Print this page

ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፡ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን!

2017-05-14 13:45:01 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2623 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ “ኤሪ መድረኽ” “ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሃደሙ ዜጋታት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡሎም።” ዘርእቱ ዜና ኣንቢብና። እዚ ዜና’ዚ ንኩነታት ኤርትራን እዞም ሕጂ ብህግደፍ ዝጽውዑ ዘለዉ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ዝወጽሉ ምኽንያትን ክከታተል ንዝጸንሐ ዘገርምን ዘስደምምን እዩ። ምኽንያቱ እዞም ዜጋታት ገንዘቦም ኣብ ዓዲ ጓና ከፍስሱ ዝተገደዱ ብሰንኪ እዚ ሕጂ ክምለሱ ዝጽወዖም ዘሎ ኣምሰሉ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝኾነ።

ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ እንዳ ኣዕሸካ ምንባር እዩ። እንተኾነ ዋላ ህግደፍ ተደለዮ ዘለኣለም እንዳተዓሸወ ዝነብር የለን። እዚ ስርዓት ከም ቀንዲ  ኣብ ስልጣን መንበሪ ካብ ዝወስዶ ሓደ ምጥላም እዩ። እቲ ጥልመት በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ፍረ መስዋእቱ ዝኾነ ናጽነት ከይከውን ካብ ዘርኣዮ ጥልመት’ዩ ዝጅምር። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ኣብ ናብራ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ ሓርካፍ ህይወት ውጽኢት ጠላም ባህሪ ናይቲ ጉጅለ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ህዝቢ ምዕምጣር፡ ኣብ  ዘይድሩት ኣገልግሎት ውትህድርና፡ ኣብ ዋንነት ቁጠብዊ ትካላትን ካልኦት መዳያትን ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጠላሚ ባህርያቱ ዝወለዶ እዩ።

እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ንዕቀትን ጸቢብ ህግደፋዊ ስሰዐን ነቒሉ፡ ንኣዝዩ ንኡስ ድኽመታት ኣተዓባብዩን መዝሚዙን፡ ኣብ ስረሓት ህንጻ፡ ምቕራብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት፡ ንግዳዊ ትካላት፡ … ወዘተ ተዋፊሮም ንዝነበሩ ኤርትራውያን ናይ ንግዲ ፈቓዳቶም መንዚዑ፡ ንብረቶም ራስዩን ኣብ ባንክታት ዝነበረ ገንዘቦም ዘሚቱን እቲ ቁጠባዊ ሜዳ ናጻ መዕንደሪ ትካላት ህግደፍ ክገብሮ ከም ዝጸንሐ እቶም ግዳያት ጥራይ ዘይኮኑ ኩልና እንፈልጦ እዩ። እዞም ኣብ ከም ኡጋንዳን ሰላሙ ዘይውሑስ ደቡብ ሱዳንን ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ከኣ ውጽኢት ናይዚ እዮም።

ጉጅለ ህግደፍ ደድሕሪ ህይወትን ድሕነትን ኤርትራዊ ዜጋ ዘይኮነስ ደድሕሪ’ቲ ኤርትራዊ ዘጥረዮ ገንዘብ ዝኸይድ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ከኣ ኣብቲ ፈትየምዎን መሪጸምዎን ዘይኮነስ ንሱ እቲ ጉጅለ ኣገዲድዎም ዝኸድዎ ዓዲ፡ ቁሩብ ገንዘብ ሒዞም ኣለዉ ምስ ሰምዓ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ተመሲሉ ክሽሕጦም ዝፍትን ዘሎ። እቲ መጸዋዕታ ናብኣቶም ስለ ዝኾነ እቲ ውዱእ መልሲ ናይዚ ሸፋጢ ጻዋዒት ካብኣቶም እዩ።

