Print this page

ኢኸጅል ኽጀሎ እሉ "ንዘይሓፍርሲ ሕፈሩሉ"

2017-10-02 21:03:35 Written by  ብኣስፍሃ ወልደሚካኤል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2644 times
Rate this item
(0 votes)

ዛሪቦም ካብ ዘዛርቡኻ የድሕን። ቅድመይ ዶ/ር ሃብተሚካኤል ድኣ ኢልዎ እንበር፡ ኣነ'ውን "ኣይበዝሔንዶ?" ክብል ኢለ'የ ነዚ ሓጺር ጽሑፍ ዘበገስኩዎ። ቅድሚ ገለ ሓዋርሕ፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማርያም፡ ሓድነት እናበለ ደጋጊሙ ምስ ጽሓፈ፡ እስከ ይፈተን ኢለ፡ ናይ ምርድዳእ መጸዋዕታ ብስሙ ናብ መራኸቢ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ከም ዝሰደድኩ ዝዝከር ኢዩ። ግንከ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ እቲ "ሓድነት" ዝብል ጥዑም ቃል ንሃልኪን ንስዉር ዕላማን ምንባሩ ንዓይ ይትረፍ ንመላእ ኣንባቢ ብሩህ ኰይኑ። እቲ ላዛ ዝሰኣነ ናይ  ቈይቊ ቃላት ግን ካብ ምሁር ባእታ እንብሎ ትጽበዮ ኣይነበረን። ሓቂ'ሓይሽ፡ ንዓይ ነቲ ገለ-ገለ ሰንኮፍ ሸነኻቱ ዝፈልጥ'ውን ሓዲሽ ኰይኑኒ።

ብቋንቋ ትግረ፡ "ኢኸጅል ኽጀሎ እሉ" ኢሎም ይምስሉ። ትርጉሙ ከኣ 'ንዘይሓፍርሲ ሕፈሩሉ' ኢዩ። ሓደ ክብሃል ዘይግባእ (ዘሕንኽ) ነገር እናገበረን እናበለን እንከሎ ዘይሓፍርሲ ሕፈሩሉ ኢዩ ነገሩ።   ሎሚ በቲ እናፈለጠ ሓቅታት ምጥምዛዙን፡ ተግባራቱን ዶ/ር ገብረ እንተዘይሓፈረ፡ ብቐዳምነት እቶም መቓልስቱ ዝጸናሕና ኣብ ቅድሚ ኣንባቢ ክንሓፍር ንግደድ ኣሎና። ለባም ዘየብል ኣካይድኡን ናይ ለባም ሰብ ዘይኮነ ምትእኽኻብን ከኣ ንዓና (ነቶም ምስኡ ዝጸናሕና) ሰጊሩ ነቲ ምሁር ኣካል ኤርትራ ዘሕንኽ ኢዩ ክብል እደፍር። ዶክቶር ኣይፋልካን፣ ነብስኻን ፈላጢኻን ኣኽብር!

