዎን ከይተረፈ) እዚ ስዒቡ ዘሎ ገጻት ከገድሰኩም ዝኽእል ኢዩ። እቲ ምንታይሲ ንኡስ ዝመስል ግን ኣገዳሲ ዝርዝራት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ነቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ንታሪኽ ኤርትራ ዘቖመ ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት`ዩ።
ንድፊ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ሂወትን ናብ እሱር ዒራዔሮ ቁጽሪ 4
(18 መስከረም 2010)፡ክቡር ሃይለ:-እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም፡ ብጥሪ 2010 ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ካብ ዝገድፈካ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ሽዑ ብርሃን ኣዒንቲኻ ጠፊኡ ኣካላትካ ረቒቑ ኣብ ነዊሕ መስርዕ መልኣከ ሞት ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ከሰንየካ ተቐሪቡ ነበረ። መይትካ እውን ትኸውን ሃይለ: ንፈልጠሉ መንገዲ የብልናን። ወይ እውን ብሂወት ትህሉ፡ ዋላ እኳ ኩነታትካን ኩነታት ብጾትካን ብመሰረት እቲ ኢዮብ ዝገለጾ ከም ሂወት ክግለጽ ዘይክኣል እንተኾነ።
ሎሚ፡ ምስቶም ብትብዓት ንምሉእ ናጽነት ሓዲሽ ቃልሲ ዝጸውዑ ብጾትካ፡ ታሽዓይ ዓመት ማእሰርትኻ ኣብ ዝዝከረሉ መዓልቲ: ነዚ ዝስዕብ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ስውእን ከም ንድፊ ከቐምጥ መሪጸ። እዚ ጽሑፍ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ።
- (ደሓን ሃሊኻ ነጻ እንተወጺእካ) ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናጽነትካ ከም ሓበሬታ ይኾነካ። ካብታ እተኸወልካላ ዕለት 18 መስከረም 2001 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ነገራት ብሓጺሩ ትርዳእ።
- ወይ (ሓሊፍካ እንተዀንካ) ናይ ስንብታ መልእኽቲ ንዓኻ ኰይና፣ ነቲ ብ2005 እተጻሕፈ እውን ኣብ ታሕቲ ብምድጋም ንሓዲሽ ወለዶ ብኣኻ ንዘይፈለጥዎ መፍለጢት ትኸውን። እታ ናይ 2005 ጽሕፍቲ ኣብ ራብዓይ ዓመት ማእሰርትኻ እተጻሕፈት ኰይና፡ ካብቲ ኣነን ንስኻን እንፈልጦ ንኡስ ጒዳያት ትጠቓቕስ ነይራ።
ክቡር-ዓርከይ ብዛዕባ ዘሎናዮ ሃለዋት ምጥቃሰይ፡ ህዝብና ብዛዕባኻ ብዙሕ ነገራት ከም ዝዝክር እገልጸልካ። ንኣብነት: እቲ ኣብ 2000ን 2001ን ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካዮ ኣዝዩ ረዚን መልእኽትታት ኣሎ። ሓምለ 2000 ኣብ ፍራንክፈርት ፈስቲቫል ህግደፍ ዘቕረብካዮን ኣነ ብዛዕባኡ ፈለማ ኣብ ኢንተርነት ብምጽሓፈይ ሓለፋ ይስመዓኒ።