Print this page

ዶር ገብረ ገብረማርያም፣ ካብ ዝባን ሕጊውን ስለ ሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!

2017-09-29 18:36:27 Written by  መድሃኔ ሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2183 times
Rate this item
(0 votes)

ምሁር ኣካል ከድሕንን ከልምዕን ኪኢላዊ ዓቅሚ ከምዘለዎ ህዝብና «በቲ ዘይተማህረ ኣየድሕን ዘይተወቅረ ኣየጥሕን» ዝብል ምስላ ገይሩ ገሊጽዎ ጸኒሑ። ብዝዓበየ ሚዛን እውን ግብራውነት ዘሰነዮ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ህዝብና ኩሉ ዝተማህረ ለባም እዩ፣ ቅንዕና ዝመሰረቱ ዓቅምን ብቅዓትን ኣለዎ፣ ዝብል እምነት ኣለዎ ማለት ግን ኣየሰምዕን። በንጻሩ ኣብ መንጎ ብዙሓት ምሁራት’ውን ገለ ዓቅምን ብቅዓትን ዝጎደሎም፣ ገለን ድማ ልቦናን ቅንዕናን ዝጎደሎም ኣካላት ክህልዎ ከምዝኽእሉ ዝሰሓተ ህዝቢ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እታ «ካብ ምህሮውን ኣእምሮ እትብል»፣ ካብ ምሁርውን ለባም ይሓይሽ እተስምዕ ምስላ ኣይምሃለወትን ነይራ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ምሁርን ለባምን ቅንዕና ምስ ዝጎድሎ እሞ ንዕንወት ምስ ዝዕጠቅ በሰላ ክገድፍ ከምዝኽእል ንምእማትውን «ንለባም ዝተኸሎ መን እሞ ክነቅሎ» እትብል ምስላ ኣበው እውን ኣላ።

ህዝብና ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ኣፍደገ ፍጹም ዕንወትን ምብትታን ኣብዝርከበሉ ህሞት፣ እሞ ግደን ኣበርክቶን ሙሁራትና ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን፣ ንምውህሃድን ምጥርናፍን ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ንተጣባቅነትን ተሓላቅነትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደት ጉዕዞን ሃገራትን ግዳይ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት ደቆምን ኣሕዋቶምን ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን፣ ተባሂሉ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ «ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ» ዝበሃል፣ ህዝብና ሎሚ ኣብ ግዜ ፍጹም ዕንወት ሃገር ዘስቀጠ ምሁርሲ፣ ንመንን መዓስን ደኣ እዩ ክኸውን ብምባል፣ ካብ ምሁር ኣካል ተስፋ ናይ ምቁራጽ ብዘስምዕ ቃና፣ ድሕነትናስ ኣብ ትሕቲ ልዑል ፈጣሪና ተረኽበ ተሳእነ ካብዞም መንእሰያት ደቅናን ካብዞም ገዳይም ተጋደልትናን ክብል እውን ይስማዕ ኣሎ።

ኤርትራዊ ምሁር ንድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ኣብ ዝምልከት ካብኡ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣበርክቶ ኣይገበረን፣ ኣብ ውልቀ ረብሓኡን መኽሰቡን ጥራይ ኣተኲሩ፣ ንጉዳይ ህዝብን ሃገሩን ግን ከም ጉዳይ እንዳማቱ ገይሩ ወሲዱዎ ዝብል ምግለጺ ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ዝያዳ ዘሕዝንን ዝገደደን፣ ሕጅውን ናይ ምፍንጫልን ነጋሪት ብምሁራት ኣካላት ክድሰቅ ከሎ እዩ። ፓልቶካዊ መደረታትን፣ ገለ ቃለ መሕተትን ናይ ዶር ገብረ ገብረማርያም ብቢእዋኑ ኣብ ዝከታተለሉ ዝነበርኩ እዋናት፣ እምበርዶ ዶር ገብረ ናይ ብሓቂ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራዩ፣ እምበርዶኸ ከም ኣባል ሰልፊ ደምክራሲ ህዝቢ ኮይኑ ንኽቅጽል መደብ ኣለዎዩ፣ ዝብል ሓሳባትን ካልእ ሕቶታትን ብዘይ መደብ እንዳ ተቀላቀሉ ከሸግሩኒ ጸኒሑም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅድሚ 2ተ መዓልታት ኣብቲሕቲ ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰደህኤ ዝብል ኣርእስቲ ብዶር ገብረ ገብረማሪያም ተደሪሱ ኣብ meskerem.net         ተሰቂሉ ንዘሎ ጽሑፍን ትሕዝቶኡን ምስ ኣንበብኩ ግን ለካስ! ክብል ተገዲደ።

