Print this page

“ክቡር የኽብረካ ማዕረ ነብሱ፡ ሕሱር’ውን ከምኡ”

2018-02-17 15:16:24 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2810 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩለንተናኡ ኮነ ብዛዕባ ካልእ ክዛረበሉ ዝደሊ ዛዕባ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ። እዚ መሰል’ዚ ሃናጽን ቅቡልን ዝኸውን ግና ናይ ካለኦት ተመሳሳሊ መሰል ዘይጉንጽ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሜዳ ከም ናትካ ብሕታዊ ንብረት ወሲድካ ንካለኦት ክትነድሕን ኣፎም ከተትሕዝን ምፍታን ግና ብኹሉ መዕቀኒ ቅቡል ኣይኮነን።

ከምቲ “ናይ ደቂ ሰብ ህይወት በብመልክዑ ብዝግለጽ ፍልልያት ዝተነድቀ እዩ” ዝበሃል፡ ኣብ መንጎ ሰባት ኮነ ብሰባት ዝተነድቀ ትካላት ፍልልያት ክህሉ ግድን እዩ። ሰባት ኣብ ህይወቶም ካብ ዝፍተንሉ ግድላት ሓደ ከኣ ነዚ ፍልልያት’ዚ ከመሓድሩ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ።  ነዚ ፈተና’ዚ ክሓልፉ ዘይከኣሉ ሰባት ከኣ እዮም፡ ጠቃኒ፡ ናግራም፡ ዕቡድ፡ ዘራጊቶ፡ … ወዘተ ዝብል ቅጽል ኣስማት ዝወሃቦም። ኩልና ከምዘይንስሕቶ “ሰላም” ኣብ ዓለምና መወዳድርቲ ዘየብላ ብቐጻሊ እትለዓል ቃል እያ። ሰላም ሰባት  ምስ ሕልናኦም ኣሳንዮም ዝነብሩላ ጥራይ ዘይኮነት ምስ ካለኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓትን ዓውደ-ስረሓትን ኣሳንዮም ኣብ ውጽኢት ንክበጽሑ እተኽእል ጠማሪት እያ። ነዚኣ ንምውሓስ ነቲ ብዙሕ ዝመንቀሊኡ ዝበልናዮ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምውጋድ ፍልልያት ግና እንተ ተደልየ’ውን ኣይከኣልን። እንታይ ደኣ እቲ መዋጽኦ ንፍልልያት ከተመሓድርን ከተከኣእልን ምብቃዕ ጥራይ እዩ። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሰላማውን ርጉእን ኩነታት ኣሎ እንብሎ ትካላት ኮነ ከባብታት ፍልልያቱ ዘወገደ ዘይኮነ፡ ፍልልያቱ ንኹሎም ሰብ ጉዳይ ክጠምር ብዝኽእል ሕግን ውዕልን ዘመሓደረ ማለት እዩ። ሕጋውን ስርዒታውን ምዃን፡ ነቲ ሓረጋት ደጋጊምካ ብምጽሓፍ ዘይኮነ ብግብሪ ከምኡ ክትከውን ብምብቃዕ እዩ። ንሕጊ ዘይተኽብር ክነስኻ ሕጋዊ ክትከውን ምፍታን ግና ኪኖ ድኻም ዋጋ የብሉን።

እዚ ካብቶም ፍልልያት ዘለዎም ብናይ ሓደ ወገን ድሌት ዘይኮነ ብናይ ኩሎም ወገናት ቅሩብነት፡ ጽቡቕ ድሌትን ብናይ ሕጊ ምእዙዝነትን ዝረጋገጽ እዩ። ኣብ መስርሕ ምምሕዳሩ ዘጸግም ናይ ሓሳብ ፍልልይ ተፈጢሩ፡  ምርሕሓቕ ከጋጥም እንከሎ፡ ምክብባር ካልእ ናይ ሰላም መርእያ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓደ ኣካል “ኣነ ዝረገምኩዎ ርጉም ኣነ ዝመረቕኩዎ ምሩቕ” እንተዘይበልኩም ኢሉ መሬት እንተዘበጠ፡ ዘበጥበጡ ውጽኢት ዘይህልዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ትዕዝብቲ ከም ዝወድቕ ርዱእ እዩ። በቲ ብኣነነት ተሰንዲሑ ዝጠሓሶ ሕግን ስርዓትን ኣብ ክንዲ ዝጠዓስ ነቲ ጥሕሰቱን ዓመጹን ሕጋዊ ንምምሳል፡ ነቶም “የለን እቲ መንገዲ ከምኡ ኣይኮነን” ዝበሉ ከነውር እንከሎ ከኣ መሊሱ የገርም “ወይ ጉድ ቀታል ወድኻስ ለባም እንተዝኾነልካ” ዘብል’ውን ይኸውን።