ውሑዳት ኮነ ኢሎም ብጥምዙዝ ትርጉም ”ተጠላቒና” እትብል ቃል ተዓሽዮም ዘለው ገዲፍካ: መልእኽትኻ ዛጊት ኣብ ሃምን ቀልብን ብዙሓት ኤርትራውያን ይድውል ኣሎ። ሽዑ`ዩ ንስኻ "ኤርትራ ትካል ኣልቦ" ሃገር ክትከውን የብላን፡ ካብ ዓለም ተነጺላ ምንባር እውን ኣየርብሓን`ዩ ዝበልካ። ናይ 2001 ቃለ-መጠይቓትካን መግለጺታትካን እውን ነቲ ኢሳያስ ዘስረጾ ኣግላልነትን ትምክሕትን ዘሎካ ናይ ቀደም ጽኑዕ ተቓውሞ ደጊምካ ጥራይ ዘይኮነ: ንኤርትራውያን ኣብ መንጎኦም ዕርቂ ከስፍኑን ድሕሪ ኲናት ዶብ ሓዳስ ኤርትራ ክሃንጹ ኣዘኻኺርካ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ባህግኻ ዝተፈጸመ የልቦን። ክኔው እታ 3x4 ሜትሮ ሸላ ዒራዔሮ ሓሊፍካ እትፈልጦ ነገር ከምዘየልቦ ንግንዘብ ኢና። ዘይምፍላጡ ከኣ ይሕሸካ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም በቲ ዝኸፍአ መግለጺታት እትልለ ተሕንኽ ሃገር ኰይና ኣላ። ኣስዒበ ንገለ ገሊኡ ክጠቕሰልካ፤
ካብ ዒራዔሮ እንተወጻእኻ መብርሂ ንዓኻ ሃይለ:-
(ቀጺሉ ዘሎ ንባብ ከኣ እቲ ብመስከርረም 2005 ኣብ ትሕቲ ብራቮ ድሩዕ: ኣገናዕ ስዩም (4ይ ክፋል) ዝብል ጽሑፍ ኢዩ።)
ናብ: ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
እሱር ቁ. --- ቦታ: --- (ብ2005 ዘይተፈልጠ ነይሩ)
ኤርትራ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ
ቅዳሕ ናብ: ስዩም ዑቕባሚካኤል(ሓረስታይ)
መስከረም 18, 2005
ክቡር ሃይለ:-
ብዘይ ሕጊን ብዘይፍትሒን ምስ ካልኦት ብጾትካ ካብ እትእሰር ድሮ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ። ንሰብኡትን ደቀንስትዮን ንኣሽቱን ዓበይቲን ንኹሎም ብጠቐነ ዝተቐፈዱ ቃል መተበባዒን ደገፍን ኣብጽሓለይ። ነቶም ካብ ከሰላ ብሚያዝያ 26, 1992 ተጨውዮም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ”ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ” ዝበልዩ ዘለው ንወዲ ባሻይን (ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ) ንወልደማርያም ባህልቢን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምብጻሕ ከም ዘይትዝንግዕ እኣምን ኢየ።
ሃይለ: እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ኣስመራ ብ1965 እተሳኣልናዮ ነይሩ፣ህያብ ንዓኻ። ኣብ መንጎ መነጸር ዝወደዩ ክልተ ሰባት ትርእያ ኣሎኻ። ሃብቶም ገ/ሚካኤል ከምኡ እውን ሓደ ካብ መማህራንና፣ ዓብዱራሕማን መሓሪ ልክዕ ብድሕረኻ ኮይኑ ኢሳያስን ናይ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነን ካባኻ ርሒቖም ኣብ ድነ ኣለው።ነቶም ዝተረፍና ከተለልየና ተስፋ እገብር።(ካብ`ቶም ኣብ 12 ክፍሊ ዝነበርና ዳርጋ ዓሰርተ ኣብ ስእሊ የለዉን --ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩምን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሜዳ ስለዝኸዱ፣: ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሚኪኤል ጋብርን ካልኦትን እውን የለውን)። ምስ ተራኸብናን ብሂወት ምጽናሕካ ብዘረጋገጽናን ዝያዳ ተወሳኺ ስእልታት!
