Print this page
Monday, 21 May 2018 08:50

ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ

Written by ቶርኋሚ ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም
Rate this item
(0 votes)

ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት

ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን

ሰርጅዮ ቢታርን

ቶርኋሚ

ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም

ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን: ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ትካል ብሩኪንግስን መስራቲ ኣመሓዳሪ ናይ ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ።

ሰርጅዮ ቢታርን: ኣቦ-መንበር ናይ ቺለ መስረተ ዴሞክራሲን ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ። ካብ 1994 ክሳብ 2002 ድማ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ናይ ቺለ ነበረ።

ክልቲኦም ከኣ ኣሳናዳእቲ ናይታ ዴሞክራሳዊ ምስግጋራት: ዝርርብ ምስ መራሕቲ ዓለም (ማሕተም መክበብ ጃን ሃብኪንስን፥ ኣህጉራዊት ሓሳብ 2015ን፡) እዚኣ ጽሕፍቲ ‘ውን ካብኣ ዝተወሰደት ‘ያ።

ሰመረ ተስፋሚካኤላ ሃብተማርያም: ቶርኋሚ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣን: ዋና ፈጻሚ መድረኽ ሃገራዊ ዘተን: ደራሲ ናይ ክልተ ብእንግሊዝ ዝተሓተማ መጽሓፍቲ: “ልብታት ከም ረጋቢት” (ታሪኻዊት ልቢ-ወልድን): “መንጸብረቕታት ኣብ ታሪኽ ተዋዶ ቤተክርስትያን ሓበሻ (ኢትዮጲያን ኤረትራን)” (መጽሓፍ ታሪኽ) ‘ዩ።

ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ ማዕበል ተቓውሞ ሓፋሽ ንግብጻዊ ውልቀመላኺ ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣኑ ቦርቂቑ ባሕጎጎ። መብዛሕቲኦም ናይ ውሽጥን ናይ ወጻእን ተዓዘብቲ፡ ግብጺ ኣብ ጎደና ዴሞክራሳዊ መጻኢ ከም ዘላ ኣመኑ፡ ገሊኦም ‘ውን ካብኡ ሓሊፎም ዴሞክራሲ ኣብ ዝብጻሕ በጺሓ’ያ ኢሎም ኣወጁ። እንትኾነ እቲ መሓመድ ሙርሲን ሰልፊ እስላማዊ ሕውነታዊ ማሕበር ንናጽነትን ፍትሕን ዝተዓወተሉ ውድድር ምርጫ ጎንጽን ምግምማዕን ኣኸተለ፡ ኣብ 2013 ድማ፡ ድሕሪ ቡዙሕ ናይ ሓፋሽ ተቓውሞታት፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንስልጣን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣቢሉ ተባሕቶ። ካብዛ እዋን ንደሓር ስርዓት ሲሲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ገባራት ቐተለ፡ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣሰረ፡ ንመራኸቢ ቡዙሓንን በርጌሳዊ ሕብረተሰባትን ስረሓቶም ንኸየካይዱ ብዙሕ ጸቕጢ ገበረ።

ኣብ ጥቓ ግብጺ እትርከብ ቱንስ ግዳ ድሓን ከደት። እቲ ማዕበል ዓረባዊ ምልዕዓል ኣብ 2010 እዩ ጀሚሩ፡ እቲ በቲ ሰውራ ቱንስ ተመሪሑ ዝኣተወ ዲሞክራሳዊ መንግስቲ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብሂወቱ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾና ዕማማት ተዓዊቱ፦ ስምምዕ ኣብ ሓድሽ ቅዋም፡ ነዚ ጻማ ኣቓሊባ’ያ ውን እታ ሽማግለ ኖቤል ነተን ኣብቲ ምስግጋር ንጡፋ ተራ ዝነበረን ኣርባዕታውያን በርጌሳውያን ሕብረሰባውያን ማሕበራት ናይ ሰላም ብልጨኣ ዝሰለመተን። ናይ ቱንስ ደሞክራሲ ግን ከይተረረ ለይለይ እናለ፡ ብስግኣት ፖለቲካዊ ጎንጺን፡ ጸቕጢ ኣብ ተቓወምቲ ዝወርድን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እንዳተጠቐዐ ይርከብ። ኣብ ኲባ እውን ድሕሪ ክንደይ እቶም ዝኣርጉ ዘለዉ መላኽቶት ገዛእቲ ጽጋነታት ንምትእትታው ይጅምሩ ስለ ዘለዉ፡ እቲ ዲሞክራሳዊ መጻኢ ተስፋታት ይግበረሉ ኣሎ። ኣብ ምያንማር (ከምኡ እውን ብበርማ ትፍለጥ)፡ ዋላ’ኳ ብቡዙሓት ጸገማት ዝተሰነየ ይኹን እምበር፡ ሓደ ዘይምዕሩይ ምስግጋር ቀስ እናለ፡ ምናልባት፡ ካብ ወተሃደራዊ ግዝኣት ናብ መላእ-ኣሳታፊ መንግስትነት የብጽሕ ይህሉ እዩ።  

እንታይ እዩ ዝውስን እቲ ፈተነታት ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ዑዉትን ዘይዑዉትን ክኸውን። ሑሉፍ ተሞክሮታት ገለ ኣስተብህሎታት ይህብ። ስፍሕ ዝበለ ቃለመጠይቓት ምስ 12 ፕረሲደንት ነበራትን ሓደ ቀዳማይ ሚንስተርን፡ ኣገዳሲ ዝኾነ ተራታት ዝተጻወቱ ኣብ ዑዉት ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ኣብ ብራዚልን፡ ቺለን፡ ጋናን፡ ኢንዶኒዝያን፡ ሜክሲኮን፡ ፊሊጲንስን፡ ፖላንዳን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ኢስፓኛን ኣካይድና። ዋላ’ኳ ገሊኦም ኣብ መላኺ ስርዓት መራሕቲ ዝነበሩ እንተኾኑ፡ ንሃገራቶም ናብ ኣድማዒ ዲሞክራሲ መሪሖም ዝሓገዙ ኢዮም። ኤፍ. ዳብሊው. ዲ. ክላርክ፣ ከም ፕረሲደንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ኔልሰን ማንዴላን ሃገራዊ ጉባኤ ኣፍሪቃን (ሃ.ጉ.ኣ.) ተደራዲሩ ነቲ ዓሌታዊ-ፍልያ (ኣፓርታይድ) ኣብ መወዳእታ ከም ዝበርስ ጌርዎ። እቲ ምኽትል ፕረሲደንት፡ ኣብ ጥሕቲ ነዊሕ ግዝኣት መላኺ ኢንዶኒስያ ዝነበረ፡ ዳሕራይ በቲ ዘጋጠሞ ዓቢ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ባዕሉ ዝተሳናበተ ሱሓርቶ፡ ቢ. ጀይ. ሓቢቢ ፕረሲደንት ኮነ፡። ሽዑኡ ሓቢቢ ነቶም ኩሎም ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ፈተሖም፡ ዕዮ ማሕበራት ብዕሊ ኣፍቀደ፡ ፕሬስ ምምያ ጠጠው ኣበለ፡ ሓደሽቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክምስረታ ኣፍቀደ፡ ከምኡ ‘ውን እቲ ሕግታት ፖለቲካ ናይ ኢንዶኒስያ ቀይሮ፡ ንቅዋማዊ ዲሞክራሲ መንገዲ ጸረገ።

