Print this page

ናይ ትብዓት ዘይኮነስ፡ ናይ ስግኣት’ዩ

2018-01-17 20:01:45 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1904 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ቅድመ-ምውዕዋዕ ዘይተገብረሉ ብ14 ጥሪ 2018 ምስተን ኣብ ኤርትራ በይነን ብሒተን ዘለዋ ሚድያታቱ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እዚ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ፍሉይ ዝገብሮ ኣቐዲምካ ናይ ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይ ተኸታተሉ መጸዋዕታ ዘይተገብረሉ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይተለምደ ኣገባብ ብቐጥታ ኣብ ኤርትራዊ ዘይኮነ  ዞባዊ ዛዕባ እዩ ኣትዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ህልዊ ዞባዊ ወጥሪ ዝያዳቲ ኤርትራዊ ስግኣት ስለ ዘሕደረሉ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሰማምዕሉ እዩ።

እዚ ቃለመጠይቕ ዝተገብረሉ ግዜ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራ እትርከበሉ ብሳዑዲ ዝምራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሱዳን እትርከበሉ ብቐጠር ዝምራሕ ጋንታት ዘሎ ምፍጣጥ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቅርኒ ኣፍሪቃን ዘሳፍሓሉ እዩ። ነዚ ምትእስሳራት ኣብዚ ከባቢና ክንዕዘቦ እንከለና ኤርትራን ግብጽን በቲ ሓደ ወገን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ድማ በቲ ካልእ ወገን ኮይነን ዝጠማመታሉ ዘለዋ ኩነታት እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ህይወትን ንብረትን ዝዓነወሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ብዙሕ  ምኽንያታትን ነዊሕ ዕድመን ዘለዎ ምስሕሓብ ሕጂ ድሕሪ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቱርክን ዝጸንሐ ዝምድና ምሕዳስ ተወሲኽዎ መሊሱ ዝዓረገ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣቶ ኢሳይያስ ከምዚ ዝተኸታተልናዮ ትሕትና ዘለዎ ዝመስል ቃለ መጠይቕ ክህብ ዘገደድዎ ስግኣታት ብዙሓት ምዃኖም ናይ ብዙሓት ነቲ ቃለመጠይቕ ዝተኸታተልዎ ግምት እዩ። ብውሽጣዊ ዓይኒ ክረአ እንከሎ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ምሒር ግዝኣት መሪርዎ ኣንጻር ህግደፍ ብግሁድ ትንዕምንዕ ዝጀመረሉ እዋን እዩ። እዚ ሓደ መመሊሱ ዝመውቕ ዘሎ ስግኣት እዩ። ብዘይካዚ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ዝነበራ ዝምድና ካብቲ ዝነበሮ ጸቢብ መሊሱ ጸቢቡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን የመንን ዘራኽባ ዶባት ዕጽዊ እዩ። ካብዘን ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ነገራት የለን። ካብ ኤርትራ ናብኣተን ዝኸይድ’ውን የለን። እዚ ዕጽዊ ኩነታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ውጡር ቁጠባዊ ኩነታት ናብ ኣዝዩ ዝተወጠረ ከደይቦ ግድን እዩ። እዚ ወጥሪ’ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ወጥርን ሰዓቦ ጉተቶን መሊሱ ከም ዝውጥሮ ፍሉጥ እዩ። ምናልባት ጐንጺ እንተተፈጢሩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ ምዕቃብ ልኡላውነት ዕድመ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ከናውሕ ኢሉ ክዋግ ዝህልዎ ቅሩብነትን ዓቕምን ንኣቶ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዘቕስኖም ኣይኮነን።  ኣንጻሩ ዘይምለስ ማዕበል ከይፍጠር’ውን ዘየስገኦ ኣይኮነን። እዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ናብ ጕንጺ እንተማዕቢሉ ኤርትራ ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃን ዕድላ ሰፊሕ ስለ ዝኸውን ዞባዊ ተሓታቲ ዝኸውን ንሱ ስለ ዝኾነ ካልእ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ዝድርበሉ እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለመጠይቑ  ገበኑን ፍሽለቱን ኣቐሚጡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ወገናት ተወራዝዩ። ነቶም ደቂ ጋንታኡ ድማ ክዘርየሎም ሰሚዕና። በቲ ካልእ ወገን ንሱዳን ሸምጢጥዋ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ እውን ብዙሕ ተመጻዲቑ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝያዳ ኢትዮጵያውያን ከም ዝፈልጥን ከም ዝሓልን ብዙሕ ሸንዳሕዳሕ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበሮም ዕድል ኣይሰርሕሉ እንዳበለ ከኣ ንብዙሓት መንግስታት ጠቅይሎም። ከም በዓል ሱሌማን ዘዝመተረሎም ዝኹልሱ ዘይኮነ፡ “ንስኻኸ ነቲ ዝባኸነ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እንታይ ጌርካሉ?” ኢሉ ዝሓቶ እንተዝርከብ መልሱ እንታይ መኾነ እንድዒ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እምበኣር ብዛዕባቲ ንሱ ብቐጥታ ዝሕተተሉ ኤርትራዊ ኩነታት ዝዛረበሉ ትብዓትን ባህርን ስለ ዘየብሉ፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ናብ ደገ ንክርኢ ዝመሃዞ ምጥምዛዝ እዩ።

