Print this page

ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን

2017-12-22 19:22:13 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2396 times
Rate this item
(0 votes)

ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ሓደ ካብቲ ሓደ ክፈላለ ዘይክእል ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ኣለወን። ትማሊ ናይ ነባራት ነይራ፡ ሎሚ ናይ ነባራትን ናይ መንእሰያትን ናይ ሓባር መዋስኢትን መራኸቢትን መድረኽ እያ። ጽባሕ ድማ ናይ መንእሰያት እያ። እዚ ናይ ወለዶታት ኣተሓሳስባታትን ምትኽኻእን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ኣብ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዝስለፍ ወለዶ ከከምቲ ዝነበረሉ ምዕባለታት  ንዘጋጥሞ ብደሆታት ከመሓድርን ክብድህን ትውልዳዊ ሓላፍነት ይስከም። ከም ኤርትራውያን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና እንተመጻእና ኣብ 60ታት፡ 70ታትን 80ያታትን ዝነበረ መንእሰይ ይገጥሞ ዝነበረ ብደሆታትን ኣመኻኽታኡን ካብ ናይዚ እዋ’ዚ መንእሰይ ብደሆታት ይፍለ። እቲ ቀደም ናይ ደብዳበን ኣጋር ልኡኽን ግዜ ነይሩ፡ ሎሚ ድማ ናይ በብዓይነቱ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ሚድያታት መዋእል እዩ። ናይቲ መጻኢ መንእሰይ ብደሆታት እንታይ ከም ዝኸውን ከኣ እቲ ሽዑ ዝመጽእ ምዕብልና ዝውስኖ እዩ ዝኸውን።  ናይ መጻኢ መድረኽ መሪሕ ቀላሲ መንእሰይ ከኣ በቲ ዝሓለፈ ይኹን በቲ ዝመጽእ ምዕባለታትን ጽልዋን ከየመኽንየ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝረአ ብደሆታት ናይ ምብዳህ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ።

ሎሚ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘሎ ሓይሊ፡ ብዛዕባቲ ናይ ትማሊ ፍጻመታት ክመዝዝንን ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ክውጥንን ባህርያዊ ኣካይዳ እዩ። ኣብ መንጎ ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ምዕብልናታት ዘይጓዳእ ምፍሕፋሕ ክህልው ቅቡል እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይንካ ነቲ ብኣካል ዘይነበርካሉ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ምንቃፍ ልሙድ እዩ። እቲ ነቐፈታ ንቡር ዝኸውን፡  ነቲ ሎሚ ብኻልእ ዝተተከኣ ናይ ትማሊ ምዕባለ ዘንጸላልዎ ዝነበረ ምዕብልናታት ኣብ ግምት ምእታዉ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታትዚ ዝግበር ገምጋምን ነቐፈታን ሃሳዪ ከም ዘይከውን ከኣ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ርትዓውን ምኽኑይን ስለ ዝኾነ። ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ምግማት፡ መጻኢ ብሩህ ምዕባለ ኣብ ግምት ምእታው ስለ ዝኾነ ዝተባባዕ እምበር ዝጽላእ ኣይኮነን።

ኣብ ተመኩሮና ክንዕዘብ እንከለና፡ ነቲ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኮነ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ጉዕዘኡ ዝነበረ ኩነታት ኣብዚ ሎሚ ኮይንካ ምንቃፍ ዝተለምደ እዩ። ናይቶም ሽዑ  ነዚ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ቃልሲ መንገዲ ዘትሓዙልና ሓርበኛታት ምንቃፍ’ውን ልሙድ እዩ። ካብ ምንቃፍ ሓሊፉ ኩነኔ ክኸውን እንከሎ ግና ኣቐንዛዊ እዩ። እቲ ነቐፈታ ገሊኡ ርትዓዊ እዩ። ገሊኡ ግና ነቲ ከቢብዎም ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእትውን ዘይሓላፍነታውን እዩ። እቲ ቃልሲ ካብ ምዕራፍ ናብ ምዕራፍ ክሰጋገር እንከሎ ኣብዚ ሎሚ ዘለናዮ ምዕብልና ኮይንካ ኢንታ ከተውጸኣሉ ይከኣል እዩ። ናይዚ ቀረባ እዋን ምቅርራባት፡ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን እውን በዚ ክሓልፉ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ነቲ ዝሓለፈ ምንቃፍ ብዙሕ ኣይመጐደአን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ናይ ትማሊ እሞ ንናይ ሎሚ መሰረት ዘንበረ ተመኩሮ ጸንቂቕካ ምዅናን ግና ቅቡል ኣይኮነን። ዝሓለፉ ምዕራፋት ቃልስና እንተገደደ ዝንቀፍ እምበር ዝኹነን ትሕዝቶ የብሎምን።

