Print this page

ዓላማናን ኣተሓሳስባናን ብዛዕባ ህንጸት ሃገር ይኹን

2017-11-13 11:22:36 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2131 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዛ ኣህዛብ ዝነብሩላ ዓለም፥ ብሕብሪቆርበት፥ ዓሌት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ዋላ እውን ሓደ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓደ ዓይነት እንተዝኸውን ብዘይ ግርጭት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለማዊውያን ይትረፍ ኣብ መንፈሳውያን እውን ከይተረፈ ዘይምስምማዕን ምስሕሓባትን ይርከብ እዩ። ነዚ ዝርከብ ምፍሕፋሓት ወይ ዘይምርድዳኣት ብኣገባብ ናይ ምእላዩን ነቲ ናይ ምድራዊ ንምድራዊ ነቲ ናይ መንፈስ ከኣ ንመንፈሳዊ ኣተኻኺልና ምስ እንጎዓዝ ክከባበርን ሓቢሩ ክነብርን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ምህናጽ ሃገር ምስቲ ዘሎ ሃይማኖታዊ ይኹን ቀቢላዊ ወይ እንዳዊ ኣተሓሳስባ ተኣሳሲሩ ክሃንጽ ኣብ ኣብዝፍትነሉ ግዜ እቲ ሸይጣን ወይ ድያብሎሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ባህሪ ዘየሰማምዕ እዩ ዝምርኰስ። እዚ ከኣ ኩሉ ነንሃይማኖቱ፥ ነንወገኑ ነንኣውራጃኡ ወይ ዓሌቱ ብዘርብሕ ሕልናን ኣተሓሳስባን ይዕብለል። ኣብዚ እቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነትን ካልእን ንመሰል ናይ እምነት ናጽነት ዘስሕት መስመር ይሕዝ እሞ ኣብ ግርጭታትን ፍልልያት ምግፋሕን ይብጻሕ።

ብመጀመርያ ሃይማኖት ብዛዕባ መንፈስ ክግበር ዘለዎ ነንኣማኒኡ ዘስተምህረሉ ወይ እውን መስመር ዘትሕዘሉ እዩ። ኣብዚ እታ ሃገር ኣብ እትህነጸሉ ጉዕዞ ግና እዚ ናይ ሃይማኖት ይኹን እንዳ ወይ ቀቢላ በቲ ስምዒት በቲ ዝተፈላለየ እምነታት ዝፍታሕ ወይ ዝመሓደር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ በቲ ንምድራዊ ዓለም ዘማእክል ሕጊ ማለት እቲ ህዝቢ በቲ ኩሉ መልክዓቱን እምነታቱን ሓቢሩ ብዝሕንጽጾ ቅዋም ተቐይዱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉ ኣገባብ እዩ ዝመሓደር። እዚ ናብቶም ሓባራዊ እንውንኖም ነገራት ኣብ ምፍታሽ ዝሕግዘናን ኣሳናይን ኣታዓራቕን መገዲ ክንሕዝ ይሕግዝ።

ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓደ ስለዘይኮኑ ኣጸቢቖም ዝፈላለዩሉ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ፖለቲካ ካብ ምንታይ ነቒሉ እንታይ እዩ እቲ ኣወንታ ኣሉታን ክትካታዕን ዝቕየር ክትቅይርን ክትማጎትን ትኽእል። ኣብ ሃይማኖት ግና ጉዳይ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ ኣሎዶ የሎን ኢልካ ተኻቲዒካ ኣብ መደምደምታ ዘይትበጽሓሉን ክትሰማማዕ እውን ዘይትኽእለሉን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ኣዳም እቲ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ እምነት ክህልዎን ነቶም ካልኦት ከምቲ ናቱ እምነት ዘይሓዙ ከኣ ክኽብርን ብእወንታ ክጥምትን ይግባእ። እዚ ማለት ሓደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት ክዕብልል ወይ እውን ብኣሉታ ክመዝን መሰል የብሉን ብሕጊ እውን ኩልኩል እዩ ክኸውን። ኣብ ሃይማኖት ከምቲ ናይ ፖለቲካዊ ድሌታትካ ሰዓቢ ክትረክብ ጐስጓስ ኣየካይድን እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ሃይማኖት ጉዳይ ኣትዩ እውን እዝን ከምዝን ኢዩ ኢሉ ክፈርድ ይኹን ክመዝን መሰልን ናጽነትን የብሉን። ሃይማኖት እቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝእዝዞ ምትግባር እምበር ንሃይማኖታዊ እምነትካ ገዲፍካ ናባና እቶ ኢሉ ኣይሰብኽን እዩ።

ሃገር ኣብ ምህናጽ እምበኣር እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ መሰረት ንብዙህነትን ሓድነትን ብዝሕሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዝትከል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ዘይኣቱን ንመሰል ሃይማኖት እውን ዘይነፍግን ሕጊ ተኸቲሉ ዝዳኒ እዩ። ሃይማኖት እውን ነቲ ናይ ብዙህነትን ሓድነትን ሚዛን ሓልዩ በብእምነቱ ክሰብኽን ከስተምህርን ነጻነት ሃልይዎ ካብቲ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸይድ ከኣ ብሕጊ ይሕተት። ፖለቲካ ካብ ሃይማኖት፥ ወይ እውን ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ማለት ንሃይማኖትካ ግደፍ ወይ ኣውን ምድኻም ናይ ሃይማኖት ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ መሰል ናይ ምእማንን ዘይምእማንን ነጻነት ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብዝደለዮ እምነት ክኣምን ብሕግን መትከልን ቅቡል ስለዝኾነ።

ስለዚ ሃገር ክንሃንጽ እቲ ኣተሓሳስባና ነመላእ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ተፋቒሩን ተሳንዩን ብሕጊ ተቐይዱን ዝነብረላ ኮይና ክትህነጽ የድሊ። እዚ ከኣ ሓደ ነቲ ሓደ ልዕልና ይኹን ዕብለላ ዘየርእየሉ፡ ንሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ብማዕረ ዝመቓረሓሉ ቅዋም ምሕንጻጽ እቲ ቀንዲ እምነ መሰረት ናይ ህንጸት ሃገር እዩ። ብዝተረፈ በብዝደለናዮ ዝተፈላለየ እምነታትን፥ መንነትን ማለት ኣውራጃ ዲዩ ቀቢላ ዎላ እንዳ ኣቢልካ ዝህነጽ ሃገር የለን።

Last modified on Monday, 13 November 2017 12:30