Print this page

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ በይ ኤርያ

2017-03-20 20:06:25 Written by  በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2088 times
Rate this item
(2 votes)

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ብ 18 መጋቢት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን ብ ኽብሪ ዘኪሩ ውዒሉ፡ ኣብ"ዚ ታርኻዊ በዓል ኣብ በይ ኤርያ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ኮይኖም ከብዕልዎ ካብ እተፈላለዩ ኣብ ክሊ በይ ኤርያ ዝርከባ ከተማታት ብምትእኽኻብ ነቲ በዓል ድርብ ድምቀት ሂብዎ ውዒሉ።

2BAEDC March 8

መርሕነት ቦርድ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መኽፈቲ ድሕሪ ምግባር፡ ኣስዒቡ ታሪኽን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ፡ ኣብ ምኹስኳስ ባህልን ሕብረተሰብን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘሓልፉ፡ ን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ቃልስ ን ሃገራዊ ናጽነት ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሕቶ ዴሞክራስን ሰብኣዊ ሓርነትን ዘበርከተኦን ዘበርክትኦ ዘሎ፡ መወዳድርቲ ኣልቦ ከምዝኾነ ኣስሚሪሉ፡ ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ከም ቀደመን ከይተሓለላ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ተላብዩ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ንዝኽሪ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ተሞክሮአን ከካፍላ ካብ ዝተዓደማ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካብ በይ ኤርያ፡ ዶክተር ሳዕድያ ሑሰኒን ካን ኖርዋይ ከምኡውን ኤተማር ኑጉሰ ካብ ነውዮርክ ባፎሎ ሕሉፍ ታሪኽ ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ቃልስን ዘጋጥመን ዝነበርን ዘሎን ብድሆታት ብምግላጽ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብሓፈሻ ኣብ ደቀ ኣንስርዮ ከኣ ብፍላይ ብምግምጋም፡ ተወዲበን ምስ ኣሕዋተን ደለይቲ ፍትሒ ኮይነን ከምወትሩ ኣበርክቶአን ከዕዝዛ ቃል ብምእታው ናይ ኩሎም ኣሕዋተን ደለይቲ ፍትሒ ደገፍ ከይፍለየን ተላብየን።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ ማዕረ ኣዚ ረዚን ዕለት መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ን ዝኽሪ ተጎርባውን ብኽብሪ ዘኪሩ ውዒሉ ፡ዝኽሪ ተጎርባ ሓደ ካብቲ ክዝከር ዝግበኦ ቅያታት ገድሊ ኮይኑ ብደረጃ በይ ኤርያ ምስ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ንኻልኣይ ግዚኡ ተዘኪሩ ወዒሉ፡ ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ሮሞዳን ሳልሕ ብዛዕባ ቶጎርባ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ።

3BAEDC March 8

ብድሕሪ'ዚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ፡ ደኺመ ከይበላ ብተወፋይነት ተቓሊሰን ዘቃለሳ ኣብነታውያ ደቀ ኣንስትዮ ን ኣበርክቶአን ዘንጸባርቕ ናይ ምስክር ወረቐት ዓዲሉ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ ቅድሚ ሒጂውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሳንታ ሮዛ ዕውት ኣኼባ ኣቃኒዑ ምንባሩ ይዝከር።

4BAEDC March 8

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ዴሞክራስያዊ ለውጢ

Last modified on Monday, 20 March 2017 21:25