Print this page

“ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ”

2017-12-07 19:48:43 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2282 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ባህልና ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ምጉዓዝን ኣገዳስነት ንምዕዛዝ ዝበሃሉ ምሳልያዊ ኣበሃህላታት ብዙሓት እዮም። “በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት” ዝብል ኣበሃህላ ኪኖ ምብላዕን ምስታይን ኣገዳሲ ንበይናውነት ዘይድግፍ መልእኽቲ ኣለዎ። ሓባራውነት ኣብ ዝተወሰነ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ዝንጸባረቕ እዩ። ሓቢርካ እትሰርሖ፡ ሓደ ቃል ኮይንካ እትዛረቦ፡ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ  ሃለዋት ከኣ ሓቢርካ እትቃለሶ ኣድማዒ ምዃኑ ብሳይነስ ኮነ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ምእንትዚ እዮም ድማ ሰባት ምእንቲ ሓድነት ዝዝምሩን ዝጭርሑን። ወለዲ እውን “ሕቡራትን ስሙራትን ኩኑ” ኢሎም ዝምርቑ።

እቲ ሓቢርካ ምጉዓዝ  ናይ ሓባር ድሌትን ቅሩብነትን ናይቶም ተዋሳእቲ ክኸውን እንከሎ ዝያዳ የድምዕ። ብሓባር ምኻድ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ከም ኤርትራውያን ሓይሊ ተቓውሞ ዘለናሉ ኩነታት ብሓባር ምቅላስ፡ ንኹሉ ወገናት ዘርብሕን ህልውናኡ ዘውሕስን እምበር ንሓደ ዝጠቅም ነቲ ካልእ ከኣ ዝጐድእ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ፖለቲካዊ ሃለዋት ሓደ ብዘይካ’ቲ ሓደ ከድምዕ ከምዘይክእል ኣብ ዝተነጸረሉ እዩ ከኣ “ተመሊስካ ንእትረድኦ/እትደልዮ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል። ኣብ ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞና እዚ መሰረታዊ ኣድላይነት ብሓባር ምስጓም ተዘንጊዑ፡ እቲ ሓደ ብመንፈስ “ዘርከበ የርከብ፡ ዘየርከበ ድማ ይትረፍ” ጠኒኑ ክኸይድ፡ እቲ ካልእ ከኣ “በል እስኪ ኣበይ ከምእትበጽሕ ክንርኤካ ኢና” ብዝብል ክሕንሕን ክንዋጠጥ ዘባኸናዮ ዕድል ቀሊል ኣይኮነን።

እዚ ብንጹር ዘርእየና ካብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ፍልልያት ነየናይ ከተግዝፍ ነየናይከ ከተንእስ ከም ዝግበኣካ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ናብ ተቓውሞና ኣምጺእና ክንቃንዮ እንከለና፡ እቲ ዝገዘፈ ጸገምናን ዝሰፈሐ ፍልልይናን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘለና ተጻራሪ  ዝምድና ክነሱ፡ ንዕኡ ኣንኢስና ብምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ወረ ሓደሓደ ግዜስ  ረሲዕና ነቲ ከም ሓይልታት ለውጢ ዘለና ንኡስ ፍልልይ ኣብዘይግዜኡ ኣጉሊሕና፡ ውሕልነትን ጹረትን ብዝጐደሎ ኣገባብ ክንነጻጸግ ከም ዝጸናሕናን ጌና እውን ካብዚ ኣገባብዚ  ከምዘይወጻእና ኩነታትና መስካሪ እዩ። እዚ ኣገባብዚ ከም ዘየዋጸኣና ከም ዝተረደኣና ዘመላኽቱን ኣብ መጻኢ ክዓኩ ትጽቢት ዝግብረሎምን ምልክታት ግና ኣለዉ። ብውሕዱ ብክለሳ-ሓሳብ ደረጃ፡ ካብቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ሓዲድ ወጺእና ከም ዘለናን ናብኡ ብዘይካ ምምላስ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልናን ተረዲእና ኣለና ዝብል ግምት ኣለኒ። እዚ ብተግባር ክስነ ከኣ ትስፉዋት ኮይና ንቃለስ። ተስፋን ንቕድሚት ምምዕዳውን እንተዘየልዩ ግና ህልውና’ውን ብኡ ኣቢሉ ከኸትም ይኽእል እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክሳብ ዘለና ተስፋና ወትሩ ለምለም ክኸውን ይግበኦ እንብል።

ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን፡ ቀዳምነታትካ ሰሪዕካ ብመትከል ፍልልያዊ ሓድነት ተገዚእካ ኣብ ጐደና ዓወት ምምራሽ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝሰሓት ኣይኮነን። ምስቲ ኩሉ ክብደቱን ዝተሓላለኸ ብህርያቱን ግና ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ መስርሕ ብዙሓት ዝተዓወትሉ ምዃኑ ካብ ማህደር ተመኩሮታት ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ ካሳብ ሕጂ ነዚ ዘይበቓዕናዮ ዘይከኣል ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡ ንሕና ባዕልና ንፍልልያት ኣጋፊሕና ከምዘይከኣል ስለ እንገብሮ ምዃኑ ኣሚንካ ምቕባሉ ኣብ መጻኢ ቃልስና ሓጋዚ እዩ። እቲ ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣብ መንጎ ውድባት ወይ ሰልፍታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ውልቀሰብን እውን ብዘየዳግም ክሰርጽ ዝግበኦ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ ገዛ ዘይዓመመ ኣብቲ ልፍንቲ እውን ከድምዕ ስለ ዘይክእል። እዚ ከኣ ንውሱን ኣካል ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝምልከት ዘይኮነ ኩሎም ኣካላት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ፡ በቲ ቃል ኣትዮም ዝተቐበልዎ፡ ሕግን ስርዓትን ተማእዚዞም ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክጽዕትሉ ዝግበኦም እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ብጾታዊ፡ ናይ ዕድመ ፍልልይ፡ ተመኩሮኣዊ፡ ከባብያዊ፡ ሃይማኖታውን ተመኩሮኣውን ጸቢብነት ከይትሰዓር ምጥንቃቕ እዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ ኩሎም እዞም ስምዒታት ሓደ ብዘይትሓደ በበይኖም ፋይዳ ስለ ዘየብሎም።

ብሓባር ንክንስጉም ዝኽፈል ዋጋ ቀሊል ግና ድማ ዘይስገር እዩ። ኣብ ክንዲ ክትስማዕ ጥራይ ክትሰምዕ’ውን ቅሩብ ምዃን፡ ትደልዮ ጥራይ ዘይኮነ ንድሌት ካለኦት’ውን ኣብ ግምት ምእታው፡ ፍልልይ ኣጻቢብካ ብሓባር  ዘሰጉመካ ኩነታት ንምርካብ ግቡእ ግዜን ጹረትን ምልጋስ፡ ኣብ መሰረታዊ መትከላት እምበር፡ እምብዛ ኣብቶም ነዚ ንምትግባር ዘተኩሩ ኣካላት ዘይምትኳር፡ ናይ ሎሚ ግደኻን ናይ ጽባሕ ግደ ህዝብን ኣለሊኻ ምሓዝን .. ወዘተ ካብቶም ክኽፈሉ ዝግበኦም ዋጋታት እዮም። ምናልባት ደኣ ኣዝዩ ክምጠጥ እንከሎ ጸገም ይህልዎ ይኸውን እምበር፡ ነቲ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ፈጺምካ ዕድል ምኽላኡ ጽቡቕ ኣይከውንን። በይንኻ ተጓዒዝካ ኣብ ዘይትውደኦ ነዊሕ መንገዲ ክንድታ ዝኽእላ ርሕቀት መኻይድኻ ዝኸውን ኣካል ሓብሒብካ ምሓዝ ከኣ ብልህነት እምበር ተንበርካኽነት ኣይኮነን።

Last modified on Thursday, 07 December 2017 20:51