Print this page

ዝበታትን ሓሳብ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣየሰጋግርን እዩ

2017-10-10 11:53:12 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2504 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ ኩሉ ዜጋ ምእንቲ  ዝፈትዋ ሃገሩ ሓቢሩን ተኸባቢሩን ተኸላኺሉላ እዩ። እዚ ሓቢሩ ምቅላሱ ከኣ እዩ ሃገራዊ ሓርበኝነት ፈጢሩ ሃገራዊ መንነቱን ታሪኹን ዘዕቈበ። እዚ ታሪኽ እዚ እዩ እምበኣር እምነ-ኩርናዕ ኮይኑ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብማዕረ ዝጠምረናን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ዓለም  ናእሽቱ ይኹን ፍርዝን ዝበሉ ቁርቁሳት ወይ ፍልልያት ኣይነበርዎን ማለት ኣይኮነን። እዚ ቁርቁሳትን ፍልልያትን  ብዝያዳ ጎሊሑ ዝተራእየ ናብ ርእሰማላዊ ኣገባብ ክኣቱ ምስ ጀመረ ገኒኑ።

ህዝቢ ኤርትራ፥ እምበኣር ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገላገል ዝገብሮ ዝነበረ ቃልሲ፥ ድሒሩ እውን ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ሰልፍታት መስሪቱ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ ስጡም ሃገራዊ መንነቱ ኣረጋጊጹ እዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ እቲ ብዘገምታዊ ዝፍጠር ዘነበረ ናይ ሓሳባት  ፍልልያትን ምፍሕፋሓትን ዘይተርፍ ብምንባሩ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ቁርቁሳት ክረአ ጀሚሩ። እዚ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ጎሊሁ ዝተራእየሉ ፍልልያት ከኣ ኣብ መንጎ ቀጽሪ ነጻነትን ምስ ኢትዮጵያ ኣንድነት ዝብሉን በቲ ሓደ ወገን፥ በቲ ካልእ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ እተን ናይ ቀጽሪ ናጽነት ዝነበራ እውን እንተኾነ ቁርቁሳት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ምምስራት ናይ ራቢጣ ኣልእስላምያ ነገዛእ ርእሱ ኣብቲ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝተፈጥረሉ ህሞት ብምንባሩ ነቲ ክርስትያናዊ ሸነኽ ብዝያዳ ናብ ናይ ኣንድነት ገጹ ከድህብን ክዛዙን ደራኺ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብተወሳኺ ነዚ ዝፈጠረ ከኣ እቲ ናይ ዕብለላ መንፈስ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ብምንባሩ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣብቲ ግዜ እቲ በቲ ሽዑ ዝነበረ እዋን ማለት እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ዝመስል  ንክኸውን ብእንግሊዝ ይኹን በታ ሽዑ ምስ ዓለም ርክብ ዝነበራ ኢትዮጵያ ከይተረፈት ብዝንዛሕ ዝነበረ በታታኒ ጐስጓሳት ዘንቀሎ ፍልልያት ፈጢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኣቦታትና እቲ ምእንቲ እታ ሃገር ከይትበታተን ወይ ከይትመቓቐል ኢሎም ምስ ኩሉ እቲ ፍልልያቶም፥ ነቲ ናይ ሓያላን ሃገራት ሸርሒታት መኪቶም፥ ነቲ ፈደረሽን ምቕባሎም ክሳብ ክንደይ ለባማት ከም ዝነበሩና ዝሕብር እዩ። ሳልኡ ከኣ እዩ ዋላ እዚ ፍልልያት እዚ እንተነበሮም ቅድም ፖለቲካዊ ድሒሩ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረ።

