Print this page

ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዲሞክራስንጽንዓትን ተማሂረ!!!

2018-02-09 08:25:25 Written by  ተስፋይ ባይረ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2683 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ማለት ብሓደ ስነ ሓሳብ መትከል ተኣሳሲሩ ዝሰርሕ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ወይ ዘይዲሞክራሲያዊ ክኸውን ይኽእል። ሰልፈይ ዲሞክራሲያዊ  ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ኣነ መሰለይ እንታይ ኢዩ ምስ ፈለጥኩ ጥራሕ ኢየ ክመዝኖ ዝኽእል። ብኣከያይዳ ናይ ሰልፈይ ዕጉብ ክኸውን ከይከውን  ኣብ ኣተሓሳስባይ ኢዩ ዝምርኮስ። እንተደኣ ብወገን ብዓሌት ብቢሄር ብሃይማኖት ብጥቅሚ ተወዲበ ደላይፍትሒ ኣይኮንኩን ዲሞክራሲ እውን ትርጉማ ኣይፈልጦን ኢየ ማለት ኢዩ። ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ  ኩሉ ብድምጺ ኢዩ ዝውሰን፡ ቅድሚኡ ዝነበረ  ኣብ ሰውራዊ ባይቶ እንተኾነ እውን  ብድምጺ ኢዩ ዝውሰን ዝነበረ። ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከም ዝነበረ ግን ምስተተኮሰ ኢኻ ትፈልጥ። ብህዝቢ ንክምረጽ ዝንቀሳቀስ ሰልፊ ኣብ ውሽጡ ብደሞክራሲ ዘይምራሕ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ብህዝቢ ዝካየድ ምርጫ እውን ክኣምነሉ ስለዘይክእል ክዕምጽ ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል። ንሓንቲ ሰልፊ እንታይነታ ንምፍላጥ መትከላታን ኣከይይደኣ ንምክትታል ወሳኒ ኢዩ።

 ኣነነትዶ  ዲሞክራሲ !!!   ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ብጉዳይ ባይቶ ኣዋሳ ንካፈልዶ ኣይንካፈል ምስ መጸ ብባይቶ ይኹን ብኣብዝሓ ኣባላት ኣይንካፈልን ዝብል ድምጺ እንተሰዓረ፡ ብናይ ሓሶት ጥሩምባ ክፍንጨሉ ደኣ መረጹ!!!  ብድምጺ ክምእዘዙ ኣይደለዩን ፡ ቀዳመይቲ ኣስተምህሮ ዲሞክራሲ ኣብ ድምጺ ምእማን ኢዩ።

ዝኾነ ሓላፍነት ንምውሳድ  ካብ ጨናፍር ኢዩ  ተመሪጹ ዝኸይድ፡ ዝኾነ ተግባር እውን ኣባላት ክፈልጥዎ ይግባእ፡ ናብቲ ዝመረጸካ ተመሊስካ ተማኺርካ ደኣምበር ቢኢደዋኒንካ እትወስዶ ስጉምቲ ዘይዲሞክራሲያዊ  ኢዩ። ናይ ውልቆም ሓሳብ ተቀባልነት ዝሰኣኑ ሓለፍቲ ሃንደበት ካብ ሰልፊ ክወጹ ከለዉ፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት በብውልቆም ዝተገራጨውዎ ደኣ እምበር ኣብ ኣባላት ወሪዱ ብድምጺ ኣባላት ኣብ ምፍንጫል ዝብጽሐ የለን። እቶም ኩሎም በብውልቆም ዝኸዱ ብድምጺ ስዒርና ከሎና ዝብል የብሎን።

       ኣማኑአል መንግስቱ  እውን እንተኾነ ስልጣን ዘይምርካቡ፡  ብድምጺ ኣባላት ክምእዘዝ ስለ ዘይደለየ ጥራሕ ኢዩ። በቲ መትከላት ናይ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንኾርዕ ኢና እንዳበሉ ኣብቲ እምነ መሰረት ናይቲ መትከል ማለት ድምጺ ኣባላት ዘይምእማኖም ዘስደምም ኢዩ። ነዚ ከነኽብሮ ኣሎና ንምሓልከ እንታይ ኣምጽኦ።

