Print this page

ክትከውን፡ ምድላይን ምኽኣልን በበይኑ እዩ!

2018-02-08 09:26:02 Written by  ኣሮንናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2883 times
Rate this item
(1 Vote)

ሓደ ኣካል ወይ ውዳበ ብዛዕባኡ ክጽሕፍን ክዛረብን እንከሎ፡ “ኣነ ከምዚ እየ” ኢሉ ነብሱ ከላሊ ዝተለምደ እዩ። ነዚ ሌላ ብዝተሰነደ ኣገባብ ከስፍሮ’ውን ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ከምቲ “ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ” ዝበሃል ገለ ወገናት ንተግባሮም ዘይምጥን ጸጽብቑ  ስም ክሕዙ ምምጥጣር ልሙድ እዩ። ንነብሶምን ይውክለኒ ዝብልዎ ኣካልን  ምስ ተግባሮም ዘይምጥን ስም ክህቡ ምዕዛብ ከምኡ ዝተለምደ እዩ። “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ከም ዝበሃል። እቲ ጸገም እምበኣር ኣብ መንጎ እቲ ክትኮኖ እትደልዮን ከምኡ ንክትከውን ዘለካ ኣኽእሎን ዘሎ ፍልልይ ከተጻብብ ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ ዝንጸባረቕ። 

 እቶም “ታሕተዎት ደረጃታት፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ” ዝብሉ መስረታዊ ኣዕኑድ ንዝሓቁፍ፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ “ናይ ምብራቓዊ ዲሞክራሲ ስዑር ኣምር እዩ” እንዳበልካ፡ ዲሞክራስያዊ ክትከውን ሕጊግ እንዳበልካን ልዕሊ ሕጊ ክትከውን እንዳተሃንጠኻን ናይ ሕጊ ልዕልና ተጣባቒ ክትመስል ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን። ንናይ ካለኦት ርኢቶ ኣፍደገ ዓጺካ፡ ኣብ ክሊ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ እንተዘይሰዓረ” እንዳኹደድካ፡ ናይ ብዙሕነት ሓብሓቢ መሲልካ ምቕራብ’ውን ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዋላ እንተደጋገምካዮ፡ ዓምጣሪ ባህሪኻ ዘቃልዕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን።

 

ተፈትወ ተጸልአ፡ ኣብ ሕጋዊ ጉባኤ ዝተመዘዘ መሪሕነት ኣብ መንጎ ክልተ’ቲ ዝተመዘዘሉ ሕጋውን ወግዓውን መድረኻት ሰልፊ ውድብ ወይ ማሕበር ላዕለዋይ ኣካል እዩ። ውሳነታቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝመዘዞ ሓፋሽ ልኡላውን ተተግባርን እዩ። እዚ መሪሕነት ኣብ መስርሕ ንዝወስዶም ስጉምትታት ምክትታልን ምቁጽጻርን ናይቶም ዝመዘዝዎ ኣካላት መሰልን ሓላፍነትን እዩ። እቲ መሪሕነት ዝወስዶ ስጉምትታት ቅኑዕን ምስቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዘሳንን ክኸውን እንከሎ ምድጋፎምን ምትግባሮም፡ ካብ መስመር ክወጽእ እንከሎ ድማ እንዳተግበርካ ናይ ምንቃፍን ብኻልእ ንኽትክኦ ለበዋ ናይ ምቕራብን መሰል ከኣ ናይቲ መራጺ ኣካል ዕማም እዩ። መሪሕነት ነቲ ካብቲ ዝመረጾ ኣካል ዝመጽእ ነቐፈታን መተሕሳሳሰብን ናይ ምቕባል ወይ ናይ ምንጻግ ዘይገሃስ መሰል ኣለዎ። እቲ መሪሕነት ኪኖቲ ዝተዋህቦ መሰልን ዝተመርጸሉ ዕማምን እንተኸይዱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ። እቲ ትሓታትነት ግና ብትዕቢት ዝተሰንጠቑ ኣካላት ኣብ ማእከል ጎልጎል ዘካይድዎ ዘይኮነስ ኣብ ንቡር ወይ ፍሉይ ወግዓዊ መድረኽ ዝካየድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣተገባብራ ቀጥዒ ዘለዎ እዩ። ብጐኒ ኣቲኻ ንመሪሕነትን ስርዒታዊ ኣሰራርሓን ንምጉጣይ ዝግበር ፈተና ግና ዓማጺ፡ ጸረ ዲሞክራስን ኣፍራስን እዩ። ስርዒት ምሓዝ መሕብኢ መሪሕነት ወይ መጨቆኒ ተመራሕቲ ዘይኮነ ስርዓት ዝሕለወሉ ፍቱን ቀጥዒ እዩ።