ከም ኩሉ ሰብ፡ ሓው ገብረ ናቱ ርእይቶ/ዕግበት ክህልዎን ንርእይትኡ ከዐውት ክጽዕርን ምሉእ መሰሉ ኢዩ። ኣንባቢ ድሮ ተዓዚብዎ ከም ዘሎ ግን፡ (ነታ ትግብኦ ዶክቶርነቱ ሓንሳብ ብትግርኛ ሓንሳብ ብፊደል ላቲን እና'ውለብለባ)፡  ወናኒ ናይ " ፍጹም ሓቂ" ኰይኑ ኢዩ ዝቐርብ። ሓቂ ግን (ኣሜሪካዊ ሰነይተር ዝነበረ  Moynahan/ሞይንሃን'ውን ከም ዝበሎ) ብውልቀሰብ ኣይትውነንን ኢያ። ውልቀ ሰብ ንርእይትኡ ጥራሕ እዩ ክውንን ዝኽእል። ዶ/ር ገብረ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ መስፍን ሓጐስ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ልዕሊ መሪሕነት ሰዲህኤ ዝዘርግሖ ክስታት፡ ናቱ ምህዞን "ሓቅታት" ዝብሎን እናወሰኸ (ከም ፕረዚደንት ትራምፕን ብጾቱን)፡ ነቲ ብዘለዎ ሓይሊ  ኣንጻር ምልኪ ንዝቃለስ ሰልፊ ከጸልም ህርድግ ምባሉ ይርኤ ኣሎ። እቲ ብሃልን ናቱ ኣቀራርባን ግን የሕንኽ ኢዩ። ማእከላይ ባይቶ ብቅዋምን ሕግታትን ሰልፊ፡ ንመስፍን 'ልዕሊ ሕጊ ክትከውን ሰዲህኤ ኣይፈቕደልካን'ዩ!' ኢዩ ዝበሎ። 'ደረቕ ሓሶት ዳርጋ ሓቂ' ብዝብል እምነትን ወፍርን ናይ ዶ/ር ገብረ ገለ ንግዚኡ ዝደናገሩ ይርከቡዶ ይኾኑ ዳኣ ትብል እምበር፡ ሓቂ እንተጠምዘዝካያ'ውን ኣይትስበርን እያ።    

ኣብ መወዳእትኡ ንሰዲህኤ ዘቖመ ባእታታትን መትከላትን ትካላትን ቅድሚ ሰዲህኤ ምቛሙ ከይተረፈ ንነዊሕ ዓመታት ተጻብኦታት ዝገጠመን ዘፍሸለን ምዃኑ ዝዝንግዑ እንተልዮም ውሑዳት  ኢዮም። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ህላዌ ሰዲህኤ እውን፡ ክንደይ ዘይተባህለን ክንደይ ተጻብኦታት ዘይተሰግረን!!

ሰዲህኤ ብመትከላዊ ጽንዓትን ንቕሓትን ኣባላቱ ሕጂ'ውን ተሪር ጒዕዞኡ ክሳዕ ዓወት ክቕጽል'ዩ። ሰዲህኤ እምነት ኣብ ጽኑዕ መትከላት እንበር ውልቀ-ሰባት ኣይኮነን። ኲልና ሓለፍቲ ኢና፡ መትከላት ግን ድሕረና ዝቕጽል ኢዩ። ካብ ሰዲህኤ መስፍን ሓጐስ እንተ ጐደለ ሰዲህኤ ምዃኑ ዝብለል ኰይኑ ኣንተተሰሚዑካ፡ ናትካ ርእይቶ ኢዩ። ከም ናይ ውልቅኻ ሓቂ ክትወስዳ እንተደለኻ ከኣ ከምኡ ግበር። ንኻልኦት ደቂ ሃገር ከተጋጊ ህርድግ እንተ ኢልካ'ውን ከምዘይትዕወት እምነት ኣሎኒ። ኣንበብትኻ እውን "ዶቶረ እንታይ ይብል ኣሎ?" እናበሉ ከም ዝግረሙን ከምዝስሕቁን ኣይትስሓት።       

·   በል'ስከ ሓው ዶ/ር ገብረ፡ ሰጋእ ከይበልካ ንሰዲህኤን መሪሕነቱን "ነበር" ኢልካ ምስ ህዝቢ ከተላሊ ክትፍትን ሕፍር ኣይትብልን?

·     ቀንዲ ሰዲህኤ፡ እቲ ብፊተውራሪነት እትውክሎ ኣካልን ንስኻን እትውጅህዎ ንኡስ ጒጅለ ዞባና (ዞባ ሰሜን    ኣሜሪካ)፡ ኢዩ ኢልካ ክትእውጅ ኣይትሓንኽንዶ?

