Print this page

ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድ ንኢድ ንቕድሚት

2017-11-13 11:16:48 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2116 times
Rate this item
(0 votes)

እቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልስና ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ ኣርዑት መግዛእታዊ ሓይልታት ይጥቅዑ ካብ ዝነበርሉ ነጻ ንክኾኑ ኣኽኢሉ’ዩ። ነጻ ክበሃል እንከሎ እቲ ህዝቢ ወናን ሃገሩ ክኸውን በቒዑ ማለት እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ እቲ ልኡላውነት መሬት ተረጋጊጹ ዝተረፈ እንተልዩ ልኡላውነት ህዝቢ እዩ። እዚ ከኣ ውሕሉል፡ ንቑሕን ፍትሓውን ዝኾነ ሕብረተሰብ ብምህናጽ ብመስርሕ ዝብጻሕ እምበር ብቅጽበት ተላዒሉ ዝፍጸም ኣይኮነን። ምኽንያቱ  ኩርኳሓትን ዓቐበቁልቁለትን ስለ ዘለዎ።

ኣብ ግዜ በረታዊ ቃልስና ዝነበረ ህዝብን ሰራዊትን ሓደ ኢድ ኮይኑ ናብቲ ዝድለ ዝነበረ ቀንዲ ፍታሕ ብሓባር ከይሰልከየ ኣንጻር ጎባጢ ስርዓት ተረባሪቡ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምውጽኣ እውን ከይተረፈ እቲ ንዓመታት ከርተት ዝበለ ሰራዊት ነታ ሃገር ክሕሉ እዚ ዘይበሃል ስቓይን መከራን ተጻዊሩ ኣብ ጥራሕ ከብዱ መሰላት ተሓሪምዎ ኣብ ጐዳጉዲ ሰፊሩ ይርከብ። ናይቲ ስርዓት ሰበስልጣንን ሓለፍትን ግና በዚ “ሚኒስተር ሕጊ ንትምህርቲ ብዝምልከት ዘውጽኦ ኣካይዳ ዘይተኸተላ ናይ ኮቶሊክን እስልምናን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዝተዓጽዋ ተፈሊጡ ኣሎ”ዝብል ብስም ሃገራዊ ድሕነትናይ ፈስ-ቡክ መጸዊዒ ኣብ ዕለት 10-11-2017 ኣብ መስከረም ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ኣሽካዕላል ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ከኣ ከምዚ ይብል።

“ሰራዊት ኤርትራ ደሞዝ ከይተጀመረሉ እንከሎ ንሓያሎ ዓመታት ስኑ ነኺሱ ዝኸደ ናይ ስድራ ቤትን ደቅን ሽግር ስለዘይብሉዶ ይመስለኩም? ንሕና ንዕረፍቲ ክንመጽእ እንከለና ብዙሓት ኣባላትና ደሓን እዚአ ንሰበይተይ ተማለኣላይ ብምባል ዝልእኹና ዝነበሩ ውሕዳት ኣይኮነን ኔሮም። ከምኡ ዝገብሩ ከኣ ባባ እዚኣ ግዝኣለይ ካብ ዝብሉ ቆልዑት ንምድሓን እዩ ኔሩ፡” ዓጀብ! እስኪ ኣስተውዕል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ እቶም ንስኻ ነተን ቁሩብቁራቦ ንሰበይተይ ሃበለይ ኢልካ እትልእኮም ተመሊሶም ከኣ ባባ እዚኣ ግዝኣለይ ተባሂልካ ብደቅኻ ከይትሕተት ኣብ ጎዳጉዲ ተዳጒንካ ከም ዘለኻ ንዕረፍቲ ዝኸዱ ሰባት ዝገልጹ መንእዮም። እዚ እቲ ስርዓት ንኣኻ ንምስዳዕ ዘዋፍሮም ወይጦታት ከም ዘለዉ እዩ ዝሕብር።

