Print this page

ነጸብራቕ ደንቨር ብመንጽር ተሳታፊ፡

2017-07-14 08:14:24 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3543 times
Rate this item
(0 votes)

ELF Reunion Denver July 12017 1                      ኣብ ከተማ ደንቨር ብድምቀት ተኻይዱ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ግዱሳት ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ዳግመ-ርክብ ዝጽምበለሉ መድረኽ ንኽፍጠር ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዝወሰድዎ ተቦግሶ፣ በብዓመቱ ክካየድ ጸኒሑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ደንቨር፣ ኮሎራዶ ንሓሙሻይ እዋን ካብ 30 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ተኻይዱ።

5ይ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ብጻዕሪን ተወፋይነትን ናይ ውሑዳት ብወለንትኦም ዝቖሙ ሽማግለ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ዘይሕለል ውፉይ ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ነጋሽ ተመሪሑን ተሰናዲኡን ብዓወት ዝተዛዘመ ውራይ ንዘይተሳተፉ ዝሕብር ጽማቝ ሓበሬታ ቀጺሉ ቀሪቡ እነሆ።

ኵልና ከም እንፈልጦ ተ.ሓ.ኤ. ንጠቕላላ ባህላውን ዞባውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓቝፋ ዘሳተፈትን ብመትከል ሃገራዊ ናጽነት ዘቃለሰትን ውድብ’ያ ነይራ። እቶም ናብ ዳግመ-ርክብ ክሳተፉ ዝመጹን ዝመጻን ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ህዝባውያን ማሕበራታን፣ ንብዙሕነት ዝውክል ብምንባሩ፣ ንታሪኻዊ ኣቕዋማን ጉዕዞኣን ዘንጸባረቐ ህሞት ነይሩ ክንብል ከለና ዝተጋነነ ኣይኰነን። ነዚ ክውንነት’ዚ ክንጠቕሶ ዘገደሰ ምኽንያት፣ ንናይ ህዝብና ሓድነት ብብዙሕነት ከምብሌን ዓይንና ስለ ንቖጽሮ ካብምዃን ሓሊፉ ካልእ ምስጢር የብሉን።

እቲ ዝተሳተፈ ቍጽሪ ምስ ብዝሒ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ይኹን’ምበር፣ ካብ ዝተፈላለያ ስተይትስን ከተማታትን ተጓዒዞም ብምምጽኦም ዘተባብዕን ዘሐጕስን ምንባሩ ኣብቲ ውራይ ዘንጸባረቐ ስምዒት’ዩ። ኣብ ርእሲ ተቐማጦ ደንቨር ካብ ካሊፎርንያ፣ ላስቨጋስ-ነቫዳ፣ ጆርጅያ፣ ኦረጎን፣ ስያትል፣ ኮሎምቡስ ኦሃዮ፣ ቺካጎ፣ ሚነሶታ፣ ሚቺጋን ከምኡ’ውን ካብ ጀርመን ኣስተምህሮ ክህብ ተዓዲሙ ዝመጸ ሚስተር ጉንተር ደሚርካ ዝተኣከቡ ተሳተፍቲ እዮም ነይሮም።

ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ደንቨርን ዝተፈላለያ ስተይትስ ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብ ኣዳራሽ ደንቨር ኮምዩኒቲ ሕድሕድ ክላለዩን ተዘክሮታቶም ከዕልሉን ኣምስዮም። ቀዳም ንግሆ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ቅደም ተኽተል ብኣሳናዳኢ ሽማግለ ዳግመ ርክብ ዝተዳለወ መደብ ይጅመር፡ ነቲ መደብ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ዝኸፈተን ዝርዝር መደባት ዝሓበረን ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ነጋሽ እዩ።

ጸጋይ ነጋሽ፡ ድሕረ-ባይታ ማሕበር ዳግመ-ርክብ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን ንመጻኢ ተወጢኑ ዝስርሓሉ ዘሎ ናይ ታሪኽናን ተሞክሮናን ስነዳን ምህናጽ መርበብ ሓበሬታን (ወብሳይት) ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ELF Reunion Denver July 12017 2ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ዓብደላ ሱሌማን፡ ዶክተር ኣንገሶም ኣጽብሃን ዶክተር ግርማይ ነጋሽን፡ ሕድራይ ፍስሃ፡ ሚስተር ጉንተር

