Print this page

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም

2018-01-10 05:32:20 Written by  ገብረ ገብረመድህን ፡ካብ ረድዮ ድምጺ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2373 times
Rate this item
(0 votes)

ዋሽንግተን

 

ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ግብፂ መዘንኦም ዓብድልፈታህ ኤል-ሲሲስን ሎሚ ሶሉስ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

እቶም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ይኸይድ ዘሎን ዝበሉዎ ርክባት ንግድን ኢንቨስትመንት ከምኡ ውን ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ክዘራረቡ እዮም ክብሉ ናይ ኤርትራ ሚንስትር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ኣብ ዘውፅኡዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም ኣለው።

VOA

ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤትመንግስቲ ኢትሓዲያ ምርኻቦም ዝገለፀት ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም ብወገና ክልቲኣዊ ርክባት ንምዕዛዝ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ወሓይዝ ናይልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ምዕባለታትን ብዝምልከት ከም ዝዘተዩ ፀብፂባላ።ፕረዚዳንት ኢሳያስ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ከም ዘካይዱ ተሓቢሩሎ።

ብተመሳሳሊ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምስ ሓለቓ ስታፍ ሱዳን ሌቴናል ጀነራል ኤማድ ኣል-ዲን ሙስጣፋ ኣዳዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝርራቦም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ፀብፂባ።

እቶም ጀነራል ካብ ፕረዚዳንት ዑማር ኣል-በሽር ዝተለኣኸ ደብዳበ ከም ዘረከቡ ተሓቢሩሎ።

ጠመተ ናይቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክባት ንምሕያል ምዃኑን ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ካብ ዝጅምር እቲ ርክብ እናሓየለ ከም ዝመፀን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ሚዲያን ርክባት ህዝብን ዛዲግ ኣብርሃ ዝጠቐሰ ፋና ፀብፂቡ።

ብኻልእ ዜና ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ /ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዑደት ይፍፅሙ ከም ዘለው ተፈሊጡሎ።

 

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/eritrean-president-meets-egypt-president/4200086.html

Last modified on Wednesday, 10 January 2018 06:55