ኣብ ከምዚ ዘሎናዮ ሃዋህው: ናዓኻትኩም ንእሱራት ዓሚቑ ደገፍ ምግላጽ ግቡእ ንጹሃት ኤትራውያን ሓርበኛታት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱኣይኮነን። እንተኾነ ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ኩነታትን ሃገር ናብ ዘሻቕል ደረጃ ወዲቑ እቲ ኣብ መንጎ ኩነታትኩምን ኩነታት ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ እንተዘይኮነ ድማ ቀጺሉ ሓደን ተመሳሳሊን ምዃኑ ዘይተርፍ`ዩ። ሃገር ብቕልጡፍ መጠን ሰባ ትበትኽ ከም ዘላ ናዓኻ ዜና ይኸውን። እቶም ናይ ቀደም ስደተኛታትና ናብ ሃገሮም ከምዘይተመልሱ ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ መላእ መንእሰይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መሐየሪ ስፍራታት ካብ ምማት: ሞት ኣብ ዕርድታትን መዓስከራት ግዱድ ዕዮን፣ ሞት ብጥሜት: ሞት ኣብታ እኹል መግቢን መድሃኒትን ዘይብላ ሃገር ኰይኑ ካብ ምጽባይ ሃገር ገዲፉ ይጠፍእ ኣሎ። ብዙሓት ካብ`ቶም ኣብ ዘይጊዚኦም ካብ ምማት ከምልጡ ዝፍትኑ ኣይዕወቱን ኢዮም። ገለ ብሓለዋ ዶብ ይቕተሉ፤ ካልኦት ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርን ይሞቱ። ብኣጠቓላሊ ክነግረካ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከብቅዕ ዝግብኦ ሕማቕ ኩነታት ኣለው። ካብኡ ብዝተረፈ ሳዕቤኑ መግለጺ ኣይርከቦን`ዩ።
ክቡር ናይ ቀደም ዓርከይ:-
ኣብ ዓዋተ.ኮም ብ7 ጥሪ 2001 ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ቀዳማይ ክፋል ናይ "ኣገናዕ ስዩም፡ ብራቮ ድሩዕ" ዝብል ጽሑፈይ ኣንቢብካዮ ትኸውን: ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ናጻ ሰብ ኢኻ ኔርካ። እንተኾነ ነቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት ማእሰርትኻ ብጓሂ ንምዝካር ዝቐረበ 2ይ ክፋል ብመስከረም 2002 ወይ ነቲ 3ይ ክፋል ብመስከረም 2003 እተጻሕፈ ከተንብቦ ከም ዘይትኽእል ርጉጽ`ዩ። ብዘይካ እዚ ን4ይ ዓመት ማእሰርትኻ ንምዝካር: ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ 4ይ ክፋል፡ እዚ ዝስዕብ ዕላማታት ኣለዎ:-
ቴማ/ፍረ ነገር: ዕርቂ
ሹዱሽተ ሳምንቲ ቅድሚ ማእሰርትኻ እተዘርግሐ ተስፋ ዘንጸባርቕ ናይ 1ይ ክፋል (ጽሑፈይ ብዛዕባኻ): ዕላማኡ እቲ ኣዝዩ ተበሃጊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ተበጊሱ ከምዘሎ ንምሕባር ነበረ። ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2001 ናትካን ናይ ስዩም ሓረስታይን ኣበርክቶ ንዕርቂ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ታሪኻዊ ተበግሶታትኩም ንምምዝጋብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ከስፍሮ ፈቲነ:-
«ኣብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ተፈላልዮም ዝሰርሕዎን ዝሓስብዎን ዝነበሩ ገዲፎም ሎሚ ስዩምን ሃይለን ሓደ ቋንቋ ዕርቂ ይዛረቡን ተመሳሳሊ መጻኢ ሃገርን የናድዩን ኣለው። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን (ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝነበሩሉ) ዳግም ንሳቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ተሰሊፎም ኤርትራውያን ካብቲ ናይ ቀደም ብእተፈለ ኣተሓሳስባ ገይሮም ንሓዳስ ኤርትራ ንምቕባል ክበራበሩ የጎሳጉሱ ኣለው።»
ሃይለ፡- ሕማቕ ዕድል ኮይኑ:እቲ ዝተጀመረ ግስጋሰ ኣዝዩ ዛሕቲሉ። ብሓቂ ንስኻ ካብቲ መድረኽ ካብ እትእለ ኣብ መዳይ ዕርቂ ብዙሕ ክስራሕ ኣይተራእየን። ሰሚዕካዮ እንተኾንካ (ምናልባት ግን ኣይትሰምዖን)፡ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ብጾትካ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ካብቲ ጉጅለ ገበነኛታት ህግደፍ ነብሶም ኣርሒቖም። ገለ ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፤ ገለ እውን ተሓቢኦም። ካብ መስከረም 2001 ንድሓር ከምቲ (ካብ ኣበሃህላ "ዓዋተ.ኮም ክልቃሕ)፡ 'ሓው-ለይቶን ላንጋላንጋን' ናብ ደንበ ተቓውሞ ተሓዊሶም።ንለውጢን ዲሞክራሲን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ነቲ ደብዛዝ ምንቅስቓሳቶም፡ ሳልሳይ ማዕበልን (third wave) ንዕኡ መሳሊ ኣስማት ማሕበርትን እናኣራብሑ ክኸዱ መሪጾም። ብዘይካ ውዕዋዕ/ድምጺ ክሳዕ ሕጂ (2005) ንደንበ ተቓውሞ ስድሪ ስጒምቲ ከወስኽዎ ኣይበቕዑን።
እቶም ናይ ቀደም ብጾትካ ከምቶም ዝተረፍና ኣባላት ተሓኤ-ነበር ኮይኖም ኣሎዉ።ብሓባር ምስራሕ ኣይከኣሉን። ድሮ ኣብ ብዙሓት ጉጅለታት/ማሕበራት ተመቓቒሎም ነቲ ንመላእ ሃገር ዘቐንዙ ሃለዋት ሃገር ኣብ ምቕያር ኣይሓገዙን። (ተስፋ ከኣ እገብር ካብቲ ዘሎኻዮ ሃለዋት ክትወጽእ እሞ ድሕሪ ሕጂ ደጊመ ብጽሑፍ ኲነታት ክገልጸካ ከይተገደድኩ ክተርፍ።)
ካብዚ ዝገለጽኩዎ እተፈልየ ምስ ዕርቂ ዝተኣሳሰር ንዓኻ ዝኸውን ጽቡቕ ሓበረታ ኣሎኒ። ንስኻን ናይ ቀደም ብጾትካን ነቲ ንዓመታት ዘጋገየኩም ድያብሎስ (ኢሳያስ) ኣብ ምግልጋል ዝፈጸምኩሞ ገበን ወይ ከም ገበን ዝውሰድ ብዝምልከት ህዝቢ ይቕረታ ይገብረልኩም ኢዩ። ሰባት ሓንሳብ ነቲ ዕቡይ ምልካዊን ኣግላሊ ፖሊሲኡን እንተድኣ ኮኒኖም ብናይ ቀደም ስሕታንን ዘይቅኑዕ ገምጋማትን ምኽሳስ ኣድላይነት ከምዘይብሉ ኣብ መሳርዕና ነንሓድሕድና ክንተዓጋገብ ንጽዕር ኣሎና። ኣብነት ክህበካ ንስኻ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 3ይ ጉባኤኹም ኣንጻርና እተጠቐምካሉ ዘይእሩም ቋንቋ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ዝተዛረበሉ የልቦን። ብመንጽሩ ነፍስ-ወከፍ ተቓዋሚ ኣቓልቦኡ ኣብቲ እወንታዊ ኣበርክቶኻ እንተላይ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ ኣድሂቡ፤