ኣብ 5ይ ዳግመ-ርክብ ዕዱም፣ ናይ ተ.ሓኤ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዓብደላ ሱለማን ናይ ተሞክሮኡ ቃል ክቕርብ ከሎ፡ “መድረኽ ዳግመ-ርክብ ተጋደልቲ ፈጢርኩም ታሪኽን ተሞክሮን ቃልስና ንምስናድ ከተካይድዎ ዝጸናሕኩም መደብ ዋላ’ኳ ክሳተፎ እንተዘይከኣልኩ ይከታተሎ ነይረ እየ። ንተበግሶኹምን ጻዕርታትኩምን ድማ ዘሎኒ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን” ብምባል’ዩ መደረኡ ጀሚሩ። ኣብ ስሳታት ተሰሊፉ ከም ተራ ተጋዳላይ ቀጺሉ ድማ ከም ካድርን ኣባል መሪሕነት ውድብን ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ሜዳ ኤርትራ ተንቀሳቒሱ ዘካየዶ ቃልሲ በብመድረኹ ተንቲኑ ብምቕራብ ተሞክሮኡ ኣካፊሉ። ድሕሪ ተደፊእና ሱዳን ምእታውና፣ ርክብ ዘይብለይ ንበይነይ እየ ዝነብር ነይረ፡ ሎሚ ግን ኣብ መንጎ ኣሕዋተይን መቓልስተይ ዝነበሩን ክርከብ ከለኹ ንዓይ ፍሉይ ስምዒት’ዩ ዝህበኒ፡ ብሓቂ ድማ ተስፋ ገይረ። ኣነ ብዝከእለኒ ነቶም ኣብ ቃልሲ ዝፈልጦምን ዝረኽቦምን ናብዚ ኣገዳሲ ዳግም-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ንኽሳተፉ ክሕብር’የ ክብል ተመባጺዑ።

ዓብደላ ብዛዕባ’ቲ ቅድሚ’ቲ ኣብ 1971 ዝተፈጸመ ናይ ተ.ሓ.ኤ. 1ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ዋዕላታት ዓራዳይብ፣ ዓንሰባ፡ ኣዶብሓን ዓዋተን፡ ካብ ምፍንጫል ንምድሓንን ሓድነት ጀብሃ ንምዕቃብን ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ብዝርዝር ገሊጹ። ኣብ ዘመነ ክፍልታት ናይተን ክፍልታት ዘይምስምማዕ ምስተራእየ፣ ኢስላሕ (ምእራም) ዝብል ምንቅስቓስ ኣበጊስና ኣብ ጉባኤ ዓዋተ ንሓድነት ዝምልከት ውሳኔ ኣሕሊፍና። ብመሰረት ውሳኔ ጉባኤ ዓዋተ ፣ ኣነ ሳልሳይ ርእሰይ ንኢሳያስ ኣብ ናይ ተ.ሓ.ኤ. 1ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ዝዕድም ደብዳበ ሒዘ ከይደ ረኺበ ሂበዮ፡ ናይ ኢሳያስ መልሲ ግን ፣ “ኣነ ዝገርመኒ ንስኻ ኢስላሕ ጌርካ ክትእርሞ ዘይከኣልካ፣ ንዓይ እተዎ ትብለኒ፡ ኣነ ምስዚ መሪሕነት’ዚ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ፡ ኣነ ኣይተፈንጨልኩን” ዝብል ነይሩ።

