Print this page

ኣይፋልካን ዶክተረ

2017-09-26 20:58:45 Written by  ሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2507 times
Rate this item
(0 votes)

ሻብዓይን መወዳእታን  ክፋል

ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓሳባት እናቐረበ ዝብድሃካ ኣካል ምርካብ ጸጋ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ጠቒሰዮ እየ። ንድሕሪት ዝጥምት ሓሳባት እናቐረበ ጐተት ዘብለካ ኣካል እተረኽብካ ግን መርገም እዩ። ብወገነይ እተፈላለየ ሓሳባት ሒዝካ ኣብ መድረኻት ሰልፊ ምክታዕን ንሰልፍና ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓሳባት ምቕራብን ደጋፊኡ እየ። ሰልፍና በብእዋኑ ነብሱ እናገምገመ ኣሐዳሲ መንገዲ ክወስድ ካብ ዘተባብዑ ኣካላት እየ። ፍሉይ ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓሳብ ምቕራብን፡ ንመላእ ኣባላት ሓሳባትካ ንኽቕበልዎ ብእሩም ኣገባብ ምቅላስን ትማሊ ደጋፊኡ እየ፡ ብድሕሪ ሕጂ ውን ክድግፎ እየ።ሰልፍና ኣሐዳሲ ተበግሶታት የድልዮ እዩ።

ንምሕዳስ ዝዕላምኡ ተበግሶ ክንወስድ ከለና ግን ትዂረትና ኣበይ ይኹን ኣገባብና ከምይ ይኹን ዝብል’ዩ እቲ ሽግር። ብወገነይ ጉድለታት ምእራይ ውሱን ክብሪ’የ ዝህቦ። ምኽንያቱ ጉድለታት ኣብ ምእራይ ብዙሕ ግዜኡ ዘጥፍእ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣወንታዊ ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓደስቲ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ ድኹም ኮይኑ’የ ዝረኽቦ። ኣብ መድረኽ ሰልፊ ዘቕረብክዎ ምስላ ከቕርበልኩም። ጐምኣ ንዝነፈሰ መኪና ጐምኣ ከምዝነፈሰ ብኣሽሓት ቃላት ንዝነግራና ኣካል ንስርሑ ዉሱን ክብሪ ክንህቦ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝነፈሰ ጐማ ከዓሪ ኣገባብ ተኸቲሉ ንዝሰርሕ ከኣ ዝያዳ ክብሪ ክንህቦ ንኽእል ኢና። ነቲ ጐማ ብኣገባብ ከተዓርዮ ፈቲኑ ምዕራዩ ምሰኣነ፡ ሓዲሽ ጐማ ብኣገባብ ክሰርሕ ንእተበገሰ ግን  ምሉእ ክብሪ ክንህቦ ንኽእል ኢና። ብዘይ ኣገባብ ንሕግን ስነሰርዓትን ምዕራይን ምሕዳስን ጐማ ጠሓሒሱ ክኸይድ ዝደሊ ግን ኣብ ዝኾነ ክበጽሕ ዕድል የብሉን። ንነብሱን ነታ መኪናን’ዩ ዝጐድእ።

ብወገነይ ሕጂ ውን ክንብል ኢሉ እምበር ኣይተደፍአን። እተፈላለየ ሓሳባት ሒዝና ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ሓቢርና ክንቃለስ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ከብልሓና እምበር ከጒድመና ኣይክእልን እዩ። እቲ ዘጒድመና ኣገባብ ተኸቲልና ዘይምቅላስ ጥራይ እዩ።

ብወገነይ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይነ ክቃለስ ከለኹ ኩሉ እቲ ዝደልዮ ይፍጸም ስለ ዘሎ ኣይኮነን። ብመትከል ግን እቲ ዓበይቲ ዕላማታት ሰዲህኤ ስለ ዝዓግበሉ ነቲ ዝተረፈ ብቓልሲ ከረጋግጾ ከምዝኽእል ኣሚነ’የ ዝቃለስ። እዚ ማለት ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰልፊ ብዙሓት ስለ ዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍና እቲ እንደልዮ ብምልኣት ክንረክቦ ኣይንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት’ዩ፡ ድልየት ብዙሓት ክንምእዞዞ ግዱዳት እንኸውን። ከምኡ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግን ኣብ ዝኾነ ሰልፊ ተጠርኒፍና ክንጓዝ ኣይንኽእልን ኢና።

