Print this page

ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ- ሆላንድ

2017-05-04 07:07:44 Written by  ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1784 times
Rate this item
(0 votes)

  ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን

ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ክትህልዎ እዩ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ።

እንተኸነ እቶም ንትጽቢታቱ ከማልኡ እምነት ዘንበረሎም ኩሉ ዝውንኖ ዓቕሚ ብምውፋይ ዘሔየሎም ብናይ ፖልቲካ መራሕቲ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮንስ ፣ እታ ሃገርን ህዝባን ኣብ ሓያል ሓደጋ ተሰጢሓ ኣድሑኑኒ ትብል ምህላዋ ንቐባራይ ምርዳእ ድኣ ከይኮነና እምበር ንዓና ኤርትራውያንስ ይትረፍ ኤርትራን ጸገማታን ንዝካታተል ጓና ውን ብሩህ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሕዛንን ኣታሓሳሳብን ኩነታት እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ክልዓል ባህርያዊ እዩ። እቲ መልሲ ድማ ካብቲ ህዝቢ እዩ ክነቅል ዘለዎ ፣ ምኽንያቱ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዓቕምታትን ፈልፋሊ ባህርያትን ብግቡእ ስለ እንፍልጥን ስለ ዝርዳኣናን እዩ።

ህዝቢ እንተተጠርኒፉን እንተዓጊቡን ድማ ተላዒሉ ንድኹም ክሔይል ፣ ንንኡስ ከዕቢ ፣ ንፈራሕ ከትብዕ ፣ እንተድኣ ጸሊኡ ድማ ፣ ንሓያል ከድክም ፣ ንሙኩሕ ከንበርክኽ ዝኸእል ፣ ዘይተኣደነ ዓቕምታት ከም ዝውንን ምግንዛብ የድሊ።

ካብዚ ሓቅታት ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ንዕለት 28-05-2017 ካብ ሰዓት 1400 ክሳብ ሰዓት 19፡00 ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ-ሆላንዲ እንነብር ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ሓብርና ክንዛተን ክንላለን ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ብኽብሪ ንጽውዕ።


ዕለት 28 ግንቦት 2017. (28-05-2017)

ጊዜ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ Derde Oosterparkstraat 159

1092 CW Amsterdam

መጓዓዝያ Metro 51 / 53 /54 (Wibautstraat)



Last modified on Thursday, 04 May 2017 09:19