Print this page

ስለምንታይ ናትካ ኣቐሚጥካ፡ ናብ ላዕሊ ምንቅዕራር

2017-08-08 23:01:49 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2010 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ክበጽሖ ዝደሊ ሸቶ ኣነጺሩ፡ ዝምረሓሉ ሕግን ስርዓትን ስኢሉ፡ ነዚ ሸቶ በቲ ሕጊ እንዳተመርሑ ዘተግብሩ ኣብ በበይኑ ተዋፊሮም ብሓባር ዝዓሙ ኣካላት ኣለዉዎ። እዞም ሓደ ሸቶ ዘለዎም ኣካላት፡ በቲ ይርሓሰና ኢሎም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዘጽደቕዎ ሕጊ ዝቕየዱን ቆጽሊ ብዘውደቕሉ መሪሕነት ዝምእዘዙን እዮም። ኣብ ሓላፍነትን ዕማምን ግና ነናቶም እጃምን ግደን ኣለዎም። ካብቲ ብዙሕ ዝዋፈርሉ ደረጃታት እቲ ጐሊሑ ዝረአ ኣብ መንጎ መሪሕነትን መሰረታትን ዘሎ ዝምድናን ናይ ዕማምን ተሓታትነትን ምክፍፋል እዩ።

እዞም ኣብቲ ምክፍፋል ጐሊሖም ዝረኣዩ መሪሕነትን መሰረታትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ደረጃታት ኣለዎም። ንኣብነት መሪሕነት ክንብል እንከለና ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት እንዳበልና ንጠቕሶም።  ናይዞም ኣካላት መሪሕነት ምንቅስቓስ ከከም ኩነታቱን መድረኹን ግደ ሓዲኦም ዝያዳ ክጐልሕ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ከምዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ግደ ፈራዲ ኣካል ክንድቲ ዝድለ ኣይጐልሕን። መሰረታት እውን ከከምቲ ናይቲ ውድብ ናይ ኣወዳድባ ሕግን ናይ ቅርጺ ኣሰራርዓን፡ ጉጅለ፡ ጨንፈር፡ ንኡስ ዞባ፡ ዞባ … ውዘተ እንዳበለ ይዝርጋሕ። ኩሎም እዞም ኣካላት ናይ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ደረጃኦም ዝውስን ሕጊ ኣለዎም። እዚ ናይ ሓላፍነትን ዕማምን ምክፍፋልን ዝምረሓሉ ሕግን ብወለንታን ድሌትን ውሱናት ዝትለም ዘይኮነ፡ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ’ዩ ዝውሰን። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዓይነት ስልጣን ዘለዎ መድረኽ ጉባአ እዩ። ኣብ ጉባአ ነዚታት ክትትልም ምብቃዕ ኣብ መስርሕ ዓወት መባእታዊ ስጉምቲ እዩ። እቲ ቀንዲ ላዕለዎት ይኹኑ ታሕተዎት ኣካላት ዝፍተንሉ ኣብ ምትግባሩ ምዃኑ ተመኩሮና ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጹልና እዩ።

ናይዞም ኣካላት ሓላፍነት ከምቲ ዝተጠቕሰ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣሕጺርካ ንምጥቃሱ ግና ኣብ መንጎ ወሳንን ተግባርን ኣካላት ዘሎ ርክብ’ዩ ምባሉ ይከኣል። ምኽንያቱ ቀንዲ ሓላፍነት መሪሕነት ኣብ ኣድላዪ ጉዳያት ምውሳን ኮይኑ፡ መሰረታት ድማ መምስቲ ዝቃለስሉ ከባቢ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ኣብ ባይታ ምትግባር እዩ። እዚ ክበሃል ኣንከሎ ግና መሪሕነት ውሳነኡ ሃብታም ንክኸውን በቲ ሕጋዊ መስንኖ ንዝመጾ ናይ መሰረታት ሓሳብ ኣይቅበልን ማለት ኣይኮነን። ብኽምዚ ኣገባብ ከኣ መሰረታት ኣብ ምውሳን እውን ይሳተፉ። ካብዚ ሓሊፉ መሪሕነት ንመሰላት ናይቶም ሕጊ ዘኽብሩ መሰረታት ብዘይግህስን ኢድ-ኣእታውነት ብዘየንጸባርቕን ኣብ ምትግባር ኣይሳተፍን ማለት ኣይኮነን።