·  ንተቓላስይ ሰልፍን ምልክት ጽንዓት ንዝኾነ መሪሕነቱን ብኽድዓት "ሃገር" ክትከስስ ሰማዒኸ ትረክብዶ? ብኢትዮጵያ ዝዝወር መሪሕነት ሰዲህኤ ኢልካ ንሰብ ከተረድእስ እንቋዕ እኳ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብና ካብቲ ንስኻ እትግምቶ ንላዕሊ ዝኾነ።

·  ንሰዲህኤስ ሰጓጒ ኣባላቱ ክትብል? (እቶም ኣስማቶም ኣብ ቻርት ዘቐመጥካዮም ስድራ-ቤታት ከይተረፉ ይስሕቁልካ ከም ዘሎዉ ይርኣየኒ።)  

·   ምስቲ ኹሉ ንህዝቢ ክትሕብሮ ዝጸናሕካ 'መንፍዓትካ'፡ ብናይ ሕጂ ኣንጻር ሰዲህኤ ጐስጓስካ ንጸላኢ  ክንደይ ከም እተገልግሎ ፍጹም ኣይረኣየካንዶ? ወይስ ካን ካብ ናይ መስከረም.ነት  ዘይፍለ ርእይቶ ኢኻ ኣጥሪኻ?

ሓድነት ብእውሓስ-ኣግብእ ኣይመጽእን ኢዩ። ሰባት ንዝኣምኑሉ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ተሰማሚዖም ማሕበር ይምስርቱ፣ ንኣብነት ፖለቲካዊ ሰልፊ ንበሎ። ቀጺሎም ድማ ዝመሓደሩሉ ሕጊ ይሕንጽጹ፣ መሪሕነቶም ከኣ ይመርጹ። ካብዚ ተበጊሶም ብውሳኔታት መሪሕነቶም እናተማእዘዙ ጕዕዞ ቃልሶም ይቕጽሉ። ብናተይ ድሩት ኣፍልጦ ቅርጻ ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ድርጅት ከምዚዩ ዝመስል ክብል እኽእል። እዚ ጠፊኡካ ኢለ ኣይኮንኩን፡ ግን ኣንባቢ "ዶቶረ ኣይሓፍርን ድዩ"? ይብለካ'ሎ ማለተይ ኢዩ።

ንሓድነት ነጺግካ "ምእንቲ ሓድነት ኢየ ዝጽዕት ዘሎኹ" እንተበልካ ተዋቓዒ ኣበሃህላ ካብ ምዃን ክሓልፍ ኣይክእልን። ልዕልና ሕጊዶ ውሳኔ መሪሕነት ዝብል ሕቶ ይኹን መጐተ እውን ብክልተ እግሩ ድው ክብል ከምዘይክእል ጠቢባን ናይ ሕግን ስርዒትን ብዘየወላውል ኣቐሚጦምዎ ኢዮም። ተቓላሳይ ህዝብና'ውን ዝርድኦ ጒዳይ እዩ። ግን ከኣ ሓቅታት ንዝነጸገን፡ ስምዑኒ እንተዘይኰይኑ ንከይሰምዕ ዝወሰነን፡ ደጋጊምካ ሓቅታት ክትጠቕሰሉ ምፍታን ትርፉ ድኻም ጥራይ ኢዩ። በዚ መሰረት'ውን ቅድሚ ሕጂ ንእተገልጸልካ ሓቅታት ክደግም ኣይመርጽን።  

ኣብ ባይታ ተቓውሞና ከም እንርእዮ፡ ኲነታት ምስ ዘይሰማምዓካ፡ ወይ እንተደኸምካ... ወዘተ ነቲ ዝርኣየካ "ሓቂ" ተኸቲልካ ሓዲሽ መንገድኻ ትጸርግ። እንታይ ስም ሒዝካ ከም እትጐዓዝ እውን ኣይትሸገር -- ዘጸግም ኣይኮነን። ብዙሕ ኣብነታት ኣሎካ። ንሰዲህኤን ሕጋዊ መሪሕነቱን ንምዑታት ኣባላት ሰልፍን ግን ዘይስምና ኣይተሃበና። ሒዝካዮ ዘሎኻ ዘየሳኒ መንገድን ናይ ዘይለባማት ቋንቋን ከኣ ግደፎ ምበልኩኻ - ንዓኻ ሓሊፉ ንሰማዒኡ'ኳ የነውር እብለካ'ሎኹ።   