ኣብዚ ሓደ ክሕለፍ ዘይግበኦ ጉዳይ ኣሎ። መጻኢ ብሩህ ዝኸውን ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ብምኹናንን ብምንቃፍን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እቲ ምኹናንኳ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘየብሉ እንድዩ፡ ክትነቅፍ እንከለኻ’ውን ዝሓሸ መተካእታ ሒዝካ ክኸውን ይግበኦ። ብኽምዚ እንተዘይተታሒዙ ግና ሎሚ ብጽባሕ ምትካእ ከቢድዩ ዝኸውን። ደሓር ከኣ ንናይ ሎሚ ድኽመትካ ብናይቶም ናይ ትማሊ ተዋሳእቲ ድኽመት ከተማኻኒ ምፍታን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንኣብነት ጉጅለ ህግደፍ ሓያሎ ጉዳያት ዘይምዕራዩ ክንቀፍ እንከሎ፡ ካብ ድኽመቱ ንምህዳም  “ካብ ገዛእቲ ስርዓታት ዝተወርሰ ሕማቕ ባህሊ ዓንቂፉና” ንዝብል ሓረግ ከም መኸወሊ  ይጥቀም። ብኸምዚ ኣገባብ ህድማ ክሳብ መዓስ ምዃኑ ዝፍለጥ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፈ ኣብ ናይ ሎሚ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ግና ንሓዋሩ ኣይኮነን።

ሕጂ’ውን ኣብ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና፡ ብዝሓለፈ ድኽመታት፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ድሒሩ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም መሕብኢ ምጥቃም ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ናይዞም ንቕሎታት ተመኩሮ ነናቱ መምሃሪ ዝኸውን ምልክት ገዲፉ ሓሊፉ እዩ። ሕጂ ዝጽበየና ዘሎ ናይዞም ንቕሎታት ድኽመት  ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ካብቲ ተመኩሮ ተማሂርካ ካልእ ካብ ደውታ ዘውጽእ ዝሃብተመ መተካእታ ምርካብ እዩ። ዓቕሚ ተቓውሞና ውሱን ምዃኑ ዘሻቕል እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ከኣ ነቲ ዝርካቡ ዓቕምና ኣብ ክንዲ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ናይ ሕድሕድ ምትህልላኽ ነባኽኖ ምህላውና እዩ። “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብል ኣዘራርባ ንኣገዳስነት ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ዘመልክት እዩ። ልብና ግና ኣብ ክንዲ እንዳሓደረ ዝበቁል እንዳሓደረ ክጭክን ኢና ንዕዘብ ዘለና። ግን ስለምንታይ። “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈካ እምኒ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊሙካ እቲ እምኒ ንስኻ ኢኻ” ዝበሃል ብሂል እውን፡ ንኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ናይ ትማሊ ዓለም ምንባር ግጉይ ኣተሓሕዛ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ሎሚ በቲ ትማሊ ዝመጻእናዮ ዘየዕወተና  መንገዲ ናብ ጽባሕ ክንጐዓዝ ኣይግበኣናን። ብመንጽር እዚ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ኣብ ሕድሕድ ዝመላልኡ እምበር ዝተፋነኑ ክኾኑ ኣይግበኦምን።

Last modified on Friday, 22 December 2017 20:24