Print this page

ድርብ ዕማም ብድርብ ቃልሲ

2017-08-12 06:49:15 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2060 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውዳበ ናብቲ ዘማዕድዎ ሸቶ ንምብጻሕ ክዓሞም ዝግበኦ ዕማማት ተደራረብቲ እዮም። ተደራራብነቶም ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወይ ግዳማውን ውሽጣውን ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ብዘይካዚ ህዝባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራዊ.. ወዘተ መዳያት ብዝብል ምዝርዛሮም እውን ይከኣል። እዞም ዕማማት በበይኖም ነጻጺልካ ዝዕመሙ ዘይኮኑስ ኣብ ሕድሕዶም ምጽልላው፡ ምድግጋፍን ምድርራብን ዘለዎም እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ብመንጽር ኤርትራዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ሰዲህኤ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ እዩ። እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኮይኑ፡ እቲ ስርዓት ምስ ወደቐኸ ብምንታይ ይትካእ? ዝብል ሕቶ እውን “ደሓር ምስ ወደቐ ነርክበሉ” ኢልካ፡ ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣብቲ ቀዳማይ ዕማም ክትዋሳእ እንከለኻ ነቲ ካለኣይ ዕማም እውን ከተቕልበሉ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ኣቓልቦ ግሉጽነት ኣብ ምስላጥ እቲ ቀዳማይ ዕማም ናቱ ጽልዋ ስለ ዝህልዎ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ሰልፊ ዝዋሰኣሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ዕማማት ኣለዉዎ። እዞም ዕማማት ከምቲ ብዛዕባ ቀዳማይን ካለኣይን ምዕራፋት ይጸላለዉ ዝበልናዮ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ሰልፋዊ ገጻት እውን ተደጋገፍትን ተጸላለውትን እምበር፡ ነቲ ሓደ ዓሚምካ ክሳብ እትውድእ፡ ነቲ ካልእ ዘይትትንክፎ ማለት ኣይኮኑን።

እቲ ዕማም ክትግበር እንከሎ ግና ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ወይ ንውሽጣውን ግዳማውን ዕማማት ኣብ ኩሉ ማዕረ ክትሰርዖም ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ሓደ ዝያዳ እቲ ካልእ ካብ ዘለካ ናይ ግዜ፡ ንዋትን  ሓፈሻዊ ዓቕምን ነቲ ሓደ ዝያዳ ቀዳምነት ሂብካ ክትስልዕ ትኽእል። እዚ ኣሰላልዓ ዓቕሚ ቀዋሚ ዘይኮነ ምስ ግዜን ኩነታትን ክለዋወጥ ዝኽእል እዩ። ሓደ እዋን ኩሉ ዓቕምኻ ናብ’ቲ ሓደ ዕማም ተዛይድ። እዚ ማለት ግና ነቲ ካልእ ዕማም ምሉእ ብምሉእ ትዝንግዕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ዝያዳ ዓቕምኻ ናብ ውሽጣዊ ጉዳይ ተድህብ ግና ድማ ነቲ ግዳማዊ ኩነታትን ዝምድናታትን ከቶ ጠጠው ኣይተብሎን። እዚ ኣድላይ ዝኾነሉ ኣብቲ ሓደ ዕማም ዝረጋገጽ ኣውንታዊ ውጽኢት ነቲ ካልእ ኣብ ምዕዋት እውን ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ እዩ።