ኣብዚ ቃለመጠይቑ፡ ንሓንሳብ “ጐረቤት” ንሓንሳብ “ጎደቦ” ዝብሉ ቃላት እንዳደጋገመ ብዛዕባ ኣገዳስነት  ንዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ ካብቲ ግዜኡ ዝነወሐ ዝወሰደሉ ነይሩ። ኣብዚ ግና ንሱን ጉጅለኡን ብሰንኪ ዘይዕጉስ ባህሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ምስ ኣርባዕቲአን ጐረባብቱ ሃገራት ውግእ ዝኸፈተን ክሳብ ሕጂ ምስ ኩለን ውሕስነት ዘለዎ ስኒት ዘየብሉን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ካልእ ዘሕዝን፡ ዕዮ ገዝኡ ወዲኡ ያኢ መኻሪ ኮይኑ፡ እዘን ሃገራት መጻኢ ዕድለን ከመይ ምዃኑን ኣብ መጻኢ እንታይ ክገብራ ከም ዝግበአንን ብዙሕ ተዛሪቡ። እሞ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዘይሰረሐን ናይ ህዝቢ ብሕገመንግስቲ ናይ ምምሕዳር መሰረታዊ መሰል ዝነፈገ ኣካል ከምዚ ዓይነት ፈዳሕዳሕ ክብል እንከሎስ ናይ መን ልቢ እዩ ክሰብር?

እቲ መኻሪ መሲሉ ዝቐርቦ ሓሳብ ናይ ልቢ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ግና ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምስሉ ሰባኺ መሲሉ ክቐርብ ደልዩ ምርኣዩ የድሊ። ተፈትወ ተጸልኣ ናይዚ ምስጢር ካብቲ ከቢብዎ ዘሎ ስግኣት ዝወጸሉ ግዜ ናይ ምሽማት ዕላማ እዩ። እዚ ጥበቡ ሎሚ ዘምጸኦ ዘይኮነ መቐጸልታ ናይቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝብል ነባር ጥበቡ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንጸቢብ ረብሓኡ ክብል ክስሕቦ ዝጸንሐ ውዲታዊ ኣግማድ ኣብ ኤርትራ ማእከል ስግእት ኮይኑ ምህላዉ ዝረአ ዘሎ እዩ።

እምበኣር ኣቶ ኢሳይያስ እኩይ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ደጊም ካብዚ  ተግባሩ ክምለስ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንሕና ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባ እከይ ተግባራቱ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና እጃም ድምጽና ከነስምዕ ይግበኣና። ከምቲ ናይ ክሳብ ሕጂ “ህዝቢ ኤርትራ ረብሓኡ ኣብ ምስ ጐረባብትኻ ምስናይ እምበር ምበኣስ ኣይኮንን” ዝብል ሓቀኛ ድምጽና ዓው ኢሉ ክስማዕ ይግበኦ። “ኤርትራ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ናይ ግዳም ሓይልታት መዕንደሪ ክትከውን የብላን”  ክንብል ሓላፍነትና’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ተዓዋትነትን ዝሰረተ ፍተሓት ክኽተሉ ድምጽና ከነስምዖም እዋኑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 17 January 2018 21:03