Print this page

ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኣባላትን መራሕትን ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት፡

2018-02-01 09:15:39 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2098 times
Rate this item
(1 Vote)

ብቀዳምነት ብስም ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዕዙዝ ሰላምታና ነቕርበልኩም።ኣብ ጉዕዞ ቃልስኹም ከኣ ዓወት ንምነየልኩም።

ስምና ከም ዝሕብሮ፡ ንሕና ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካልን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ዝግበር ቃልሲ፡ ህዝብና ኣድማዒ ተራ ንኽጻወት፡ ህዝቢ ንምብርባርን፡ ንምልዕዓልን ዝተበገስና ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢና።

መሰረታውያን መቖሚያታትና፡

1.  ኣገባብ ኣሰራርሓናን ኣወዳድባናን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ  ዝቐንዐ እዩ፣

2.  ኣባልነት ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓል ብውልቂ ደረጃ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ዝግበር ምርጫታት ኣብቲ ሓደ-ሰብ ሓደ-ድምጺ ዝብል ኣምር ዝተርመርኮሰ ይኸውን፣

3.  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክረጋገጽ ዝቃለስ እምበር፡ ንባዕሉ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዘይወዳደር በርጌሳዊ ማሕበር እዩ፣

4.  ከም ሻርነት ዘይብሉ ነጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መጠን ኣንጻር ወይ ደገፍ ናይ ዝኾነ ውድብ መርገጽ ኣይወስድን፣

5.  ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብዝምልከት ኣብ ዝለዓሉ ዛዕባታት ንጹር መርገጽ ይህልወና፣

6.  ኣብ ታሪኻውን እዋናውን ግደ ናይ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንኣምን፣

7.  ንናይ ሓባር ራእይና ንምዕዋት ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር ንሰርሕ፣

8.  በርጌሳዊ ማሕበርና እንኮ ወካሊ ናይ ኣብ ደያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ክኸውን ዕላማ የብሉን፣

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ክሰርሕ ድልው እዩ። ፖለቲካዊ ውድባትና ፍልልያተን ኣጽቢበን ብኹሉ ዓቕመን ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ንኽቃለሳ ኣብ ዝውሰድ ተበግሶታትን ዝግበር ርክባትን ኣወንታዊ ተራ ይጻወት።

ኣብ መደምደምታ፡ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ምስዓር ህግደፍ፡ ምስ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ዕላማ ተማላላእን ተደጋጋፍን ስለ ዝኾነ፡ ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ድርብ ኣባልነት ብምሓዝ ምሳና ሓቢርኩም ክትቃለሱ ንዕድም። ኣብቲ ነተን ዘይተወደባ ዘለዋ ከተማታት ንምውዳብ እነካይዶ ዘለና ጻዕሪ ሓገዝኩም ከይፍልየና ከኣ ነማሕጽን።

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!

ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

Our email: nah

Last modified on Thursday, 01 February 2018 10:16