እቶም ከም ድላዮም ኣመሳሚሶም ንዕረፍቲ ዝኸዱ ተረባሕቲ ወይ ከኣ ሓለፋታት ዝወሃቦም ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ስቅያትካ ግን ሎሚ ምስ ህዝብኻ ኰንካ ነዚ ጅሆ ሒዙካ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ንራህዋኻን ንሰላምካን ዝሓስብ ከምዘይኮነ ልዕሊ ማንም ንስኻ ትርድኦ ኢኻ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ህዝቢ ክፈልየካን፥ ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ከይትብልን ዝምህዞ ፍሕሶታት፡ ሽጣራታትን ሽርሒታትን ደጊም ክትከታተሎ ኣሎካ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ በትሪ ስልጣኑ እናተሸምቀቐ ክኸይድ እምበር ክድልድል ኣይክእልን እዩ። በትሪ-ስልጣኑ ከደልድል እንተኾይኑ ከኣ ንኣኻ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው ንኸይትብል ምስ ዝጥብረካ ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ሓደ ኢድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እታ ምልኪ ትበሃል እትመሓወሉ መሰራታዊ ነጥቢ እዩ። እቲ ምንታይሲ ውጹዓት ክሓብሩ እንከለዉ ወጻዒ ዝውግዱሉን  ተመሊሶም ከይውጽዑ ዘኸትሙ ብምዃኖም።

ዝኾነይኹን ጨቋኒ ስርዓት እታ እንኮ ተስግኦ ነጥቢ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ክሓብርን ሓቢሩ ድማ እምቢ ንምልኪ ከይብልን እዩ። እወ! ህዝቢ ምስ ሰራዊት ከበሃል እንከሎ፥ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ነንሓድሕዱ ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ንፍትሒ፡ ሰላም፡ ብልጽግናን ቅሳነትን ዘራጉድ እምበር ንምልኪ ዘጣጥሕ ኣይከውንን። ብተወሳኺ እቲ ተጨቊኑ ዘሎ ህዝቢ ንሰራዊት ፈሪሑ ነቲ ምልኪ ንኸይግዛእን ንፍርሒ ክቕንጥጥን ይሕግዝ። ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ ተመሊሱ ቁማር ከይበሃል ካብቲ ዝሓለፈ ተመኲሩ ወጽዓ ንሓዋሩ ዝመሓወሉ መንገዲ ክሕዝ ውሕስነት ይረክብ።

ስለዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቶም ምእንቲ ረብሓኦም ምስቲ ስርዓት ዝወገኑ ሓይልታት ከየታልሉኻን ከይትግራህን ሓደራ። እቲ ብሕጂ እውን ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ንሓድነት ህዝቢ ዘይተጓደአን ዘይተፈታተነን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ኰንካን ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግናን ሰናይ ምሕደራን ነዛ ሃገርን ህዝብን ንኣኻን ክትብል መሰል ንዝሓትት ህዝቢ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ኣይትኹለፎፎ። ብፍላይ ከኣ በቲ እቲ ስርዓት ውህደት ሰራዊት ምስ ህዝቢ ክዘርግ ዝውንጭፎ መናፍሓት ከይሰዳዕካ በኣንጻሩ መላእ ህዝቢ ሃይማኖቱ፥ ኣውራጃኡ፥ ቀቢላኡ፥ ኮነ ሕብሪ ቈርበቱ ብዘየገድስ ሓድነቱ ከደልድል ከም ዘለዎ ገርካ ክትሕልዎ ደጊምና መጸዋዕታና ነቕርበልካ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብስንክቶም ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ውሑዳት ተረባሕቲ ኣገልጋሊ እቲ ጨቋኒ ስርዓት እኳ እንተተበሃልካ ነዚ ክኢልካ ንህዝብኻ እምበር ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ከምዘይተገልግል ብግብሪ ክተርኢ ንላበወካ።

 

Last modified on Monday, 13 November 2017 12:22