Print this page

ግዜ ኣኺሉ ህዝቢ ክለዓል ኢሉ

2017-10-16 15:07:45 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3219 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ እነሆ ን26 ዓመት ብሓደ ሰብን ውሑዳት መጋበራይታቱን ድከቱ ሰትዩ ገና እውን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተገፊፉ ይሳቐ ኣሎ። ዝወለዶም ደቁ ብግቡእ ከየዕብዮም ፍቕሪ ወላዲ ስኢኖም ይዋረዱን ይሳቐዩን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ወጽዓን ልዕሊ ኩልና ስለ ዝፈልጦ ይወግሕዶኾን ይኸውን እናበለ እዩ ዝጽመም ዘሎ።

ህዝቢ ብፍላይ ድኻን ትምህርቲ ዝውሕዶን እንተኾይኑ፥ ነቲ ወጽዓ ንግዚኡ ናተይ ኢሉ ክስከሞ ግድን እዩ። ነዚ  ክስከም እንከሎ ካብቲ ካብ ኣብራኹ ዝወጸ ሰራዊት ናይታ ሃገር ናይ ፍታሕ ተስፋ ይጽበ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ባዕዳዊ ኣይኮነን፥ እቲ ሰራዊት ንወለዱን ደቂ ሃገሩን ክውጽዕ ወይ ክጭቁን ኢሉ ስለ ዘይዕሰብ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራዊት ኣብ ኢዱ ብረት እንከለዎ ሱቕ እንተበለ፡ እቲ ጥራሕ ኢዱ ዘሎ ህዝቢ ናይ ግድን እዩ ንግዚኡ ክጽመም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ህዝቢ ክውጻዕ እንከሎ ኣብ ጐኒ ህዝቡ እዩ ደው ዝብል።  ኣብ 1975 ሰራዊት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ  ህዝቢ ከበሳብሱ ምስ ጀመሩ ኮማንድስ ዘርኣይዎ ምክልኻል  ክም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ትምህርቲ፥ ሕክምና፥ ጽርግያ፥ ዝብላዕ ዝስተ፥ መብራህቲ፥ ተሓሪሙ፥ ሰሪሑ ከይበልዕ ስራሕ ኣልቦነት ወሪርዎ….ወዘተ ኢልና እንተ ቖዘምና ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ባዕሉ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ስለ ዝኾነ ተመሊስና ንሕና ክንሕብሮ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር ነቲ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝግፈፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ንለውጢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይልታት ድው ንኽብል ዝዕድም፡ ዘለዓዕልን ንትርግታ ልቡ ዝምስጥን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ ኣገባብ ክንክተል ኣሎና። እቲ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ንኣምን ካብ ሃሎና፥ እቲ ኣገባብና ከኣ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣገባብ  ሓይልታት ምክልኻል  ኣብ ጎዳጒዲ ዝነብር ዘሎ ኣካል ህዝቢ ብምዃኑ፥ ንሱ እውን ውጹዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻኡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስኻ ዋሕስ ህዝቢ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ክበጽሖ ይግባእ።

“ዓመጽ ንዓመጽ ትወልዳ” ከም ዝበሃል፡ ደምበ ተቓውሞ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጐነጽ ክድምስሶ እየ  ዝብል ኣምር ቀዳማይ ምርጫኡ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብጐነጽ እንተመጺእካ ንሱ እውን ብጐነጽ እዩ ክቕበለካ። ኣብዚ እቲ ዝገደደ ህልቂት ዘስዕብን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከኣ በቲ ዝደልዮ ስትራተጂ ትመጾ ስለ ዘሎኻ ህዝቢ እንተበረሰ ኣይግድሶን እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ዘድሓንካ፥ ሎሚ እውን ከም ናይ ትማሊ ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መላኽን ጨቋንን ስርዓት ክተናግፎ ታሪኻዊ ግቡእካ እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓላው ሃገር፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ክትብል እዩ እቲ ማሕላኻ። እቲ ወጽዓ ናይ ህዝብን ሰራዊትን ብምዃኑ ድማ ንስኻ ምስ ዝርህወካ ህዝቢ ከም ዝርህዎ፥ ህዝቢ ምስ ዝርህዎ ከኣ ንስኻ’ውን ሰላምን ቅሳነትን ከም ትረክብ ርዱእ እዩ። እዚ ምስ ኮነ ከኣ እዩ እቲ ናይ ክልቴኹም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕሎ፥ ሽዑ ከኣ እዩ ካብ ጐዳጒዲ ወጺእካ ናብራ ዓለም ክተስተማቕር ዕድል ዝህልወካ።

ስለዚ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንኣራዊታውን ኣረመናውን ስርዓት ባሕጒጉ ዋሕስ  ቅዋማዊት ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎካ። እዞም ኣብ ልዕለኻ ኮይኖም ደቚሶም ጅሆ ሒዞሙኻ ዘለዉ ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ኣንጻሮም ንኸይትብገስን ፍትሒ ንኸይትሓቶምን ብምስጋእ እዮም። ስለዚ ነዚ እኩይ ሰንሰለት ውጽዓ ምስ ህዝብኻ ኰንካ በታቲኽካ ንስኻን ህዝብን ናጻ እትወጹሉን ፍትሒ እትረኽቡሉን ብዓቢኡ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝትከለላ መድረኽ ክትፈጥር ሓላፍነትካ እዩ። እዚ ምስ እትገብር ከኣ መብጽዓን ሕድርን ናይቶም ቅድመኻ ምእንቲ እዛ ሃገርን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ኣውሒስካ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ገበናት በኣኻ ኣቢሉ ንኽፍጽሞ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ምፍሕፋሓትን ጽልእን ንኽፍጠር ለይቲ ምስ መዓልቲ ስለ ዝጽዕር ክትነቕሓሉ ይግባእ።  እዚ ከኣ ጽባሕ ንግሆ ንስኻ ተሓታቲ ንኽትከውን ምእንቲ ኢሉ ዝምህዞ ሸርሒ እዩ።  ካብዚ ብምንቃል እቲ ምልኪ ብኣኻ ኣቢሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ወይ ገበናት ተሓታቲ ንሱ እቲ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ናይ ምግባር ሓላፍነትካ እዩ።

ብሓጺሩ ነዚ የዋህ ህዝብን ለጋስ መሬትን ካብ ምልኪ ኣናገፍካዮም ወይ ኣጥፋእካዮም ኣብ ኢድካ ዘሎ እዩ። ሎሚ ግዝኡ ኣኺሉ ህዝቢ ኣብ ዝነቕለሉ እዋን ክትድግፎን ኣብ ጎኑ ደው ክትብል እምበር፡ ክትኮልፎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስልጣን ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። “ብትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ከኣ ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል  ማንም በዓል ጸሩራ መጺኡ ከም ድላዩ ክህድደካን ከሳቕየካን፥ ብገዛእ ህዝብኻ ክተሳቒ ክእዝዘካ፡ ድሕሪ ደጊም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ካብዚ ዘሎኻዮ መከራን ኣደራዕን ዝገደደ እዩ ክመጸካ። ስለዚ ንስኻ ዋሕስ ናይዛ ሃገርን ናይዚ ህዝብን ምዃንካ፥ ተገንዚብካ ሓላፍነት ክትስከም ኩሉ ዝጽበዮ ክስመዓካን እዋኑ እዩ’

 

Last modified on Monday, 16 October 2017 17:09