          ካልኦት መራሕቲ ‘ውን ጉሉሓት ነበሩ ኣብቲ ንምብራስ ምልካዊ ስርዓት ዘብቀዐ ምንቅስቓሳት ተቓውሞን፡ ኣስዒቡ ‘ውን ርጉኣት ዲሞክራሲታትን ንምህናጽ ዝሓገዘ። ኣብ 1990፡ ድሕሪ ምምላስ ዲሞክራሲ፡ ፓትሪሽዮ ኣየልዊን፡ መራሒ ተቓውሞ ኣንጽር እቲ ንነዊሕ ዝገዘአ መላኺ ቺለ፡ ጀነራይ ኣውጎስቶ ፒኖሸ፡ ናይ ሃገሩ ቦኽሪ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ኮነ። ድሕሪ ዴሳዊ ስርዓት ኣብ ፖላንዳ፡ ታድዮሲዝ ማዞዊኪ፡ ካቶሊካዊ ሊቕን መራሒ ምሕዝነት ማሕበር ዕዮን፡ ቦኽሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኮነ።

ከምኡ’ውን ምስ ናይ ድልድላት መራሕቲ፡ ክልተ ኣእጋሮም፡ ሓደ ኣብ ውልቀ-ምልኪ እቲ ካልእ ኣብ ዴሞክራሲ ዝረገጸ፡ ቃለመጠየቓት ኣካየድና፦ ከም ኣብ ደሳዊት መንግስቲ ፖላንዳ ካቢነ ምኒስተር ዝነበረን ከምኡውን ኣብታ ንፖላንዳ ዲሞክራሳዊት ማዕጾ ከተርሑ ዘምረሐት ከባብ ጠረፔዛ ዘተ ዝተሳተፈን ኣለክሳንደር ክዋስኒዊስኪ። ኣስዒቡ ‘ውን ከም ፕረሲደንት፡ ዲሞክራሳዊ ትካላት ፖላንዳ ክህነጽ ሓገዘ። ኣብ 1986 ፊዴል ራሞስ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ናይ ፈርዲናንዶ ማርኮስ ዝለዓለ ማዕርግ ዝነበሮ ናይ ውትድርና በዓል መዚ፡ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ሰልፍታት ህዝባዊ ሓይሊ ተሓወሶ። ኣስዒቡ ድማ ከም ሚንስተር ምክልኻልን፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ድሕሪ ማርኮስ ዝመጸ ደሞክራሲ ካልኣይ ፕረሲደንት ኮነ።

          ዋላእ’ኳ ዝሰፈሑ ማሕበራውያንን በርጌሳውያንን ፖለቲካውያንን ሓይልታት ኣገደስቲ ተራታት እንተተጻወቱ፡ እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ግን ኣብ ነፍስወከፍ ሃገሮም ኣብቲ ዑዉት ምስግጋር ቀንዲ (መፍትሕ) እዮም ኔሮም። እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ኣብ ምብራስ ምልካዊ ስርዓታት ዘብቅዑን፡ ኣብ ቦትኦም ብዝተሃንጹ ቅዋማውያን ዲሞክራስታት፡ ብስሩዕን ኣብ ገግዚኡ ዝግበር ብመጠኑ ፍትሓዊ ዝኾነ ምርጫታት ዝተኸሉን፡ ኣድማዒ ዝኾነ ልጓማት ኣብ ፈጻሚ ሓይልን ተግባራዊ ዝኾኑ ዋሕሳት ናይ መሰረታውያን ፖለቲካውያን መሰላት ክትከኡ ሓጊዞምን፦ ካብዞም ለውጥታት እዚኣቶም ‘ውን ንድሕሪት ዝተገልበጡ የለውን። ዲሞክራሲ ኣብ ገሊአን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ምግስጋስ መሳርሕ ይርከብ፡ እዚ ምስግጋር ግን ነቲ ምቅርራሕ (ዝርጋሐ) ስልጣን ኣተግባርነት ፖለትካን ብመስረቱ ለዊጥዎ። ናይ ብሓቂ፡ ሓንቲ እኳ የላን ንኹሉ ዓቐናት ማዕሪኡ ክትከውን ትኽእል ኣርኣያ ዲሞክራሳዊ ለውጢ። እንተኾነ ዝሓለፉ ምስግጋራት፡ ገለ ብሓፈሽኡ ክትግበሩ ዝኽእሉ ትምህርትታት ይውከፉልና። እቶም ዴሞክራሳውያን ጸገንቲ እንካን-ሃባን ኢሎም ክጋደፉን፡ ነቲ ቀስ ኢሉ ዝስስን ግስጋሰ ካብ’ቲ መላእ-ኣጠቓላሊ ፍታሕ ብቐዳምነት ክሰርዑን ድልዋት ክኾኑን ኣለዎም። ልፍንትታት ክሃንጹ፡ ኢዶም ክዝርግሑ ንገለ ምስቲ ክግልብጥዎ ዝደልዩ ስርዓት ዘገልግሉ ዘለው፡ ከምኡ’ውን ምስ ሕቶታት ፍትሕን ፍዳን ክጠማጠሙ ይግብኦም። ከምኡ’ውን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ገባር ከእትውዎ ኣለዎም። እቶም ካብ ዑና ምልካዊ ስርዓታት ዴሞክራስታት ክሃንጹ ዝግደሱ፡ እዘን ዝስዕባ ዝበለጻ ተግባራት እናተኸተሉ ዕጫታት ዓወተም ከመሓይሹ ይኽእሉ።

ምምድማድ ‘ቲ ባይታ

ቅድሚ እቶም ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ኣብ ሰልጣን ምዕራጎም ኣቐዲሙ ግዜ ሓይኹ ኢዩ ሓደ ዕዉት ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ዝጅምር። ብመጀመርያ እቲ ተቓውሞ እኹል ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ፡ እንድሕር ናይቲ ስርዓት ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ክምክትን ንነብሱ ከኣ ከም ተኣማኒ ተዋዳደራይ ስልጣን ከቕርባን እንተኾይኑ። መራሕቲ ተቓውሞ ሰልፍታት (ሸብሮታት) ክሕብሕቡን፡ ምእሳርን ምስቓይን ምስጓግን ን ናይ ተቓወምቲ ክኹንኑን፡ ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ስርዓት ሃገራውን ኣህጉራውን ወግዓውነት ክብሕግጉን ኣለዎም። እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ነቲ ኣብ መንጎ ተቕውሞ ዘሎ ዓሚቕ ፍልልያት ናይ ሽቶታትን፡ መሪሕነትን፡ ዕርድታትን፡ ሜላታትን ድልድላት ሰሪሕካ ምጽባቡ ይሓትት። እቶም መብዛሕቲኦም ቃለመጥይቓት ዝገበርናሎም መራሕቲ ምስግጋር፡ ንነዊሕ ግዜ ብትግሃት ነቲ ፍልልያት ንምፍታሕን፡ ሰፊሕ ልፍንትታን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ምህናጽን፡ ኣብ ሓበራዊ መደብ ንፖለቲካዊ ሰልፍታትን፡ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን፡ ሰራሕተኛን፡ ተምሃሮን፡ ሃይማነታዊ ትካላትን፡ ቀንዲ ናይ ውኒን ረብሓታትን ንምጥማሮም ዝሰርሑ እዮም። እቲ ምሕዝነት ማሕበር ዕዮ፡ ኣብ ፖላንዳ፡ ብቐረባ ምስ ናይ ተምሃሮ ማሕበራትን፡ ሊቃውንትን፡ ባእታታት ናይ ካተሊካዊት ቤተክርስትያንን ሰሪሑ። ተቓውሞ ብራዚል ነቶም ናይ ኢንዳስትርታት መራሕቲ ነቲ ጉዳይ ከምዝድግፍዎ ጌሮም። ኣብ ኢስባንያ እቶም ተቓወምቲ ጉጅለታት ነቲ ዝነበሮም ፍልልያት ናብቲ ናይ 1977 ዋዕላ ሞንክልዋ ዘብጸሐ ልዝባት ፈቲሖም፡ ኣብ’ቲ እዋን ምስግጋር ከመይ ጌሮም ነቲ ቁጠባ ከም ዘመሓድርዎ ተሰማመዑ።