ብዛዕባ ድሕሪ 1975 ናይ ተ.ሓ.ኤ. 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከም ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኰይኑ ዝተመዘዘዘሉ መደብ’ውን ብዕምቆት ዘትዩ። ገለ ካብቲ ብዝርዝር ዘቕረቦ፡
⦁ ኣብ የመን ተቐባልነት፣ ፍሉይ መደበራትን ሓገዝን ተዋሂቡና ነይሩ፡ ዕላማና ከም ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ይፈልጡዎ፡ ዓረብ ኢኹም ዝብል ቅድመ ኵነት ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።
⦁ ኣብ ወጻኢ ካብ ንረኽቦ ዝነበርና ሓገዝ 75 – 80% ንሰራዊት ሓርነት ዘድሊ ነገራት ክቕረበሉ ናብ ሜዳ ይኣቱ ነይሩ፡
⦁ ንኤርትራ ከባቢ ሃገራት ጸሊአንኣ፡ ህዝባ ግን ፈትዩዋን ተቓሊሱ’ውን ሓራ ኣውጺእዋ
⦁ ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ኣነን ዮውሃንስ ዘርእማርያምን ዝኸድናዮ ምስጢራዊ ኣኼባ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ነይሩ፡ ኣቀራርብኦም ግን “ደርጊ ገስጋሲ ስርዓት ስለዝዀነ ምስኡ ክትሰማምዑ ዝብል’ዩ ነይሩ”፡ ናትና መልሲ ግን “ሕቶና ሕቶ መግዛእቲ ስለዝዀነ ጎደሎ ናጽነት ኣይንቕበልን” ዝብል ስለዝነበረ ብዘይ ዝዀነይኹን ስምምዕ ተመሊስና፡
⦁ ኣብ በርሊን ሻዕብያን ኢትዮጵያን ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ከምዝነበረ ዝፈለጠ ኣምባሳደር ናይ የመን፣ ከድኩም ተሓወስዎ ክብል ምስሓበረና፣ ኣነን ስዉእ ኣዜንን ዘለዎ ልኡኽ ኬድና፡ ኣብኡ ምስበጻሕና ንዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር፣ ሮሞዳን ሓመድኑር ተራኺበ፣ ቅዳሕ ናይ ዘቕረብዎ እማመ 60 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ሂቡኒ፣ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፍና፡ ትሕዝቶ ኣኼባ ሕጂ’ውን “ደርጊ ገስጋሲ ስርዓት ስለዝዀነ ምስኡ ክትሰማምዑ ዝብል ኰይኑ ኣብ ክሊ ኢትይጵያዊ ሃገርነት ዝመሰረቱ ነይሩ”፡ መልስና ድማ ዕላማና ንምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ምዃኑን ነዚ እትብልዎ ዘለኹም ተቐቢልና እንተኼድና፣ ኣብ ውድብና ዝተርፍ ሰብ ኣይክህሉን’ዩ፣ ንዓና’ውን ብመኪና ክጎቱና እዮም፡ ንሕና ልኡኻት ድኣ’ምበር ወዳእቲ ስለዘይኰንና እማመኹም ናብ መሪሕነት ውድብ ኢና ነሕልፎ” ምስ በልናዮም፣ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ መራሒ፣ ብርሃኑ ባየህ ካብ ምፍጣጥ ሓሊፉ ጸሪፉና’ውን”፡ ብርሃኑ ክጸርፈና ዝተሃንደደ ንሻዕብያ ከስምዕ ስለዝደለየ ምንባሩ ተረዲኡና።
⦁ “ጀብሃ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ኣትዮም ሓቢሮም ክሃርሙና ስለዝተበገሱ ሃሪምናዮም” ዝብል ክሲ ናይ ሻዕብያ ብኸመይ ተብርሆ ንዝብል ሕቶ፡ ዓብደላ “ንሕና ዝኣቶናዮ ስምምዕ ፍጹም ኣይነበረን” ብምባል ንጹር መልሲ ሂቡሉ።

