Print this page

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰ ርቁምነገርን

2017-09-13 08:33:26 Written by  Festival 2017 Frankfurt Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2327 times
Rate this item
(0 votes)

5ይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ናይዚ ነቕርቦ ዘላን ጽሑፍ “......መሰማምዒ ውሳኔታት በቶም ዝበዝሐ ድምጺ ዘሎዎም እዮም ዝውሰኑ፥ ግን ከኣ እቶም ውሑዳት ኣብቲ መስርሕ ርእይቶ ኣለዎም። እቶም ናይ ዝበዝሐ ዘድመጹ ወይ ድምጺ ንምሃብ ስልጣን ዘለዎም እቲ እማመ ምስቲ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ።” ኣብ ዝብል ኢና ኣቋሪጽና ነርና። ሓሙሻይ ክፋሉ ከኣ እነሆ ከምዚ ዝስዕብ

መንግስቲ፥- መንግስቲ ሓንቲ ደውላ ወይ ማሕበረ ሰብ እትመሓደረሉ ኣገባብ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ነታ ድውላ ዝቆጻጸር ኣካል ናይ መሪሕነት እውን የመልክት እዩ። ብኽልቲኡ መንጽር ክረአ እንከሎ መንግስቲ ኣብ ትሕቲኡ ናይ ዘሎ ህዝቢ  ህይወት ብቕጥታ ይጸሉ’ዩ። መንግስቲ መሰላት ህዝቢ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ዝናበሩሉ ሕግን ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ መቕጻዕትን ይውስን። ስለዚ መንግስቲ ንኽምስረት ወይ ክጅመር ደውላ ወይ ከኣ ፖለቲካውን ጂኦግራፊካውን ክሊ የድልዮ’ዩ።

ዕላማ መንግስቲ

 መንግስቲ ቅድሚ ምምስራትና ስለምንታይ ማሕበረሰባት መንግስታት የድልዮም ክንርደኦ ይግባእ። ኣብ ታሪኽ  ኩሉም  ሕብረተሰባት  መንግስቲ ይህልዎም ማለት ከምዘይኮነ ምዝካር እውን ኣገዳሲ እዩ።  ብዙሓት ኣብ ዝተወሰነ ብዝሒ ክሳብ ዝበጽሑ ብዘይመንግስቲ ተኻይዶም እዮም። ድሕሪ ማሕበረሰባት ኣብ ዝዓበየ ደረጃ ምብጽሖም ግን ብዘይ ገለ ነገር ህዝብን ምንጭታት ሃብትንን ከይተስርዑ ሓድነቶም ኣዕቊቦምን ክቕጽሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ኣድላይነት መንግስቲ ዝመጽእ። እቲ መንግስቲ  ካብ ምእካብ ምንጪ ገንዘብን ሃብትን ጀሚሩ፥  ህዝቢ  ኣብ ዘድልየሉ  ሓደ ውሱን ቦታ መዲቡ፥  ስነስርዓትን ርግኣትን ንምውሓስ ሕግታት የጽድቕ። ሕጊ ብፍላይ ንመንግስታት ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ስነስርዓት ዝገልጽ ስለዝኾነ። ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ ህዝቢ ነቲ ኣጠቓላሊ ስነስርዓትን ሰላምን ከም ኣስጋኢ ተራእዩ ከኣ ይቕጻዕ።

 

መንግስታት  ንውደባ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥንቲ ዘመን ድሕነቱ ኣዕቊቦም እዮም። መንግስቲ ክህሉ መብዛሕትኡ ግዜ ህዝቢ ውልቃዊ ናጽነታት ኣሕሊፎም ክህቡ ኣለዎም። ኣብ ክንዲ ዝደለይዎ ዝገብሩ እቲ መንግስቲ እዩ ዝነግሮም እንታይ ክግበሩ ከመዘለዎም። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ታርኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ተቐቢሎም ይጎዕዙ ነይሮም። ምኽንያቱ መንግስቲ ይከላኸለሎም ወይ ይሕልዎም ስለዝነበረ። ብመልክዕ እኽሊ ቀረጽ ይእክብ። መንግስታት ጥንታዊት ግብጺ ዝያዳ መግቢ ይኽዝኑ ነይሮም። ኣጋጣሚ ስእነት ኣንተ ኣጋጢሙ ካብቲ ዝዓቖሮ እኽሊ ነቶም እኹል እቶት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ይዕደል።

ዓይነታት ናይ መንግስቲ

ዋላ እኳ መንግስታት ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስራሓት እንተካየዱ፥ ብዙሕ ዓይነታት መንግስቲ ክህልዉ ይኽእሉ።  ንመንግስት ዓይነት መሪሕነት፥ ዝምድና መራሕትን ህዝብን፥  ገደብ ስልጣንን  መስርሕ  ምሕራይ ወይ  ምቕያር መንግስትን ገለ  ንዓይነት መንግስቲ ካብ ዝገልጹ ኣገባባት  እዮም።

ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ዝያዳ ዝገልጽ መሰረታዊ ኣገባባት፡ ስልጣን ናይቲ መሪሕነቱ እዩ። ኣብ ንግስነታዊ ኣገባብ ከም  ንጉስ ወይ ኢምበራጦር ብሕታዊ ገዛኢ ንመንግስቲ ይቆጻጸር። ከም በሓቲ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ንበይኑ’ዩ ሕግታት ዘውጽእ። እዚ  ስርዓተ መንግስቲ ካብቲ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ድምጺ ዘለዎ  ዝፍለ እዩ።

ከም ኣብነት ቅዋማዊ ንግስነት ብሓደ መራሒ እዪ ዝመሓደር፡  ስልጣኖም  ግን በቲ ቅዋም ዝተደረተ ብምዃኑ ንህዝቢ ውሱን መሰላት ዝህብ እዩ።  ካልእ ኣብነት ናይ  ዝያዳ ማዕርነት  ዝብል መንግስቲ ረፑብልክ እዩ። ኣብዚ እቲ ህዝቢ  ንመንግስቲ ዘካይዱ ወከልቱ ይመረጽ። ንህዝቢ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ መንግስቲ መብዛሕትኡ ደሞክራስያዊ’ዩ። ማለት እቲ ህዝቢ  ርይቶታቱ  ንኽስማዕ ዝውሕስ ስልጣን ናይ ምድማጽ ኣለዎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ተወሳኺ ቅርጽታት  መንግስቲ፥  ካልእ መንገዲ ንመንግስታት  ዝፈሊ ካብ ምንጪ ስልጣን ዝመጽእ እዩ።  ኣሪስቶክራሲ   ብውሑዳት ፈላጣትን ብላዕለዋይ ደርቢ ዜጋታትን ጥራሕ ዝመርሕ መንግስቲ እዩ። መሪቶክራሲ  እቶም ኣዝዮም  ዝተመርጹ መራሕቲ ንክኾኑ፡ ማለት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዝተማህሩ ወይ ዝተመኰሩ ዝመሓደር መንግስቲ እዩ። ሲዮክራሲ ከኣ በቶም መራሕቲ፡ ኣባላት ጉጅለ ሃይማኖታት ዝመሓደር ኣዩ።  እዞም መልክዕ መንግስቲ ዝገልጹ ኣካላት ኩሎም ኣግለልቲ ኣይኮኑን።

ኣብቲ ሓዲሽ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ዝምስረትሉ ግዜ፡ ሃገሮም ብፖለቲካዊ፥ ቁጠባውን ማሕበራውን ንምህናጽ፥ ንዜጋታቶም ከኣ ዝግበኦም መሰላትን ናጽነታትን ንምሃብ ሓደ ንጹር ዝኾነ ነገር ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ብዓቢኡ መዕቀኒ ዓወታቶም  ኣብ ከመይነት ቅልጣፈን ዕምቆታትን መትከላትን ትካላትን ዲሞክራሲ ኣብ ቀልብን ኣእምሮን ዜጋታት ይሰርጽ እዩ።  እንተደኣ እቶም ንህዝባዊ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዘጎሃህር ሓሳባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ  ክረጋገጽን ውሕስነት ክህልዎን ኮይኑ፥ እቲ ሕብረትሰብ ክጻወርን ክህብትምን ንዲሞክራሲ ከስተማቕርን ተደልዩ፥ ህይወት ኣብ ናጸ ዝኾነ ሕብረተሰብ እንታይ ማለት ምኳኑ እንታይ ትካላዊ ምድላዋትን ግላዊ ጠባያትን ከምዘድሊ ክርዳእ ይግባእ። ከምኡ እውን ዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንክውዕልን ክከናኸንዎን ክዕንግልዎን ከተባብዕዎን ብርቱዕ ተገዳስነትን ኣድለይቲ ኮይኖም፥ ንተመኩሮን ኣድማዕነትን ከማዕብሉ ይግባእ። እቲ ወለዶ ዲሞክራሲያ ክርዳእን ክስተማቕርን እንከሎ ጥራሕ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓተ-ምሕደራ ርግኡን ዕውትን ዝኸውን።

እቲ ዲሞክራሲ ዝምረኰሰሉ መሰረታዊ መትከል ግዝኣተ ኣብዝሓ እዩ። ተራ ብዙሓዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግራት ወይ ዕንቅፋታት ኣለዎ። ከምኡ ብምዃኑ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ክሊ ቅዋማዊ ቅጥዒን ስልጣን መንግስቲ ዝድርትን መሰላት ናይ ግለሰብን ውሑዳንን ዝከላኸል ኮይኑ እዩ ዝዓዪ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ኩሎም ዜጋታት ንጹር ዝኾነ መሰረታዊ መሰላት ክህልዎምን እቶም ውሑዳት ነዚ መሰላት እዚ ክሰርሑሉ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ናይቶም ዝበዝሑ ዝመርኰስ ኣይኮነን። ናይ ምዝራብ፥ ናይ ሃይማኖት፥ ናይ ምእካብ ናጽነትን መሰልን ፍትሓዊ ፍርድን ዘይፈሓቕ መሰላት ናይ ኮሎም ዜጋታት እዮም። እታ ደውላን ሃገራዊ መንግስትን ከኣ ነዚ መሰላት እዚ ዝነጽግ ይኹን ዝብሕጉግ ሕጊ ንኸየመሓላልፉ ወይ ከይውስኑ ክልኩላት እዮም። ከምኡ እውን  ንዲሞክራሲያዊ መንግስቲ መሰረታዊ ዝኾኑን፥ ንዝኾነይኹን ትካል፥ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ  ልዑል ስልጣን ክይህልዎም ዝገትእ ቁጽጽርን ሚዛናውነትን እዮም። ንኣብነት ንስልጣን ናይ ፈጻምን ሓጋግን  ጨንፈራቶም ልዕሊ  ገደብ ሓላፍነቶም ከይከዱ ዝከላኸል   ናጻ ዝኾነ  ቤት ፍርዲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።

