Print this page

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ሆላንድ!

2017-04-16 14:47:19 Written by  Tsegay Negash Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1908 times
Rate this item
(0 votes)

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ- ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምሳኹምን ኣብ ጎኒኹምን ኣለና።

ሃብሮማትን ጀጋኑን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዝወሰድኩምዎ ተባዕ ተበግሶ ነሞጉስ። ተዓዊትኩም የዐዊትኩምና። ብዙሕ ምሽብሻብን ምድላውን ንዝተገብረሉ መደብ ህግደፍ፡  የውሃና ይብጻሓኩም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሆላንድ -  ኣብ ሓጺር ጊዜ ተንቀሳቒሶምን ወዲቦምን ከፍሽልዎ ምኽኣሎም፡ ንቓልሲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝልለ እምነ-ኩርናዕ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ዓወት፡ ናይ ብዙሓት ናኣሽቱ ጅግነታዊ ፍጻሜታት ውህሉል ውጽኢት`ዩ። በብጊዜኡን ብቐጻልን ኣብ ልዕሊ ዓማጺ ህግደፍ ዝግበር መኸተታት፡ ተኣኪቡን ተደሚሩን፡ ናብ ግብኣተ-መሬቱ ግድን ክነቝቶ`ዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ በብቦታናን ከባቢናን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ንዘረጋገጽዎ ኣንጸባራቒ ዓወት ናህሪ ወሲኽና፡  ሽቶኡ መሊኡ ክወቅዕ ንያትና ክብ ኣቢልና ምንቅሳቓሳትና ከነሐይል ንጽዋዕ።

ከሓድን ኣጽናትን ተግባራት ህግደፍ- ሰኣን ዓቕሙን ቀልቡን ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ዘውርድ ዘሎ፣ ብመደብ ዝተዋደደ ስትራተጂ`ዩ።  ስለዝኾነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣና፡ ስም ውዳቤና ወይ ተመኩሮና ይኹን ስፍሓትና ብዘየገድስ፡  ንከሓዲ፡ በታኒን፡ ኣጽናትን ህግደፍ ክንስዕር ስሙር ጻዕሪታት ከነተግብር ዝለዓለ ሃገራዊ ክብርን ሞያን`ዩ።

ህዝብና፡ ሰብኣዊ ክብሩ ብሕጊን ቅዋምን ውሑስ ገይሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላምን ራህዋን ክነብር፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና፡ ህግደፍን ወይጦታቱን ከም ስርዓትን ባህልን ክሰዓሩ- ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዕላማን ተግባርን ተጊሁ ክሰርሕ ቅሩብ እዩ።

ምስጋና ንጅግንነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ!

ምስጋና ንመንግስትን ህዝብን ሆላንድ!

ዓወትን ሓድነትን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ!!                                            

                                                                                                 ሚያዝያ 15 2017

Last modified on Sunday, 16 April 2017 16:50