          እቶም ተቓውሞ ንክሓብሩ እንድሕር ዝፈሽሉ ኮይኖም እቲ ትጽቢት ደሞክራሲ ኣብ ዝኾነ ቦታ ብኣንጻሩ ይህሰ። ኣብ ቨንዚወላ፡ ነቲ መንግስቲ ማዕረ ክንደይ ተፈጣጢ ኰንካ ትገጥሞ ኣለካ ዝብል ዑቱብ ፍልልያት፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ተቓውሞ ዓንቂፍዎ ኣሎ፡ ነቲ ብልሹው ቁጠባዊ ምሕደራ ናይ’ቲ ስርዓት በዝቢዙ ከኣ ኣብ ራብሕኡ ከውዕሎ ኣይከኣለን። ኣብ ሰርብያ፡ ኢስሎቦዳን ሚሎሰቪክ፡ ድሕሪ ስልጥን ምሓዙ፡ በቲ እንዳነሃረ ዝኸይድ ዝነበረ ክገዝእ ዘብቅዖ ምልካዊ ባህሪ ገለ ከመስግኖ ዘለዎ፡ እቲ ብሓንሳብ ሓቢሩ ስሙር ግንባር ከቕርብ ዘይከኣለ ሰርብያዊ ተቓውሞ እዩ። ኣብ ዩክረይን፡ እቲ ናይ 2004-5 ሰውራ ቡርቱካን፡ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ሰፊሕ ምድንጋር ኔርዎ ኢሉ ዝግመት ከም ዝክልበጥ ገበሮ። ዴሞክራስያውያን ትካላትን ግዝኣት-ሕግን ዝያዳ ከይምዕብሉ ግን እቲ ዝነበረ ፍልልያት ኣብ መንጎ ጸገንቲ ንቕድሚት ነቕ ከምዘይብል ጌሩ ቐፈዶ፡ ንዳግማይ ዓሰርት ዓመት እውን ናብ ምልከ ውሕዳንን ፖለቲካዊ ብልሽውናን ኣስዓበ። ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ዲሞክራሳዊ ተቓውሞ፡ ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ’ቲ ስርዓት ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ሕጂ ግን ድልዋት ዝኾኑ ንመደብ ዲሞክራስነት ክሕግዙ ድልድላት ክሰርሕ የድልዮ። እምበኣር ደመክራሳውያን ጸገንቲ ብኣንጻሩን ብቐጻሊን ከመሓላልፍዎ ዘለዎም ራኢ ንቕድሚት ዝቕነዐን ኣወንታውን ኮይኑ፡ ነቲ ብምልካውያን ስርዓታት ዝንዛሕ ፍርሒ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከይሓድር ክግጠምን፡ ኣብ ሑሉፍ ቅሬታታት ምትኳር ፋይዳ ዘይብሉ ዝገብርን ክኸውን ኣለዎ። ምስኡ ምስኡ ከኣ፡ ነቶም ጎንጺ ምኹናን ዝኣበዩን ወይ ድማ እንካን-ሃባን ዘየፍቅድ ኣውራጃውን ብሄራውን ጉጅላውን ርእሰ ምምሕዳር ጠለባት ዘቕርቡን፡ ኣብ ደረት ከም ዝውሰኑ ምግባሮም።

          ንተቓውሞ ምሕባር ግን ኡኹል ኣይኮነን፡ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ነቲ ፍልልያት ኣብቲ ውሽጢ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፡ ክርድእዎን ክብዝብዝዎን ይግባእ። ነቶም ኣብቲ ውሽጢ ስርዓት ዘለው ባእታታት ንለውጢ ርሕዋት ክኸኑ ምዕጋብን፡ ጸገንቲ ዝእመን ዝኾነ መብጽዓታት ክገብሩን፡ ሕነ ከይፈድዩን ንብረት ናይቶም ኣብቲ ስርዓት ሰብውሻጠ ዝኾኑ ከይግብቱን። ምንቅስቓሳት ተቓውሞ ኣትሪሮም ክሰርሑ ይግባእ ቁቡላት ተማጕቲ ናይቶም ኣብቲ ውሽጢ ምልካዊ ስርዓት ኮይኖም መዋጽኢ ዕርዲ ዝድልዩን፡ ከምኡ ምስኡ-ምስኡ ‘ውን ነቶም ፈጺሞም ነቲ መልእኽቲ ለውጢ ዝነጸግዎ ክነጽልዎምን። ንኣብነት፡ እቲ ቀንዲ ዕርዲ ናይቲ ብራዚላዊ ጸጋኒ፡ ፈርዲናንዶ ሄንሪከ ካርዶሳ፡ ንባእታታት ናይቲ ውትህድርና ኢዶም ሰዲዶም መዋጽኦ ዝድህስሱሉ ዝስሕብ ነበረ።

          እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ግን ኣድላይነት ምርሓቕ ካብቲ ምልካዊ ግዝኣት ዘስተብሃሉ፡ ነቲ ናተይ ዝብልዎ ደጋፊ ብግዴኦም ኣለይመለይ እናበሉ፡ ምስኡ-ምስኡ ከኣ ምስቲ ተቓዋሚ ጊጅለታት ዝላዘቡ መገድታት ምርካብ የድይዮም። እቲ ደ. ክላርክ ብ1989ን 1990ን ምስ ኣባላት ካቢንኡ ዝገበሮ ናይ ቆጥቋት መናፈሻ (ቡሽ ርትሪት) ከም መርኣያ ናይዚ ክውሰድ ይከኣል። ኣብዚ ዝርርብ እዚ፡ ቅድሚ እቲ ድራማዊ ዝኾነ ስጉምትታት ምእዛዙ፡ ኣብ ውሽጢ ካቢንኡ ምስጢራዊ ሓበራዊ ስምምዕ ከጥሪ ክኢሉ፥ ንሃ.ጉ.ኣ. ሕጋዊ ምግባርን፡ ኔልሰን ማንዴላን ካልኦት ፖለቲካውያን ኡስራትን ምፍታሕን፡ ዘተ ብዕሊ ምኽፋትን። ኣብ መጀመርያ፡ ከም ኣድላይነቱ፡ እቲ ቀታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ተቓውሞን ስርዓትን ብስቱር ክግበር ይከኣል፡ ልክዕ ‘ውን እቲ ፈለማዊ ርኽክባት ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ወከልቲ ሃ.ጉ.ኣ.ን ከምኡ ‘ዩ ኔሩ፡ ኣብ መፋርቕ 1980ታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወጽኢ ኮይኑ ‘ዩ ዝተኻየደ። ዘይዕላዊ ዝርርባት፡ ከም ናይ ፖላንዳ ከቢብ ጠረቬዛ ምይይጥ፡ ንኣባላት ስርዓትን ዲሞክራሳዊ ተቓውሞን ንክራዳድኡን፡ ንክልሻት ምስዓሩን፡ ብሓንሳብ ኴንካ እትሰርሓሉ ዝምድናታት ምጥራይን ይሕግዝ። ከም ደ. ክላርክ ዘቕለበሉ “ዝኾነ ግርጭት ክትፈትሖ ኣይትኽእልን እንድሕር እቶም ሰብ ነገር ነንሕድሕዶም ክዘራረቡ ዘይከኣሉ…ኣብ ዝኾነ ንግግር ከትዕወት እንተደኣ ኮንካ ነብስኻ ኣብ ቦታ ናይቲ ካልእ ኣቐሚጥካ ክጥምታ ኣለካ፡ ሓደ ብዓይኒ ጉዳይ ናይቶም ካልኦት ጠሚቱ እተን ብመጠኑ ዝወሓዳ ጠለባት ክውስን ኣለዎ (ናይቲ ካልእ ሸነኽ) እንድሕር ናታቶም ምትሕግጋዝን ኣወንታዊ ተሳታፍነትን ኣብቲ መሳርሕ ንግግር ከረጋግጽ ኮይኑ።”

          ኣብዚ መላእ መሳርሕ፡ እቶም ጸገንቲ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ስርዓት ጸቕጢ ክገብሩ፡ ቀጻሊ ዓወት ንምጭባት ከኣ ስግኣት ዘለዎም ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም፡ ዋላ’ኳ ዘገም እናለ በብቑሩብ ዘተግብሩ ስጉምትታት ይኾኑ። እንካን ሃባን ኢሎም ማእከላይ ፍታሕ ንምርካብ ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም፡ ዋላ’ኳ ‘ዚ ንገለ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዒላማታት ፍርቂ ዓወት ጥራሕ ዘጨብጥን ንገለ ኣገደስቲ ደገፍቲ ዘባሳጩን እንተኾነ። መብዛሕቲኡ ግዜ፡ እቲ ዝያዳ ትብዓት ዘድልዮ፡ ነቲ ዝለዓለ መርገጻት ምንጻግ እምበር፡ ነቲ ሰሓቢ ክንሱ ግን ዘይተግባራዊ መትከላት ኣጥቢቕካ ምሓዝ ኣይኮነን። ምስግጋርራዊ-ምትግባር ዕማም ናይ ሃሜናዊ ኣይኮነን።

          ንኣብነት፡ ኣብ ጋና፡ መራሒ ናይታ ሓዳሽ ሓርበኛዊት ሰልፈ፡ ጃን ኩፈኦር፡ ነቲ ኣብ 1992 ምርጫ ዝነበረ ናይ ሰልፉ ኣብያ ነጺጉ፡ ነቲ ናይ 1996 ምርጫ፡ ሰልፉ፡ ዋላ ትሰዓር፡ ክትሳተፎ ከም ዘለዋ መጎተ። ኣብቲ ናይ 2000 ምርጫ ኣስዒቡ ዝመጸ ናይ ኩፉኦር ዓወት፡ ስልጣን ብምርጫ-ሳጹን ኣቢሉ ናብ ሰላማዊ ምስግጋር ንኸምርሕ ኣብቀዐ፡ እዚ ን15 ዓመት ዝቐጸለ ኣገባብ ‘ዩ።ከምኡ ‘ውን ኣብ መክሲኮ፡ ኤርኔስቶ ዘዲሎ፡ ዋላ’ኳ ጉሉሕ ኣባል ናይታ ንነዊሕ ዝገዘአት ትካላዊት ሰውራዊት ሰልፊ (ት.ሰ.ሰ.) ይኹን እምበር፡ ነቲ ምስ ተቓውሞ ተላዚቡ ዝተሰማምዓሉ፡ በብቑሩብ ዝመጽእ ጽገና መሳርሕ ምርጫ፡ ድሕሪ ናይ 70 ዓመት ኣብ ስልጣን ምህላው፡ ቅጽጽር ከስተልሙ ኢልካ ዘይትጽበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ደገፉ ሃበ። ኣስዒቡ ‘ውን ከም ፕረሲደንት ዝያዳ ለውጥታት ክገብር ተሰማመዐ ብዛዕብ ኣማውላ መኸተ-ምርጫን፡ ከምኡውን ንምሕያል ናይ ምርጫ ሰበ-ስልጣናት ዝተለመ ጽገና ደገፈ፡ እዚዩ ከኣ ነቲ መንገዲ ዘርሓዎ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተረኣየ ምስግጋር ስልጣን ካብ ት.ሰ.ሰ. ናብ ተቓውሞ ኣብቀዐ።

          እቲ ኣብ ምንጻግ እንካን-ሃባን ኢልካ ዝርከብ ማእከላይ-ፍታሕ ተጠጅኡ ዝጸንሕ ሓደጋ ብንጹር ኣብ ናይ ግብጺ ጉዳይ ተራእየ። ኣብቲ ሓጺር ዝእዋኑ ግዝኣት ሕውነት ኣስላም፡ እታ ጉጅለ ኣብ ኣስላማዊ መደብ ኣጥቢቓ ጸቒጣ ሓድሽ ቅዋም ነደፈት፡ እዚ ከኣ ዓቢ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ኣነጸለ። ኣብ ቺለ፡ እቶም ሑሉፋት ጸጋማውያን ዝኾኑ ኣባላት ተቓውሞ “ኩሉ ዓይነት ቃልሲ” ዝብል እምነት፡ እንኮላይ ጎንጺ ዘጠቓለለ፡ ኣንጻር ስርዓት ፒኖሸ ደገፉ። ኣብ 1996 ኣቢሉ መብዛሕቲኡ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ነቲ ውልቀምልክነት ካብ መንበር ስልጣኑ ብሓይሊ ከውርድዎ ከምዘይከኣል ተሰቆሮ፡ እቲ ዝነበረ ዝምድና ምስ ሑሉፋት ጸጋማውያን ግን ነቲ ምስሊ ተቓውሞ ኣባላሸዎ። ብኣንጻሩ ናብ ሰላማዊ ውድድራት ኣቕነዑ፡ ንኩሉ ትኸውን ሃገር ንክሃንጹ ከኣ ተመጻብዑ። እዚ ኣቀራርባ ነቲ ኣብ 1988 ዝተኻየደ ምርጫ፡ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ኦጎስቶ ፒኖሸ ንክዕወቱ ሓገዘ፡ ነዚ ምርጫ ቡዙሓት ኣብ ተቓውሞ ክኣብይዎ ይደልዩ ኔሮም።