ክብሩ ዶር ገብረ፣

ሓደ ክፋል ብመሰረት ኣገላልጻኽእ ትሕዝቶ ጽሑፍካ ብጽሙቅ መንገዲ፣ እዚ ውጺእት 2ይ ጉባኤ ዝኾነ መሪሕነት ሰልፊ ልቦና ዝተሓረሞ፣ ውዕል ሓድነት ዝጠለመን ዘፍረሰን ኮይኑ፣ እዚ መሪሕነትዚ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ውሑዳት ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ «ሰህኤ EPP» ዝነበሩ ሒዙ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ ከምዘሎ እዩ።

ካልኣይ ሸነኽ ትሕዝቶ ጽሕፍካ ድማ፣ ንስኻ ዝለኻዮ ጉጀለ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ «ሰደህ EDP» ዝነበሩን ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነበሩ ሕዝሓቆፈ፣ ዝዓበየ ክፍላል ኮይኑ ጋና ከም ሰልፊ ደሞራሲ ዝህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ይቅጽል ከም ዘሎ፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነነውሕ ግዜ ነዚ ብሕጽረት ልቦናን፣ ብጥሕሰትን ጥልመትን ሕድነታዊ ስምምዕን፣ ጸረሓድነት ዝኾነ ኣመራርሓኡን ከትገልጹ ዝፈተንካ መሪሕነት፣ ክትዕርዮ ብዝከኣለካ ክትጽዕር ከምዝጸናሕካ፣ ሕጂ ግን እቲ መሪሕነት ባዕሉ ምፍንጫል ስለዝኣወጀ፣ ከምቲ ኣደ ሓጺር ንውሒ ውላዳ፣ ድሕሪ ጭሕሚ እትቀብጽ፣ ንስኻውን ከምዝቀበጽካ ዝሕብር እዩ።

ዓበይትን ለባማትን ዘይስሙዕ ምስ ዝሰምዑ እሞ እቲ ዝሰምዕዎ ነገር መሰረት ዘይብሉን፣ ኣንፈቱ ግናይ ምስዝኸውንን፣ ነዚ ካብ ምስማዕሲ ብኻ በዂርና ዝመልእኽቱ፣ «እዝንስ ካብ ዘላቶውን ዝያዳ እንተ ትሓጽር» ኢሎም ይምስሉ። ነዚታት ካብ ነንብብሲ ምዕባለ ተክነሎጅን እንተርነትን ብኻ ተሪፉና ከይንብል፣ ንሱ ዝህበና ረብሓታትውን ቀሊል ኣይኮነን፣ ሓንትስ ነዝታት ከምዜናን ኣገዳሲ ሓበረታን ገረን ንህዝቢ ዝቅርባ ወብሳይዳትን መርበብ ሓበረታትን ምስ ዕላመአንን ስራሐንን ዝሳነ ስነ ምግባር ethicks እንተዝኽተላ፣ ንዓተን ክንደይ ሚዛንን ክብረትን፣ ንህዝቢ ድማ ክንደይ ረብሓ ነይሩ ኢለ ክሓልፎ እመርጽ።