ሓደ ጉዳይ በቲ ንስኻ ዝቐየስካዮ ከም ዝኸደልካ ንምግባር የኽእለኒ’ዩ ዝበልካዮ፡ ሓሳብ ምቕራብ ዝንጸግ ኣይኮነን። እዚ ግና ከምቲ በይንኻ ድዩ ጉጅለ ፈጢርካ ዝፈሓስካዮ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ክሓልፎ ዝግበኦ መስርሕን ናይ ካለኦት ሓሳብ ናይ ምቕራብ እጃምን ከም ዝጽብዮ ምግንዛብ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ውድባውን ሰልፋውን ኣሰራርሓ ዝቐርብ ሓሳብ ዝዕየረሉ ብዙሕ ደረጃታት ኣለዎ። ቀንዲ ከኣ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፡ ሰልፋዊ ቅዋምን ስርዒታዊ ሰንሰለትን ናታቶም ዘይስገር ግደ ኣለዎም። እዚ መዕቀንታት ኣብቶም ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ደሞክራስያዊ፡ ሕጋውን ስርዒታውን ኣገባብ ክቃነ ኣለዎ ኢሎም ዝተቐበሉ እምበር፡ ሓንሳብ ካብዚ መስኖዚ ወጺኦም ዝበገጉ ዝበርገጉ ወገናት ኣይሰርሕን እዩ። እቶም ካብ ቀይዲ ዘፍትሑ ኩሉ ድሕሪኡ ዝወስድዎ ስጉምትታት  “ይምሕረልናዶ ኣየምሕረለይን?” እንዳበሉ ዝለብስዎ ፍንዊ እምበር ቀላሲ መዕቀኒ የብሉን። ነዚ ንክጥዕሞም ድማ ነቶም ፈላሊኻ ክረኣዩ ዘይክእሉ፡ ቅዋም፡ ነቲ ቅዋም ከተግብር ዝተመዘዘ ሕጋዊ መሪሕነት፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ፡ … ወዘተ ዝብሉ መሰረተ-ሓሳባት ከባእሱን   ዘንተ-ምትእስሳሮም ክበትኩን  ሒዅ ይብሉ።

“እገለ ከምዚ እዩ” ክትበሃል ቀሊል እዩ። ከምቲ እትበሃሎ ኮይንካ ክትቀረብ ግና ከቢድ እዩ። ዘይከኣለሉ ኣጋጣሚ’ውን ኣሎ። በዚ መንጽር፡ ምሁር በዓል መዓርግ ኮይንካ  ንምሁር ዝምጥን ተግባር ምውናን ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸገም ኣብ ሓደ ሓደ ምሁራን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ኣብ ባህልና ምሁር ኣይጋገን እዩ ዝብል ግንዛበ ስለ ዘሎ፡ “ዝተማህረ ይቕተለኒ” ይበሃል እዩ።  ምሁር ለባምን መሓርን ስለ ዝኾነ ኣይቀትልን እዩ ካብ ዝብል ብምንቃል። እንተኾነ እምነት ዘንበርካሉ ኣካል እውን ክጠልም ከም ዝኽእል ንምምልካት “ለባም ክጋገ እንከሎስ መራግእቲ ነየብሉ” ከኣ ይበሃል። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሕጂ ሕጂ ክንዕዘቦ እንከለና ነቲ “ካብ ምህሮስ ኣእምሮ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት’ውን እውን ቦታ ትኸልኦ ኣይኮነን። እቲ ቁምነገር እምበኣር ትዕዝብትና ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንምሁራን፡ ከከም ውልቃዊ ተግባሮምን ኣበርክተኦምን እምበር ኣልማማ ብይን ምሃብ ኣብ ጌጋ ዘውድቕ’ዩ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከይከውን።

እቲ ካልእ ጸገም ገለ ወገናት ለባም ወይ ምሁር ዝብል ስም ይሕዙ። ከባቢኦም እውን ኣብዚ ስያመኦም ተመስሪቱ እምነት የንብረሎም። ብተግባር ግና ትሕቲ ስሞም ይኾኑ። ከምኡ ምዃኖም ስለ ዘይርደኦም ግና በቲ  ስኽራኖም ይቕጽሉ።  ተዓዛቢ ከኣ ጽሑፋቶምን መደረታቶምን  ትሕቲ ትጽቢቱ ምስ ኮኖ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮ ግምት ብኽንድኡ ደረጃ እንዳተሸምቀቐ ይኸይድ። ምስ ከምዚ ወየተዕዛባይ ንዝተወሰነ ግዜ ከምቲ “ባህ ንክብሎ ልባ ጽብሓላ ዱባ” ዝበሃል፡ ናይ ሓሶት እንዳሰሓቐ፡ ልቡ ዘይኮነስ እዝኑ ኣይነፍጎምን። እቶም ዕቡያት ግና ኣብቲ ዝብልዎ እምበር ኣብቲ ዝበሃልዎ ስለ ዘየቕልቡ ብናይ “ንኺድ ጥራይ” ስልቲ ይዕዘሩ። እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፡ ሕሉፍሓሊፎም ምስ ነብሶም ከይተመሃሃሩ ኣብ መድረኻት መምሃራን ክኾኑ ይደልዩ። እቲ ትምህርቶም ዝኾርኮሖ ተሳታፋይ “ነዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ” ከም ዝብሎም ኣይስወጦምን። ኣብዚ  በቲ ዝደጋገም ዘይውርዙይ ኣቀራርባኦም፡  ንናይ ሰባት ሕልና ከም ዝኹርኩሕ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ “ክቡር የኽብረካ ማዕረ ነብሱ፡ ሕሱር ከኣ የሕስረካ ማዕረ ነብሱ” ስለ ዝኾነ ዘተዓዛዝብ  እምበር ካብ ጸኒዕካ ቃልስኻ ምቕጻል ዓዲ ዘውዕል ኣይኮነን።

Last modified on Saturday, 17 February 2018 16:26