ገባራትን ጸታን

ምግልባጥ ምልካዊ ስርዓት ሓደ ነገር ‘ዩ፡ ምምሕዳር ግን ኣዝዩ ካልእ። መብዛሕቲኡ ግዜ፡ መራሕቲ ምስግጋር፡ ቅድም ቤቶም ከጽርዩን ከም ብሓድሽ ክጅምሩን፡ ጸቕጢ ይገጥሞም፡ ነዚ ግን ክነጽግዎ ይግባእ፦ ምኽንያቱ ምምሕዳር ትርኢታትን፡ ሰራሕተኛን፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ኣብ ተቓውሞ ዘድልዩ ፍልይ ዝበሉ ክእለታትን ስለ ዝጠልብ ። ተቓውሞ ሓንሳብ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ እታ ልዕሊ ኩሉ ኣገዳሲት ዝኾነት ተቓዳዲምካ ክትውሰድ ዘለዋ ስጉምቲ፡ ጎንጽታት ምቕሃምን ጸታዊ ስርዓት ምምላስን ክንሳ፡ ምስኣ ከኣ ጎኒጎና ኩሎም ሓይልታት ጸታ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ንጥፈታት ከይገብሩ ምርግጋጽ እያ። እቶም ቃለመጠይቓት ዝገበርናሎም ብጣዕመ መሳጢ ዝኾነ ዝርዝራት ኢዮም ኣዘንትዮም ብዛዕባ ‘ቲ ንነዊሕ ዝጸንሕ ብድሆታት እቲ ኣብ ሞንጎ ገባርን ወተሃደራትን ዘጣጥሕ ዘሎ ዝምድናታት። ቀልጢፎም ጸገንቲ ብዝከኣል መጠን፡ ንኩሎም ኣገልግሎት ጸታ ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሳዊ ገባራዊ ቁጽጽር ከእትውዎም ኣለዎም፡ ምስኡ-ምስኡ ከኣ ነቲ ዕላዊ ተራ ናይዚ ኣገልግሎት ክፈልጥዎን ከኽብርዎንን፡ እኹል ንዋታት ክህብዎምን፡ ነቶም መራሕቶም ከኣ፡ በቲ ኣብ ሑሉፍ ዝገበርዎ ምድቋሳት፡ ካብ ኩሉ ኣልማሚ ዝኾነ ሕነ ክከላኸልሎም ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት እቲ ፖሊስን ውሽጣዊ ስለላ ኣገልግሎትን ካብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጠሪሹ ክፍለ ኣለዎ። መራሕቲ ኣብ ‘ቶም ፖሊስ ሓድሽ ኣረኣእያ ከስርጹ ኣለዎም ብዛዕባ ‘ቲ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ሓላፍነት ሓይሊ ጸታ ንምክልኻል እምበር ንምድቋስ ገባራት ኣይኮነን፡ ንተራጸምቲ ጉጅለታት ፈሕ ከተብል ዓቕሚ ናይዚ ሓይለ ከተዋሕዶ ኣይግባእን ኢሎም ከተኩርሉ ይግባእ። ጸገንቲ ነቶም ኣብ ሃስያንን ጨካን መጸቀጥቲን ዝወዓሉ ላዕለዎት ሰብመዚ ካብ ስልጣን ከርሕቕዎኦም፡ ነቶም ዓበይቲ ኣዘዝቲ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቀጣ ትእዛዝ ገባራዊ ምኒስተራት ምክልኻል ክኾኑ፡ እቶም ንጡፍ ግቡኣት ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ካብ ፖለቲካዊ ተሳተፍነት ክቕጠቡ ከም ዘልዎም ኣጥቢቕካ ምርግግጽ ይግባእ።

          ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ክትብሎም ይቐልል ካብ ከተተግብሮም፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ከኣ በሊሕ ፖለቲካዊ ፍርድን ትብዓትን ይሓትት። ኣብ ገለ ኩነታት እዚኦም ስጉምትታት ኣቐድምካ፡ ኣብ እግረ ተኽሊ፡ ክትዛረበሎም ትኽእል፡ ኣብ ገሊኡ ግን ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስዱ ኢዮም። ካብ መጀመርታ ግን ቀዳምነትን ከምኡ ‘ውን ቀጻልነቱን ዘረጋግጽ ሓለዋ ክወሃቦም ይግባእ። ከምቲ ሓቢቢ ዝገለጾ ብዛዕባ ዝምድና ገባርን ወተሃደራትን ኣብ ኢንዶኒስያ ክትንትን ከሎ፡ “እቶም ምስግጋር ዝመርሑ…ከርእዩ ኣለዎም፡ ብዘረባ ወይ ጽሑፍ ዘኮነስ፡ የግዳስ ብተግባር፡ ኣገዳስነት ገባራዊ ቁጽጽር።”

          እቶም ዓበይቲ ገባራውያን ሰብመዚ፡ ሓላፍነት ምቁጽጻር ሓይልታት ጸታ ዝሓዙ፡ ፈላጣት ክኾኑን ብዛዕባ ጉዳያት ጸታን፡ ከምኡ ‘ውን ኣኽብሮ ክህልዎም ይግባእ ኣብቶም ማዕሪኦም ዝኾኑ፡ ኣብ ወተሃደርነትን ፖሊስን ስለላዊ ኣገልግሎትን ዘለው መራሕቲ። እዚ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኣብተን ዲሞክራሳውያን ምንቅስቓሳት ብጎንጺ ምስ ኣገልግሎት ጸታ ዝተራጸማ፡ ኣብ ህላወ ሕድሕደ ዘይምትእምማን ዝቕጽል፡ ኣብ ልዕሊ ገባራዊ ክእለት ብወተሃደራዊ ጉዳያት ቁንጣሮ ኣኽብሮ ምስ ዝህሉ።

          መራሕቲ ምስግጋር፡ ነቲ ዝሓለፈ ስርዓት ተሓተቲ ንምግባርን፡ ነቲ ናይ ሓይሊ ጸታ ፍናኑን ስነስርዓቱን ንምዕቃብ ዘሎ ድልየትን፡ ሚዛኑ ክሕልው ኣለዎም። ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ርጉማት ተጻላእቲ ዝነበሩ ሰላማዊ ሕድሕደ ምቅብባል ክሕብሕቡ ኣለዎም--ቀሊል ጉዳይ ኣይኮነን። ሽዑ ጥራይ እዮም ዜጋታት ነቲ ተጻባኢን ኢወግዓውን ኢሎም ብዙሓት ብጠገለ ነጺገሞ ዝነበሩ መንግስቲ ክቕበልዎ ዝጅምሩን፡ ሽዑ ጥራይ ‘ዮም ‘ውን እቶም ሓይልታት ጸታ ምስ ዜጋታት፡ ምስቶም መነዓዓብቲ ኢሎም ዝሓስብዎም ዝነበሩ፡ ምሉእ-ብምሉእ ዝተሓጋገዙ።

          እቲ ሓደ ካብቲ ንሓደሽቲ ዴሞክራስታት ዘጋጥመን ኣዝዩ ግዜ ዝወስድ ብድሆታት ነቲ ጸታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ገባራዊ ቁጽጽር ምእታው እዩ። እቲ ናይ ግብጺ ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ዘፍሸለ፡ ከርሰ ነገሩ እቲ ዝቐጸለ ልዕልነት፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝተመርጸ ትካላት ሓለፋ ዘለዎ፡ ናይ ግብጽዊ ወተሃደራዊነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ከም በዓል ጋምብያን ማይነማርን ታይላንድን፡ እቲ ዝያዳ ኩሉ፡ ኣብ ዕዉት ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ኣገዳሲ ዝኾነ ዕንቅፋት፡ እቲ ገባራዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸታ ዘይምህላው እዩ።