ልክዕ እዩ እዚ ፍልልያት እዚ ብግዲኡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክሕድሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ይኹን እውንታዊ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ እቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ፍልልያት ተደጒሉ ይኸይድ ስለ ዘነበረ ምስቲ ኣብ ሜዳ ዘጓንፍ ዝነበረ ገለገለ ጉድለታት ክሳብ ናብ ምፍንጫል በጺሑ። ሳዕቤናቱ ከኣ ክሳብ ሎሚ የሳቕየና ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ኣብቲ ቃልሲ ተዓዊቱ ዝወጸ ሓይሊ ነቲ ሕሉፍ ይኹን ክመጽእ ዝኽእል ግርጭታት ክፈትሓሉ ዝኽእል መስመር ከትሕዞ ስለ ዘይደለየ እነሆ ህዝብና ሓርነት ስኢኑ ይሳቐን ይበርስን ኣሎ። እዚ ስርዓት እዚ እውን እንተኾነ ንሓደነት ህዝቢ ብዙሕ ዘገድሶ ስለ ዘይኮነ፥ ጅሆ ሒዝዎ እምበር ናጽነትን ፍትሕን ሂቡ ህዝቢ ከቕስን ንረብሓኡ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ሓድነት ህዝብን ቅዋማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገርን እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ክዕወት ኣለዎ። እዚ ዝዕወት ከኣ ብጠማርን ኣካብን ሓሳብ እምበር በታኒ ሓሳባትን ግብርን ምኽታል መሊሱ ናብ ምልኪ ዝወስድ  ናይ ምልኪ ባህሪ እዩ። ኮታ ዘረሓሕቕ እምበር ዘቀራርብ ኣይክኸውንን እዩ። ምኽንያቱ ምስ ተረሓሓቕካ እንደገና ተቐራሪብካ ጸገማትካ ምፍታሕ ከቢድ እዩ። በታኒ ሓሳባት ነቲ ሃገራውን ሓባራውን ዕላማ ከም እትዝንግዕ ዝገብር እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ነቲ ቅኑዕን ስነፍልጠታውን ዝኾነ ጉዳያት ንጎኒ ገዲፍካ ኣብቲ ናይ ውልቃዊ ረብሓታት ክትዛዙን፥ ንኣሉታውን ድሑርን ስምዒታት ተወንዚፍካ ላዕልን ታሕትን ትብል። ነዚ ንምትግባር ድማ ጠርናፍን ኣካብን ብዘይኮነ ኣገባብት ውደባ ሃስውስው ኣብ ምባል ክተድህብ ትጅምር። ከምቲ ምስላ ኣበው ዝብሎ ከኣ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ማለት ንሓርነታዊ ቃልሲ ዘዕዉቱ ነገራት ገዲፍካ በታታኒ ሓሳባት እናኣምጻእካ ሓርነታዊ ዓወት ዝብል መዝሙር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እዚ ተሰሊፍናሉ ዘለና መድረኽ፥ መድረኽ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ኮነ፥ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተሳኒኻን፥ ተኸባቢርካን ሓሳብ ሕድሕድ ብምስማዕን ሓቢርካ ብምስራሕን ጥራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ደሓር ከኣ እቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንረብሓ ውልቀሰባት ዘይኮነስ፡ ፍትሕን ሰላምን ንናይ ኩሉ ዜጋ ምውሓስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንግርጭታት ይኹን ፍልልያት ተዓጊሱ ዝጻወር እምበር ብናይ ርኢቶ ፍልልያት ኣመኽንዩ ናብ ምፍሕፋሓት፥ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ ወይ’ውን ክሳብ ዓመጽ ገጹ ኣይብርኽን። ስለዚ ነቲ ንሓድሕድና ምድኻምን ፍልልያትን ልዕሊ እቲ እነካይዶ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኸዱ ካብ ምግባር ምቑጣብ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ግርጭታት ይኹን ፍልልያት፡ ኩሉ ግዜ ክህልዉ ስለ ዝኾኑ ብኣኦም ኣመኽኒና ወይ ኣሳቢብና ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ኣብ ክንዲ ነቕንዕ ኣብቲ ረግረግ ናይ ምልኪ ክንጥሕል ኣይግባእን። በቶም ዝነበሩ ይኹኑ ህልዋት ፍልልያት ተገዚእና ምስ እንጎዓዝ ናብ ጉጉይ ኣቕጣጫ ስለ ዘምርሓና፥ ጉጉይ ኣቕጣጫ ከኣ ጉጉይ ፍታሕ እዩ ዝፈጥረልና።

ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ ክጭፍልቖን ከሳቕዮን እንከሎ ንስልጣኑ ክብል እምበር ንልምዓት ወይ ብልጽግና ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። ደምበ ተቓውሞ ከኣ በኣንጻሩ ኣብ ክንዲን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጠልቦ ኣምራት ከም ኣሳታፍነት፥ ብዝተሰማማዕካሉ ምምእዛዝ፥ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣምራት ምድግጋፍ፥ በታታኒ ሓሳባት ክቕልቀል እንከሎ፥ ኣብ ክንዲን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንስልጣኑ ክብል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝቃለስ ኩሉ፥ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ኣለዎ ወይ ደጋፊ ዲሞክራሲ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስቶም ዕንወትና፥ ፍልልያትናን ግርጭታትናን ዘጋድዱ እናተጓዓዝና፥ ብኣኦም ክንቅጽል እንከሎና ካብ “ንምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ክሳብ ክንደየናይ ንበቕዖ?” ዘብል ሕቶ ከልዕል ናይ ግድን እዩ።

 

Last modified on Tuesday, 10 October 2017 13:57