ሓቅነት ኣልቦነት ናይ ዶር ገብረ ጽሑፍ ካብታ ናይ «ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጆም»ኣትብል ሓረግ ይብገስ። ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ክርክር ጉዳይ/ኩነታት/ ኣቲኻ ነቲ ከም ሳልሳይ ኣካል ኮይኑ ዝሰምዓካ እሞ ኣብ መወዳእታ ብዝበልካዮ ከኣምን እትጽበየ ኣካል፣ ናይቲ ኣገዳሲ ኣከራኻሪ ጉዳያት እትብሎ ጭቡጥ መርትዖ ክተቅርበሉ ኣሎካ። ካብ ትርጉምን ዝውቱር ኣጠቃቅማን ናይቲ ኣዋጅ ዝብል ቃል ክብገስ፣ ኣዋጅ ክበሃል ከሎ ሓደ ዕላዊ ትካል (institute) መንግስቲ፣ሰልፊ፣ ውድብ፣ ዓዲ፣ ብሔር፣ ወዘተ ብዕላዊ ዝኾነ ኣገባብን ልሳንን ንውሳኔኡ ንህዝቢ ከመሓላልፍ ወይ ከፍልጥ ከሎ እዩ። ኣብ ርሑ ከይከድና ሰደህኤ ንምስረታኡ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ብኣዋጅ ኣፍሊጡ፣ ድሕሩውን ምእዋጅን ምግላጽን ዝድልዮም ተረኽቦታት ከጋጥሙ ከለዎ፣ ሰደህኤ ንመርገጺኡን ውሳኔታቱን ብዕልን ብዕላዊ መስኖታትን ገይሩ ንህዝቢ ክሕብርን ከፍልጥን ጸኒሑ። ንብድሕሪ ሕጅውን ነዚ መስሪሕዚ እዩ ክኽተል። ስለዚ ዶር ገብረ እንተደኣ ከምቲ ዝበልካዮ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መስ ገለ ውሑዳት ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ነበር ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ ኣንተሃልዩ፣ ሃየ ብመሰረት ናይቲ ትሕዝቶን ትርጉምን ኣዋጅ ምእዋጅ ዝብል ሓረግ፣ ንህቢ ኤርትራ እቲ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ኣበይ ኣሎ፣ በይናይ ኣገባብ ተኣዊጁ ከምዘሎ ብጭብጥን መርትዖን ኣረድኣዮ። እንተዘይኮይኑ ስልትኻ ስልቲ ኣህባይ ኮይኑ ከይቃላዕ እሞ እቲ ህዝቢ ጽባሕ ከይኸሰካ። ኣብ ስልቲ ኣህባይ፣ ኣህባይሲ ይበሃል ሰባት ናብኦም ገጾም ክመጹ ምስ ረኣዩስ፣ ጎናያት ከይብሉና ንሕና ቀዲምና ጎናያት ኢልና ንወጭጮም፣ ተበሃሂሎም ተማኺሮምስ እቶም ሰባት ናብኣቶም እንዳቀረቡ ምስ መጹ እቶም ኣህባይ ነቶም ሰባት ጎናያት፣ ጎናያት፣ ጎናያት፣ ብምባል ኣፎም ኣትሒዞሞም ይበሃል። ስለዚ እቲ እትኽተሎ ዘሎኻ ብልሒ ተፈንጪሉ ካብዝበሃልሲ ኣቀዲመ ምፍንጫል ኣዊጆም ኢለ ከደናግር ከይከውን። ከምቲ ዝበልካዮ ግን ንኹሉ ንጽባሕ ንግደፎ።

ቃልሳዊ ለበዋይ ግን መን ተፈንጪሉ መንከ ንምፍንጭእል ሰበብ ኮይኑ ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ተፈናጨልቲ ወገናት ዝኸስብዎ ክንዲ ፍረ ኣድርውን ትኹን መኽሰብ የብሉን። በንጻሩ እኳ ደኣ ውጺኢቱ ካብ ተቃለስቲ ንመላኺ ስርዓት ዝያዳ ሓይሊ ይድርዕኖ፣ ንተቃለስቲ ወገናት የዳኽም፣ ንህቢ ኣብ ተስፋ ቁርጸት የምርሕ። ክቡር ዶር ገብረ ነዚ ኩሉ ትስሕቶ ኣይብልን፣ ስለዚ ከምቲ ኣብ ዓውደ ትምህሪቲ ዕዉት ኰንካ ዝተረኸብካ፣ ኣብ ዓውደ ሓርነታዊ ቃልስውን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዝሃበን፣ ብምእዙዝነት ሕጊ ዝለለን ቃልሲ ብምክያድ ዕዉት ኰንካ ንኽትርከብ እንዳተመነኹ፣  ካብ ስምዕታዊ ኣካይዳኻን፣ ዘለፋን፣ ጸርፍን፣ ምንእኣስን ዘለዎ ቃላትካን እንተትቁጠብ ዝያዳ ኩሉ ንዓኻ ክብረት እዩ ክብለካ ኣፈቱ።

ክሳብ ብካልኣይ ክፋል ትንተና ሕቅነት መጎተ ዶር ገብረ ዝመጽእ ደሓን ቀንዩ ኣንበብቲ፣

      

Last modified on Friday, 29 September 2017 20:45