እቲ ቅዋማዊ ብድሆ

ነቲ ወተሃደራዊ ኣብ ትሕቲ ገባራዊ ቁጽጽር ምእታው፡ ነቶም መራሕቲ ምስግጋር ንሃገራዊ እምነትን ኣህግራዊ ወግዓውነት ንኽረኽቡ ከተባብዕ ይሕግዝ። ከምኡውን፡ እቲ ምዕባለ ምርጫዊ መሳሪሕታት ድሌት ናይ ቡዙሓን ዘንጸባርቕን፡ ነቶም ኣብ ምርጫ ዝተሰነፉ፡ እቲ ቀንዲ ሻቕለቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ዝኽበር ክረጋገጽ ከሎ ‘ዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ግድነታዊ ‘ዩ፡ ኢንዶኒስያ ግዳ፡ ነቲ ናይ 1945 ቅዋም ገለ ዓንቀጽት ጥራሕ ለዊጣ ዓቀበቶ፡ ፖላንዳ ‘ውን፡ ንምሉእ ሓድሽ ቅዋም ክሳብ ሓያሎ ዓመታት፡ ድሕሪ ምውዳቕ ዴስነት ዝሓልፍ ኣየጽደቐቶን።

          ሰፊሕ ቡዙሕነት ዘለዎም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ክሳተፉ ይግባእ፡ እቲ ቅዋም ነቲ ዋና ዝኾነ ሻቕሎት፡ ናይ ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተስብ፡ ምእታን ክፈትሕ፡ ዋላ‘ኳ ‘ዚ ንግዜያዊ፡ ንዲሞክራሲ ዝገትእ መሳሪሕታት ምቕባል እንተኾነ። ኣብ ግምት ክእቱ፡ እቲ ን25 ዓመት፡ ድሕሪ ምዕናው ስርዓት ፒኖሸ፡ ዘቐጸልዎ ኣድልዎ ዝነበሮ ምርጫዊ ኣገባብ፡ ነቶም ወተሃደራዊን ዓቃባውያን ጉጅለታትን ኣፎም ንምዕባስን ኢዶም ንምጥማርን ኢዩ ኔሩ፡ ከምኡ’ውን ምሃብ ቦታ ምኽትል ፕረሲደንት ንመራሒ ተቓውሞ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ። ሓድሽ ቅዋም ሰፊሕ ደገፍ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ምናልባት ምስኡ ልኡላት ባህግታት ምሕባርን፡ ኣድሒሩ ከኣ ምስሓብን፡ ወይ ‘ውን ዘገም እናለ ክትግበር ምግባሩ የድሊ ይኸውን፡ ከም’ቲ ኣብ ናይ 1988 ቅዋም ብራዚል ሁንጡይ ማሕበራውን ቁጠባውን ስንዳአታት፡ ሰፊሕ ናይ ዕዮ መሰላትን ሕርሻዊ ጽገናን ኣድማሳዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ዝጸወዐ።  

          ዋላ ‘ኳ ኣብ ሓደ ቅዋም እቲ ትኽክልኛ ኣጣቕማ ቃላት ኣገዳሲ ይኹን ፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲስ፡ ብከመይን መዓስን ብመንን ክጽድቕ ከሎ ‘ዩ። እቶም ተለምቲ እቲ ቅዋም ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብን፡ ከምኡ ‘ውን፡ ኣብ ኩነታት ብዘፍቅዶ፡ ንምጽጋኑ ኣጸቢቑ ቀሊልን ወይ ‘ውን ተግባራዊ ዘይኮነን ንኸይኸውን ክዕወቱ ኣለዎም። ቡዙሓት ‘ዮም ንናይ ኣይልዊን ቅዋም ዝነቐፉ፦ እታ ናይ ሓቂ ሽማግለ ኣብ ቺለ “ክሳብ ዝከኣል” ጥራሕ ‘ያ ፍትሒ ከተውህብ ዝሃቀነት፦ የግዳስ እቲ ሽዑ ዝተኻአለ፡ ዓመታት ምስ ሓለፈ ከኣ ዝያዳ ገፈሐ። እቲ ቀንዲ ሽቶ ክኸውን ዘለዎ ከመይ ጌርካ ሰፊሕ ተቐባልነት ብዛዕባ መሰረታውያን ሕግታት ዲሞክራሳዊ ምውሳእ ትምስርት ‘ዩ። ከምቲ ድሕሪ ዓሌታዊ ግዝኣት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ ፕረሲደንት ዝኾነ ታቦ እምበከ ዝተገንዘቦ፡ “ኣገዳሲ ‘ዩ ኔሩ እቲ ቅዋም ብመላእ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክውነን፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናብ ምትላም ቅዋም ዘብጸሐ መሳርሕ ንኩሉ ዘሳትፍ ክኸውን።”

          እቲ መሳርሕ ንደገፍቲ ናይቲ ሑልፍ ስርዓት ዘሳትፍ ከኸውን ኣልዎ፡ ውሕስነት ከኣ የድልዮም፡ መሰላቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ዝኽበር። ንኹሎም ሰበስልጣናት ነበር ብኣልማማ ምኽሳስ ለባም ኣይይኮነን። እቶም ሓደሽቲ መራሕቲ ክምስርትዎ ዘለዎም እምበኣር ግሁድ ሕጋዊ ኣገባባት ንምድህሳስ ሓቂ ብዛዕባ ሑሉፍ ዓመጻትን፡ ንግዳይ ኣደዳ ዝኾኑ ምፍላጥን፡ ምናልባት ‘ውን ካሕሳ ምሃብን፡ ኣብ ዝከኣለሉ ‘ውን ነቶም ዓቢ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሕጊ ምቕራብ። ዋላ‘ኳ ሙሉእ ዕርቂ ዘይኸውን እንተኾነ፡ ሕድሕደ ምጽውዋር ግን ግድነታዊ ሽቶ ‘ዩ። እንካን-ሃባን ዘለዎ ማእከላይ ኣፈታትሓ፡ ደጊም-ደጋጊም ኣድላዪ ‘ዩ።

ሚዛን ዘሕልዉ ግብረታት

ዴሞክራሳዊ ምስግጋር እግሪ እናተኸለ ከሎ፡ እቲ ህዝቢ ነቶም ዴሞክራሳውያን መራሕቲ ‘ዩ--ሓንሳብ-ሓንሳብ ‘ውን ንዴሞክራሲ ባዕላ—ንቁጠባውን ፖለቲካውን ትጽቢታት ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም መብዛሕቲኡ እዋን ዝወቕሶም። ንውልቀመላኺ ስርዓት ክቃወማ ዝሓበራ ምንቅስቓሳት ክበታተና ይኽእላ። እቶም ሓደሽቲ ሰበስልጣናት ነቲ ዘይተርፍ ዓሚቕ-ዝስሩ ኣመላት ብልሽውናን ዘይምስላጥነትን ይወርሱ። እተን በርጌስ ሕብረተሰብ ውድባት፡ ንኣንጻር ምልኪ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፡ ዘበርከታ ሓንሳብ-ሓንሳብ ይቁንቁና ወይ ‘ውን ኣዕናዊ ዝኾነ መርገጻት ይኽተላ፡ ብፍላይ ድሕሪ ‘ቶም መብዛሕቲኦም ወሓላሉ መራሕተን ኣብ መንግስቲ ወይ ኣብ ሰልፊ ፖለቲካ ክኣትው ከለው።