ካልእ ንዝምድነኦም ዘንጸባርቕን ዘደልድልን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምቁጽጻርን ምትእርራምን እዩ። እዚ ምትእርራም ከድምዕ ከኣ ቅድም ምስ ነብስኻ ምዝራብን ብጽሞና ምሕሳብን የድሊ። ጨንፈር ንንኡስ ዞባ ከተእርም ምናልባት’ውን ክትነቅፍ እንተኾይና ቅድም ነብሳ ክትሓክኽ ይግበኣ። ንኡስ ዞባ ንዞባ ቅድሚ ምንቃፋን ምእራማን ናታ ጉዳይ ምርኣይ ግድን እዩ። ዞባ’ውን ከምኡ ቅድሚ ናብ መሪሕነት ሰልፊ ምንቅዕራር ናይ ገዛእ ርእሳ ዕዮ ገዛ ምስርሓን ዘይምስርሓን ክትድህስስ ይግበኣ። መሪሕነት ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኣካላት ክቆጻጸር እንከሎ ከም መሪሕነት ክዓሞ ዝግበኦ ምዕማሙ ክንድህስስ ናይ ግድን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ መሰል ናይቶም ብደረጃኻ ከተመሓድሮም፡ ክትመርሖምን ድንድል ኮይንካ ምስ ላዕለዋይ ኣካል ከተራኽቦምን ሓላፍነት ዝሃቡኻ ኣካላት መሰላት እንዳገሃስካን ጀሆ ሒዝካን፡ ናብ ላዕሊ እንዳንቃዕረርካ “መን ከማይ” ምባል ሰማዒ እዝንን ተቐባሊ ቀልብን ኣይረክብን እዩ። ኮታ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” እዩ ዝኸውን። ብፍላይ ከኣ ገለን ብትምህርቶም ገለን ድማ ብሃብታም ተመኩሮኦም ዓይኒ ከተውድቐሎም ዝጸናሕካ ኣካላት ነናቶም ድኽመትን ሕጽረትን ምርኣይ ስኢኖም ወይ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኮይኖም  ኣብ ከምዚ ዓይነት “ኮር ተገልበጥ” ክትረኽቦም እንከለኻ ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ።

እዞም ኣካላት፡ መሪሕነትን መሰረትን ዝተኣራረሙ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሞም “ይርሓሰና” ኢሎም ዝተቐበልዎ ሕጊ ዝተሓሳሰቡ እውን እዮም። እዚ ምትሕስሳብ ግና ኣበይን መዓስን ይኸውን ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዒ ዘሎዎ እምበር ኣብ ዘድለየካ ግዜን ቦታን ፌርማታ ፈጢርካ መስርሕ ቃልሲ ዓጊትካ ዝካየድ ኣይኮነን። በብደረጃኦም ዝግበሩ ካብ ናይ መሪሕነት ክሳብ ናይ ጨናፍር  ዘለዉ ስሩዓት ኣኼባታት ለበዋታት ዝንጸባረቐሎም መተሓሳሰቢ መድረኻት እዮም። ካብ ናይ መሪሕነት ጀሚርካ ክሳብ ናይ ጨንፈር ዘለዉ ስሩዕ ጉባአታት ከኣ ሕጊ ኮነ መሪሕነት እትቕይረሎምን ኣተመሓይሸሎምን ዝለዓሉ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ መድረኻት እዮም። ምናልባት ነዞም ስሩዓት ጉባአታት ዘየጸቢ ጉዳይ እንተኣጋጢሙ ብመሰረት ናይቲ ንዓኡ ብዝምልከት ናይ ሕጊ ዓንቀጻት ዝፈቕዶ ህጹጻት ጉባአ ምጽዋዕ ከኣ ወግዒ እዩ። ነዚ ኩሉ ጠሓሒስካ ኣብ ማእከል ጐልገል ኣሰራርሓ ክትቅይር ምድንዳን ግና “ምሳር ኣብዘይ ለዓቱ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይከውንን።

ኣብ ሓደ ዛዕባ ናይ ሓደ ውሱን ኣካል ሰልፊ ዘይዕግበት ከጋጥም ይኽእል። ከመይ፡ መዓስን ኣበይን ይእለ ከኣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብሕጊ እዩ ዝቕየስ። እቲ ዘገርም ግና ነቲ ኣብ ውሱን ከባቢ ዝፍጠር ዘይዕግበት፡ እቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ኣብ ሕጋዊ መስርዕ ቃልሲ ዘሎ ኣካላት ብቕምጡ፡ እንተላይ ናቱ ዘይዕግበት እዩ ኢልካ፡ ናይ ኣቃልሱና ዘይኮነስ ናይ ኣጻልኡና ነጋሪት ምውቃዕ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዘይፍልጦኡ ኣብ ክንድኡ ኮይንካ ክትቀርብ እትፍትኖ ኣካል ዘለካ ንዕቀትን ምቁንጻብን ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ከጋጥም እንከሎ፡ መሰረታት ሰልፊ እንታይ ክገብሩ ከም ዝግበኦም ብዙሕ ዝተማህርሉ ተመኩሮታት ስለ ዘለዎም፡ ምኽሪ ዘድልዮም’ኳ ኣንተዘይኮነ፡ እቲ ንላዕሊ ዘንቃዕርር “ቅድም ናትካ ግበር” ክበሃል ከም ዝግበኦ ምዝኽኻር ግና ኣድላይን እዋናውን እዩ።

Last modified on Wednesday, 09 August 2017 01:06