      ኣድሓኖም ገና ከመጽእ ከሎ፡ ብኣባላቱ ኣይተደምጸሉን፡ ሕጊ ውድቡ ጢሒሱ ይመጽእ ኣሎ ኢሎም ድምጺ ዘይሃቡ ብኣብዝሓ ኣባላት ንኽኣቱ  ስለዝተደምጸሉ፡ እቶም ዝተሳዕሩ ኣሜን ኢሎም ተቀቢሎምዎ። ኣመል ግን ምስ መግነዝ ስለዝኾነት ኣብቲ ዳሕራይ ኣብ ባይቶ ንእቶዶ ኣይንእቶ ብድምጺ ኣባላት ተሳዒሩ ክነሱ ኣሜን ኢሉ ስለ ዘይተቀበሎ ከኣ ተፈንጨለ። ኣብ ገዛ ፓልቶክ ብድምጺ ተሳዒርኩምዶ ኢሉ ምስተሓተ እወ ደኣ በለ --፠፠--- ኣብ ድምጺ ዘይትኣምን ውድብዶ መስረቱ? ንግሉጽነት ተኣማኒነቲን ከይጎድል ዝኾነ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተሰኒዱን ረኮርድ ተገይሩን ኢዩ።

መስፍን ሓጎስ ክመጽእ ከሎ እውን እቲ ብዝሒ ኣባላት ኣለዎ ኢሉ ዝተተንበሃሉ ውድቡ፡ ብድምጺዶ ነይሩ ይኸውን፡ ካብ ጉጅለ ኣድሓኖምን ጉጅለ ኤፍረምን ጉጅለ ዓብደላ ኣደም ጉጅለ መስፍን ጸሃየንዶ ኣይተፈናጨለን፡ ብድምጺ ዘይኮነስ ኣነ ዝበልክዎ ዘይተቀበልኩም ዶ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ ሒጂ ጉዕዞ እውን መስፍን ኣብ ቲቪ ሰነድ ዝበሎ ዋላ ውሑዳት ንኹን ግን ኣገደስት ዓበይቲ መን ከማና በሃላይ ዘይኮነን። እዘን ቃላት እዚኤን ከኣ ኢየን ነቲ ሓሶት ናይቲ ሓዲሽ ኣዋጅ ዘቃልዖ---ማለት፠፠1. መርሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ነቲ ዝኣትዎ ውዕል ሓድነት ሰልፊ ጠሊሙ፡ ውሑዳት ደገፍቱ ኣከቲሉ፡ ሰልፊ ገዲፉ ከምዝኸደ`፠Fake News

ብተደጋጋሚ ውዕል ተጠሊሙ ይብሉ፡ ዝኾነ ውዕል ክሳብ እቲ ተሰማሚዕካ  ሰልፊ መስሪትካ ስም ምስሃብካ ካብኡ ንንየው መትከል ኢዩ ዝመርሓካ። ኣብ መትከል ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ዝብል የብሉን፡ ሰልፊ ብኣብዝሃ ድምጺ ዝምራሕ ካብ ኮነ እቶም ከሰስቲ ግን ውልቀሰባት ዘተዛረቡዎ ከም ውሳኔ ምውሳዶም (ናይ ሞት ፍርዲ ፠፨ ጋሽ ሰቲት ወዘተ.) ጥራሕ ዘይኮነ  ኣብ ዝኾነ ጽሑፋቶም ኣነ  ኣነ   ኣነ  ከምዚ በልኩ እምበር ብድምጺ ብመሰረታት ዝብላ ቃላት ፈጺሙ ኣይርከቦን። እቲ ህግደፍ እውን ኢንተኾነ ድሕሪ ባይታኡ ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኢዮም ካልእስ ይትረፍ እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ቅያዳ ዓማ ኣብ ህግደፍ ኣለዉ። ስለዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምትእኽካብ ደኣ ንበል እምበር ብዛዕባ ድሕሪ ባይታ ክንዛረብ እነተኮይና ቅድሚ እዚ ሰልፊ ምምስራቱ ድሕሪ ባይታኦም እንታይ ነይሩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ። ብዘይ መትከላዊ ግርጭት ከምዛ ሕጂ ዝገብርዋ ዘለዉ እንተደኣ ነይሩ ኣመል ምስ መግነዝ ጥራሕ ምባል ኣኻሊ ኢዩ። ሕጂኸ ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ካብ ኮኑ ነታ መርየት ናይ መንግስቲ  ትብልን: ናብ ኢትዮጵያ ኣይንኣቱን : ብጎነጽ ኢየ ዝኣምን; ወዘተ. ዝብላ  ክውሕጥዎ ዲዮም።  