ብወገነይ እቶም ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ዝበዝሑ ኣባላትና እተፈልየ ርእይቶ ኣጥርዮም ዘለው፡ ነቲ ዓበይቲ ዕላማታት ሰልፍና ኣይድግፍዎን’ዮም ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ፍልልይና ኣብ ኣገባብ ኣቀላልሳና’ዩ ዘሎ። እቲ ብወገነይ ዝመኽሮ ድማ ነቲ ዝበዝሐ ኣባል ኣኽቢርዎ ዝጓዓዝ ዘሎ መንገዲ፡ ክብሪ ሂብካ ምቅላስ ዋላዃ ንግዜኡ ክሳራ ኮይኑ ይሰምዓካ እንተኾነ፡ ንመጻኢ ዝርከቦ ዓቢ መኽሰብ ኣስተውዕልካ ብምርኣይ ምምራጹ ዝሓሸ’የ ዝብል።

ብወገነይ ምፍንጫል እንተዘይትመርጽዎ ምፈተኹ፡ ምኽንይቱ ምፍንጫል ንኹልና’ዩ ዝጐድእ። ብተወሳኺ ምስ ሓቅታት ብዕሙት ምግጫው ድማ ፍጹም ጠቕሚ የብሉን። ዶክተር ገብረ፡ ኣብ መወዳእታ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጽሕፍቲ፡ ነቶም ብዙሓት ኣውሒዱ ነቲ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ኤርትራን ኣብ ዓለምን ፍሉጥ ዘሎ ሰልፍናን መራሕቱን ትካላቱን ብፍላጥ ዘንጊዑ ምስ ዘየለ ሰዲህኤ ከላልየና’ዩ ፈቲኑ። ጽብሕ ነቲ ሕጋዊ መንገድታት ጠሓሒሱ ብዘይኣገባብ ንሕና ኢና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብለና፡ ንሕና ኢና መራሕቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብልና እተመጹ ንህዝቢ ኤርትራ ብስራት ዘይኮነ መርድእ’ዩ ክኸውን። እታ ዝቐረበት ቻርተር ከኣ ኣንቢበያ እየ። ዝኾነ ሓዲሽ ሓበሬታ የብላን። እቲ ሓዲሽ ክብሎ ዝኽእል ተፈንጭልካ ኣብ’ታ ቻርተር ሓዲሽ ሕንጻጽ ምፍንጫል ክትውስኽ ትደሊ ምህላውካ ምፍላጠይ ጥራይ እዩ። ንምፍንጫል ዘተባብዕ ዝንባለኻ ካብ ጽሕፋትካ ይግንዘቦ ስለ ዘለኹ፡ ኣይፋልካን ዶክተር፡ ቅኑዕ መንገዲ ምኸር ጥራይ’የ ክብለካ ዝደሊ።

ኣብ ትሕቲ ኣይፋልካን ዶክተር ዝብል ኣርእስቲ ከቕርቦ ዝጸንሓኩ ጽሑፋት ኣብ’ዚ ደው ከብሎ እየ። ይኹንእምበር ብእተፈላለየ ኣርእስታት ንህዝብና ብሓፈሻ ንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዲሞክራስያዊ ንቕሓቶም ክብ ኣብ ምባል ዝሕግዝ ትሕዝቶታት ከቕርብ ክፍትን እየ። ክሳብ ሽዑ ነቶም ተገዲስኩም ንጽሑፈይ ዘንበብኩምን ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ርእይቶ ዝሃብኩምን ሰላምታይን ምስጋናይን ይብጻሕኩም።

Last modified on Tuesday, 26 September 2017 23:03