ከምቲ “ክትከይድ እንከለኻ ዘዕንቀፈካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ’ውን ተደገመካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝበሃል፡  መልሶም ነቲ መጸዋዕታ፡ “ኣይትድገመኒ ዝተረፈ፡ ይኣኽለኒ ዝሓለፈ” ዝብል ክኸውን ይግበኦ። ደሓር ከኣ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ዝርካበን ናቕፋኡ ዓጽዩ ብምቑነን እንዳሃበ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሕብስቲ ንሓደ ሰብ ከባጽሕ ዘይከኣለ፡ ዶላር ኣብዚ ባንከይ ኣቕምጡ እሞ ከም ድላይኩም ከተንቀሳቕስዎ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ ክሰብኽ ካልእ ጉሒላ ምዃኑ ዘመልክት ብሂል እዩ። ትማሊ ንብረቱ ተዘሚቱ ኣደዳ ስደትን ሳዕቤናቱን ዝኾነ ተመሊሱ ነቲ ጉጅለ ዶላራት ዘሕቁፍ፡ ዘይጥዑይ ወይ ውሽጡ ህግደፍ ዝኾነ ጥራይ እዩ። ኩልና ከም እንከታተሎ እቲ ወሪዱ ዘሎ መስገደል ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ እዩ። እንተኾነ ውሱናት ሓለውቲ ዓራት ደቂ ዓይኒ መዓር ከኣ ናይ ገዛ ካዝናታቶም ብናቕፋ ጥራይ ዘይኮነ ብዝተፈላለዩ ናይ ሸርፊ ዓይነታት ተሰንዳሕኩ ይብል ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ድንኳናት ከሰላ ብናቕፋ ተረቒሑ ከም ዘሎ ተኣሚኑ እዩ። “እዚ ናቕፋ እዚ ደኣ ንስኻ ከይፈለጥካዮ ካብቲ ባንክ ከመይ ኢሉ ወጺኡ?” ዝብል ሓታታይ ተዝረክብ እንታይ ኢሉ ምመለሰ እንድዒ።

እዚ ሃገርናን ህዝብናን ዘለዉዎ ሃለዋት ግዜ ዘይብ ፍታሕ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ጸገሙ ኣብ ኩሉ መዳያት ደረት ሓሊፉ እዩ። ኣብ ስደት ዘሎ ብሓጺሩ ኣይጠዓሞን። ኣጋጣሚ ረኺቡ ገንዘብ ወኒኑ በቲ ገንዘብ ኤርትራዊ ክብሪ ክገዝእ ኣይከኣለን። ስለዚ ዓይነቱን ክብደቱን ደኣ ይፈላለ እምበር ኤርትራውያን ኣብ ጸገም ኢና ዘለና። ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ሱር ዝሰደድ ጸገም ካብ ሃለወ መፍትሒ ምንዳይ ከኣ ናይ ግድን እዩ። ምእንትኡ ኢና ከኣ ውጽኢቱ’ኳ ክሳብ ሕጂ ማዕረ ትጽቢትና ተዘይኮነ እንቃለስ ዘለና። ሕጂ እውን ኣብ ራህዋ ንክንበጽሕ ብዘይካ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና ጐደና ቃልሲ ዕንቅፋታትካ እንዳጸረግካ ቃልስኻ ምብራኽ ካልእ መተካእታ የብልናን። ንመጸዋዕታ ህግደፍ ተቐቢልካ ናብቲ ዝዅዕቶ ጉድጓድ ምኣታው ከኣ እሞ አይሕስብ እዩ። እቲ ቃልሲ ብውሱናት ዝካየድ ዘይኮነስ ኩሉ ደላይ ራህዋ ኢዱ ክሕውሰሉ ናይ ግድን ምዃኑ ምርዳእ እዋኑ እዩ። ህግደፍ ግና ወጻዕን ዓማጽን ክነሱ ኩሉ ዝብሎ ንኣርዑት ወጽዓኡ ዘትርር እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ከቶ ኣይኮነን።

Last modified on Sunday, 14 May 2017 15:53