Print this page

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ሃገር ከይተጣይስ ጸዊዑ

2018-01-10 05:55:13 Written by  8 ዊንታ ኪዳነ Lisa Schlein Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2201 times
Rate this item
(0 votes)

UNHCR Logo

 

 

ጀነቫ

 

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘይፍቓዶም ናብ ካልኦት ሃገራት ትሕተሰሃራ ከየጣይስ ተማሕጺኑ።

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጥያስ ፖሊሲ ኣብ 2016 .ዝጀመረ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ከይተተግብረ ከም ዝጸንሓ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዊልያም ስፒንድለር እንተኾነ እዚ ካብ ጥሪ 1,2018 ክትግብር ዝተገልጸ ኤርትራዊያን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ ዝብል ፖሊሲን ትካሎም ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።

ወግዓዊ መግለጺ እቲ ፖሊሲ ነቶም ናይ ዑቕባ ሕትኦም ኣብ መስርሕ ንዘሎውን ዝምልከት ምዃኑ ወይውን ሓተቲ ዑቕባ ብመቑሕ ተአሲሮም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክውሰዱ ይኽእሉዮም ምባሉ ዘሰኽፍዩ። ብዘይፍቓዶም ናብ ውጽኢታዊ ሓለዋ ዘይብለን ሃገራት ምጥያስ እዞም ሰባት ዝቕጽል ስጉምቶም ብሊብያ ኣቢሎም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ምጉዓዝ ምዃኑ ምርዳእ ድማ ዝያዳ ዘተሓሳስብዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 27,000 ኤርትራዊያንን 7,700 ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ምዃኖምን መንግስቲ ነቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ 2009 .ድሕሪ ምቕባሉ ድማ 10 ኤርትራዊያን 1 ሱዳናዊያን ጥራይ ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ምርኻቦም እቲ ትካል ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ትካል ካብ ሕዳር, 2015 ክሳብ ታሕሳስ, 2017 ኣብ ከተማ ሮማ ዘዘራረቦም 80 ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዘፍቓዶም ካብ እስራኤል ናብ ካልእ ሃገራት ምጥያሶም ከም ዝገለጹ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል እዚ ድማ ንሓደገኛነት እቲ ፖሊሲ ዘርእይኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ብምድረበዳ ሲናይ ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን መስቀይትን ዝሓለፉ ምዃኖም ብምግላጽ ትካሎም እስራኤል ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ዝጣየስሉ መንገዲ ኣብ ምድላውን መፍትሒ ንምርኻብን ምስ መንግስቲ እስራኤል ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ሓቢሮም።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/unhcr-on-israel-policy-to-relocate-african-migrants/4199986.html

Last modified on Wednesday, 10 January 2018 07:30