ብምምሕዳር ከተማታት ዝፍለጥ፣ ኣብ ውሽጣዊ ስርሒታት ከተማታት ዝቃለስ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ሕድራይ ፍስሃ ብወገኑ ተሞክሮኡን ተዘክሮታቱን ብዝርዝር ንኣኼበኛ ኣካፊሉ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝገብሮ ካብ ዝነበረ ክዝክር ከሎ፡
ብጸላእን ህዝብን ስርሒታትና እናተፈልጠን ንሕና’ውን ብቐሊሉ ንልለ ኣብዝነበርናሉ እዋን ንሜዳ ንወጽእ፣ ታዕሊም ወዲእና ኣብ ሜዳ ካልእ መደብ ክንወስድ ኣይክኣልን ነይሩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ስርርዕ እትፈልጥዎ ንስኻትኩም ስለዝዀንኩም መደብኩም ትምለሱ ንብሃል ናብኡ’ውን ንምለስ፡ ብኸምኡ ዝጠፍኡ ብጾት ክዝክር ከለኹ ድቃስ’ዩ ዝኸልኣኒ ብምባል ብጅግንነት ዝተሰውኡ ተቓለስትን ዝተገብረ ስርሒታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ኣብ ናይ ኣመሪካ ኮለጃት ዝምህሩ ፕሮፈሶራት ኣንገሶም ኣጽብሃን ግርማይ ነጋሽን፣ ንተሞክሮ ሰውራናን ስነጽሑፍን መሰረት ዝገበረ፣ ብመልክዕ ቃለ መሓትት ኣስተምህሮ ንኣኼበኛ ኣቕሪቦም። እቲ ምይይጥ ካብቲ ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ዝጸሓፎ መጽሓፍ “መገዲ ዓድና” ዝምንጩን ሓፈሻዊ ታሪኻውን ስነፍልጠታውን ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ስነጽሑፋት ኣመልኪቶም ካብ ዝገለጽዎ ገለ ንምጥቃስ፡
⦁ ተሞክሮ ክግለጽ ከሎ፡ እንታይ ከምዝነበረን ዝተገብረን፣ መዓስን ኣበይን፣ ተዋሳእትን ዘማልአ ክኸውን ይግባእ
⦁ ታሪኽ ብመን ይጽሓፍ ዝብል ሕቶ፣ ብዝሰዓረ እዩ ዝብሃል ሓቅነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ታሪኽ ባርነት ኣብ ኣመሪካ በቶም ወነንቲ ባሮት’ዩ ዝጸሓፍ ነይሩ፡ ጸለምቲ ምስተማህሩ ታሪኾም ተመራሚሮም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ህዝባዊ ግንባር ንጀብሃ ሞያኣ ይትረፍ፣ ህልውንኣ’ውን ብምኽሓድ፣ ሓቀኛ ታሪኽ ክድምስሱ ይፍትኑ፡ እንተዘይተሰኒዱ ድማ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።
⦁ ኣብ ኣስመራ ነቲ ዝነበረ ስነጽሑፋት ከም መወከሲ ክህሉ መንግስቲ ኣይፈቅድን፡ እቶም ገለ ጸሓፍቲ ንመንግስቲ ከየቐይሙ ርእሰ-ሳንሱር ይገብሩ እዮም
⦁ ንመጻኢ ወለዶ ከነውርስ ክትብል ከሎኻ፣ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን ክትፈልጥን ክትሳተፍን ይድለ
⦁ ንጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ዘቖመ ህዝቢ እዩ። እቲ መደብ ዕዮታት’ውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ውጽኢቱ ግን ንረብሓ ህዝቢ ኣይወዓለን
⦁ ስርዓት ክንቅይር ዝተቐረበ መተካእታ ኣይንርእን፡ ዕዮ ገዛ ቀዳምነታት ሓድነትን ልፍንትን ኣቐዲሙ ክዳሎ ይድለ
⦁ ተሞክሮና ኣብ ወተሃደራዊ ዘተኮረ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ ክስዕቦ ዘገድድ’ምበር ብዕግበት ኣይነበረን
⦁ ሃይማኖት ንሓርነት ናይ ህዝቢ ክቃለስ ቅኑዕ’ዩ። ሃይማኖታት ሃገርና (ኣስላም ይኹን ክርስትያን) ሓቀኛ ጠበቓ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ንህዝቡ መግቢን ኵሉ ንህይወት ዘድልዩ ነገራት ክቕረበሉን ስነምግባር ክኸብርን ክጣበቕ ቅኑዕ’ዩ
⦁ ሕጊ እንዳባ ተመሊስና እንተርኢና፣ እቲ ዘድልየና ሕግታት ኣብኡ ኣሎ።

ሚስተር ጉንተር ሽሮደር (ጀርመናዊ) ንልዕሊ 50 ዓመታት ብዛዕባ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተኸታተሎ፣ ዓሚቕን ዝርዝርን ኣፍልጦኡ ንኣኼበኛ ኣቕሪቡ። ጉንተር ኣብ ኵሉ መድረኻት ዝነበረ ቃልስታትን ዝነበሩ ተዋሳእትን ብዝርዝር ከቕርብ ከሎ፣ ኣፍልጦኡ ልዕሊ ዋናታት ታሪኽ ኰይኑ ስለንረኽቦ ብዙሕ ኣድኒቕናዮ። ጉንተር ካብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ምትንታን ሰጊሩ ሕጂን ንመጻእን ብደለይቲ ለውጢ ክግበር ዘለዎ፣ መጀመርያ ምጥርናፍ ሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ የስምረሉ።

ድሕሪ ድራር ብወይዘሮ ኪኪ ጸጋይ ዝተለገሰ ሕብስቲ ሽኮር ተቖሪሱ ተዓዲሉ፡ ንገለ ሰዓታት ብወናማት ደረፍቲ ዝተሰነየ ባህላዊ ጸወታን ሳዕስዒትን ተኻይዱ።