ነቲ ንስኻ ሃይለ ድሩዕ ከም ናይ ፈለማ ወዲ ውሻጠ ብ15 ሓምለ 2000 ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብካዮ መደረ ንፈለማ ንመላኺ ዝበድሀ ክብሪ ተዓዊትካ። ኤርትራውያን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ክርስዕዎ ኣይደልዩን ኢዮም።ቋንቋ እቲ ሽዑ ዘቕረብካዮ መደረ ከምዚ ይመስል «ንሕሱ ኔርና።እዚ ኩሉ ጊዜ ክንሕሱ ከሎና ደው ከተብሉና ኔርኩም»።(ናይዚ ሓዲሽ መርገጺኻ ዜና ብካልኣይ ምንጪ ምስ በጽሓኒ: ነቲ ተባዕ መግለጺኻ ተቐላጢፈ ክጽሕፈሉ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ተሰሚዑኒ)። ህዝቢ ነቲ ኣብ ናይ ቀውዒ 2000 ኣኼባታት መሪሕነት ህግደፍ ዝነበረካ መርገጺ ይዝክሮ ኣሎ። ነቶም ገለ ዝፈርሁ ምሁራት ቃልዕ ወጺኦም ክቃወሙን ገሊኦም ገሊኦም ነቲ ናይ G-13 ስጒምቲ ንምውሳድ ከምዘተባባዕካን እናዘከሩ ክብሪ ዝህቡኻ ኣለው። መርበባት ሓበረታ ነቲ 2000-2001 ዘቃላሕካዮ መልእኽትታት ብኹሉ ኤርትራዊ ክስማዕ ካብ ምዕዳም ኣየቋረጻን።
ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ነቲ ሓጺር ዕድመ ዝነበሮ «ጽድያ ናጻ ፕረስ» ኣብ ኣስመራ ዝሃብካዮ ቃለ መጠይቕ ደጋጊመ ካብ ምንባብ ኣየዕረፍኩን። ብፍላይ ነቲ ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2001 ዘውጻእካዮ ነባሪ መግለጺ፡ ኩሉ ገዲም ተቓላሳይ ዝብሎን ዝዋደቐሉን ዝነበረ ስለዝኾነ ደጊምካ ምንባቡ ደስ የብል። ኣብቲ 5 ሰሙን ቅድሚ ምእሳርካ ዝወጸ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ዋላ` ኳ ነቲ ዝነበርካሉ ዓፋኒ ሃውህው ንክሰማማዕ ተባሂሉ እተወሰኸ ጥንቁቕ ቃላት እንተነበሮ፡ ብሓፈሻ ግን ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢኻ ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካ፣-
ሓው ሃይለ :-
ኣብቲ ናይ ክፍላ 2001 መደረ: ሰባት ርትዓዊ መጎተ:ሓቂ:ንጽህናን ተስፋን ተመልኪቶም። ቅኑዕ ቋንቋን ቅኑዕ መርገጺን ኢዩ።እዚ መርገጺ እዚ ክትግበር ዛጊት ይእወዮ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እቲ ትምክሕታዊ ጒዕዞ ኢሳያስን ናይ ጌና ዘይተጣዕሱ ተኸተልቱን ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ። ንፋስ ዘይምትእምማንን ምትፍናናትን ሓይሊ ወሲኹ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርናን ሕብረተሰብናን ይነፍስ ኣሎ። ሎሚ ካብ ኲሎም ዝያዳ ኣግላሊን ትምክሕተኛን ኣየናይ ጉጅለ`ዩ ኢልካ ዘይተለልየሉ ጊዜ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ምትፍናናት ይርኤ። እታ እንኮ ብሓቂ ቀንዲ ምንጪ ኩሉ ሰሃሮን ጸገማትን ሃገርና እቲ ናዓኻ ኣሲሩ ዘሎ ባእታ ኢዩ። ንኢሳያስ ምልጋስ ድማ ንሓባር መጻኢና ዝሰማማዕ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብሓባር ንሰርሓሉ ሃውህው ዝኸፍት ይኸውን።
ምፍልላይ/ምትፍናን (polarization) ከነውግድ ኢና