ስዉእ ሓርበኛ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣብ ጊዜ ቃልሲ፡ ሓደ ኣዋጅ ምፍንጫል ሒዙ ኣብ ጅዳ ኣኼባ ህዝቢ ጸዊዑ። ካብ ኣኼበኛታት ሓደ "ስለምንታይ ኢኹም ጸጸኒሕኩም ኣዋጃት ምፍንጫልኩም እተስምዑና?" ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ስዉእ ሳበ ከኣ "ምስ ተፈናጨልና'ውን ስለምንታይ ከይበሉ ዝቕበሉና ስለዝርከቡ፡ እቲ ምፍንጫል ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ መለሰሉ።

ሓውና መስፍን ሓጐስ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ከተማ ሮቸስተር (ሰሜን ኣሜሪካ) ኣብ እተገብረ ኣኼባ ናይ ውሑዳት ኣባላት ዞባና፡ "ተፈንጨሉ" ኢሉ ምስ መኸሮም ወላ ሓደ ካብኣቶም ዓገብ ዝበለ ኣይነበረን። እዚኣቶም ከኣ ተመሊሶም ንሓድነት ኢና ንሰርሕ እናበሉ ብካልኣይ መልሓሶም ክሕስዉ ሰሚዕናዮም። ዘሕዝን ኢዩ። እንሆ ከኣ ሎሚ ንሰልፍን ንመሪሕነቱን ከንውሩ ሓዲሽ መንገዲ ኣብ ምጽራግ ይርከቡ። ሓድነት ገዲፍካ ምፍንጫል ካብ ተደልየ ግን እንታይ ክንብል። ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ምፍንጫል ድማ ብኣኹም ኣይተጀመረን። ግን ከኣ ነቲ ምፍንጫልኩም ብለባም ኣገባብ እንተትተሓሓዝዎ ድሓን ኢዩ ምበልኩ።

ከይደለኹ ዘረባ ኣብዚሐ --- በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ከይበልኩዎ ዘይሕለፍ ነገር ኣሎኒ፡- ንሱ ኸኣ ካብ ውልቀ ኣባል ክሳዕ ላዕለዋይ መሪሕነታት ሰልፊ፡ በዚ ፈታኒ ጊዜ ሰጋእ ከይበሉ፡ ስርሖም እናቐጸሉ፡ ብክብ ዝበለ ሞራል ኣብ መትከሎምን ሰልፎምን ብጽንዓት ደው ምባሎም መጐስ ይብጽሓዮም። እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ተስፋ ዝህብ ናይ ሓርበኛነት ሕላገት ኢዩ። ውሑዳት'ውን ይኹኑ እንበር፡ እቶም ብኣባላት ሰልፊ እምነት ተነቢሩሎም ኣብ ናይ ሰልፊ ላዕለውይ ጽፍሕታት መሪሕነት ተመሪጾም ዝነበሩ እሞ፡ ከም ኣወጻጽኣ ጨጒሪ ካብ ብሒቊ ዝዓይነቱ ሰተት ኢሎም ዝተዓዘሩ፡ ሕጂ ክገልጾም ይጽግመኒ።  ኣብ ልዕሊ ጉብኤን ቅዋም ሰልፍን ዝፈጸምዎ ጌጋ (ጥልመትዶ ክብሎ) ካብቲ ናይ ተራ ኣባላት ውድቀት ዝተዓጻጸፈ ኢዩ። ሓው ዶቶረ ከኣ ነቲ ብቐንዱ ናይ ምፍንጣሕ ኣመለኛታት ዝፈሓስዎ ንቓልሲ ተቓውሞ ዘዳኽም ወስታ ብፊተውራሪነት ተቐቢልካ፡ ንሰዲህኤን መሪሕነቱን ከተጸልም ጊዜኻ ብከንቱ ከተሕልፍ ኣይተጸበናካን። እንታይ'ሞ 'ንዘይሓፍርሲ ሕፈሩሉ'፡ ኢዩ ነገሩ።  

 

Last modified on Tuesday, 03 October 2017 10:19