መንግስቲ ደረት ዘየብሉ ስልጣን እንተ ሃልይዎ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል። ብእንጻሩ እኹል ስልጣን ኣብ ዘየብሉ መንግስቲ እቲ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል እዩ። ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ልሙስ ወይ ፋሉል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ መምርሒ ወይ ቀጥዒ ናይ ቅንዕና  እዩ። መሪሕነት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ንዕውት ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣድላዪ  ክኸውን ከሎ፥ ዜጋታት ብግዲኦም በቲ ውሳኔ ናይ ዝመረጽዎም መራሕቲ ክግዝኡን ነቲ ውሳኔ ማሕበረሰብ ከኣ ክምእዘዙን ይግባእ።

ብኣንጻሩ ገለ ግንዛቤታት፥ ጥዕና ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተተሰብ፥  ውልቀሰባት ብቐሊሉ ንናይ ግላዊ ኣጀንዳታቶም ዝኽተልሉ መድረኽ ወይ ባይታ ኣይኮነን።  ናይ ናጽነት ተስፋን ዕድልን  ንዲሞክራሲ ኣዝዩ ማራኺ  ክገብሮ ይኽእል ይኸውን፥ ግን ከኣ ልክዕ ከምቲ ንዓወታቱ ኣገዳስነት፥  መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ዝበሃሉ፡ ኩሎም እቶም ሓላፍነታትን  ናይ  ኣተሓሳስባ ልምድታትን ንህይወት ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ተጎዝጒዞም ክኸዱ ዝግበኦም  እዮም።

ዲሞክራሲያውያን ዜጋታት፡ ንኣብነት ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ሕብረተሰቦም ክሳተፉን  ኣብ ህዝባዊ ክትዓት ከኣ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ከበርክቱ ትጽቢት  ዝግበረሎም እዮም። ነዚ ብዝተፈላለየ መገድታት፡ እንተላይ ወከልቶም ናብ መንግስቲ  ብምምራጽን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምጽንባርን፥ ናይ ንቓብ ማሕበራትን ካልኦት ወልንታዊ ውዳበታን ንናይ ሲቪል ይኹን ገበናዊ  መርመራ  ከም ደያኑ ከገልግሉ ይኽእሉ። ዋላ’ውን ብህዝባዊ ቤት ጽሕፈት   ኣቢሎም  ከተግብርዎ ይኽእሉ። ውጽኢት ዘለዎ ተሳትፎ  ክህልዎምን ናይ ገዛእ ርእሶም  ጉጅላዊ ድሌታት ኣንጻር ናይ ህዝቢ ሰናይ ኣተሓሳስባታት ንምምዛን ክኽእሉ፡ ህዝቢ ንገዛእ ርእሶም ንሕብረተሰብ ዝትንክፍ  ወይ ዝምልከት ጉዳያት ከስንቑ ወይ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ።  ክተሓባበኡን ሕድገታት ክገብሩን ክኽእሉ፡ ንዝተፈላለየ ርእይቶታት ተጻወርቲ ክኾኑን፥  ንሕግን ሕጋዊ ስልጣንን ከምኡ እውን ብሕታዊ  ንብረት ናይ ምውናን  ግሉጽነት ከርእዩ  ይግባእ።

ስለዚ ዲሞክራሲ   ካብ ስርዓተ ምንግስቲ ንላዕሊ፡  ሓቢርካ ናይ ምንባርን  ምስራሕን ኣገባብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ናይ ዲምኮራሲያዊ ህይወት በቶም ዜጋታት ብዕቱብ ምስ ዝውሰድ ጥራሕ እዩ ፥ መሰላትን ጻማ ዜጋታትን ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል።

ህዝቢ ዝተፈላለዩ ክብርታት፡ ረብሓታትን ርእይቶታትን ኣለዎ። ኣብርእሲ’ዚ እዚ ፍልልያት እዚ  መብዛሕትኡ እዋን  ኣብ ውሽጢ  ሓጋጊ  ኣካላት ብመንገዲ  ምምኽኻር፡ ልዝብን  ሕድገታትን፥ ልዕና ኣብዝሓ ድምጽን ኣቢሉ መዕለቢ ዝግበረሎም ቀንዲ ረቛሒታት እዮም።

ይቕጽል .... 

Last modified on Wednesday, 13 September 2017 10:39