ከምቲ ገዓሪ ፍሹል ዶክቶር  ባዕሉ ሓዊ ጽልልቲ ዝተጠመቀ ፡ ኣማን ብኣማን ሓዊ ጽልልቲ ዝበሎ ወያ ሕብእቲ ሰልፊ ኣንጻርና እንዳበለ ሃለውለው ዝበሎ፡ ኮር ተገምጠል ጽሩይ ሓሶት ኢዩ ምኽንያቱ መስፍን ሓጎስ ብዝለዓለ ድምጺ ተመሪጹ ክነሱ እታ ሕብእቲ ሰልፉ ወይ ሕቡእ ተልእኮኡ ንምፍጻም ኣይፋልካን ስለ ዝበለቶ ነቲ ሓላፍነት መሪሕነት ክቅበሎ ኣይደለየን። ነዊሕ ከይጸንሐ እውን ካብ ባይቶ ምንስሓብን መጋራጨዊ ዝኽኖ  ሃሰስ ምባልን ዝተዋፈረ፡ ካብዚ ተበጊሱ ከኣ ኢዩ ሃይለ መንገሻ ዑቅበ ንቁሕ ኣስተብህሎ ብልክዕ  ኣቀሚጥዎ ዘሎ ፡ ስኮመሳ ክስዕር ምዃኑ ዝተኣማመነ። ኣንጊሁ ህዝቢ እውን ኣይኣመነን እምበርዶ ብቅንዕና እዩ እናበለ ስክፍታኡ ብቀጻሊ ይዛረብ ነይሩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣይሕሱን እዩ ። እቲ ንቡር ሙኩሕ ንዕቀቱን ሓሶትን ኣብ ድምጺ ዘይምእማን ጸረ ዲሞክራሲ ሕማም ስለዝኾነ ንምሉእ ህይወቶም ኣብ ሓንጎሎም ከም ቁርዲድ ለጊቡ ከሸግሮም ስለዝኽእል ቀልጢፎም ዝጻረፍ ዘይኮነ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ዶክቶር ከናድዩ ምምዓዶም ኢዩ። ገለ ካብቲ ብድምጺ ዝተቀርጸ፡ ኣብ ወርሒ 6/ 2017 ዳዊት ሰለሙን ፡ መስፍን  ካብ ዝበሎም ክደግም ከሎ `` ወዲእኩም እንተኾንኩም ከይቀደምኹም ተፈንጨሉ `` ወልዱ ነጋሲ ዋላ ተቃውሞ እንተቀረቦ፡ኩሉ  ዶክቶር ዝብሎን ዚገብሮን ናትና ሓሳብ ምባሉ  ኣብ ሊንክ ጠዉኩም ስምዑ። 

https://www.youtube.com/watch?v=x9HEHiRBJyY&feature=youtu.be

 ሓንትስ ድምጺ ዝኸብረሉ መሰረት ዝኾርዓሉ ሰልፊ ይኹን እምበር ጻዕዳ ይጽናሕኩም ኣብ መንገዲ ክንራኸብ ኢና። ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ፡ ህዝቢ ከኣ ኣይጋገን እዩ ፡ ምትህልላኽ ገዲፍኩም ጥዑይ ጥራሕ ስርሑ ደላይ ፍትሒ ኣይተሃላለኽን ኢዩ።  ዚኾነ ሰልፊ መሰል ንክህብ ኢዩ ክሳብ ዝምረጽ ዝመባጻዕ፡  ክሳብ ሽዑ ግን መሰል ናይ መሰረታቱ ምሕላውን ምኽባርን ብድምጺ ከምዝምእዘዝን  ከመስክር  ምስዝኽእል ጥራሕ ኢዩ ዋሕስነት ደሞክራሲ ሃልዩዎ ህዝቢ ክስዕቦን ኣባላት ከጥርን ዝኽእል።

ዓውት ንፍትሓዊ መተከላትና  ክንዕወት ኢና                                                                   

ተስፋይ ባይረ ጥሪ 2018

Last modified on Friday, 09 February 2018 09:34