እዞም ዕማማት ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ፡ ብቐጻሊ ኣብ መስርሕ  ዝሳለጡ እምበር ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ኣኺልዎም ኢልካ እትዓጽዎም ኣይኮኑን። ንኣብነት ኣብ ጉዳይና እቲ ቀዳማይ ዕማም  ዝበልናዮ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ  ብናይ ግዜ ኮንትራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ጥራይ ተሓጺርካ “ክሳብዚ ዕለትዚ ክውዳእዩ” ኢልካ ዘይትግድቦ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል  መስርሕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ነቲ ካልእ ዕማም ዓጺኻ ኣብዚ ጥራይ ምጽማድ ዘይከኣል። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኩለ-መዳያዊ ኣቓልቦኻ  ዝያዳ ናብዚ ከም ዘድህብ ምግባር ግና ቅኑዕ እዩ። ኣብዚ ውሽጣውን ግዳማውን ዝምልከት እውን ከምኡ እዩ። ኣብቲ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝያዳ ጻዕቂ ዘድልዮ ዕማም ክህሉ እንከሎ፡ ናብኡ ተድህብ ግና ድማ ነቲ ናብ ደገ ዝጥምት፡ ንኣብነት ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ፖአቲካዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት ብሓባር ምስራሕ ዝምልከት ሓጢጥካ እትገድፎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ ከተዕውቶ እትመጣጠሮ ዕላማ በይንኻ ስለ ዘይትውደኦ። ብመንጽር እዚ ናብ ህልዊ ኩነታት ሰዲህኤ ክንመጽእ እንከለና፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ኣድህቦ ሂብካ ናይ ምእላይ ዕማም ዝያዳ ሰልፋዊ ኣድህቦ ዝሓትት እዩ። ከምኡ ከኣ ይግበር ኣሎ። እዚ ግና ነቲ ምስ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘስርሕ ዝምድና ንምፍጣር ዝግበር ቃልሲ ጠቕሊልካ ዓጺኻ ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዕማም መስርሕ እምበር ናይ ዝተወሰነ ግዜ ተግባር ኮይኑ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ጉዳይ ተወዲኡ ኢልካ ናብ ካልእ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ይፍጠር መልክዕ ይሕዝ፡ ምስ ግዜን ምዕባለን ከኣ ካልእ ዛዕባ ይመጽእ ንሱ እውን ይእለ። እቲ መስርሕ ከኣ ብኸምኡ ይቕጽል።

ምስ ካልኦት ሓይልታት ዝግበር ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝምድና እውን ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ እዩ። ይዕወት ይፈሽል። ይወድቕ ይትንስእ። እቲ መስርሕ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። እቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኩነታት ንምዕቃብ ዝግበር ቃልሲ ነቲ ግዳማዊ ዕማም ኣብ ምዕዋት ናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። እቲ ኣብ ግዳማዊ ኩነታት ምስ ተመሳሳሊ ወጽዓ ኣወጊድካ ብዲሞክራሲ ኣብ ምትካእ ናይ  ሓባር ራኢ ዘለዎ ኣካላት ዝግበር ቃልሲ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝግበር ቃልሲ ዝምግብ እምበር ዝጻረር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ናይ ምስራሕ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። ነዚ እማመ ብዙሓት ውድባትን ወገናትን ክንእድዎ እንከለዉ ምላሾም ከስምዑ ትጽቢት ዝተነብረሎም ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ መጸዋዕታ ቀሪብሉ ተቓውሞ ዘርኣየ የለን። እዚ ከኣ ንወድዓውነት ናይቲ እማመ ዘመልክት እዩ። ሰዲህኤ ነዚ ናይ ብሓባር ንቃለስ መልእኽቲ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ህይወት ንምሕላው ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዘንጊዑ ኣይኮነን። ካብ ክልቲኡ ናበይናይ ዝያዳ ዓቕሙ ይምድብ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንክልቲኡ እዩ ዝሰርሓሉ። እዚ እማመ ከምቲ ገለ ዘይሰብ ደሓን ዘንበድብድዎ፡ ነቲ ሓደ ኣጉሊሕካ ነቲ ካልእ ንምሕባእ ዝተታሕዘ ዘይኮነ፡ ክልቲኦም ኣብ መድረኽ ትዋሰኣሎም ነናቶም ባህርይን መስርሕን ዘለዎም መድረኻውያን እዮም። ገለገለ ወገናት እቲ ሓደ ጠጠው ኢሉ፡ ኣብቲ ሓደ ጥራይ ክስራሕ ኣለዎ ዝብልዎ ከቶ ናይ ደሓን ኣይኮነን። ምናልባት ግና ዝያዳ ዓቕምና ናበየናይ ዕማም የድህብ ከዛርብ ዝኽእል እዩ።

 

Last modified on Saturday, 12 August 2017 08:52