ናይቲ መሪሕነት ዝመርጽ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኣባላት ንመን ይመርጹ ወይ ኣይመርጹን ባዕላቶም እዮም ዝውስኑ። ምውሳን ከኣ ካብቲ ዝቐርብ ኣማራጽታት ኣብ ሓደ ምውዳቕ እዩ። ሰባት ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ኮነ ውሳነ ኣብ ምውሳን ክጋገዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ጌጋ ከውድቕዎም ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት ብዛዕባቲ ንምርጫ ዝቐረብ ሓሳባት ኮነ ኣካላት እኹል ኣፍልጦ ዘይምውናን ክኸውን ይኽእል እይ። እንተኾነ ሓንሳብ ምስ ወሰንካ ወይ ምስ መረጽካ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ወይ “ቀሚሽ ኣደይ ኣሕንኲሉኒ” ዝበሃል፡ ምጥዓስን ምንጽርጻርን ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ቀሪብካ “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ኢልካ ኣብቲ ኣቀዲምካ ዝረዓምካዮ ደሓር ግና ዘየዕገበካ ሓሳብን  መሪሕነትን ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣራሚ ዳግመ ርኢቶ ምግባር  ቅኑዕ ኣሰራርሓን መሰልን እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ መድረኽ ክብትጽሕ ድማ ጹረትን ጽንዓትን ይሓትት። እንተቲ ነዚ ሕጋዊ ኣገባብ ምስዓብ ዘኽእል ትብዓትን ትዕግስትን ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ምጽሕታር ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ትዕዝብቲ ካብ ምውዳቕ ሓሊፉ ፋይዳ ስለ ዘየብሉ ክንጐርሓሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ደሞክራሲያዊ መሰል መራጺ ጥራሕ ኣብ ምዃን ዝድረት ዘይኮነስ፡ ተመራጺ ናይ ምዃን መሰል እውን ዝውስኽ እዩ።

እዚ ስርዓትን ኣገባብን ንኹሉ ኣብቲ መስርሕ ፈትዩን ረድዩን ዝኣተዎ ኣካል ዝምልከት እዩ። ነዚ  ብዘለካ ንብረት ተነይትካ ወይ ብዘለካ ናይ ትምህርቲ ኮነ ናይ ካልእ ማሕበራዊ ብልጫ ተኸዊልካ ዝሰዓር ኣይኮነን። እኳ ደኣ ከምቲ ቀደም ወለድና “ ናይ ሎሚ ገደደ ሰያብ ዝዓብደ” ዝብልዎ ዝነበሩን ሎሚ እንተላይ ናብ “ናይ ሎሚ ገደደ ምሁርን ምኩርን ዝዓበደ” ዝብል ኣበሃህላ ማዕቢሉ ዘሎን እቲ ዕዳ ኣብቶም እንዳፈለጡ ዘደናግሩን ናይ ካለኦት መሰል ክጉዕጽጹ ዝደናደኑን እዩ ዝኸብድ። ኣብ ባህልና ንብዕድመ ዝደፈአን ብተመኩሮ ድዩ ብትምህርቲ ዝሰጐመን እምነት ኣንቢርካ ምስዓብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ግና ደረት ዘየብሉ ኣይኮነን። እቲ “ናብ ዓዲ ደሓን ክመርሓኒ” ኢልካ እምነት ዘንበርካሉ ኣካል ቅኒቱ ክቕይር እንከሎ ከምቲ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ዝበሃል ኣብ ዘይማእመካ ናብ ልብኻ ምምላስ ንቡር እዩ። እቶም “ኣነ ዘይተኣመንኩ ደኣ መን ክእመን” ኢሎም ዘንቀዱ ግና ናህሮም ቀልጢፉ ኣይዝሕልን እዩ። ኣብ ከምዚ ከኣ እዩ ብዘይካ ምድግጋም ጸርፍን ዘለፋን ካልእ ላዛ ዝሰኣነሎም ወገን ዝገድፎምን “ዓሻስ ጸጸር ክሳብ ዝውዳእ ገበጣ ይጻወት” ኢሉ ዝምስለሎምን። ካብዚ ንምድሓን እምበኣር ክትኮኖ ንእትደሊ ምስ  ክትኮኖ እትኽእል ምምጥጣን የድሊ።

Last modified on Thursday, 08 February 2018 20:51