Print this page

ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣተሓሳስባ ምስራጽ

2017-04-14 08:51:44 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1649 times
Rate this item
(0 votes)

ሓንቲ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ካብ ነዊሕ መግዛእታዊ ቀይድን ሓለንግን ናጻ ዝኾነት ሃገር ተመሊሳ ኣብቲ እቶም መግዛእታውያን ሓይልታት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራ ክትኣቱ ብሓቂ እቲ ህዝቢ ዕድለኛ ከምዘይኮነ እዩ ዘመልክት። እዚ ከኣ እቲ ህዝቢ “ሎሚኸ እንታይ እዩ ክግበር ዝከኣል?” ናብ ዝብል ሕቶ ክኣቱ እንከሎ መልሱ ይሕርብቶ እዩ። ከምቲ ትጽቢቱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኩሉ ሽግራትን ወጽዓን ተላቒቑ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ዝሰጋገረሉ ግዜ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ። 

 ልክዕ እዩ ኣብ ሓደ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ሓርነታዊ ቃልሲ ምክያድ ክሕርብቶ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ እቲ ነቲ መግዛእቲ ስዒቡ ንሃገሩ ከመሓድር ዝመጸ ንህዝቡ “ብኸፋፊልካ ግዛእ” ከመሓድሮ እንከሎ ዝገደደ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ቀሊል ጉዕዞ ዘይኮነስ ሓርፋፍን ሓጎጽጎጻት ዝመልኦን እዩ ዝኸውን።

ብዘይካ’ዚ ንዲሞክራሲ ገሊኡ ምስ ሃይማኖት ኣተሓሒዙ ከም ጸረ-ሃይማኖት ክገልጾ እንከሎ፥ ገሊኡ ከኣ ካብቲ ድሑር ዝንባሌታት ናጻ ስለዘይኮነ ኣብቲ ናይ ምዕብላልን ምድቋስን ልምዲ ብምጥሓሉ ንመትከላት ዲሞክራሲ ክቕበል የጸግሞ እይ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ብቐሊሉ ኣብ ነፍሱ ለውጢ ክገብርን ንለውጢ ድሉው ክኸውንን ክልወጥን ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ረኺብዎ ዘሎ ጸገም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ዝተመሳቐለን፥ ማዕርነቱ ዝሰሓትን ውህደት ዘየብሉ፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ዝተጸልወ፡ ዝተፈላለየ ሓሳብ ምሓዙ ዲሞክራሲ ብቐሊሉ ክሰርጽ ዘይከኣል እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝተፈላለየ ጉድለታት ሰውራ ኤርትራ ዘስዓቦ ምኽንያታት ከኣ ንዲሞክራሲ ብበበይንኻ ምውዳብን ኣብ እንዳታት ወሪድካ ንመሰል ንምጥባቕን ቀዳምነት ምሃብ እነሆ ናብ ዘይተደልየን ዘይስነፍልጠታውን ኣምር ከምርሕ ይርከብ።

እዚ መንነተይ ብኣውራጃይ ወይ ብዓሌተይ ዝበሃል ምስምስ ካብ ማሕበራዊ ተደላይነት ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ለዊጦም ነናይ ገዛእ ርእሶም ሕቡእ ኣጀንዳታት መተግበሪ ባይታ ክጥቀምሉ እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን። ከምዚ ዓይነት ጠባርን ኣደናጋርን ኣገባብ ምትእኽኻብ ውዒሉ ሓዲሩ ንህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክኸውን። ዲሞክራሲ ክህነጽ መላእ ሕብረተሰብ ሓቢሩ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞክራሲ ብትምህርትን ብተግባርን ክምኮረሉ፡ ክቕበሎን ክሰርሓሉን እንከሎ እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲያዊ መሰረቱ ዝድልድለሉን ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዝሰርጸሉን መስርሓት ሓቢርካን ተወሃሂድካን እምበር ብጸቢብነት ዝህነጽ ዲሞክራሲ ፈጺሙ ኣይተራእየን። ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሰላምን ምርግጋእን ነጺጉ ጠርናፊ ብዘይኮነ ኣገባብ ክጠራነፍ እንከሎ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ ዝኸውን። ሰባት ምስ ተኸተልቲ ሃይማነቶም ወይ ደቂ ዓሌቶም ጥራይ ዝሓብሩ ወይ ዝዛመዱ እንተኾይኖም፡ ዲሞክራሲ ርግኣትን ቅሳነትን ኣይረክብን እዩ። ዲሞክራሲ ክህነጽን ክረጋጋእን ሰዓብቲ ዝተፈላለየ እምነታትን ኣባላት ዝተፈላለየ ዓሌታትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት ኣትኪሎም ንሓባራዊ ረብሓ ብዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ክምእዘዙን ከተግብሩን እንከለዉ እዩ ዝያዳ ውሕስነት ዲሞክራሲያዊ መትከላት ዝረጋገጽ።

ሎሚ ንሕና እዞም ኣብ ደገ እሞ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እንነብር ዘሎና በዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኣገባብ ጥርናፈ እሞ ኣብ ነንሓድሕድና ብነድሪ፥ ጥርጠራን፥ ምግላልን ተዋሒጥና ለውጢ ክነምጽእ ንኽእልዶ? ነዚ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ብዘይሕግዝ ኣገባብ ምጥርናፍከ ከመይ ጌርና ኢና ብሓባር ሰሪሕና ናብ እንዕወተሉ ከም ዘመርሸና እንገብሮ?

ዲሞክራሲ እምበኣር ናይ ተዓዋታይ -ተዓዋታይ፡ ማለት ዓወት ንኹሉ ኣካላትን ጉጅለታትን ማሕበረሰብ እምበር ብተናጸል ኣይኮነን። እዚ ክኸውን እንከሎ ግና ሓደ ነቲ ናይ ዲሞክራስያዊ ኣምር ስሒቱ ክጎዓዝ ይኹን ወይ እውን ኣብ ልዕሊ መትከላት ዲሞክራሲ ናይ ምንእኣስ መንፈስ ኣሊይዎ ዓንዲ ዲሞክራሲ ብቐሊሉ ክሰባበር ይኽእል። ስለዚ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ኣወጊድና፥ ናይ ሓባር ልምድታትን ምስ ዘመና ከጓዕዝ ዝኽእል ነፍሰ ተቕይሮ ክህልወናን ሰላምን ፖለቲካዊ ስምምዕን ክሰርጽን ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብዘይ ኣፈላላይ ጸቒጥና ክንሓስብ የድሊ።


Last modified on Friday, 14 April 2017 10:58