Print this page

ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት

2017-10-12 12:21:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2302 times
Rate this item
(1 Vote)

ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ይኹና ናእሽቱ፥ ብዝሒ ህዝበን ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ። እዘን ሃገራት እዚአን ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምተአን፡ ገሊኤን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን፥ ገለኤን ከኣ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝዳወባ እየን። ኣፍደገ ባሕሪ ይሃልወን ኣይሃልወን ከኣ ምስ ጐረባብተን ተሰማሚዔን ብሰላም ይነብራ።

ልክዕ እዩ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላወን ብዙሕ ዝጐድለን ነገራት ክህለወን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ካብ ባሕሪ ዝርከብ መግቢ፡ ማዕድናትን ካልእ ሃብቲ ተፈጥሮን ናይ ምርካብ ዕድል የብለንን። ብዘይካ እዚ እውን ንብረት ካብ ደገ ምምጻእ ይኹን ዘፈረየኦ ሃብቲ ናብ ወጻኢ ሃገረን ክልእካሉ ዘኽእለን መተሓላለፊ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘይህልወን ዝለዓለ ዋጋ ኣብ ምኽፋል ዝህሰያ ምዃነን ርዱእ እዩ። ኣብ ዓለምና ናይዚ ግዳይ ዝኾና ሃገራት እምበኣር 44 ይኾና እየን ኢልና ኣለና።

እዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፥ ክልተ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፥ ዓስርተ ኣርባዕተ ኣብ ኤውሮጳ፥ ዓሰርተ ሽድስተ ኣብ ኣፍሪቃ፥ ዓስርተ ክልተ ከኣ ኣብ እስያ ይርከባ። እዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምስተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ዘለወን ርክብ ልሕሉሕ እንተኾይኑ ጸገም ከም ዝፈጥረለን ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር ሓንቲ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ የብለይን ኢላ ንካልእ ኣፍደገ ኣሕሪ ዘለዋ ሃገር ኣገዲዳ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ዘለዋ ዕድል ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ኣፍደገ ባሕሪ ምህላውን ዘይምህላውን በይኑ ናይ ሓንቲ ሃገር ዕቤት ዘይውስን ምዃኑ እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ስፍሓትን ብዝሒ ህዝብን ናይ ሓንቲ ሃገር ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ምስታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ብዘይስምምዕ  ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ብዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብኽምኡ ዝዕየር እንተኾይኑ ነጻነት ናይታ ኣፍደገ ባሕሪ ዝለዋ ሃገር ይግፈፍ ኣሎ ማለት ስለ ዘስምዕ። እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ተጠቃምነት ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ጥዑይ ዝምድናን ሕድሕድ ምጥቕቓምን ዝመርኰስ ክኸውን ጥራሕ እዩ ዘለዎ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ሃገራት ክልቲኤን ነናተን ሃገራዊ ረብሓን ጠቕምን ስለ ዘለወን ክተኣማመና ይግበአን። ቁጠባውን ንግዳውን ዕቤተን ብሕኑን ክዓብን ክልቲኤን ጥራሕ ዘይኮነስ ንከባብአን እውን ዘርብሕ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ከምዚአን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝህሉ ዝምድና ድልዱልን ኣብ ሕጊ ዝተመስረተን ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይኹን ብቐጥታ፡ ንኣፍደገ ባሕሪ ካብ ሕጊ ወጻኢ ንምጥቃም ዝግበር ኩሉ ፈተነታት ስኒት ዝፈጥር ኣይኮነን። ንኣብነት እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር፡ ንሰላማን ርግኣትታን ዝፈታተን እንተኾይኑ፡  ድሕነታ ዝሕሉ ስጉምቲ ክትወስድ ምሉእ ነጻነትን መሰልን ኣለዋ። 

ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ እዩ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ነቲ  ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሕጊ ተሰማሚዑ ዝሓንጸጸ። እቲ ሕጊ ዝኾነት ትኹን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ብኣህጉራዊ ማያዊ ክሊ ክትጥቀም ሕጋዊ መሰል ኣለዋ። ይኹን እምበር እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ብመሬት ናይታ መተሓላለፊት ሃገር ክትጥቀም ፈቓድ ክትረክብ ይህልዋ። እዚ ከኣ  ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝግበአን እዩ። እንተዘይኮይኑ በስገዳድ ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ናብ ስኒት ዘብጽሕ ኣይኮነን።

ስለዚ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትውንን ሃገር ምስታ ኣፈደገ ባሕሪ ኣትውንን ካእባዊ ስምምዓትን ዘተታትን ክትገብር ግቡእ እዩ። እዚ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ሃገራት ብሰላም ዝሰርሓሉ ዘለዋ ንክልቲአን ዘርብሕ እዩ። ክልቲአን ንልኡላውነት ካልእ ሃገር ናይ ምኽባርን ምዕቃብን ግድነት ከኣ ኣለወን። ምኽንያቱ ናብቲ ኣህጉራዊ ማያዊ ክሊ ንኽትበጽሕ ምስታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ጥዑይ ፖለቲካዊ ዝምድና ክትፈጥር ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይረንን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብጥሪኡ ኣፍደገ ባሕሪ ይግበኣኒ እንተተበሃሂለንን ግና፡ እቲ ዝምድና ይሕርፍፍ እሞ ተሓባቢርካን ተጠቓቒምካን ናይ ምንባር ሰላማዊ ዕድል ይጸብብ።

 

Last modified on Thursday, 12 October 2017 14:23