ELF Reunion Denver July 12017 3ንጽባሒቱ ማለት ሓምለ 2፣ ኣብቲ ብዋና ረስቶራንት መስከረም ንኽሎም ኣባላት ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ዝተዳለወ ግብዣ ውዒልና። ድሕሪ ቍርሲ ውራይ 5ይ ዳግመ-ርክብ ከመይ ከምዝሓለፈ ንምግምጋምን ካብዚኸ ናበይ ንምምይያጥን ኣኼባ ተኻይዱ። ንብማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዝናበዩ ናይ ሓርነት ስንኩላን ንምሕጋዝ ሓደ ካብ ዕማም ናይ ዳግመ-ርክብ ስለዝዀነ፣ ተሳተፍቲ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ወፍዮም። ዽሕሪ ኣኼባ ምሳሕን ዕላላትን ውዒሉ እዋን ድራር’ውን ኣርኪቡና። ዋና ረስቶራንት ኣቶ ኣለም ስዩም ምስ ስድራኦምን ሰራሕተኛታቶምን መግብን መስተን ከሳስዩ ውዒሎም። ብምሉኡ ድማ ብናይ ረስቶራንት ሕሳብ ወጻኢ፣ ኵሎም ኣጋይሽ ድማ ብናጻ ተኣንጊዶም። ኣጋይሽ ንዝተገብረሎም ልግሲ ኣመስጊኖም። ብዘይካ’ዚ ጸጋይ ነቶም ዝተፈላለየ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ዘድልዮ ዕማማት ዝወፈዩ ግዱሳት ባእታታት ኣስማቶም ብምሕባር ኣመስጊኑ።

መደምደምታ፡
ከም ኵሉ ዝተፈላለየ ዳግመ ርክባት፣ ማለት ደቂ ቤት ትምህርቲ ወይ ደቂ ማሕበር ዝነበሩ ዝገብርዎ ርክብ፡ ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ብሓባር ተቓሊሶም እጃሞም ዘበርከቱ ዳግመ-ርክብ ብምግባር ብዛዕባ ተሞክሮኦምን ተዘክሮታቶምን ከዕልሉን ክመያየጡን ምኽኑይ እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ብዛዕባ ዘፍቅርዎ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣልዒሎም ብመንጽር ዝተቓለስሉ ዕላማ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዝበጽሐን ህልዊ ኵነታትን ካብ ቀንዲ ዝመያየጥሎም ዛዕባታት’ዮም። እወ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጹ ኵልና እንሕበነሉ እዩ፡ እንተዀነ ግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ፣ ብቕዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር፣ ራህዋ፣ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ክትኰነሎም ዝበሃጉዋን ዝተቓለሱላን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ትሳቐ ምህላዋ ዘሕዘኖምን እንታይ ይገበር’ውን ካብ ዝተመያይጥሉ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ።

ክስለፉ ከለዉ መብዝሕትኦም መንእሰያትን ተመሃሮን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዝበርሑን ዝሰየቡን ሽማግለታት’ዮም። ገለ ካብኦም ተማሂሮም ገለ’ውን ካብ ዝተዋፈርዎ ስራሓት ፍልጠትን ሞያን ዘጥረዩ እዮም። ገለ ክሳብ ዝልዓለ ትምህርቲ ዝተኸታተሉን ዝሰርሕሉን ክዀኑ ከለዉ፣ ገለ’ውን ናይ ገዛእ ርእሶም ስርሓት ዝፈጠሩን ንግዲ ዘካይዱን ከምኡ’ውን ናይ መራኸቢ ብዙሃን መርበብ ገረገር ዶት ኮም ዘመሓድር ንደለይቲ ፍትሒ ርእይትኦም ከቃልሑ ብነጻ ዘአንግድ ኣብቲ ውራይ ካብ ዝተሳተፉ ነይሩ።

ምናልባት ኣቀራርባ’ዚ ጽሑፍ ንተባዕታይ ጾታ ጥራይ ዝወከለ እንተመሲሉ፤ ክቡራት ገዳይም ተጋደልቲ ኣሓትና’ውን ስለዝነበራኦ ንዅሉ ጾታ ከምዝውክል ጌርኩም ክትርድእዎ አዘኻኽር።

ንዓመታ ኣብ ተመሳሳሊ ውራይ ብሰላም የራኽበና!!!!!!!!!!
ተሳታፊ 5ይ ዳግመ-ርክብ
ፍስሃየ ሓጎስ

 

 

Last modified on Friday, 14 July 2017 10:31