          ምህናጽ ኣወንታዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ‘ቲ ሓድሽ መንግስትን ‘ቲ ሓድሽ ተቓውሞን ቀጻሊ ብድሆ ‘ዩ። ውድድር ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓውሞን ንዴሞክራሲ ጥዕና ይህቦ፡ ሙሉእ ዕግተት ብተቓውሞን ወይ ምድቋስ ነቐፌታ ብመንግስቲን ከኣ ብቕጽበት ንዴሞክራሲ የዕንዎ። ሓደ ነጻ ፈራዲ ኣካል፡ ብዘይ ምዕጋት ቡዙሓት ሓደሽቲ ተበግሶታት፡ ንፈጻሚ ተሓታቲ ክገብሮን፡ ከምኡ’ውን ሓደ ነጻን ሓላፍነታውን መራኸቢ ሚድያ ንሓዳሪ ዴሞክራሲ ክስረት ይሕግዝ።

          ፖለቲካውያን ሰልፍታት ውን ኣገዳሲ ተራ ይጻወታ፡ እንድሕር መጎዓዝያ ናይ ፍሉያት ውልቀሰባትን ኣዕሩኽቶምን ካብ ምዃን ተቖጢበን። ብኣገባብ ዝተወደባን በዓል መደባትን ዝኾና ዴሞክራስያውያን ሰልፍታት እቲ ዝሓሸ ካብ ኩሉ ደርቢ ዝመንጩ ህዝቢ ዝዋሰኣሉ ባይታ ዝህብ፡ ኣድማዒ ጸቕጢ ዝሕብሕብን፡ ንሕንጻጻት ዕንጋላዊ ሓግዝ ከውህብ ዝወዳድብን፡ ህዝባዊ ጠለባት ዝኣሊን፡ ክኢላታት መራሕቲ ዘለልን ዘማዕርግንን። ኣመዓባብላ ሓያላት ሰልፍታት ጡንቁቕ ጠመተ ኣብ መሳርሕታትን ተዋሕስነት ኣመራርጻ ተወዳደርቲን፡ ምምዋል መኸተ ምርጫን፡ ኣክሰስ ናብ መራኸቢ ብዙሕን። እቲ ንዲሞክራሳዊ ምሕደራ ኣብ ጋናን ኢንዶኒስያን ፊሊፒንስን ቀጻሊ ብድሆታት ኮይኑ ዘሎ ብሓደ ሸነኽ ህላውነት ድኹማት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ‘ዩ።

          ዋላ‘ኳ ‘ቲ ንምስግጋር ዝውልዕ፡ ኣብ ክንዲ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ጠንጥታት ይኹን እምበር፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ከይ ወዓሉ ከይ ሓደሩ፡ ቀዳምነት ዝኾንዎስ ቁጠባዊ ብድሆታት እዮም።   ድኽነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ምቕናስ ምስ ዘድልዩ ቁጠባዊ ጽገናታትን፡ ንናይ ርሑቕ-ጠማቲ ዕቤትታን ማላእ-ቁጠባዊ ርግኣትን ዘጠንክሩ ክጋራጮ ይኽእል። ቅድሚ ‘ቲ ሓያል ህዝባዊ ደግፍ ምጽንፋፉ፡ እቲ መንግስቲ ከተግብሮም ዘለዎም ማሓበራዊ ስጉምትታት፡ እቲ በቶም ብቐረባ ዝጥቅዑ ክፋል ሕብረተሰብ ተጸሩ ዘሎ መከራታት ከቃልልን፡ ከምኡ’ውን ፈናንሳዊ ሓላፍነት ከተግብርን ‘ዩ። እቶም ብምልኦም ዘጽናዕናዮም መራሕቲ ምስግጋር ዕዳጋ ዝኣንፈቱ ኣቀራርባን ጥንቑቕ ማላእ-ቁጠባውን ገንዘባውን ፈናንሳዊ መምሪሒታትን እዮም ተኸቲሎም፡ ነዚ ብጥንቃቐ ዝገበሩ ከኣ ካብ ምንብድባድ ህዝባዊ ፍርሒታት ንምድሓን፡ እቲ ህዝባዊ ረብሓታት ከኣ፡ ነቶም ፉሉይ መሰል ዘለዎም ዝተሸጠ ከይኸውንን። ዋላ’ውን እቶም ኣብ መጀመርያ ንነጻ ዕዳግ ተጻባእቲ ዝነበሩ፡ ኣብዛ ብቐጻሊ ዓለምለኸ እንዳኾነት ትኸይድ ዘላ ቁጠባ፡ ዕዳጋታትን ከምኡ’ውን ምስኡ ጎኒጎኑ ኮይኑ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ምዕባሌ ከምጽኣ ዝኽእላ ሓየልቲ ማሕበራዊ መምሪሒታት፡ ኣድለይቲ ምኻነን ተቐበሉ።

          ዴሞክራሲ ከም‘ዚ ብምልኡ ናይ ቀረባ ታሪኽ ምዕራባዊ ምትእትታው ኣብ ምእከላይ ምብራቕ ዘርእዮ፡ ዝስደድ ኣቕሓ ኣይኮነን። ናይ ደገ ተዋሳእቲ ግን ፡ መንግስታዎን ዘይመንግስታውን፡ ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ብኣድማዕነት ክሕግዝዎ ይኽእሉ እንድሕር ነቶም ናይ ውሽጢ ሓይልታ ኣኽቢሮምን፡ ኣብቲ ንሶም ዝዓደምዎም እንተተዋሲኦምን። እቶም ነቲ ስቕታዊያን ዲብሎማሲታት፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተቓውሞንን ኣብ መንጎ ተቓውሞን ወከልቲ ‘ቲ ስርዓትን፡ ሓንሳብ-ሓንሳብ ኣድላዪ ዝኾነ ኩነታት ክቕርቡ ይኽእሉ። ማዕዳ ክህቡ ይኽእሉ ኣብ ቡዙሓት ተግባራውያን ዛዕባታት፡ ካብ ከመይ ጌርካ መኸተ ተካይድን፡ ክሳብ ከመይ ጌርካ ንመራኸቢ (ሚድያ) ኣድማዒ ጥቕሚ ትገብረሉን፡ ኣብ መውዳእታ ‘ውን ከመይ ጌርካ ንምርጫታት ትጓስዮን። ከም ኣብ ፖላንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ቁጠባዊ እንገዳታት ንመጽቀጥቲ ክግታእ ክሕግዙ ይኽእሉ ይኾኑ። ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ንምሕጋዝ፡ ሓገዛትን ወፍሪታትን ክህባ ይኽእላ ወጻኢ ሃገራት፡ ከም’ቲ ኣብ ጋናን ፊሊፒንን ፖላንዳን ዝገበረኦ። ኣብ ምስግጋር ግዜ፡ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ርሑብ ባይታ ንፖለቲካዊ ጽገና ክፈጥር ይኽእል፡ እንድሕር ንምምላስ ቀዳምነታት ውሽጢን፡ ብምምትሕግጋዝ ምስ ናይ ውሽጢ ተዋሳእቲን ዝቐርብ ኮይኑ።