እቲ ብፍላይ ብኣኻን ብብጾትካን ብእዋኑ ክዕገት ዘይተኻእለ ምንጪ ትምክሕትን ኣግላልነትን፡ ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ካብ ግምት ንላዕሊ ዓሚቑ: ንምውጋዱ ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይርኤ ኣሎ። ግን ከኣ ሎሚ እቲ ዘተባብዕ ዜና ኩላትና ንኣድላይነት ምጅማር መስርሕ ምውጋድ ፍልልይን ምትፍናንን ነቒሕናሉ ኢና። ብዓወት ክድምደም ድማ ናይ ጊዜ ሕቶ ይኸውን።
ብዛዕባ`ዚ ጉዳያት ኣብ እንዝትየሉ እቲ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ንጋዜጠኛታት ዝበልካዮ ኣይርስዖን`የ። ንኣብነት እንግሊዛዊ ምሁር ሊዮነል ክሊፍ (እቲ ኣብቲ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ውድብካ ዝነበረ) ኣብ ሓደ ብ1989 እተሓትመ ጽሑፋቱ: ንዓኻ ብምጥቃስ እቲ ዝዓበየ ሻቕላኻ ድሕሪ ናጽነት ነቲ «ኣብ ህግሓኤ ዝገነነ ናይ ትግርኛ ትምክሕቲ» ብኸመይ ኢና እንቆጻጸሮ ዝብል ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣነ ከም ዝርደኣኒ ኣበሃህላኻ፡ እቲ ጌጋ ናይ ተራ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ጌጋ ናይቲ ንኣባላቱ በቲ መንገዲን ኣረኣእያን ንክኸዱ መምርሒ ናይ ዝህብ መራሒ/መሪሕነት ኢዩ ምባልካ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ብልክዕ ከም ዝጠቐሰካ እግምት። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ክጠቕሶ ከም ዝፈተንኩ: ካብ ቀደም ኣትሒዘ ካባኻ ዝወጽእ ተመሳሳሊ ቃና ዘለዎ ኣብነታት እፈልጥ`የ። (ኣብ ክፋል III "ኣገናዕ ስዩም:ብራቮ ድሩዕ" ተመልከት።)
ሃይለ:- ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ!
ሒደት ሳምንታት ቅድሚ ምእሳርካ ነዚ ዘይጽወር ኩነታት ሃገርና ንምቕያር ዋላ ሂወትካ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾንካ ገሊጽካ። ክቐትሉኻ ከም ዝኽእሉ እናፈለጥኩ፡ ዛጊት እቲ ሞይቱ ዝብል ሓበረታ፡ ጸሓይ ኣብ ሃገርና ቅድሚ ምብራቓ ክሰምዖን ክቕበሎን ኣይደልን። ነቲ ኣብዛ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ኣብ ምጽጋን፣ ነቲ ቀደም ዝነበረ ዘይንቕነቕ ነብሰ-ምትእምማንን፡ ቅሩብነት ኣብ ህንጸት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ሃገር ኣብ ምትብባዕ፣ ብሓባር ናይ ምስራሕን፡ ሓደ ኣካል ኰንካ ናይ ምንባርን ድልየታት ህዝብና ኣብ ምጽጋን: እጃምካ ቅድሚ ምጽዋትና/ምግባርካ ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ በሃላይ ኢየ። ነቲ ናይ ቀደም ንኣሽቱ ፍጻሜታት ብሓባር ተመሊስና ክንድህስሶ ጊዘ ከምዘድለየና ኣይትረስዕ። ዋላ`ኳ ካብ ዘይንራኸብ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት እንተገበርና ሂወት ዘለዎ ዓበይቲ ዕላላት ኣይሰኣንን`ዩ፣ ንኣብነት ገለ ኣርእስትታት ክጠቕሰልካ:-