          ዝኾነ እንተኾነ ግን ፡ ኣህጉራዊ ምትእትታው ቦታ ናይ ውሽጣዊ ተበግሶታት ክወስድ ኣይክእልን። ንተዋሳእቲ ደገ ዝያዳ ውጽኢታውያን ዝገብሮም ምስ ዝሰምዑን፡ ሕቶታት ካብ ተመሳሳሊ ብድሆታት ተሞክሮታቶም ዝመንጨወ ምስ ዘልዕሉን፡ ከምኡ’ውን ንውሽጣውያን ተሳተፍቲ ንዛዕባታት ብዝተፈላለየ ማእዝናት ክግምትዎ ከም ዘለዎም ምስ ዘተባብዑ ‘ዩ።

እትልወጥ ዘላ ዓለም

እቲ ናይ ሎሚዘመን ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ብሓደሽቲ ተዋሳእቲን፡ ስነኪነትን፡ ቁጠባዊ ጸቕጥታትን፡ ጅዮፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ዘኽእል ኩነት ተለዊጡ እዩ። ሕጂ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ዓመጽ ናይ ፖሊስ ብኢድ ቴሌፎን ብምምዝጋብ፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከለዓዕል ይኽእል። ማሕበራዊ መራኸብታት ንህዝባዊ ርኢቶታት ብቕጽበት ክጠዊኦን፡ ንወደብቲ ‘ውን ቡዙሓት ሰዓብቲ ንኽእክቡን የኽእላ። እዚ ሓድሽ ስነኪነት ግን ነቲ ከቢድ ስራሕ ንምህናጽ ትካላት ዝግበር ዝትክእ ኣይኮነን። ከም እቲ ጸጋኒ ዳሕራይ ፕረሲደንት ናይ ብራዚል ዝኾነ፡ ካርዶሶ ዘስተብሃለሉ፡ “እቲ ሽግር ‘ኳ ሓብሒብካ ከተፍርስ ቀሊል፡ ንኽትሃንጽ ግን ብጣዕመ ከቢድ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። እቲ ሓድሽ ስነ-ኪነታት ባዕሉ እኹል ኣይኮነን ነታ ትመጽእ ስጉሚት ንቕድሚት ክወስዳ።” ከም ኩፉኦር ዘቐመጦ፡ “እቶም ሓፋሻት ትካላት ክሃንጹ ኣይኽእሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ‘ዩ መሪሕነት ዘድሊ።”

ኣብ ዝመጽእ ዓመታት፡ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን በርጌሳዊ ሕብረተስብኣዊ ውድባትን፡ ብኣህዛዊ ምምርባብትን (ድጂታል ኔትወርኪን) ዝተመሓየሸ፡ ምናልባት ኣብ ልዕሊ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ጸቕጢ ጌሩ ብዝያዳ ዝዝውተርን ዝያዳ ኣድማዒን ክኸውን ‘ዩ ካብ ዝሓለፈ እዋን። እንተኾነ ግን እዘን ምንቅስቓሳት እዚኣተን ንፖለቲካውያን ሰልፍታትን መራሕትን ክትከአአን ኣይኽእላን። እዚኦም ተዋሳእቲ እዮም ኣብ መውዳእታ ትካላት ዝሃንጹን፡ ምርጫውን ምምሕዳራውን ልፍንቲታት ዝነድቁን፡ ህዝባዊ ደገፍ ዝኸስቡን፡ መምርሒ ሕንጻጻት ዘዳልዉን ዘተግብሩን፡ ምእንቲ ሓበራዊ ሰናይ መስዋእትታት ዝሓቱ፡ ዲሞክራሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢሎም ንህዝቢ ኣተባቢዖም ዘእምኑን ብኣድማዒ ከኣ የማሓሓድሩ። ትካላት የድልዩ ‘ዮም፡ ምስኡ’ውን ዓቕሚ ናይ ምርዳእን፡ መሳሪሒታትን፡ ከምኡ’ውን ዝፈታትን መሪሕነትን ንነዊሕ ክኸይድ ዝኽእልን።

ኣብ ናይ ቀረባ፡ ተሞክሮ ግዛኣተ-ነብሲ ዘይብለን ሃገራት፡ ዝሰርሕን ዕንጋሊታውን ዴሞክራሲታት ምህናጽ ከቢድ ‘ዩ፡ ለይለይ ዝብላ ማሕበራውያንን በርጌሳውያንን ውድባትን፡ ከምኡ’ውን ቡቑዕ ኣገልግሎትን ጸታን ክረጋግጻ ዝኽይላ ዱኹማት መንግስታዊ ትካላት እንዳኾና። ኣብ ተሪር በሄራውን ጉጅላውን ኣውራጃውን ፍልልያት ዘለውን ሃገራት፡ ከቢድ ‘ዩ ንክትምስርት ዴሞክራሲ። ዝኾነ ኮይኑ፡ እተን ብዴሞክራሲ ዝተመርጻ መንግስትታት ብውልቀመለኻዊ ክገዝኣ ይኽእላ፡ ነቲ ዴሞክራሳዊ ግዝኣት ዝጠልቦ ሓጋጋውን ፈራዳውን ልጓማት እንዳኸተታን እንዳኣዳኸማን ብቀለዓለም ኣገባብ እንዳሓዛ። ንምዃኑ እዝኤን ሃገራት እየን ብልክዕ ሁጹጽ ዝኾነ ዴሞክራሳዊ ለውጢ ዘድልየን። ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት፡ ዋላ ‘ውን ኣብቲ ኣዝዩ ዝተመቓቐለ ሃገራት፡ እዘን ብድሆታት ክትጋጠመን ከም ዝከኣል ኣብነታት ናይ ጋናን ኢንዶኒስያን ፊሊፒንስን ደቡብ ኣፍሪቃን ኤስፓኛን ኣርኢዩ ‘ዩ።

ሎሚ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ንዝያዳ ዝተመሃሩ መንእሰያት ሓብሒብካ ኣብ ህዝባዊ ሜዳታት ሰልፍታት ክገብሩ ይከኣል፡ ብፍላይ ዋሕዲ ስራሓት ምስ ዝህሉ። እቲ ብድሆ ግን ከመይ ጌርካ ብቐጻሊ መሰረት ንነበርቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ትካላትን ክሃንጹ እተዋስኦም ‘ዩ። ዴሞክራሲ ካብቲ ኣብ መገድታትይ ዝወጸ እኩብ ህዝቢ ኣይኮነን፡ ብቐታ ወይ ግድነታዊ ኮይኑ ዝወጽእ። ንዴሞክራሲታት ምህናጽ ራኢን ምድርዳር ምስ እንካን ሃባን   ከቢድ ስራሓትን ስኒ ዝነኸሰ ቀጻልነትን ክእለትን መሪሕነትን ከምኡ ‘ውን ገለ ዕድልትን የድሊ። ምስ ዝኹሉ ዕንቅፋታት ግን ዴሞክራሳዊ ምስግጋራት ተዓዊቱ ‘ዩ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ። እዚ ካብ ዕዉት ተሞክሮታት ዝተረኽበ ትምህርትታ ክቕሰምን ክትግበርን ከሎ ነቲ ውልቀመላኺታት ኣውዲቑ ኣብ ቦትአን ዕንጋሊታውን ዴሞክራሲታት የምጽእ።

Read 6187 times Last modified on Friday, 25 May 2018 09:10